ወሲባዊ ርክብን ኣረሜናዊ ቅትለትን - እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ሰባት መን እዮም?

ምንጪ ስእሊ, Albert Alfonso/Flickr
ዮስቲን ሞስኬራ ዝፈጸሞ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ኣልበርት ኣልፎንሶን ፖል ሎንግዎርዝን ንዓለም ሕሉፍ ወሲብ፡ ብሕጓ ዝግበሩ ቪድዮታት መርበብ ሓበሬታን ቅሉዕ ወሲባዊ ትሕዝቶታትን ኣቃሊዑ።
እዞም ሰለስተ ሰባት ግን ብኸመይ ይፋለጡ? ንምንታይከ ሞስኬራ ኣብ መወዳእታ ቀቲሉዎም?
መጠንቀቕታ፤ እዚ ዛንታ እዚ፡ ከም ዓመጽን ወሲባዊ ትሕዝቶን ዝኣመሰለ ስምዒት ክጐድእ ዝኽእል ዝርዝራት ኣለዎ።
ሰለስተ ሰባት ኣብ ኮሎምብያ ኣብ ዝርከብ ዘግየጸ መዘናግዒ ቦታ ብፈጣን ጃልባ እናተጓዕዙ ከለዉ ተራእዮም። እቲ ብኣልበርት ኣልፎንሶ ዝተወስደ ንዮስቲን ሞስኬራን ፖል ሎንግዎርዝን ዘጠቓለለ ስእሊ፡ ቀንዲ ኣዕሩኽ እዩ ዘምስሎም።
እቲ ክውንነት ግን ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ።
ክንየው እቲ ኣብቲ ስእሊ ዝነበረ ፍሽኽታ ኣብ ሕሉፍ ወሲብ፡ ዕብለላን ፋይናንሳዊ ንግዳዊ ንጥፍታትን ዝተመርኰሰ ዝተሓላለኸ ዝምድናታት እዩ ነይሩ።
ኣርባዕተ ወርሒ ድሕሪ'ቲ ዝወሰዱዎ ሓበራዊ ስእሊ፡ ሞስኬራ ብ8 ሓምለ 2024 ንኽልተኦም ብዘይ ምሕረት ኣብ ለንደን ቀቲሉዎም።
ንኣካላቶም ቈራሪጹ ኣብ ባልጃ ድሕሪ ምእታው፡ ን186 ኪሎሜትር ምስቲ ሬሳታት ተጓዒዙ።
ናብ ብሪስቶል ንኸብጽሖ ምስ ሓደ ብዓል መኪና ተወዓዒሉ። ኣብ ጥቓ እቲ ተንጠልጣሊ ድንድል ድማ ምስ ባልጃታቱ ወረደ፣ መደቡ ኣብኡ ንኽድርብዮም እዩ።
ወዲ 62 ዓመት ኣልበርትን ወዲ 71 ዓመት ፖልን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልሙድ ሓዳሮም ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ምስ ኣንስቶም ኣብ ምስርሕ ምፍልላይ እንከለዉ ተቐራሪቦም፡ ብሓባር ምንባር'ውን ቀጺሎም።
እቶም ሰብኡት፡ "ዓቢይ ስድራቤት ኰነ ኣዕሩኽ" ከም ዘይብሎም፣ ኣብ ክንድኡ፡ ኵሉ ህይወቶም ኣብ ሓድሕዶም ምንባሩ ፖሊስ ገሊጹ።
ኣልበርት መምህር ምሕንባስ ኰይኑ፡ ኣብ ምዕራብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኣክተን ኣብ ዝርከብ ሞድ ክለብ ጂም፡ ህይወት ኣድሕን ንምዃን ይስልጥን ነይሩ።
