"ደሃዮም ዘጥፍኡ መነሓንሕተይ እንክዝክር ስምዒተይ እጕዳእ" - ተመሃሪት 12 ክፍሊ

"ኣብ ዓድና ኵናት እንተ ዘየጋጥም ነይሩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዩኒቨርስቲ ተመሃሪት ሳልሳይ ዓመት ኰይነ ምሃለኹ፡" ዝብል ዘረባ ተመሃሪት 12 ክፍሊ ቅዱሳን ብርሃነ እዩ።
ቅዱሳን ኣብ ትግራይ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ እትነብር ጓል 19 ዓመት ኰይና፡ ንዓመታ ናብ ዩኒቨርስቲ ንኽትሓልፍ ለይትን ቀትርን ተጽንዕ ከም ዘላ ንቢቢሲ ገሊጻ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ክፍላ ቀዳመይቲ ኰይና ዝዛዘመት ቅዱሳን ንዓመታ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ሕጊ ክተጽንዕ ድሌት ከም ዘለዋ'ኳ እንተ ገለጸት፡ ኣብ ትምህርታ ኣተኵራ ከይትሰርሕ ዝገብርዋ ምኽንያታት ከም ዘለዉ'ያ ትገልጽ።
ብቐረባ እትፈልጦም ደቂ ክፍላ ናብ ስደት ከይዶም ክሳዕ ሎሚ ደሃዮም ዘይፍለጥ ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ዝሓበረት ተመሃሪት ቅዱሳን፡ "ምሳይ ዝመሃሩ ዝነበሩ ተመሃሮ ተጋዲሎም ዘይተመለሱ ኣለዉ፤ ተጋዲሎም ኣካሎም ጐዲሎም ዝተመለሱ ኣለዉ፤ እዝን ወድዝን ክትሓስብ እንከለኻ ይጐድኣካ እዩ፡" ክትብል ኣብ ከምዚ ዓይነት ዝፈራረቕ ስምዒት ኰይና ትምሃር ምህላዋ ፈታኒ ከም ዝገብሮ ተዛሪባ።
ምስኣ ዝነሓንሑ ዝነበሩ ተመሃሮ ገሊኦም ናብ ሰራዊት፡ ገሊኦም ናብ ስደት ምኻዶም ናይ ትምህርቲ ወና ከም ዘዳኸሞ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ቤተመጽሓፍቲ ዘለዉ መወከሲ መጻሕፍቲ'ውን እንተዀነ ምስ እቲ ዘሎ እዋናዊ ስርዓተ ትምህርቲ ዘይቃደዉ ብምዃኖም ተወሳኺ ጸገም ከም ዝዀነ ሓቢራ።
ንሳ እትመሃረላ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሳዕሲዕ ኣብ 2001 እያ ተመስሪታ። በቲ ኣብ 2013 (ኣቈጻጽራ ግእዝ) ዝተወልዐ ኵናት ትግራይ ካብ ዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርቲ ሓንቲ እያ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግዱሳት ሰብ ሃብትን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ኣብ ዳግመ ህንጸት ዝዓነዉ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳተፉ ብዘቕረቦ ጻዊዒት መሰረት፡ እታ ቤት ትምህርቲ ሕድሳት ተገይሩላ'ዩ።
ነዛ ቤት ትምህርቲ ክትሕደስ ዝገበረ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ኢሲዲሲ ዝተባህለ ትካል ገባሪ ሰናይ ብልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር ዝግመት ገንዘብ ዝተሰባበሩ ማዕጾታትን መሳዅትን ኣስሪሑ ተመሃሮ ትምህርቶም ክከታተሉ ኣኽኢሉ'ዩ።
ብዓልቲ ቤቶም ንመስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ኢሲዲሲ ዶ/ር ጸሃየ ዝዀና ወ/ሮ ንግስቲ ደስታ'ውን ነታ ቤት ትምህርቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ብር ዝዋግኣ መራብሒት (ዳፕሊኬተር) ማሽን ዓዲገን ኣበርክቶ ከም ዝገበራ ካብ ርእሰ መምህር እታ ቤት ትምህርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ርእሰ መምህር ናይታ ኣብ ዓዲ ቀለበስ እትርከብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሳዕሲዕ መምህር ገብረሚካኤል ክብረኣብ፡ ዓሚ ስሩዕ ትምህርቲ ካብ ዝከታተሉ ዝነበሩ ኣስታት 700 ተመሃሮ እቶም 155 ትምህርቶም ኣቋሪጾም ብዘይ ሕጋዊ ናብ ስዑዲ ዓረብን ሊብያን ከም ዝተሰደዱ ተዛሪቡ።
ተመሃሮ ትምህርቶም ከቋርጹ ዘገድድዎም ዘለዉ ነገራት ድማ ሓደ እቲ ዝሓለፈ ኵናት ዝወለዶ ስነልቦናዊ ቅልውላው ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ትምህርቲ ሸውሃት ዘይምህላው ከም ዝዀነ ርእሰ መምህር እታ ቤት ትምህርቲ ገሊጹ።
መምህራን ውዙፍ መሃያ ዘይምርካቦም ዝወለዶ ጸገም ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ዝሓበረ መምህር ገብረሚካኤል፡ ናይዚ ውጽኢት ድማ ዓሚ ናብ ዩኒቨርስቲ መእተዊ ፈተና ካብ ዝወሰዱ 23 ተመሃሮ ዋላ ሓደ ተመሃራይ ከም ዘይሓለፈ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Tigray tv
ቢቢሲ ንሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ደዊሉ ብዛዕባ መንቀሊታት ምንቍልቋል ጽሬት ትምህርቲ ትግራይ ሓቲትዎ'ሎ።
"ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ጽንተታዊ ኵናት ትምህርትን ኣብያተ ትምህርትን ዕላማ ኰይኖም'ዮም፡" ዝበለ ኰይኑ፡ "ኣብ ትግራይ ዳርጋ ኵለን ኣብያተ ትምህርቲ ደረጃኡ ይፈላለ እንተ ዘይኰይኑ ዕንወት በጺሕወን'ዩ፡" ኢሉ።
ኣብ 2017 ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምዝገቡ ትጽቢት ዝተገበረሎም ቈልዑ 2.5 ሚልዮን'ኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ትምህርቲ ዝሓገዩ ግን 1.3 ሚልዮን ጥራሕ ከም ዝነበሩ ካብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
