'ኣብ ሊብያ ብአይኤስ ዝተቐተሉ መኻይደይ ኣይርሰዖምን' ዳንኤል አብርሃ

ዳንኤል አብርሃ

ምንጪ ስእሊ, Merit pictures

ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን "ዕስራን ሰለስተን" እትብል መጽሓፍ ተመሪቓ ንንባብ በቒዓ ኣላ።

እታ መጽሓፍ፡ ዛንታ ስቓይን ዓወትን ሓደ መንእሰይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጺኡ ብሱዳን- ሊብያ ሰጊሩ ናብ ኤውሮጳ ዝበጽሐ እዩ።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ 'በለካ ለኽዐካ' ዛንታታት ዝሓዘት ኣይኮነትን። እቲ ሓቂ ካብ ኣፍ እቲ በዓል ታሪኽ እትሰምዓሉ መጽሓፍ እዩ።

እዚ 262 ገጻት ዝሓዘ ዛንታ ስደት ዳንኤል፡ ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ናይ ምህዳም ፈተነታት፡ ህልቂት ዳዒሽ፡ ከምኡ'ውን ጃልባ ምግልባጥ ዘጠቓልል እዩ።

ዳንኤል፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክወጽእ ከሎ፡ ከም ካልእ ስደተኛ፡ ፖለቲካዊ ሕቶ ይኹን ቁጠባዊ ምኽንያት ኣይነበሮን።

ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ኣዲኡ ዝሰኣነን ኣብ መዕበይቲ ዝባፀሐን ዳንኤል፡ ኣቡኡ ንምእላሽ እዩ ጉዕዞ ጀሚሩ።

እግሪ ዳንኤል ግን፡ ናብ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝኾኑ መስመራት ስደት ወሰዶ።

መጀመርታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ባህርዳር፡ ካብኡ ናብ ዶባዊት ከተማ መተማ፡ ቀጺሉ ናብ ሱዳንን ሊብያን ኣምሪሑ።

ኣብ መንገዲ ምስ ኣረሜናውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ፊት ንፊት ተራኺቡ፡ ምስ ጥሜትን ሕማምን ተፋጢጡ፤ ኣብ መኽዘን ተዓፅዩ ከም ዕድል ብህይወት ተሪፉ።

ልዕሊ ሰላሳ ብጾቱ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብዕጡቓት ጉጅለታት ክቕተሉ ከለዉ ካብ ቀረባ ሰሚዕዎ።

ዳኒኤል፡ ኣጀማምራ ጉዕዞኡ እንትዝክር፡ "ካብ ኢትዮጵያ በይነይ ዝኸይድ ዘለኹ፤ በይነይ ዝስደድ ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣብ መተማ ምስ ኣተኹ ግን ካልኦት ብዙሓት ርእየ። ሰባት ብውልቅን ብጉጅለን ይስደዱ ነይሮም።"

ንእሽቶ ገንዘብን ተኸዲኑዎ ዝነበረ ክዳንን ሒዙ ካብ ኣዲስ ኣበባ በይኑ ዝወጸ ዳኒኤል፡ ክሳብ መተማ ዝበጽሕ በይኑ ነበረ።

ይኹን እምበር፡ ኣብታ ህዝባዊ ኣውቶቡስ ዝነበሩ ሰባት፡ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ተመሳሳሊ ጉዕዞ ዝጅምሩ ምዃኖም ምስ ፈለጠ ተገሪሙ።

መንገዲ ስደት ተመሳሳሊ እኳ እንተኾነ እቲ ሕቶ ግን ዝተፈለየ እዩ። ገሊኦም ቁጠባዊ ሕቶታት የልዕሉ፤ ንናይ ለውጢ ድሌት እዮም ቀዳምነት ዝህቡ።

ገሊኦም እውን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ጐንፅታት፣ ካብ ማእሰርትን ወጽዓን ንምህዳም ይመርጹ።

ዳንኤል ግና ኣቦኡ ንምእላሽ እዩ ዝተበገሰ። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ገጽ 67 ናይታ መጽሓፍ እውን ተገሊጹ ኣሎ።

ዳኒኤል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ኮይኑ፡ ከም ሰራሒ መግቢ ኮይኑ ይሰርሕ።

