ሓደስቲ ስማርትፎን ምግዛእ እንታይ'ዩ ረብሓኡ?

ንኣፍቀርቲ ሓደስቲ ስማርትፎን፡ ርሑስ ሓድሽ ወቕቲ ንምነየልኩም።

ዓበይቲ ኩባንያት ቴክኖሎጂ፡ በብዓመቱ ሓደስትን ዘመናውያን ስማርትፎን ሒዞም ብምቕራብ፡ ተጠቀምቲ ዝህንጠዩሉ እዋን እዩ።

ንኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊስካ፡ ኣብ ኣብዝሓ ሳልሳይ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዝርግሐ ኣገልግሎት ርክባት ተሌፎን ድሩት'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ገለ ከተማታት ድማ ሓደስቲ ተሌፎናት ናብ ዕደጋ ክቐርባ፡ ብሰፊሑ ኣብ ረብሓ ክውዕላ ይረአያ።

እዚ ድማ ብፍላይ ምስ ምስፍፋሕ ማሕበራዊ ሚድያታት ተኣሳሰሩ፡ ዘመናውያን ተሌፎናት ረብሓአን ዘይትካእ እናዀነ ዝመጽአ ይመስል።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ጉግል ‘ፒክሰል 9' ዝበሃላ ሞባይላት ክዝርግሕ ርኢና ኣለና፤ ንዕኡ ስዒቡ ድማ ኣፕል ንኣይፎን 16 ሒዙ ደበኽ ኢሉ ኣሎ።

ኣብ ሓምለ፡ ሳምሰንግ ናይ መወዳእታ ቅዲ ናይተን ዝዕጸፋ ተሌፎናቱ፡ Z Flip6ን Z Fold6ን ኣውጺኡ ነይሩ።

ኣብ ቻይና ዝመደብሩ ሁዋዌ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ንዝነበረ ንሕንሕ ክብ ብምባል፡ ክልተ ተዓጻፊ ዝሓዘት፡ Mate XT እትበሃል ዘመናዊት ሞባይል ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣብ መላእ ዓለም መሸጣ ስማርትፎናት እናዛሕተለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ መወዓውዒ ዕዳጋ ግን እናደመቐ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል።

ሓላፊ ኣፕል ቲም ኩክ፡ iPhone16 "ብስማርትፎን እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ዘርኢ" ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ። ርግጽ፡ እዚ እንታይ ማለት ከምዝዀነ ብሕጂ ዝረአ እዩ።

ምክትል ፕረዚደንት ምሕደራ ፍርያት ጉግል ብራያን ራኮውስኪ ብወገኑ፡ ብዛዕባ ናይታ "ጽብቕቲ" ፒክሰል 9 ብግጥሚ ኣቢሉ፡ ‘ርቡዕ ኩርናዕ ቅርጺ - ጸላም ምልክዕቲ’ ክብል ይንእዳ።

ሁዋዌ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ተጠቃሚ ምልክት ደርፊ ከምዘለዎ ኣብ መግለጺኡ ኣብሪሁ ኣሎ።

ብዛዕባ ተሌፎናት ኢና ንዛረብ ዘለና።

ክልቲኦም ኣፕልን ጉግልን ገለ ባህርያት ሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ብምጥቃም፡ ዝተዓወቱ ይመስሉ።

መተግበሪ ማጂክ ኤዲተር ጉግል፡ ሕጂ ኣብ ኣሳእል ትሕዝቶ ክውስኽ ዝኽእል ኰይኑ፡ ዘየድልዩኻ ነገራት ሓኺኹ ከጽሪ ይኽእል እዩ።

ኣይፎን 16 ድማ፡ ብመተግበሪ 'ኣፕል ኢንተለጀንስ' ኣቢሉ፡ ChatGPT ከምኡ’ውን OpenAI ኣብ ረብሓ ብምውዓል - ብዙሓት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ምምሕያሽ ክግበሮ ዝሓትዎ ዝነበረ እዩ።

እዚ ኵሉ ግን ተጠቀምቲ ‘ዝጠልብዎ’ ድዩ?

ክኢላ ሞባይል ተሌፎን ቤን ዉድ፡ ካብ ትካል መጽናዕቲ ሲሲኤስ ኢንሳይት ከም ዝበሎ፡ ባህርያት ሰብ-ሰርሖ-ብልሒ፡ ዲጂታላዊ ህይወት ንምቅላል ዝዓለመ’ኳ እንተዀነ፡ ኵሉ ሰብ ቀዳምነት ዝህቦ እዚ እዩ ማለት ግን ኣይኰነን።

"ሕጂ መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ተሌፎን እንታይ ከም ዝደልዩ ዝፈልጡ ይመስለኒ፤ ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ነገር ካሜራ'ዩ" ይብል።

እቶም ዲዛይነራት ተሌፎን እውን ነዚ ይፈልጥዎ እዮም።

ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ካሜራ ሞባይል መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ዝሓለፈ ዝተመሓየሸ እዩ።

