ሓዳር ማዕዶ ማዕዶ ይከኣልዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብስደትን ዝተፈላልየ ምኽንያታትን ብዙሓት ሰብ ሓዳር ተፈላልዮም ይነብሩ። ሓዳር ድማ ማዕዶ ማዕዶ ኰይኑ ይቕጽል። ገለ ክሳዕ ዝጠራነፉ ነቲ ነዊሕ ዓመታት ዝወስድ መስርሕ ቪዛታት ክጽበዩ፡ ገለ ድማ ካብ ገዛእ ሃገሮም መውጽኢ ፍቓድ ክጽበዩ ዝያዳ 10 ዓመታት ዘቝጸሩ ሰብ ሓዳር ውሑዳት ኣይኰኑን።
ብዘይካ ስደት ዝወለዶ ምፍልላይ ግን ከም ስራሕን ትምህርትን ዝኣመሰለ ጉዳያት'ውን፡ ንዜጋታት እተን ምሉእ ናይ ምንቕስቓስ ናጽነት ዘለወን ሃገራት ከይተረፉ ይጸልዎም እዩ።
ኣብዚ ጽሑፍ እምበኣር፡ ካብ ተመኵሮ ተረሓሒቖም ሓዳሮም ዝመርሑ ሰብ ኪዳን፡ ንብድሆታቶምን ኣተኣላልያኡን ክንርኢ ኢና።
ማርጋሬት ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ካብ ብዓል-ቤታ ርሒቓ ኣብ ዝተፈልየ ሃገር ትነብር ነይራ።
ንሳ ኣብ ለንደን፡ ብዓልቤታ ጴጥሮስ ኣብ ኣውስትራልያ ይነብሩ፣ ሓንሳብ ኣብ ዓመት ወይ መንፈቕ ድማ ይራኸቡ።
ይዅን'ምበር ዋላ'ኳ ኣብ መንጐኦም ርሕቀትን ንነዊሕ ግዜ ምፍላልይን እንተ ሃለዎም፡ እሙናትን ሕጉሳትን መጻምድቲ ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ።
"ብዙሓት ሓደስቲ መሓዙት ኣጥርየ ኣለኹ፣ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ፅቡቕ ገዛይ ድማ በይነይ እየ ዝነብር። እዚ ኵሉ ገና ኣብ ሓዳር እንከልኹ'የ ከጥርዮ ክኢለ - ግሩም ተመኵሮ'ዩ ነይሩ፡" ክትብል ኣብ ቢቢሲ ራድዮ 4 ተመኵሮኦ ኣካፊላ።
ካብ መጻምድትኻ ርሒቕኻ ኣብ ዝተፈላለየ ገዛ ምንባር ክሳዕ ክንድኡ ዘይተለምደ ኣይኰነን፣
ዋላ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓፂር ኣገላልፃ ኣለዎ - LAT (living apart together)፡ "ተፈላልዮም ንዝነብሩ" መጻምድቲ ንምግላጽ ዝውዕል ኣሕጽሮተ-ቓል'ዩ።
ወግዓዊ ኣሃዛት፡ ብዝሒ ናይቶም ዝተመርዓዉ ወይ ኣብ ደረጃ ፍቕሪ ዘለዉ'ሞ ተፈላልዮም ዝነብሩ ሰባት ኣዝዩ ትሑት ኰይኑ፡ 3% ምዃኑ ይሕብሩ።
ብዝዀነ፡ ማርጋሬት ዋላ'ውን ብሓባር እንተ ዘይነበርካ ዕግበት ዘለዎ ሓዳር ክህልወካ ከም ዝኽእል ትኣምን።
ብዙሓት ሰብ-ዝና መጻምድቲ'ውን፡ ተፈላልዮም ክነብሩ ምምራጾም ብግልጺ ተዛሪቦም እዮም።
ተዋሳኢት ግዊነት ፓልትሮውን ብዓል-ቤታን ጸሓፍን ዳይረክተርን ብራድ ፋልቹክን ኣብ መጀመርታ ክፋል ሓዳሮም ኣብ በበይኑ ገዛውቲ ከም ዘሕለፍዎን እዚ ድማ ከይተማነዉ እቲ ዝምድና ሓድሽ ክኸውን ከም ዝሓገዘ ፓልትሮ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, ማርጋሬት መርፊ