ክመሃሩ ዝግብኦም 1.2 ሚልዮን ተመሃሮ ዘይመጽእሉ ቀንዲ ምኽንያት ምስ ኣፈጻጽማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተኣሳሰር ከም ዝዀነ ዝገለጸ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ፡ "ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዝግባእ ብዘይምትግባሩ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ቈልዑ ዳርጋ ኵሎም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወጻኢ'ዮም ዘለዉ፡" ኢሉ።
220 ኣብያተ ትምህርቲ ምዕራብ ትግራይ ስራሕ ኣይጀመራን። ኣብ ወረዳ ጸለምቲ'ውን ብተመሳሳሊ 75 ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ወጻኢ'የን ዘለዋ ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ "ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝተፈጠረ ናይ ህዝቢ ርክባት ስራሕ ኣቋሪጸን ዝነበራ 40 ኣብያተ ትምህርቲ ከይዲ ምስትምሃር ጀሚረን ኣለዋ፡" ኢሉ።
እንተዀነ ሕጂ'ውን ኣብ ዶባት ኤርትራ ወረዳታት ታሕታይ ኣድያቦን ኢሮብን ዝርከባ 17 ኣብያተ ትምህርቲ ገና ትምህርቲ ከም ዘይጀመራ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ'ሎ።

ኵናት ትግራይ ዝወለዶ ስነልቦናዊ ሳዕቤን ተመሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ በዂሮም ኣብ ዘይዕድመኦም መርዓ ክገብሩ፣ ኣብ ዘይዕድመኦም ናብ ሸቕሊ ብፍላይ ዕደና ወርቂ ክዋፈሩ ምርኣይ ልሙድ ከም ዝዀነ ዝሓበረ ዶ/ር ኪሮስ፡ ዘይሕጋዊ ስደት'ውን ቀንዲ ብድሆ ትምህርቲ ትግራይ ከም ዝዀነ ኣብሪሁ።
ዓሚ ናብ ዩኒቨርስቲ መእተዊ ፈተና ካብ ዝሃባ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ እተን 46 ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዋላ ሓደ ተመሃራይ ከም ዘይኣሕለፋን ልዕሊ 14,000 መምህራን ድማ ናብ ስራሖም ከም ዘይተመለሱን ቢቢሲ ካብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ኢሲዲሲ ኣብ ዳግመ ሕውየት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ትግራይ ዕዙዝ ግደ ካብ ዝገበሩ ትካላት ሓደ ከም ዝዀነ ዝጠቐሰ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ፡ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣብ ድምባዛ፡ ማይ ቅነጣልን ዓዲ ቀለበስን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ምሕዳሱ ብተወሳኺ 150 ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ላፕቶፓትን ዴስክቶፓትን ከም ዝለገሰ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, ECDC
ኢሲዲሲ ዝለገሰን ዘመናያን ላፕቶፓት ተመሃሮ ብኦንላይን መጽሓፍቲ ከንብቡ ዕድል ዝህባኦም ስለ ዝዀና፡ ኣብ ምርግጋጽ ጽሬት ትምህርቲ ኣበርክትኦን ዕዙዝ ከም ዝዀነ እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።
መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኢሲዲሲን ዶ/ር ጸሃየ ተፈራ ብግዴኦም ኢሲዲሲ ኣብ ትምህርቲ ዘየቋርጽ ሓገዝ ከም ዝገብር ብምግላጽ፣ እንተዀነ ሕጽረታት ትምህርቲ ብትካላት ገበርቲ ሰናይ ጥራሕ ዝዕመም ስለ ዘይኰነ ገለ ገሊኡ ሕብረተሰብ ወዲብካን ኣለዓዒልካን ክስራሕ ዝግብኦም ተግባራት ከም ዘለዉ ኣዘኻኺሮም።
ኢሲዲሲ ከም ትካል ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልትታት ሰኣን ናውቲ ትምህርቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝበዀሩ ቈልዑ ከይህልዉ ብዝብል ተበግሶ ኦሳድ ምስ ዝተባህለ ትካል ገባሪ ሰናይ ብምትሕብባር፡ ዛጊት ን400 ተመሃሮ ጥራውዝትን ካልኦት መምሃሪ ናውትን ከም ዝለገሰ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ሓቢሩ።
እታ ምስኣ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ብሉጻት መነሓንሕታ ብሰንኪ ስደትን ኵናትን ስለ ዝሰኣነቶም ምስ ናይ ትምህርቲ ሽውሃታ እትቃለስ ዘላ ተመሃሪት ቅዱሳን ንቢቢሲ ሓደ ነገር ተማሕጺና።
"በጃኻትኩም ተመሃሮ ስደት ጽቡቕ መሲልዎም ሓዲጐሙና ይኸዱ ስለ ዘለዉ፡ ግንዛበ ክህልዎም ክትገብሩ እላቦ፡" ዝበለትና መልእኽቲ ተቐቢልና ንዓመታ ክትኰኖ እትደልዮ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ተመሃሪት ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ናይ ምዃን ድሌታ ክሰምረላ ሰናይ ትምኒትና'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