ኣብ ፈረንሳ ከተማ ቢዳርት ዓብዩ፣ ኣብ ቢያሪዝ ናብ ቤት ትምህርቲ ሆቴል ብምኻድ ተማሂሩ። ድሒሩ ድማ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምስጋር ሆቴላት ኣመሓዲሩ። ቀደም ኣብ ምዕራብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ምዕሩግ ኣፓርታማታት ዋና ኣካያዲ ስራሕ እዩ ነይሩ።
ንቤትፍርዲ ዉልዊች ክራውን ኣብ ዝተነበበ ምስክርነታት፡ ንኣልበርት መሳርሕቱ ዝነበሩ፡ "መስሓቕ፡ ርእሰ-ተኣማንነትን ተግሶን ዘለዎ፡" ክብሉ ገሊጾሞ።
ኣብዚ ህንጻ'ዚ እዩ ድማ ኣልበርት ምስቲ ኢዱ ኣብ ኵሉ ዘእቱ ፖል ዝተባህለ ጥሮተኛ ዝተራኸበ።
ክልቲኦም ኣብ መዕበያ ቈልዑ ስለ ዝዓበዩ ቀሊጢፎም ክተዓራረኹ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ለካቲት 2023 ድማ ብስቪላዊ ሽርክነት ተመርዕዮም። ይዅን'ምበር፡ ኣዕሩኽቱ ንፖል፡ ግብረሰዶማዊ ምዃኑ ብግልጺ ከም ዘይዛረብን ንኣልበርት ሓወይ ኢሉ ከም ዝገልጾን ሓበሮም።
ፖል ብፈተውቱን ጐረባብቱን "ኣዝዩ ሕያዋይ" ተባሂሉ ብሰፊሑ ይግለጽ ነይሩ።
ወዲ 74 ዓመት ኬቨን ዶርን ፖልን ንልዕሊ 20 ዓመታት እዮም ዝፋለጡ - ሓቢሮም ድማ መስተ ይሰትዩ ነይሮም፣ "ጥዑም፡ ውዑይ፡ ለጋስ ሰብ'ዩ፡" ኢሉ ድማ ይገልጾ።
"ኵሉ ግዜ ጭዋ። ኵሉ ግዜ መስተ ይገዝኣልካ፡ ኮፍ ኢሉ ምዕላል፡" ዝፈቱ ምንባሩ ገሊጹ።
ጆርጅ ሃቺሰን ዝተባህለ ካልእ መሳትይቱ ዝነበረ ዓርኩ፡ "ንማንም ሰብ ክጐድእ ኢሉ ዘይሓስብ፡ ኣዝዩ ደስ ዝብል ሰብ እዩ ነይሩ፡" ክብል ገሊጽዎ።
ኣልበርት ኣብ ውልቃዊ ህይወቱ ስቱር'ኳ እንተ ነበረ፡ መርትዖታት ቤትፍርዲ ከም ዘመልክቶ ግን ኣብ ሕሉፍ ወሲባዊ ንጥፈታት ከም ዝነጥፍ፡ በዚ ተግባራት'ዚ ገንዘብ ከም ዝኸፈለን ቪድዮታት ኣብ ኢንተርነት ከም ዘካፍልን ኣቃሊዑ።
ፖል ብዛዕባ'ዚ ዝፈልጥን ዝቕበሎን እዩ ዝመስል፣ እንተዀነ፡ ምስኡ ምትእስሳር ዘይብሉ ግላዊ ህይወት ናይ ኣልበርት ጥራሕ እዩ ነይሩ።
ካብ ኮሎምብያ ዝመጽአ ሞስኬራ ዝተባህለ ሰብ፡ ዝተፈላለየ ናይ ሓሶት ኣስማት ተጠቒሙ ሕሉፍ ወሲባዊ ተግባራት ዘርኢ ሓያሎ ቪድዮታት ኣብ ኢንተርነት ይዝርግሕ ነይሩ።
ሕጂ ወዲ 35 ዓመት ዝዀነ ሞስኬራ ኣብ ሜደሊን ኮሎምብያ ይነብር ነይሩ። ሓሙሽተ ኣሕዋትን ሓንቲ ሓፍትን ከኣ ነይሮሞ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ድማ ሞይቶም። ክልተ ቈልዑ እውን ኣለውዎ።

ምንጪ ስእሊ, Albert Alfonso/Flickr
ኣልበርትን ሞስኬራን ኣብ ከባቢ 2012 ብስካይፕ ከዕልሉ ጀሚሮም። ኣብ 2017፡ ኣልበርት ንሞስኬራ ንወሲባዊ ቪድዮታት ይኸፍሎ ነይሩ። ምስ ግዜ ከኣ እቲ ቪድዮታት ዝያዳ ሕሉፍ ወይ ውጽእ ዝበለ ኰይኑ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ 2023 ሞስኬራ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተጓዕዘ ብኣካል ተራኺቦም።