ሞዴል ኣሽሊ ግራሃምን ብዓል-ቤታን ጃስቲን ኤርቪንን እውን ልክዕ ከምቲ ተዋሳኢት ሄለና ቦንሃም ካርተርን ዳይረክተር ቲም በርተንን ኣብ ኣብ ሓዳር እንከለዉ ዝነበርዎ ናይ 13 ዓመታት ነዊሕ ርሕቀት ተፈላልዮም ይነብሩ ነይሮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ተዋሳኢት ሸሪል ሊ ራልፍ ብወገና ምስ ብዓልቤታ ንኸባቢ 20 ዓመታት ኣብ ጫፍ ንጫፍ ገማግም ባሕሪ ኣመርካ ተረሓሒቖም ይነብሩ ከም ዘለዉ ኣፍሊጣ።
እቲ ምኽንያት ምፍልላይ፡ ስራሕ እዩ።
ንሳ ብምኽንያት ስርሓ ኣብ ሆሊዉድ ክትነብር ስለ ዘድልያ፡ ብዓል-ቤታ ድማ ከም ሰነተር ክፍለ ግዝኣት ፔንስልቨንያ ኣብ ፊላደልፍያ ክኸውን ስለ ዘድልዮ እቲ ሓዳር ማዕዶ ማዕዶ ኰይኑ።
ናይ ማርጋሬት እንድሕር ርኢና፡ ካብዚ ዝተፈልየ እዩ።
ማርጋሬት ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብ ኣውስትራልያ ክትነብር እንከላ፡ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢላ ኣርባዕተ ደቆም እናተኸናኸነት ተዕቢ ነይራ።
ብዓልቤታ ጴጥሮስ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ሓኪም ብምዃን ንዅሉ ቍጠባዊ ሓላፍነት'ቲ ስድራ ተሰኪሙ።
ድሕሪ'ዚ ማርጋሬት ጓል 57 ዓመት ምስ ኰነት ናብ ዩኒቨርሲቲ ተመሊሳ፡ ብስነቛንቋ ብደረጃ ዶክትረይት ተመሪቓ።
ትምህርታ ምስ ወድአትን እቶም ደቆም ድማ ጐቢዞም ጸጸግዖም ምስ ሓዙን ግን ዝተፈለየ ነገር ክትገብር ከም እትኽእል ስለ ዝኣመነት፡ ናብ ለንደን ክትግዕዝ ወሰነት።
"ኣነን ጴጥሮስን ኣብታ ዝነበርናያ ናይ ህይወት መድረኽ፡ ዝተፈላለየ ዕላማታት ከም ዝነበረና ግሁድ ኰይኑ። ንሱ ኣብ ቤትና ክጸንሕን ስራሕ ክቕጽልን ይደሊ ነይሩ፣ ኣነ ግን ነቲ ዓዲ ምቕያር ከም ዕድል ርእየዮ፡" ትብል።
ሕጂ ሓላፊት ክፍሊ ትምህርቲ ኰይና ኣብ ሮያል ኮሌጅ ሓካይም ትሰርሕ ኣላ።
"መብዛሕትኦም ሰባት ጡረታ ክወጽኡ ኣብ ዝሓስብሉ እዋን'የ ናብ ናይ ሞያ መሳርዕ ኣትየ ኣለኹ። እወ ድሌት እንተ'ሎ ኣብ 60 ዓመትካ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ክትረክብ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ክትነብር፡ ኵሉ እትብህጎ ነገራት ክትገብርን ናብ ካልእ ኣህጉር ከይተረፈ ክትግዕዝን ትኽእል ኢኻ፡" እኳ እንተ በለት፡ እቲ ጕዕዞ ምችውን ጥጡሕን ከም ዘይኰነ ግን ኣይሓብአትን።
ምኽንያቱ፡ ኣብ ምፍልላይ ጽምዋን ብሕታውነትን እቲ ዛዓበየ ብድሆ ስለ ዝዀነ።

ምንጪ ስእሊ, ማርጋሬት መርፊ
"ናይ ነፍሲወከፍና ብድሆ እንተ ርኢና፡ ጴጥሮስ ገና ኣብቲ ናይ ስድራቤትና ገዛ እዩ ዝነብር ዘሎ፡ ንበይኑ ድማ ክሳብ ክንድ'ቲ ጽቡቕ ማሕበራዊ ርክብ ኣይምስርትን፡ ስለ ዝዀነ ቍሩብ ጽምዋ ክስምዖ ይኽእል'ዩ። ንዓይ ድማ እቲ ብድሆ ዝዀነኒ መሰንይታ ዘይምህላወይ'ዩ፡" ብምባል ነቲ ናይ ምርሕሓቕ ክፍተት ዝሓገዞም ብቐጻሊ ምዝርራብ ከም ዝነበረ ተረድእ።