ምንጪ ስእሊ, Daniel

መግለጺ ስእሊ, ዳኒኤል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ከም ክኢላ መግቢ ኮይኑ ይሰርሕ።

'ኣለሻ መንነት'

መንገዲ ስደት ዳንኤል ኣብ ኤውሮጳ ምስ በፅሐ ኣይተዛዘመን። ብኢጣልያን ጀርመንን ቤልጅየምን ሓሊፉ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተዛዚሙ።

ሎሚ ኣብ ሓደ ዓቢ ቤት መግቢ ዝሰርሕ ዝሰልጠነ ሼፍ ኮይኑ፡ ትምህርቱ ወዲኡ ተመሪቑ ኣሎ።

ንዳንኤል ካብ ኣዲስ ኣበባ ንማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ኣስታት ሓሙሽተ ወርሒ ወሲዱሉ፤ ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ደላሎ ወዲቑ።

ዝበዝሕ እዋኑ፡ ኣብ ሊብያ እዩ ኣሕሊፍዎ፣ ገንዘብ ምቕባል ዝኣበዩ፣ ንኻልኦት ነጋዶ ዝሸጡ፣ መግቢ ብምኽላእ ዝቐጽዑ፣ ዝሃርምዎ፣ ድምጺ ቶኽሲ ሙዚቃ ዝኾነላ ኩሉ ዓይነት ደላሎ- ይዝክር።

ዳኒኤል፡ ኣቡኡ ኤርትራዊ'ኳ እንተዀነ፡ "ኣበይ ከምዘሎ ኣይፈልጥን" ክብል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ተዛሪቡ።

" ናይ መንነት ሕቶ ነይሩኒ። ምስ መዕበይቲ ወለዲ እየ ዓብየ። ኣቦይ ኣበይ ከምዘሎ፣ ኩነታቱ እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን። ኣወፃፃኣይ ዳርጋ ህድማ እየ ዝብሎ"።

ዳንኤል ናብ ስደት ዘምረሐሉ ምኽንያት፡ "መንነት ንምድላይ ህድማ" ክብሎ ይመርጽ።

" 'ኣቦኻ ኣይደልየካን'ዩ' ዝብል ዘረባ፡ ናበይ ትኸይድ ብዘየገድስ፡ ክትሃድም የገድደካ፤ ዓርስኻ ምኽኣል ዝብል ድማ ካልእ ሓያል ሕቶ ኣሎ። ንነብስኻ ደው ምስ እትብል'ዩ ኣቦኻን ስድራቤትካን ዘድልዩኻ፡ ዝተሓዋወሱ ብዙሓት ምኽንያታት እዮም ናብ ስደት ክኸይድ ዝገበሩኒ።"

ዳኒኤል ንኣርባዕተ ዓመት ተማሂሩ ብቢዝነስ ማኔጅመንት ናይ መጀመርታ ዲግሪ ረኺቡ።

ምንጪ ስእሊ, Daniel

መግለጺ ስእሊ, ዳኒኤል ንኣርባዕተ ዓመት ተማሂሩ ብቢዝነስ ማኔጅመንት ናይ መጀመርታ ዲግሪ ረኺቡ።

መንታ መንገዲ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዳንኤል ኣብ ስደት ጭካነ እውን ጥራይ ዘይኮነ፡ ርህራሄ እውን ርእዩ።

ከምቲ ኣብ ግዜ ሕማምን ጥምየትን ርህራሄን ምትሕግጋዝን ዘሎ፤ ኣብ በረኻ ሊብያ ነፍስኻ ንምትራፍን ንምድሓን ካልኦት ምጭፍላቕ ብንጹር ይርኢ ነይሩ።

"ሓደ ሓደ ግዜ፡ ሓደ ሰብ ንነብሱ ንምድሓን ንኻልእ ሰብ ይረግጽ። ብፍላይ ኣብ ባሕሪ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ እታ ዝጸዓናና ጃልባ ሚዛና ክትሕሉ ኣብ ዘይትኽእለሉ እዋን፡ እቲ ስደተኛ ንህይወቱ ንምድሓን ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ይኹን ህጻናት ዘይግደሰሉ እዋናት ነይሩ።"

ዳንኤል ኣብ ሊብያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንኢትዮጵያውያን፣ ኤርትራውያን፣ ሶማላውያን፣ ሱዳናውያን፣ ጫዳውያን ስደተኛታት ርእዩ።

