ኤርትራ፡ 'ማእሰርቲ መራሕቲ ሃይማኖት ብሸኽ ሻዕባን ኣይተጀመረን' - ደሃዮምከ?

ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ሓምለ፡ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ እትርከብ ፍልጥቲ ማእከል 'ሕፍዚ ቍርኣን' ሃንደበት ድሕሪ ምዕጻዋ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ ኣካያድን ሸኽን እታ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባን ተኣሲሮም ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ይዅን ኵነታቶም ከምዘይፍለጥ፡ መቕርቦም ይገልጹ።

ነዚ ፍጻመታት መሰረት ብምግባር፡ ሸኽ ኣድም፡ ንኽፍትሑ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ኤርትራ መሰል እምነት ክኽበር፡ ኣብታ ሃገር ዝግበር ግህሰት መሰላት ደው ንኽብል ጸቕጢ ንምግባር ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ድምጾም የስምዑ ከምዘለዉ፡ ሓደ ካብ ወደብቲ እቲ ምንቅስቓስ፡ ኣቶ እድሪስ ኢብራሂም ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እድሪስ፡ ንባዕሉ ወዲ ጊንዳዕ ምዃኑ ጠቒሱ ነቲ ኵነታት ብቐረባ ከምዝከታተሎ ብምግላጽ፡ "ከም ዝዀነ ኣብ ኤርትራ ዝእሰር ሰብ፣ እቶም ሸኽ ምስ ተወስዱ ዝቐረበ ክሲ ይዅን ኵነታቶም ዝሕብር የለን፡" ይብል።

ብ15 ሓምለ 2025 ሃንደበት እታ ማእከል ቍርኣን ድሕሪ ምዕጻዋ፡ "ሸኽ ሻዕባን ንምዕጻዋ፡ ተቓዊሞም ክዛረቡ ምስ ጀመሩ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ ንዖኦም መጺኦም ጨውዮም ወሲዶምዎም - መጭወይቲ እዩ ክበሃል ዝኽእል፡" ኢሉ ይገልጽ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ጊንዳዕ ምስዚ ኵነታት ብዝተኣሳሰር ከም ዝተኣስረ ክግለጽ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ "ኣቶ ዑመር የሕያ ሓጂ፣ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ እዩ፣ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ እውን ፍቱው እዩ ነይሩ፣ ነታ ከተማ ንምምዕባል ናይ ልቡ ጽቡቕ ስራሕ ይሰርሕ ከምዝነበረ ማንም ሰብ ዝምስክሮ እዩ።

እታ ቍርኣን ተዓጽያ ሸኽ ሻዕባን ምስ ተኣሰረ፣ ምስ ሸኽ ሻዕባን ድማ ጽቡቕ ይፋለጥ ስለዝነበረ፣ 'እዚ ጌጋ እዩ፣ ትገብርዎ ዘለኹም ቅኑዕ ኣይኰነን ኢሉ ምስ ተማጐተ ንዑኡ ድማ ኣዳጊሞሞ፡" ብምባል ነቲ ኵነታት የረድእ።

ንኵነታት ስድራቤት እቶም ሸኽ ኣመልኪቱ ኣቶ እድሪስ፡ "ሸኽ ኣድም ሻዕባን በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓሙሽተ ውሉዳትን ምዃኖም'ውን ይጠቅስ።

ኣብ 1969 ኣትሒዙ ከምዝተመስረተ ዝንገረሉ ማእከል እስላማዊ ትምህርቲ [መሓድ] ነቲ ዝነበረ ንኣሽቱ ማእከላት ቍርኣን ኣኻኺቡ ዝቘመ እዩ።

ኣብ 1996 ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ልዕሊ 13 ዝዀኑ መምህራን ከምዝተኣስሩ ይግለጽ።

እቲ ዓቢይን ፍሉጥን ዝነበረ እስላማዊ ቤት ትምህርቲ (መሓድ) ኣብ 2000 ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ብጻዕሪ ሸኽ ኣድም ሻዕባን ናብቲ ቀደም ዝነበሮ ተራ ናይ ቈልዑ ናይ ቍርኣን ትምህርቲ እዩ ተቐይሩ።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝተኻየደን ዝቕጽል ዘሎን ሰልፊታት ኣመልኪቱ እድሪስ፡ እቲ ምንቅስቓስ ነዚ ናይ ሕጂ ፍጻመ ንምቅዋም ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ናጽነት ገና ዝቕጽል ዘሎ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ መራሕቲ ሃይማኖት ንምቅላሕን ምዃኑ ይዛረብ።