ኣልበርት ግን ጾታዊ ዝምድናኦም እንታይ ምዃኑ ብጌጋ ዝተረድኦ ይመስል። ኣልበርት ኣብቲ ወሲባዊ ርክብ ዝግደስ ክመስል እንከሎ፡ ሞስኬራ ግን ብቐንዱ ኣብቲ ገንዘብ እዩ ዝግደስ ነይሩ።
እቲ ቤትፍርዲ፡ ካብ ሓደ ዝቐርቦ ዝነበረ ሰብኣይ ኣብ ዝሰምዖ ምስክርነት፡ ርክቦም ብቐንዱ ኣብ ገንዘብ ዝተመርኰሰ ምንባሩ እዩ።
መዛግብቲ ባንክታት ከም ዘመልክቱዎ፡ ኣልበርት ኣብ መንጎ መስከረም 2022ን ሓምለ 2024ን ካብ ሓደ ሕሉፍ ስእለ-ጽዩፍ ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ ዘካይድ ኩባንያ ልዕሊ 17,500 ፓውንድ ከም ዝረኸበ ይሕብር።
ኣብ መንጎ ግንቦት 2022ን ለካቲት 2024ን፡ ኣልበርት ንሞስኬራ ብ72 ክፍሊታት ኣቢሉ 7,735 ዶላር ሰዲድሉ።
ኣብ መጀመርታ 2024 ኣልበርት ብመንገዲ ማኒግራም ዝበሃል ኣህጉራዊ ኣገልግሎት ምትሕልላፍ ገንዘብ እውን 928 ፓውንድ ኣሰጋጊርሉ ነይሩ።
ከም ኣምሳያኡ ሞስኬራ፡ ብቕጽል ስም ልዕሊ 100 ቪድዮታትን ምስልታትን ኣብ ኣርባዕተ መርበብ ሓበሬታታት ለጢፉ።
ዓማዊል ነዚ ወሲባዊ ትርኢታት ንምዕዛብ ገንዘብ ከፊሎም፣ ኣብ መንጎ 30 ሰነ 2022ን 12 ሰነ 2024ን ድማ ሞስኬራ 2,682.90 ዶላር ኣታዊ ረኺቡ።
ሞስኬራ ግን ኣልበርት ቅድሚ ምቕታሉ ክሳዕ ሒደት መዓልታት፡ ቪድዮታት ብኢንተርነት ከም ዘካፍል ይፈልጥ ከም ዘይነበረ እዩ ንቤትፍርዲ ገሊጹ። ይዅን'ምበር፡ ኣልበርት ስእሉ ክሰቅልን ካብኡ ዝረኸቦ ገንዘብ ክወስድን ዝፈቕደሉ ናይ ፍቓድ ቅጥዒ ኣብ 2023 ከም ዝፈረመ ተሰማሚዑ።
ኣብ ጥቅምቲ 2023 ኣልበርት ንሞስኬራ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽመጽኦ ገንዘብ ከፊልሉ። ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ገዛኡ ድማ ሓዲሩ።
ንሱ ንቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብኣልበርት "መዓልታዊ" ከም ዝተዓመጸን ካብቲ ንኽፍጽሞ ዝተኸፍለሉ ሕሉፍ ጾታዊ ተግባራት ዝዀነ ሓጐስ ከም ዘይተሰምዖን ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Albert Alfonso/Flickr
ድሕሪኡ ኣብ መጋቢት 2024 ኣልበርት ንፖል ናብ ኮሎምብያ ወሰዶ፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ካርታሄንጋ ኣዕረፉ - ኣልበርት ድማ ንሞስኬራ ናብኦም ንኽመጽእ ከፈሎ።