እዞም ኩሎም ስደተኛታት ካብ ዝኾነ ክፋል ሃገር ይምፅኡ ብዘየገድስ፡ ዘመሳስሎም ነገር ከም ዘለዎም ኣስተብሂሉ።

ካብ ሃገሮም ምስ ወጹ፡ መነባብረኦም ክቕይሩ፡ ኩሎም ርእሶም ኣድኒኖም፤ ኣፎም ሒዞም ዝወፅኡ እዮም።

ስደት ንኹሉ ሰብ ከም መንበር ኣብ ሓደ ወገን የቐምጦ። ካብ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ መምህርን ወተሃደርን፣ ምሁርን መሃይምን፣ ንኹሉ ሰብ ኣብ ሓደ ወገን ምስ ሱዳንን ኤርትራን የቐምጦ።

"ስደት ንኹሉ ሰብ ሓደ'ዩ። ካብ ሃገርካ እንተወጺእካ፡ ዘጋጥመካ ብድሆታት ሓደ'ዩ። ንሃገርካ ወጻእተኛ ኢኻ። ጻዕዳ ይኹን ጸሊም ሕብሪ ቆርበትካ መልክዕ ስደት ኣይቅይሮን'ዩ።"

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ዕጫ መጻኢ ናይቲ ስደተኛ ዝውስኑ ነጋዶ እዮም።

ከም ኣገላልጻ ዳንኤል፡ ብዓቢ ፍልልይ ንብዝሒ ስደተኛታት ዝመርሕ ኤርትራውያን ኢዮም። ብድሕሪኡ ሶማላውያን፡ ቀጺሎም ቻዳውያን፡ ቀጺሎም ሱዳናውያንን ኢትዮጵያውያንን።

ዳንኤል ኣብታ መጽሓፍ ብተመሳሳሊ ቅደም ተኸተል ኣብ መርከብ ሊብያ ከም ዝተጸዓኑ ይጽሕፍ።

"ኣብ ስርሖም ብዙሓት ስደተኛታት ዘለዎም ዓበይቲ ደላሎ" ቀዳምነት ይወሃቦም።

ብተወሳኺ ዳኒኤል ኣብታ መጽሓፍ ብዛዕባ ሱዳናውያን ደላሎ ኣወንታዊ ነገር ኣስፊሩ።

እዚ ንምንታይ ከምኡ ኰይኑ ተባሂሉ ብቢቢሲ ምስ ተሓተተ፡ እታ መጽሓፍ ኣብ ሓቅን ርትዕን ጥራይ ዝተመስረተት እያ ይብል።

"ዝረኣኹዎ እየ ጽሒፈ፤ ዘጋጠመኒ። ስለዚ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ጥዑያት ደላሎ እዮም ነይሮም፡ እንተኾነ ግን ሕማቓት ሱዳናውያን እውን ነይሮም። ኣብ መኽዘን ተዓፅየ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ እቶም ኣብ ጓንታናሞ ቤይ ብሊብያውያን ዝተቖጽሩገረፍቲ፡ ሱዳናውያን እዮም ነይሮም። ንዓይ ግን ሕያዎት ስለዝነበሩ፡ ከምኡ ከምስክር ኣለኒ"።

ዳንኤል ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኻት ናይ ማእከላይ ባሕሪ ጉዕዞኡ፡ ሓደ ፍርቂ ናይቲ ዝኸፈሎ ገንዘብ ዝኸፈለሉ ሱዳናዊ ደላላይ ፍርቂ ቀኒሱሉ ተሸጊሩ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ "እቲ ከም ምሕረት ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግር ዝፈቐደለይ ደላላይ ሊብያዊ'ዩ" ብምባል ነቲ ጉራማይለ ዝዀነ ነገር ይገልጽ።

" 'መወዳእታይ ኣኺሉ' ዝበልኩሎም ሰዓታት"

እቲ ንነብሱ "እስላማዊ መንግስቲ" ዝብል ቅድሚ 11 ዓመት ን34 ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኣብ ምድረበዳ ሊብያ ኣብ ዝቐተለሉ እዋን፡ ዳንኤል ኣብ መኽዘን ኣጅዳብያ እሱር እዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣብቲ መኽዘን ተታሒዙ ነይሩ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ንባዕሉ ሓዊሱ ግቡኦም ስለዘይከፈሉ፡ ክወጹ ስለዘይተፈቕደሎም እዩ።

