እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ሓገዝ ብጥረ ገንዘብ ክወሃብ ወሲንና’፡ ሓይሊ ዕማም ህጹጽ ምላሽ ንትግራይ
ሓይሊ ዕማም ህጹጽ ምላሽ ንትግራይ፡ ኣብ ሓደጋ ጥምየት ንዝርከቡ ማሕበረሰብ እቲ ክልል ብዓይነት ከቕርቦ ሓሲቡ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ብጥረ ገንዘብ ከከፋፍል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብቲ ክልል ኣንጸላልዩ ንዝተብሃለ ምስቲ ኣብ መፋርቕ 1980ታት [1977 ኣ.ኢ] ኣጋጢሙ ዝነበረ ዝመሳሰል ሓደጋ ጥምየት ቅልጡፍ ምላሽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምትሕብባር ብዝብል ቅድሚ ኣዋርሕ ዝቖመ እዩ።
ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብዘተኣኻኸቦ ሚልዮናት ብር ዝዓደጎ እኽሊ ዝተበላሸወ ኮይኑ ስለዝተረኸበ፡ ነቲ ሓገዝ ብጥረ ገንዘብ ክህብ ምውሳኑ ሓቢሩ’ሎ።
እቲ ሓይሊ ዕማም ናብ 26 ወረዳታት ትግራይ ኣብ ምጉዕዓዝ ዝፀንሐ 2ይ ዙር ሓገዝ እኽሊ ዝተበላሸወን ንጥዕና ዘስግእን ብምዃኑ ንህዝቢ ከይዕደል ከምዝገበረ ይገልጽ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ካብ ኣተሓበባርቲ እቲ ሓይሊ ዕማም ዝኾነ ኣይተ ዶሪ ኣስገዶም “እቲ እኽሊ ዘይዓሰወ ወይ ብባልዕ ዘይተበልዐ ምዃኑ ብምርግጋጽ ኢና ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ንገብር። ናብ ወረዳታት ምስተልኣኸ ግን ኣብ ዝራገፈሉ እዋን ዝዓሰወ ጥራይ ዘይኮነስ ንነዊሕ እዋን ዝተኣጀለ እኽሊ ተረኺቡ” ክብል ኣረዲኡ።
እቲ ኣስታት 100 ሚልዮን ብር ወጻኢ ተገይሩሉ ካብ ዝተዓደገን ናብ ገለ ወረዳታት ክበጽሕ ዝተገበረን እኽሊ ዓይነቱ ዕፉን ከም ዝዀነ ብምጥቃስ “ገና ናብ ህዝቢ ከይበጽሐ ከሎ ኢና ብኣባላትና ምስተፈለጠ ምዕዳል ደው ክብል ወሲንና። እተን ዝወጽኣ ትሸዓተ ሽሕ ኩንታል እየን ነይረን” ኢሉ።
ኣባል ሓይሊ ዕማም ህጹጽ ምላሽ ንትግራይ ዝኾነ ዶክተር ደጀን መዝገቦ ጨረታ ተዓዊቱ ዝነበረ ኣካል ዝተበላሸወን ንጥዕና ሓደጋ ዘስዕብን እኽሊ ከምዘቕረበ ካብ በዓል መዚ ቁፅፅር ምግብን መድሓኒትን ትግራይ መረዳእታ ከም ዝቐረበ ኣብቲ ናይ ሎመዓልቲ መግለጺ ምዝራቡ ጸብጻብ ማዕከን ዜና እቲ ክልል ድ.ወ.ት ኣመልኪቱ።
እቲ ጨረታ ሙሉእ ብምሉእ ከም ዝተቛረጸን እኽሊ ከቕርብ ዝተዓወተ ነጋዳይ ኣትሒዝዎ ዝነበረ ትሸዓተ ሚሊዮን ብር ትሕጃ ክውረስ ከም ዝተወሰነን ድማ ተገሊጹ።
“እቲ ዝቐረበ እኽሊ ካብ ውዕልና ወጻኢ እዩ። ካልኣይ ከኣ ንመግብነት ክውዕል ከምዘይክእል ብኣካል ከይድና ኣረጋጊጽና ኢና። በዚ ምኽንያት ኢና ደው ንኽብል ወሲንና” ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
ዕድጊት ተፈጺሙ ናብ ወረዳታት ቅድሚ ምዝርግሑ እንታይ ዓይነት እኽሊ ይቐርብ ከምዘሎ ኣቐዲምኩም ምፍላጥ’ዶ ኣይምኽኣልኩም ነይርኩም ዝብል ሕቶ ዘቕረብናሉ እቲ ኣባል ሓይሊ ዕማም፡ “ዕሽሽ ዝበልናዮ ነገር የለን። ንኡስ ኮሚቴ ክትትልን ቁጽጽርን ዝተዓደገ እኽሊ ገና ኣብ መኽዘን ከሎ ሪኢዎ እዩ። እቲ ጨረታ ዝተዓወተ ሰብ’ውን ትኽክለኛ ዝኾነ እኽሊ ኣርእይዎም እዩ” ኢሉ።
እቲ ሓይሊ ዕማም ብግዱሳት ዝቖመን ውሱን ሓይሊ ሰብ ዘለዎን ከምዝኾነ ብምግላጽ ከኣ ነብሲ ወከፍ ኩንታል ናይ ምፍታሽ ዓቕሚ ከምዘይብሎም ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ንምፍታሕ ይሰርሑ ምህላዎም ኣብቲ ሎሚ ሓሙስ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝጠቐሰ ኣቶ ዶሪ ኣስገዶም “እቲ ሓይሊ ዕማም ዘጠፋፍኦ ገንዘብ ከምዘየለ ህዝቢ ክፈልጥ ኣለዎ” ክብል ሓቢሩ።
ንሱ ትማሊ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት “ነቲ ጨረታ ዝተዓወተ ሰብ ትግራዋይ ስለዝኾነ ነቲ ኣብ ህዝቡ ዘሎ ጸገም ይርድኦ እዩ ዝብል እምነት ጌርናሉ ኔርና። ዝኾነ ዝፈጸምናዮ ክፍሊት ግን ኣይነበረን” ኢሉ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን እቲ ጉዳይ ብሕጊ ተታሒዙ ከምዘሎ ዘመልከተ ሓይሊ ዕማም ህጹጽ ምላሽ ንትግራይ ነቲ ቅልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ግን እቲ ደገፍ ብጥረ ገንዘብ ክወሃቦ ኣብ ውሳነ ምብጽሑ ኣፍሊጡ’ሎ።
ክንደይ መጠን ገንዘብ፡ ንኽንደይ መራሕቲ ስድራ ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ግን ኣይተነጸረን።
ሰብ መዚ ትግራይ ኣብ መፋርቕ ጥሪ 2024 ኣብ ዝሃብዎም ተደጋገምቲ መግለጺታት ኣብቲ እዋን ብፍላይ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ብዘጋጠመ ድርቂ ኣስታት 3.5 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ጥምየት ከምዝተቓለዐ ገሊጾም ነይሮም።
ብተወሳኺ ቅድሚኡ ኣብታ ብሰንኪ ኲናት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ተሃስያ ዝጸንሐት ሕዚ ድማ ምስ ድርቂ ትቃለስ ዘላ ክልል ትግራይ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 225 ሰባት ብጥምየት ከምዝሞቱ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ምግላጾም ይዝከር።