'ኣፃብዕቲ እግሪ ይሽየጥ ኣሎ' ዝብል ሓበሬታን ሓቅነቱን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ቕነ ብማሕበራዊ መራኸብታት ዝተዘርግሐ ሓደ ሓበሬታ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣዘራራቢ ዝኾነን ቀልቢ ዝሰሓበን ኮይኑ ይርከብ።
እቲ ሓበሬታ ካብ ዚምባብወ ዝመንጨወ ኮይኑ፡ ሰባት ኣፃብዕቲ ኣእጋሮም ብኣዝዩ ዝለዓለ ዋጋ ይሸጡ ከምዘለዉ ይሕብር። እዚ ካብ ዚምባብወ ዝተበገሰ ሓበሬታ ኣብዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ናይጀርያ ንቐልቢ ብዙሓት ዝሰሓበ ኮይኑ'ሎ።
ዜጋታት ዚምባብወ ንኣፃብዕቲ እግሮም ብምሻጥ ካብ ድኽነት ይወጽኡ ምህላዎም ዝገልፅ ሓበሬታ ብሓደ ኣብታ ሃገር ዝርከብ 'ብሎግ' ነይሩ ፈለማ ዝተዘርግሐ።
ብዙሓት ሰባት ነቲ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ናብቲ ዝተብሃለ ማእኸል ንግዲ ከምዝወሓዙ ድማ ይግለፅ።
ብ28 ግንቦት ዝዘርግሖ ሓበሬታ "ምትዕድዳግ ኣፃብዕቲ" ኣብ ከተማ ሃራሬ ማእኸል ንግዲ 'ዢሜክስ' [Ximex Mall] ይካየድ ከምዘሎ ይገልፅ።
ሰባት ዓባይ ኣፃብዕ እግሮም ንሓደ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ባህላዊ ሓኪም ብምሻጥ ክሳብ 40 ሽሕ ዶላር ይኽፈሎም ከምዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታ ናብ ብዙሓት ንኽላባዕ ግዜ ኣይወሰደሉን።
ብርግጽ ክፍሊ ኣካላት ሰብነት ንባህላዊ ፍወሳ ከምዝውዕሉ ክግለፅ ከሎ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።
እቲ ንዓባይ ኣፃብዕ 40,000፤ ንማእኸላይ 25,000 ንንኢሸተይ 10,000 ዶላር ከምዝኽፈል ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ግን ዘስሕቕን ብዙሓት ከም ሓቂ ዝወሰድዎን ኮይኑ'ሎ።
ኣብ ዚምባብወ ምስዚ ሓበሬታ ዝተሓሓዙ ብስእልን ፅሑፍን ዝፍነዉ ቀልድታት ብስፍሓት ይረኣዩ ኣለዉ። ወፍሪ ሃሽታግ እውን ቺጉንዌ (ኣፃብዕ) ብዝብል ብብዝሒ ይረኣይ ብምህላዉ ነቲ ከቢድ ቁጠባዊ ምድኻብ ቁሩብ ዘረሳስዕ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ።
እዚ ዛዕባ ግን ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝሰገረ ኣብ ስሩዓት ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ሽፋን ኣይረኸበን።
ኣብ ናይጀርያን ዩጋንዳን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር፡ ዜጋታት ዚምባበወ ኣፃብእቲ እግሮም ብኣሽሓት ዶላር ይሸጡ ምህላዎም ዝገልፅ ሓበሬታ ክጥቅዑ ተራእዮም'ዮም።
ኣብ ኬንያ ዝርከብ ሓደ ጣብያ ሬድዮ ከኣ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ንተኸታተልቶም ግን "ኣየነይቲ ኣፃብዕኹም ምሸጥኩም?" ዝብል ሕቶ ከምዘቕረቡሎም ተሰሚዑ'ሎ።
ንስኑዓት ሓበሬታታት ብምክትታል ዘቃልዕ ጉጅለ ቢቢሲ፡ ኣፃብዕቲ እግሮም ሸይጦም ወይ ንምሻጥ ኣብ መስርሕ ይርከቡ ናይ ዝተብሃሉ ሰባት ክልተ ቪድዮታት ዝገምገመ ኮይኑ መጥቀሚ ናይቲ ስኑዕ ሓበሬታ ከምዝኾኑ ይኣምን።
እዚ ዜና ብፍላይ ኣብታ ክፍሊ ኣካላት ደቂሰብ ሃብቲ ወይ ገንዘብ ከምዘምፅእ ዝእመነላን ናይ ገንዘብ ጥንቆላታት ብስፍሓት ዝካየደላን ናይጀርያ ቀልቢ ብዙሓት ዝሰሓበ ኮይኑ ይርከብ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ [2022] ንመፈጸሚ ጥቆላ ብዝብል ንሓንቲ ቆልዓ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