ዳንኤል ኣብ መጽሓፉ ካብ ኣጅዳብያ ናብ ትሪፖሊ ዝግበር ጉዕዞ ልዕሊ ሰላሳ ነቑጣታት ምሕላፍ ከምዘጠቓልል ጽሒፉ ኣሎ።

በዚ መፈተሺ ነቑጣታት ምሕላፍ ሓደገኛ ስለዝኾነ እቶም ደላሎ ነቶም ስደተኛታት ብበረኻ ክወስድዎም ይመርጹ።

ምስ ዳንኤል ኣብ መኽዘን ዝነበሩን ግቡኦም ዝኸፈሉን ደቂ ቂርቆስ [ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሰፈር] መኪና ጽዒኖም ናብ ጉዕዞኦም ተበገሱ።

እንተኾነ እዞም ስደተኛታት ከምቲ ዝሓሰብዎ ናብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ኣይበጽሑን። ኣብ ኢድ ዳዕሽ ወዲቘም ተቐቲሎም።

ገለ ካብቶም ዝተቐንፀሉ ምስ ዳንኤል ኣብቲ መኽዘን ዝነበሩ እዮም።

ኣብቲ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ኣራንሺ ዩኒፎርም ዝለበሱ ሰባት ብጥይት ክቐትሉን ክሳዶም ክቖርጹን ዘርኢ እዩ።

ዳንኤል፡ ነዚ ተግባር ኣብ ቴሌቪዥን ምስ ረአየ ውንኡ ስሒቱ ነይሩ።

ዳንኤል ኣብ ሊብያ ተስፋ ካብ ዝቐበፀሎም ህሞታት ሓደ ቅትለት እዞም መንእሰያት ምዃኑ ይዛረብ።

"እቶም ምሳይ ዝነበሩ፣ ምሳይ ዝደቀሱ፣ ምሳይ ዝነበሩ፡ ምሳይ ዝጠመዩ ሰባት ምስ ተቐትሉ፡ መወዳእታይ እዩ መሲሉኒ ነይሩ፤ ተስፋ ቀቢፀ ነይረ።"

እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ጥቓ መሳገሪ ባሕሪ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን "ዝመውት እየ መሲሉኒ ነይሩ፤ ኣዝዩ ቃንዛ ነይሩኒ፡ ትርጉም ህይወት ጠፊኡኒ ነይሩ፤ ንሞት ሃረር ኢለ ነይሩ" ኢሉ።

ዳኒኤል ኣብ ሊብያ ንነብሰይ ምሒር ዘፅለአንን፡ ንፈጣሪየይ ዝወቐስኩሉን "እቲ ዝዓበየ ግን ኣሕዋትና ብዳዕሽ ምስ ዝሰኣንናሉ እዩ" ክብል ከቢድ ህሞት ከምዝነበረ ገሊፁ።

መጽሐፍ ሽፋን 'ሃያ ሦስት'

ምንጪ ስእሊ, Daniel

ኣርእስቲ መጽሐፉ ስለምንታይ '23' ተባሂሉ?

ኣሰናዳኢ ናይታ መጽሓፍ ቢንያም ኣቡራን ተራኺ እቲ ዛንታ ዳንኤልን፡ "ዳንኤል ብ23 ጥሪ እዩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጺኡ" ብምባል ንምንታይ 23 ክበልዋ ከም ዝወሰኑ ይገልጹ።

እታ መጽሓፍ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ በረኻ ሊብያ ኣብ ፒክኣፕ እንትፀዓኑ፡ ሕድሕድ 23፡ 23 ይመልኡ ከምዝነበሩን ይገልጽ።

ኣብቲ እዋን መብዛሕትኦም ናብ ስደት ዝኸዱ ደቂ ጸርቆስ ትሕቲ 23 ዓመት ከምዝነበሩ ዝዛረብ ቢንያም፡ "ምሳልያዊ ትርጉም ቁጽሪ 23 ምስ ዕጫ፡ ምስ ርእሰ ምርካብን ምስ ጓሶ ፈጣሪን ዝተኣሳሰር'ዩ" ክብል ይገልጽ።