ኬቪን ዶር ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ናይ መስተ ኣዕሩኽቱ፡ ፖል ናብታ ሃገር ከይገይሽ ሓደገኛ ቦታ እዩ ኢሎም ከም ዘጠንቀቑዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ግንቦት ናይታ ዓመት፡ ሞስኬራ ካልእ ሕሉፍ ጽዩፍ ቪድዮ ንኣልበርት ሰሪሕሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመሊሱ። ሽዑ'ውን ኣልበርት ብዝኸፈሎ ወጻኢታት ምስዞም ጽምዲ ጸኒሑ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣልበርት ንሞስኬራ ኣብ ጂምናዝዩሙ ናይ ጋሻ ኣባልነት ኣዳልዩ፡ ኣብቲ ስርሑ ሓሙሽተ ወገናት ዝሳተፉዎ ናይ ኩዕሶ እግሪ ጕጅለ ዋትስኣ ኣእትዩ፡ ንኣርባዕተ ሰሙን ኣብ ዝጸንሕ ስልጠና ቋንቋ እንግሊዝ ኣመዝጊቡዎ።
እዞም ሰለስተ ሰባት ንናይ ሓደ መዓልቲ ጕዕዞ ናብ ብራይተን እውን ተዛዊሮም።
ሞስኬራ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሄትሮ ቅድሚ ምብጽሑን ምስ ኣልበርትን ፖልን ኣብ ዝጸንሐሉ እዋንን ብዛዕባ ገንዘቦም ሓበሬታ ይደሊ ነበረ። መብረዲን ከም ኣርሰኒክ ዝኣመሰሉ መርዛማትን እውን ይደሊ ነበረ።
ፖልን ኣልበርትን ብ8 ሓምለ ተቐቲሎም።
ፖል ብዙሕ ግዜ ብመዶሻ ተሃሪሙ ርእሱ ተሰብረ። ሬሳኡ ኣብ ታሕቲ ዓራት ተሓቢኡ ነበረ። ሞስኬራ፡ ኣልበርት ናብ ገዛ ክመጽእ ተጸበዮ።
ኣብቲ ዝተቐድሐ ጾታዊ ርክብ፡ ሞስኬራ ንኣልበርት ብኻራ ቀቲሉዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዙርያ እቲ ክፍሊ እናደረፈን እናሳዕሰዐን ይኸይድ ነበረ።
ናይ ኣልበርት ኮምፒዩተር ብምጥቃም፡ ካብ ናይ ኣልበርት ሕሳብ ባንክ ናብ ኮሎምብያ 4,000 ፓውንድ ክሰድድን ብዙሕ ገንዘብ ከውጽእን ፈቲኑ።
በዚ ምስራሕ ምስ ኣበዮ ናብ ሓንቲ ናይ ገንዘብ ማሽን ከይዱ ኣማኢት ፓውንድ ኣውጺኡ።
ድሕሪ መዓልታት ሞስኬራ ኣካላቶም ቈራሪጹ፡ ርእሶም ኣብ ፍሪዘር ኣእትዩን ካልእ ክፍሊ ኣካላቶም ኣብ ባልጃታት ሒዙን ናብ ብሪስቶል ከደ።
እቲ ዘይትጽቢትዊ ኣረሜናዊ ቅትለት ናይ ኣልበርትን ፖልን ንብዙሕ ሰብ ኣሰንቢዱ።
ኬቨን ዶር፡ እቲ ቅትለት ልቡ ከም ዝሰበሮ ሓቢሩ።
ሞስኬራ ኣብ ቤትፍርዲ ዉልዊች ክራውን ድሕሪ ዝተኻየደ ፍርዲ፡ ብኽልተኡ ቅትለታት ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።
ዓርቢ 24 ጥቅምቲ ክፍረድ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