እዚ’ውን እንተዀነ፡ መጠን መሸጣ ንምውሳኽ ድሕሪ ሕጂ ውሕስነት ዘለዎ ኣይኰነን።

ሚስተር ዉድ “ሎሚ እቲ ብርግጽ ዝኸውን ዘሎ፡ ሰባት ንነዊሕ እዋን ተሌፎኖም ዘይምቕያሮም እዩ። ኣብ 2013 ዓመታዊ 30 ሚልዮን ተሌፎናት ይሽየጣ ነይረን፡ ኣብዚ ዓመት ግን ከባቢ 13.5 ሚልዮን ክኸውን እዩ።”

ብርግጽ ንውሳነታት ወጻኢታት ሰባት ዝጸሉ ቀጻሊ ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ እውን ኣሎ።

ነፍሲ ወከፍ ሞባይል፡ ብርቂ ባእታታትን ክቡራት ሓጺናትን ዝሓዘት ስለዝዀነት ዋጋኣ ክብ ክብል ይድርኸን ኣሎ።

ጠለባት ስማርትፎን እናነከየ ይመጽእ ኣሎ

ብፍላይ ኣብ ወለድን መንእሰያትን ካብ ስማርትፎናት ምሉእ ብምሉእ ክርሕቑ ናይ ምፍታን ዝንባለ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንፖሊሲታት ስማርትፎን ይግምግማ ኣለዋ፤ ውሑዳት ድማ ድሮ ፍጹም እገዳ መሪጸን ኣለዋ።

ኣብ ውልቃውን መንግስታውን ጽላታት፡ ከምኡ ክስዕባ ይሓስባ ኣሎ።

መርበብ ሞባይል ተሌፎን ኢኢ ትሕቲ 11 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ፈጺሞም ስማርትፎን ክህልዎም ከምዘይብሎም ይመክር።

እዚ ወፍሪ እዚ ወለድን ኣብያተ ትምህርትን ነቲ ህጻናት እዞም ዓይነታት ተሌፎናት ዝግዝኣሎም [ዝሕዝሉ ] ዕድመ ክብ ክብል ይምዕዱ።

"ንሕና ጸረ ቴክኖሎጂ ኣይኰናን፡ ደገፍቲ መንእሰያት ጥራይ ኢና። ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ንህጻናት ዝምችእ ተሌፎን ከማዕብሉ ንደሊ፤ ከም ጻውዒት፡ መልእኽቲ፡ ሙዚቃን ካርታን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ባህርያት ጥራይ ዘቕርቡ።"

AI Hugging Face ኣብ ዝተባህለ ተመራማሪ ሳይንቲስት ዶክተር ሳሻ ሉቺዮኒ፡ ክሳብ ሕጂ እዚ መልእኽቲ ብልክዕ ትዅረት ዝረክብ ዘሎ ኣይመስልን ትብል።

“ኣብ ኣገባብ ንሃንጸሉን እንጥቀመሉን ቴክኖሎጂ ‘ዲጂታላዊ ልቦና’ ዝብል ዘረባ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ – ዲዛይነራት ስማርትፎን ግን ልክዕ ብኣንጻሩ ዝኸዱ ዘለዉ ይመስል” ትብል።

እዚ ሕቶ ናብ ኣፕል፡ ጉግልን ሳምሰንግን ኣቕሪበሎም።

ሳምሰንግ ከምዚ ዝብል ምላሽ ሂቡ፡ "ተጠቀምቲ ሳምሰንግ ብኸመይ ከም ዝጥቀሙ ክመርጹ ይኽእሉ። ንኣብነት፤ መዓስ ከም ዝጥቀሙን ክንደይ ግዜ ከም ዝጥቀሙን፡ ከም እዋን ስክሪን ዝኣመሰሉ ክመርጹ የኽእሎም።"

ሓደ ካብቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጻውዒታት ምጕዳል ተግባራት ተሌፎን ዝሰምዕ ዘሎ ኩባንያ፡ ፊንላንዳዊ ትካል HMD እዩ - ክሳብ ሕጂ መሰረታዊ ኖክያ ሞባይላት ዘፍሪ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ሰራሕ መጻወቲ ማቴል ብምትሕብባር ባርቢ ዝብል ቴማ ዘለዋ ስልኪ ኣቕሪባ ነይራ፡ ኣነ ድማ ፈቲነያ።

ከም መብዛሕትአን ተሌፎናት፡ ኣፕ፡ ኣፕ ስቶር፡ ሰልፊ ካሜራ፡ ገይም ዝበሃል የብላን። ሓንቲ ገይም ጥራይ ኣላ፤ ሙዚቃ ክትሰምዕ እንተደሊኻ ኤፍ ኤም ሬድዮ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ እዋን ንኣይፎን ካብ ቅድሚት ዝርዝር ብብዝሒ ዝሽየጣ ሞባይላት ዓለምና ከውርድ ዝኽእል የለን።