"እዚ ሓበሬታ ካብ ዓዲ ምስ መጸ፡ ሰብ ኣይተቐበሎን፣ ብመሰረቱ ግን እዚ ገበን ሕጂ ዝጀመረ ኣይኰነን፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ካብ ኣስመራ ጀሚርካ፡ ከረን፡ መንደፈራ ጊንዳዕ፡ ባጽዕን፡ ኣቝርደትን ካልኦትን ዝነበራ መሓዳት ተዓጽየን፣ ዝነበሩ መምህራን ድማ ተኣሲሮም ክሳብ ሕጂ ደሃዮም የለን፡" ድሕሪ ምባል፡ "ብዘለና ሓበሬታ ካብ ፈለማ 90ታት ክሳብ ሕጂ ካብ 200 ክሳብ 250 ዝዀኑ መሻይኽን ዑለማእ [ምሁራት ሃይማኖት] ተኣሲሮም ኣለዉ፡" ይብል።

ኣብ ኤርትራ ምስ ሃይማኖት ዝተኣሳሰር ማእሰርቲ ሰፊሕ ኰይኑ፡ ብፍላይ ካብተን ኣርባዕተ ከም ቀንዲ ወግዓውያን ተቐባልነት ዘለወን ሃይማኖታት ወጻኢ፡ ሰዓብቲ እምነት ጅሆቫ፡ ጴንጠ-ቆስጠን ዝኣመሰሉ ብብዝሒ ክህደኑ ከምዝጸንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነት ሃይማኖታትን ብተደጋጋሚ ክኽሰስ እኳ እንተጸንሐ ነቲ ክሲ ኣይቅበሎን።

ንኣብነት ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ብዛዕባ ኤርትራ ግጉይ ስእሊ ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታ ስለዘሎ'ዩ እምበር ኤርትራ፡ መሰል እምነት እተኽብር ሃገር እያ. . . መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታት ኢዱ ኣየእቱን እዩ" ክብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።

ይዅን እምበር ነዚ ኣብ ጊንዳዕ ዘጋጠመ ኵነታት ዝምልከት ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ምላሽ ዛጊት የለን።

ቢቢሲ፡ ኣብ ዙርያ እዚ ጉዳይ ርእይቶን መብርሂን ንምርካብ ናብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብኢመይል ዝሓተተ ኰይኑ፡ ዛጊት ዝዀነ ይዅን ምላሽ ኣይተረኸበን ዘሎ።

ድሕሪ ማእሰርቲ ሸኽ ኣድም እቲ ማእከል ቍርኣን ከም ዝተዓጸወን፡ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ቍርኣናዊ ትምህርቲ ከምዝተቛረጸን ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

እድሪስ ብወገኑ፡ "ከምቲ ዝበሃል መንግስቲ ነቲ ቤት ትምህርቲ ክወስዶ ይደሊ ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ፡" ይብል።

ከም ዝዝከር፡ መንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ካብ 2017 ኣትሒዙ ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት ንዳርጋ ኵለን ብህዝብን ማሕበራትን ዝውነናን ዝካየዳን ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲን ማእከላት ሕክምናን ከምዝወረሰ ይፍለጥ።

ኣብ ጥቅምቲ/ሕዳር 2017፡ ኣብ ኣስመራ ነዊሕ ዕድመ ዘለዋ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣልእስላሚያ - ኣኽሪያ ናብ መንግስቲ ክትሰጋገር ምስተወሰነ፡ ንምህጋር እታ ቤት ትምህርቲ ብምቅዋምን፡ ንወለዲ መግለጺ ምስ ሃቡ ዝተኣስሩ ኡስታዝ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር፡ ኣብ ቀይዲ ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

ብሰንኪ'ቲ ጉዳይ ኣብ ኣኽርያ ብዝተፈጥረ ዕግርግርን ተቓውሞን ሓያለ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማእሰርቲ - ዓዲ-ኣቤቶ፡ ማይስርዋ፡ ሓሽፈራይ፡ ዓላን ካልኦት ቦታታትን ንሓያለ ዓመታት ብዘይሕጋዊ መስርሕ ክሲን ፍርዲን ከምዝተኣሰሩ ይፍለጥ።

ኣብ 2019 ድማ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንዅለን እተን ብኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን፡ ሃይማኖት እስልምና፡ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ከምኡ'ውን እምነት ሚስዮን ዝመሓደራ ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ መንግስቲ ክሰጋገራ መምርሒ ሂቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ እዚ ስጕምቲ ብመሰረት ኣዋጅ ቍጸሪ 73/1995 ከምዝወሰዶ'ዩ ዝምጕት።

ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብተደጋጋሚ ክሲ ዝቐርበሉ እቲ መንግስቲ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንዝመሓደራ ማእከላት ጥዕና ድሕሪ ምህጋሩ ንዝቐረብሉ ነቐፌታት ምላሽ ሂቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ዳኔላ ክራቨዝ፡ እቲ ተግባር "ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምዘይብሉ" ዘርኢ ፍጻመ እዩ ኢላ ነይራ።

መንግስቲ ኤርትራ ናታ ድምዳመ ኣብ "ዝተጋገየ እምነት" ዝተደረኸ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ኤርትራ ሃይማኖትን መንግስትን ዝተፈላለዩላ (ሴኩላር) ሃገር ስለዝኹውነት፡ ሓለፋ ዝወሃቦ ሃይማኖት ኮነ ምእመን የለን፡" ድሕሪ ምባል፡ "ሃይማኖታዊ ትካላት ኣብ ዝመረጽዎ ቦታ ልምዓታዊ ንጥፈታት ከሳልጡ ኣይፍቀደሎምን፣ ምኽንያቱ ተኸተልቲ ናይቲ ትካል ዘይኰኑ ሰባት ዘግልል ክኸውን ስለዝኽእል" ኢሉ።

