ጉጅለ 20 እንታይ’ዩ፡ መራሕቲከ ብዛዕባ እንታይ ይዘራረቡ?

ኣኼባ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መራሕቲ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 [ጂ20] ዝመጽእ ሰኑይ ኣብ ኢንዶኔዥያ ከተማ ባሊ ተራኺቦም ዓመታዊ ጉባኤኦም ከሳልጡ እዮም።

ቀንዲ ዕላማ እዚ ኣኼባ፡ ቁጠባ ዓለም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዘሕደሮ ጸቕጢ ክወጽእ ዝሕግዙ መገዲታት ምንዳይ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ነዚ ዘተ ከተዓናቕፎ ይኽእል'ዩ።

ጉጅለ 20 እንታይ እዩ? ብኸመይ ተመስሪቱ?

ጉጅለ 20 - ዝማዕበላን ብኢንዳስትሪ ዝበልጸጋን ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቘፈ ጥርናፈ እዩ፥

እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ ምብራቕ ኤዥኣ ብ1999 ዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላው ክምስረት እንከሎ፡ እቲ ዝዓበየ መድረኽ ዓለምለካዊ ቁጠባን ፋይናንሳዊ ምትሕብባርን ኰይኑ እዩ።

እዚ ጉጅለ፡ 19 ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝሓቘፈ’ዩ። ስጳኛ፡ ወትሩ ዕድምቲ ጋሻ ኰይና ትሳተፍ።

ናይዚ ካልእ መልክዕ ዝዀነ፡ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከባሉ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ [ጂ7] ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ዘመዝግባ ከም ቻይና፣ ብራዚልን ህንድን ዝበላ ዝሓቘፈ ጉጅለ’ውን ኣሎ።

ኣብ ሞንጐኦም፡ ኣባል ሃገራት ጉጅለ-20፡ 85% ቁጠባዊ ውጽኢት ዓለምን 75% ንግዲ ዓለምን ዝሕዛ ኰይነን፡ ክልተ ሲሶ ህዝቢ ዓለም’ውን ዝሓዛ እየን።

ኣብ መጀመርታ፡ ኣኼባ ጉጅለ 20 ኣብ ሞንጐ ሚኒስትራት ፋይናንስን ማእከላይ ባንክን እዩ ዝካየድ ነይሩ።

ብ2008 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] መራሕቲ እተን ሃገራት ንፈለማ እዋን ካብ ዝራኸቡ ንድሓር ግን ስሩዕ ፍጻመ ኰይኑ ቀጺሉ።

እንታይ ይዝትዩ?

ዋዕላታት መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 20 ዝዝትዩሎም ጉዳያት ካብ ቁጠባ ብዝሰገረ ክሊማዊ ለውጢ፣ ዘላቒ ጸዓት፣ ሕድገት ዓለምለኻዊ ልቓሕን ምትሕብባራት ንብዙሓት ሃገራት ዘሳትፍ ግብርን ዘጠቓለለ ኰይኑ እዩ።

ዓመታዊ፡ ፕረዚደንትነት እቲ ጉጅለ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ዝሰጋገር ኰይኑ፡ ኣጀንዳ እቶም ዝካየዱ ኣኼባታት ይቐርጽ።

ኣብዚ ዓመት፡ ኢንዶኔዥያ ፕረዚደንት እቲ ጉጅለ ኰይና፡ እቲ ኣብ ባሊ ዝካየድ ጉባኤ ድማ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ስዒቡ ክህሉ ብዛዕባ ዝግብኦም ዓለማዊ ስጉምትታት ጥዕናን ምሕዋይ ቁጠባን ዘተኮረ ክኸውን ትደሊ። ብተወሳኺ፡ ሃገራት ዘላቒ ጸዓት ከስፋሕፍሓ ድልየት ኣለዋ።

ይኹን’ምበር፡ ህልዊ ፖለቲካ ዓለም ነቲ ዋዕላ ከይዕብልሎ ይስጋእ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን፡ ሩስያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝፈጸመቶ ወራር ካብ ኣባልነት እቲ ጉጅለ ክትወጽእን ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፍ ዝቐረበሉ ዕድመ ክስረዝን ሓቲቱ ኣሎ።

