ኣብ እስራኤል ዕጡቕ ብዝፈጸሞ ተኹሲ ፖሊስ ተቐቲላ፡ ካልኦት ድማ ቆሲሎም

ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ከተማ ቤርሸባ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ሓንቲ ጓል 19 ዓመት ፖሊስ ክትመውት እንከላ ካልኦት 10 ድማ ቆሲሎም ክብሉ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ማእከላይ መደበር ኣውቶቡስ እታ ከተማ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ፖሊስ ነቲ ፍጻመ "ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ" ዝበሎ ዀይኑ፡ እቲ ዕጡቕ ብጥይት ተቐቲሉ።

ኣገልግሎት ኣምቡላንስ እስራኤል ንዓሰርተ በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ ሰባት ይሕክሙ ከምዘለዉን ካብኣቶም ገሊኦም ድማ ብጥይት ከምዝተወቕዑን ገሊጹ።

ካብቶም ዝተጎድኡ ሓደ ኣብ “ቅሩብ ክብድ” ዝበለ ኩነታት ከምዘሎ ዝገለጹ ሓካይም ኣጎልግሎት ኣምቡላንስ እታ ሃገር ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ኣብ “ማእከላይ ኩነታት” ከምዘለዉ ገሊጹ።

እቶም ግዳያት ናብቲ ኣብ ቀረበኦም ዝርከብ ሆስፒታል ሶሮካ ተወሲዶም ኣለዉ።

መባእታዊ መርመራ ፖሊስ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ዕጡቕ ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢታት በቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐተለ ተፈሊጡ።

ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ፡ መግለጺ ዝሃበት ሚኒስተር መጓዓዝያ እስራኤል ሚሪ ረገቭ፡ ስድራቤት “ኣሸበርቲ” ካብታ ሃገር ክጥረዙ ጸዊዓ።

ንሳ ኣስዒባ “ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምክልኻል መቕጻዕቲ ዝወሃበሉ ግዜ በጺሒና ኣለና” ክትብል ኣብ ኤክስ ጽሒፋ።

መራሒ ተቓዋሚ እስራኤል ያየር ላፒድ ብወገኑ፡ ነቲ መጥቃዕቲ "ከቢድን ንዕቀት ዝተመልኦን" ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ኣንጻር ግብረሽበራ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኣለና" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ኣብ ከባቢ ጃፋ ሓደ ዕጡቕ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ብዝኸፈቶ ተኹስን መጥቃዕቲ ካራን 7 ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ።

ሰበስልጣን እስራኤል፡ ቀዳማይ ዓመት ናይቲ ኵናት ቓዛ ዘስዓበ መጥቃዕቲ ሓማስ ካብ ዝቀራረብ ኣትሒዞም ኣብ መላእ እታ ሃገር እኹል ጥንቃቐታት ይገብሩ ከምዘለዉ ምግላጾም ይፍለጥ።