ስለዝዀነ መንግስቲ ኤርትራ "ኵለን ትካላት ሃይማኖት ምምሕዳራዊ ስልጣን ማእከላት ጥዕና" ንምኒስትሪ ጥዕና ኣሕሊፈን ክህባ ከምዝተገበረ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እዛ ቤት ትምህሪ ናይ ጊንዳዕ ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ ዝተመስረተት ፍልጥቲ መሓድ (ምሉእ ሃይማኖታውን ዓለማውን ቋንቋ ዓረብን ዘስተምህር ቤት ትምህርቲ) እያ ነይራ።

ኣስታት 1600 ተምሃሮ ዝመሃሩላ ዝነበረት ቤት ትምህርቲ ኰይና፡ ኣብ 2000 ኣቢላ ምስ ተዓጸወት ግን ዓበይቲ ዓዲ ጊንዳዕ ተኣኪቦም "ታሕፊዘል ቍርኣን" ንቘልዑ እተምህር ቤት ትምህርቲ ቍርኣን ክትከውን ብዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ቈልዑ ነቲ መሰረታዊ ትምህርቲ ቍርኣን ዝመሃሩላ ኮይና ጸኒሓ። "ካብዚ ወጻኢ ካልእ ዋላሓንቲ ኣይነበራን" ብምባል'ዩ እድሪስ ንኵነታት እታ ቤት ትምህርቲ ዘረድእ።

"ክሳብ 3000 ዝዀኑ ቈልዑ ደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮን ዝመሃሩላ እያ ነይራ፡ መንግስቲ ግን ነዚ ምስ ረኣየ ዓጽዩዋ።"

ብድሕሪ'ዚ፡ "ነዚ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ንምዅናን" ብ8 ነሓሰ 2025 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይድና፣ ካብኡ ኣብ ፈረንሳ፡ ሽወደን፡ ጀርመን፡ ነርወይ፡ በልጂየም፡ ስዊዘርላንድ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ካናዳ፡ ኣመሪካን ኣውስትራልያን ሰለማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ።

"እቲ መበገሲ ጉዳይ ሸኽ ሻዕባን ይዅን እምበር፡ እቶም ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝተኣስሩ ኵሎም መራሕቲ ኵሉ ሃይማኖታትት ክፍትሑ፣ ኣብታ ሃገር ፍትሒ ክረጋገጽ - ንዅሉ ኣስላም ይዅን ክርስትያን - ንምጽዋዕ እዩ። በዚ ድማ 'ሒራክ ኣሻዕቢ፡' ማለት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ መስሪትና፡" ።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ምንቅስቓስ፡ ብዛዕባ'ዚ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ግህሰት መሰል ዜጋታት፡ ሰፊሕ ኣፍልጦ ንኽህሉ ደጋጊምካ ንምኹሕኳሕ እዩ፤ ድሕሪ ምባል "ነቲ ኤርትራውያን ዝተቓለሱሉ፡ ንናጽነትን ኣብ ዓድና ብኽብረት ንኽንነብርን ድርኺት ንምፍጣር እዩ ይብል ኣቶ እድሪስ ካብ ለንደን።

ካብ ኤምባሲታት ኤርትራ ንዝተረኽበ ግብረመልሲ ኣመልኪቱ ኣቶ እድሪስ፡ "ካብ መንግስቲ ዝተረኽበ የለን፤ ንሳቶም እኮ ናይቲ ህዝቢ ፈጺሙ ኣይግድሶምን እዩ፡" ይብል እሞ፡ "ካብኣቶም ክንሰምዕ ትጽቢት'ኳ እንተዘይብልና ዓለም ግን ክሰምዕ ንደሊ ኣለና፡" ኢሉ።

"ኣብዚ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ብዙሕ ንዛረብ ኣይነበርናን፡ ብመንግስትና ክንጭፍጨፍ፡ ክንነዓቕ ኢና ጸኒሕና፡ ኣብ ኤምባሲታት ኬድና፡ ማዕጾ ዝኸፍተካ የለን፤ ነቲ ብዓረብኛን ብእንግሊዝኛን ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ዝቕበል'ውን የለን፡ ኣብ ሳንዱቕ መልእኽቲ ኢና ነእትዎ፤ እቲ ኣብ ርእሶም ዘሎ እኮ እዚ እዩ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ንህዝቡ ዝንዕቕ መንግስቲ እዩ - ክብረት ኣይህብን።"

"ከም ዜጋ መሰል የብልካን፣ ስቕ ኢልካ ክትጭፍጨፍ ኣለካ፡ ስቕ ኢልካ ክትንዓቕ ኣለካ።"