ፕረዚደንት ፑቲን ብወገኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፍ ወይ ልኡኻት ሰብ መዚ ሩስያ ክሰድድ ብዛዕባ ምዃኑ ጌና ከም ዘይወሰነ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን’ውን ንወራሲ ዓራት ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ሰላምታ ክነጽጐ ከም ዝኽእል ይግመት።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ሩስያ ኣብ ዩክሬይን ንእተካይዶ ዘላ ኲናት ፋይናንስ ብምግባር ትሕግዛ ኣላ ብምባል ይኸስስ።

ክልቲአን ሃገራት፡ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ክውስኽ ብሓባር ከም ዝሰርሓ’ውን ይገልጽ።

ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናይ ስእሊ ስነ ስርዓት

መብዛሕትኡ ግዜ፡ መራሕቲ እተን ሃገራት ሓበራዊ ስእሊ ይለዓሉ’ዮም። እዚ፡ ስምምዓት እቶም መራሕቲ ንምሻጥ ከም ዕድል ይጥቀሙሉ’ዮም።

ሓሓሊፉ ግን፡ እቶም ኣብቲ ዕለት ዝውሰዱ ስእልታት ዘሕልፉዎ መልእኽቲ ርእሰ ዜና ዓለም ክኸውን ይርኣይ እዩ።

ንኣብነት፡ ብ2018 ኣብ ቆንስል ኢስታንቡል ብዝተፈጸመ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብቲ ኣኼባ በቶም መራሕቲ ጽቡቕ ኣቀባብላ ኣይጸንሖን፤ ኣብቲ ሓበራዊ ስእሊ ድማ ኣብ ጫፍ ኰይኑ ተሳኢሉ።

መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ስነ ስርዓት ስእሊ ዋዕላ ጂ-20

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ጉጅለ 20 ዕውት ኰይኑ ይፈልጥ’ዶ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ እዋን እቲ ዓብዪ ዓለምለካዊ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ብ2008ን 2009ን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ እቶም መራሕቲ ንዓለምለኻዊ ፋይናንሳዊ ስርዓት ንምድሓን ዝሕግዙ ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት ክወስዱ ተሰማሚዖም።

ድሕሪኡ ዝተኻየዱ ዋዕላታት ግን፡ ብዙሕ ሃናጺ ተራ ዝነበሮም ኣይኰኑን፤ እዚ በቲ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ዓለም ዝተፈጥረ ወጥሪ ብምብልሻው ከም ዝዀነ ይግለጽ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ ሚኒስተራት ፋይናንስን ማእከላይ ባንክታትን ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20፡ ብሰንኪ ወራር ዩክረይን፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ምዕራባውያን ሓይልታትን ብዝተፈጥረ ክትዓት ብዙሕ ኣይተሰማምዑን።

ይኹን እምበር፡ ሃገራት መብዛሕትኡ ግዜ ጐናዊ ርክባት እቲ ዋዕላ ብምክያድ ኣብ ስምምዕ ይበጽሓ እየን።

ንኣብነት፡ ኣብ 2019 ኣብ ኦሳካ ኣብ ዝተካየደ ኣኼባ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግን፡ ነቲ ኣብ ሞንጐ እተን ሃገራት ዝነበረ ንግዳዊ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ዳግማይ ዝርርብ ክጅምሩ ተሰማሚዖም።

መብዛሕትኡ ግዜ ክኣ፡ መራሕቲ እዘን ሃገራት ኣብ ዝራኸብሉ ግዜ ዓበይቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ይካየዱ’ዮም።

ብ2018፡ ኣብ ቦነስ ኣይረስ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣንጻር ፖሊሲታት ቁጠባ ጉጅለ 20 ተቓውሞ ኣስሚዖም ነይሮም።

ብ2017 ድማ፡ ጸረ-ካፒታሊስት ተቓወምቲ ኣብ ሃምቡርግ ናዕቢ ኣካይዶም።

ብ2018 ኣብ ሪዮ ዲ ጄኔርዮ ከመኡ’ውን ብ2010 ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ዝተኻየዱ ርክባት ጂ20 ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም።

ኣብ 2009፡ ኢያን ቶምሊንሰን ዝተባህለ ሸያጢ ጋዜጣ፡ ካብ ስራሕ ናብ ገዝኡ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ኣንጻር ዋዕላ ጂ20 ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ከም ዝተቐትለ ይግለጽ።

ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20፡ ኣርጀንቲና፣ ኣውስትራሊያ፣ ብራዚል፣ ካናዳ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ህንዲ፣ ኢንዶኔዥያ፣ ጥልያን፣ ጃፓን፣ ሜክሲኮ፣ ሩስያ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ቱርኪ፣ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ፣ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን እየን።