"ንጴጥሮስ ኵሉ ብዛዕባ ኣብ ለንደን ዝነበረኒ ህይወት፡ ስርሐይ፡ ሓደስቲ መሓዙተይ፡ መገሻታተይ እነግሮ። ከምቲ ንዓይ ናብ ለንደን ክመጽእ ከሎ ዘሕድሰኒ፡ ንዓኡ'ውን እዚ ካልእ ኵርናዕ ህይወት ክርኢ ኣኸኢልዎ'ዩ፣ ንሱ'ውን ይፈትዎ'ዩ።''
ጋዜጠኛ ኬሪ፡ ምስ መጻምድታ ንሰለስተ ዓመት ከም ዝጸንሐትን ገና ካብ ፈለማ፡ "ናጽነቶምን ሓርነቶምን፡" ንምዕቃብ ብሓደ ንኸይነብሩ ኣብ መጀመርታ ከም ዝተሰማምዑን ገሊጻ።
"ጥቓ ጥቓ ገዛውቲ ገዚእና፡ ኣብ ሞርጌጅ ዝሕግዙና ምሳና ዝቕመጡ'ውን ኣለዉና።"
እዞም መጻምድቲ ኣብ መወዳእታ ክምርዓዉ መደብ'ኳ እንተ'ለዎም፡ ኬሪ ግን ሽዑ እውን እንተዀነ ንኣነባብሮኦም ከም ዘይትቕይሮ ትዛረብ።
"ንኽልተና ኣዝዩ እዩ ዝምእምኣና። ከም ውጽኢቱ ድማ ክልተና ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረና ዝምድናታት ዝሓየለ ዝምድና ኰይኑ ይስምዓና።"
ኣብ 'ፋሚሊ ኣክሽን' ዳይረክተር ክሊኒካዊ ብቕዓት ንዝምድና ዝዀነት ኣማንዳ ሜጀር፡ እዚ ዓይነት ኣነባብራ ንዅሉ ሰብ ከም ዘይኰነን ነቶም ንበይኖም ክነብሩ ዘንቀዱ ሰብ ሓዳር ግን ረብሓ ክህልዎ ከም ዝኽእልን ትዛረብ።
"ዝተወሰነ ናጽነት ይህብ'ዩ፣ ገለ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ረብሓታት ክትዕቅበሉ እትኽእል ባይታ ብምፍጣር፡ መንነትካ ክትዕቅበሉ እትኽእል ቦታ ይህብ።"
"እዚ ንሰባት ተመርዕየ ከለኹ፡ ናይ ገዛእ-ርእሰይ ቦታ ከም ዘለኒ፡ ናይ ገዛእ-ርእሰይ ረብሓታት ከም ዘለኒ፡ ከምኡ'ውን ንዓና ዝምእምእ ኰይኑ ምስ ዝስምዓኒ፡ ምስ መጻምድተይ ክጠራነፍ ይኸእል እየ ዝብል ስምዒት ክስምዖም ስለ ዝሕግዝ፡ ጠቓሚ መንገዲ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ትብል።
ከመይ ገይርና ተፈላሊና እናነበርና ብሓንሳብ ክንጸንሕ ንኽእል?
ዳይረክተር ሕክምናዊ ብቕዓት ዝምድና ኣማንዳ ሜጀር፡ እዞም ኣብ ታሕታይ ዝተጠቕሱ ሓሳባት፡ ንሓዳር ማዕዶ ማዕዶ ሓገዝቲ ክዀኑ ከም ዝኸእሉ ትምዕድ።
- እዚ ክልቲኣኹም ወገናት ብሓቂ እትደልይዎ ውሳነ ምዃኑ ኣረጋግጹ። እቲ ውሳነ ንኽልተኹም እምበር ንሓደኹም ጸቕጢ እናተሰማዓኩም ወይ ተገዲድኩም እትኣትዉዎ ክኸውን የብሉን፣
- ምሉእ ብምሉእ ዝተዘተየሎምን ዝተሰማማዕኩምሎምን መሰረታዊ ሕግታት ኣቐምጡ፣
- እቶም ሕግታት ብኽልተኦም ወገናት ይትግበሩን ኣድማዕቲ ምዃኖምንን ንምርግጋጽ ብቐጻሊ ፈትሹ፣
- እዚ ማለት፡ መዓስ ከም እትራኸቡ ምዝታይ፡ ጾታዊ ርክብ፡ ሓፈሻዊ ምሕደራ ናብራ ከምኡ'ውን ቈልዑ እንተ'ልዮምኹም ኣተዓባብያ ከጠቓልል ይኽእል፣
- ምስ መጻምድትኻ ኵሉ ግዜ ኣዝዩ ንጹር ዝርርብ ምዝውታር'ውን ሓጋዚ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







