እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ርክባ ተስፍሕ ዘላ ኣዘርባዣን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኢንዳስትሪ ምክልኻል ዘትያ
እታ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያን ሶማልያን ጥቡቕ ጸጥታዊ ምትእስሳራት ከተማዕብል ዝጸንሐት ኣዘርባዣን፡ ብሓሙስ 20 ሕዳር ምኒስተር ምክልኻል ናብ ኢትዮጵያ ብምስዳድ ኣብዚ መዳይ'ዚ ከም ዝዘተየት ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን።
ኢትዮጵያን ሪፓብሊክ ኣዘርባዣንን ኣብ ዓውድታት ኢንዱስትሪ ምክልኻል ሓባራዊ ማዕቀፍ ምትሕብባር ንምቛም ዝዓለመ ክልተኣዊ ዘተ ኣካይደን።
እቲ ብምኒስተር ምክልኻል ሪፓብሊክ ኣዘርባዣን ቩጋር ሙስጣፋይቭ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ምስ ምኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኢንጂነር ዓይሻ መሓመድን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን ዘትዩ።
ምኒስተር ዓይሻ፡ ኢትዮጵያ ንትሕተ-ቕርጺ ኢንዳስትሪ ምክልኻላ ቀዳምነት ከም እትህብ ጠቒሳ፣ ኣብዚ መዳይ'ዚ ድማ ተመኵሮ ኣዘርባጃን ከም ዝገድሳ ኣረዲኣ።
በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዓውዲታት ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂ፡ ዓቕሚ ኢንዱስትሪ፡ ከምኡ'ውን ተዛመድቲ ጉዳያት ተመኵሮ ክትድልብ ድልውነታ ኣረጋጊጻ።
ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘሎ ሰፊሕ ዕዳጋ ወተሃደራዊ ናውቲ እጃማ ክትወስድ ክትመጣጠር ዝጸንሐት ኣዘርባዣን፡ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪታት ብምምዕባል፡ ምስ ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ስምምዓት ከም ዝፈረመት ይግለጽ።
እታ ከም ማእከል ኢንዱስትሪ ምክልኻል እናደመቐት ትመጽእ ዘላ ኣዘርባዣን፡ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣጽዋር ክትሸይጥ ጀሚራ ከም ዘላ ሓደ ንመንግስቲ እታ ሃገር ቅርበት ዘለዎ ማዕከን ዜና የመልክት።
"ኣዘርባጃን፡ ብዘለዋ ምዕቡል ትካላት ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ ኣብ ዓውዲ ጸጥታ ኣፍሪቃ ዓቢይ ግደ ንምጽዋት ትጽዕት ኣላ፡" ይብል እቲ ኣብ ትረንድ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ኣብዚ ዓመት ዝወጽአ ትንተና።
ከም ዝፍለጥ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ዝሓለፈ ዓመት ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ ብዘይፍቓድ ብምእታወን ምስ ኣባላተን ኣብ ወደብ ዓሰብ ተታሒዘን ነይረን እየን።
እተን ብቐይሕ ባሕሪ ኣቢለን ናብ ኢማራት ዓረብ የምርሓ ነይረን ዝተባህላ መራኽብ፡ ብዘይተነጸረ ኵነታት ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ ምእታወን ይዅን ንኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ምጽንሐን ብዙሕ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ነይሩ።
ሓደ ካብቲ ጥርጣረታት፡ እተን መራኽብ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ሒዘን ከም ዝተረኽባ ዝእምት'ዩ።
ዋና ናይተን መራኽብ ዝዀነ ሲ-ኤም-ኤስ ዝተባህለ ትካል ግን እተን መራኽብ ብዘጋጠመን ሕማቕ ኵነታት ባሕሪ ደገፍ ንምርካብ ምስ ሰብመዚ ኤርትራ ርክብ ንምምስራት ዝገበርኦ ፈተነ ከም ዘይሰመረ'ዩ ዝምጕት።
ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ ኵነታት ናይተን መራኽብ ኣመልኪቱ ዝተገልጸ የሎን።
እቶም "ካብ 7 ሕዳር 2024 ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝጸንሑ 18 ዜጋታት ኣዘርባዣን" ድሕሪ ነዊሕ ጻዕሪ ኣብ መጋቢት ከም ዝተለቐቑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጠን ምንባረን ተገሊጹ እዩ።
ኣብዚ ኣብ ቤትጽሕፈት ምኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ናይ ሕጂ ርክብ፡ ምኒስተር ዓይሻ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ሓፈሻዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘለዋ ጽኑዕ ተወፋይነት ንመዘናኣ ቩጋር ሙስጣፋይቭ ኣረጋጊጻ።
ኣዘርባዣን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጸጥታውን ወተሃደራውን ርክባት ብንጹር ዝፍለጥ'ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ጉዳያት ምክልኻልን ጸጥታን ንምትሕግጋዝ ከም ዝተሰማምዓ ይፍለጥ።
እቲ ኣብ ርእሰኸተማ ባኩ ኣብ ክፍላ ግንቦት 2024 ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ብመሰረት ኣብ 2023 ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዝተበጽሐ ምርድዳእ'ዩ ተፈጺሙ።
"ኣብ ዓውድታት ሓበሬታ፡ ጸጥታን ድሕነትን ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ምምዕባል፡ ከምኡ'ውን ንኽልተአን ሃገራት ዘርብሕ ፕሮጀክትታትን፡" ዘጠቓለለ ምዃኑ ኢትዮጵያ ገሊጻ ነይራ።
ኣዘርባዣን ብዘይካ'ዚ ምስ ሰማልያ'ውን ሰፊሕ ውዕላት መሸጣ ኣጽዋር ከም ዘለዋ ይፍለጥ።