እዚኦም "ኣብቲ መፅሓፍ ዝንጸባረቑ ቀንዲ ነገራት" ኮይኖም፡ ስለምንታይ ነታ መጽሓፍ 23 ዝብል ስም ክህብዋ ከም ዝመረጹ ዝገልጹ እዮም።

መንገዲ - ሊብያ

ዳንኤል ከሚሰራቸው ኬኮች ጋር

ምንጪ ስእሊ, Daniel

መግለጺ ስእሊ, ዳንኤል በለንደን ምግብ በማብሰል ሙያ ላይ ተሰማርቶ ይገኛል

ዳኒኤል "ስደት ንዝኾነ ሰብ ኣይምከርን" ይብል፡ "ሓደ ሰብ ብዘይ ሕማቕ ምኽንያት ኣይስደድን" ይብል።

ብዝተፈላለየ መንገዲ ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ህይወቶም ዝገበሩ ሰባት ብዛዕባ ታሪኾም ስደት ክዛረቡ ከለዉ፡ " ነቲ ማእከል ኣየርእዩኻን" ይብል ዳንኤል።

"ጫፍ ስደት ከም ዕምባባ ጽድያ'ዩ፡ እቲ ማእከል ግን ሓዊ፡ ስቓይን ጥሜትን'ዩ።"

ኣብቲ እዋን ካልእ ኣማራጺታት ስለዘይነበረ ንሊብያ ከም መንገዲ ስደቱ ከምዝመረጸ ዝዝክር ዳኒኤል፡ "ሕጂ ግን ንሓደ ካብታ ሃገር ወጺኡ ንነብሱ ክቕይር ዝደሊ ሰብ ብዙሕ ኣማራጺታት ኣሎ" ክብል ይገልጽ።

ሕጂ ንሊብያ ክስደድ ዝመረጸ ሰብ ብገንዘብን ኣካላዊ ስቓይን ዝለዓለ ዋጋ ከም ዝኸፍል ዝገልጽ ዳኒኤል፡ "ክትሸይጥ ኢኻ፤ ክትቅየር ኢኻ፤ ንዝኾነ ደላላይ ምንጪ ገንዘብ ኢኻ፤ ዝኾነ ደላላይ ንዓኻ ብምሻጥ፡ ብምልዋጥን ሃብቱ ክውስኽ ይደሊ" ይብል።

ኣብ ሊብያ "ኩሉ ሰብ ዓጋቲ ኮይኑ ኣሎ። እቶም ዕጡቓት፡ እቶም ብስም መንግስቲ ዝተወደቡ፡ ተራ ህዝቢ'ውን ዓገትቲ እዮም። ገንዘብ ይሓቱ" ዝብል ዳንኤል፡ እቶም ነዚ መጽሓፉ ዘንበቡን ስደት ዝሓስቡን "ደው ኢሎም ክሓስቡሉ" ዝብል ተስፋኡ ይገልጽ።

ብዛዕባ ስደት ክሓስብ ከሎ ኣብ ኣእምሮኡ ዘይሃስስ በሰላ ከምዘሎ ዝዛረብ ዳኒኤል፡ "ጭካነ ደላሎ፡ ናይቶም ኣሰጋገርቲ ነባሪ በሰላ ይገድፍ" ይብል።

ኣብ ዓለም ስደት "ሕጊ ይኹን ሰብ የለን፤ ክትኣምኖ እትኽእል ሰብ የለን" ብምባል፡ ቅድሚ ከም ሊብያ ዝኣመሰሉ ናይ ስደት መስመራት ምምራጽና ካልኦት ኣማራጺታት ምጥማት ኣድላይ ምዃኑ የዘኻኽረ።

ዳኒኤል ኣብ ቤልጅየም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቶም ንዕኡን ንብጾቱን ስደተኛታት ገዝኦም ዝኸፈቱሉ ስድራቤት ኣብ ለንደን ክበጽሕዎ መፂኦም።

ምንጪ ስእሊ, Daniel

መግለጺ ስእሊ, ዳኒኤል ኣብ ቤልጅየም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቶም ንዕኡን ንብጾቱን ስደተኛታት ገዝኦም ዝኸፈቱሉ ስድራቤት ኣብ ለንደን ክበጽሕዎ መፂኦም።