እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተሳዒሩ ዘይፈልጥ 92 ዝዕድመኡ ፕረዚደንት ካሜሩን
ካሜሩን ኣብ ዘካየደቶ ፕረዚደንታዊ መረጻ ወዲ 92 ዓመት ፖል ቢያ ንሻሙናይ እብረ ተዓዊቱ፤ ዕድመን ጥዕናን እንተሂብዎ ንዝመጽእ ሸውዓት ዓመት ነታ ሃገር ክመርሓ'ዩ።
በዚ ሕጂ ዘለዎ ዕድመ ከኣ ኣብ ዓለም እቲ ዝሸምገለ መራሒ ሃገር'ዩ።
ንሱ ምዕዋቱ ንብዙሕ ሰብ ዘገረመ ኣይነበረን።
ብመሰረት እቲ ብቤት ምኽሪ ቅዋም እታ ሃገር ዝተውሃበ ሓበሬታ፡ ቀንዲ መቀናቕንቱ ዝነበረ ዒሳ ትቺሮማ ባከሪ 35.2 ሚእታዊት ክረክብ እንከሎ ፖል ቢያ 53.7 ሚእታዊት ድምጺ'ዩ ረኺቡ።
እንተዀነ ደምጺ ተሰሪቝዩ፡ እቲ ዕዉት ፖል ቢያ ዘይኮነስ ዒሳ ትቺሮማ'ዩ ዝብሉ'ውን ኣይተሳኣኑን።
እቲ ንዝሓለፈ 43 ዓመታት ኣብ ዝልጣን ዝጸንሐ ፖል ቢያ ንሻሙናይ እብረ'ውን ክወዳደር'የ ምስ በለ ንብዙሓት'ዩ ኣገሪሙ።
እቲ ዘገረመ ግን ንምንታይ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስለጣን ክጸንሕ ደልዩ ዝብል ኣይኰነን፣ እቲ ዝኽተሎ ኣገባብ ምሕደራ'ዩ ንብዙሓት ዘዛርቦም ዘሎ።
ንሱ ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ወጻኢ'ዩ ዘሕልፎ፤ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ገምገም ቀላይ ዝተሰርሐ ኢንተርኮንቲነንታል ሆቴል።
'ብሓቂኸ ንካሜሩን ይመርሓ ኣሎ ድዩ?' ዝብል ሕቶ'ውን ይልዓል'ዩ። ምኽንያቱ ዝበዝሐ ወሳነታት ብቀዳማይ ምኒስተር ወይ ብቀንዲ እሙንን ጸሓፍን እቲ ፕረዚደንት ዝዀነ ፈርዲናንድ ንጎህ ንጎህ'ዩ ዝውሃብ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ዝኽሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ መስከረም ከኣ ኣብ ዋዕላ ቻይና ኣፍሪቃ ተራእዩ።
ካብኡ ግን ን6 ሰሙናት ካብ ዓይኒ ህዝብን ካሜራን ተሰዊሩ፣ ሞይቱ'ዩ ዝብል ወረ'ውን ክነፍስ ጀሚሩ።
ዋላ ዓበይቲ ሓለፍቲ እታ ሃገር ናብ ህዝቢ ቀሪቦም ኣብ ጀኔቫ ኣሎ እንተበሉ ዝኣምኖም ግን ኣይረኸቡን። ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ያውንደ ንደገፍቱ ሰላም እናበለ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ።
ኣብዚ ዓመት'ውን እንተዀነ ቅድሚ መረጻ ኣብ ዝነበራ ሰሙናት ኣብ ጀኔቫ'ዩ ኣሕሊፍወን።
እቲ ን43 ዓመታት ንካሜሮን ዝመርሓን ብሕጂ'ውን ንዝቕጽል 7 ዓመታት ክመርሓ ተመሪጹ ዘሎ ፖል ቢያ ንካቢነ ምኒስተራት ሳሕቲ'ዩ ዝእክቦም። ናብ ህዝቢ ቀሪቡ መግለጺ ክህብ'ውን ኣብ ክንደይ ሓንሳብ'ዩ ዝርአ።
እዚ ከኣ ንሸቶታት መንግስቱን ኣገባብ ኣመራርሓኡን ብዙሓት ብዓይኒ ነቐፌታ ክርእይዎ ደሪኽዎም'ዩ።
ብተክኒካዊ መዳይ እቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ምኒስተራት ዝተፈላለየ ሰፋሕቲ መደባት ሓንጺጾም ከተግብሩ ይርኣዩ'ዮም።
ብፖለቲካዊ መዳይን ንነዊሕ ዝዓለም ፖለቲካዊ መደባትን ግን ዓቢ ብኵራት ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።
እቲ ፖል ቢያ ዝመርሖ ስርዓት ንዝተለዓሉ ተቓውሞታት ብሓይሊ ብምብታን፡ ንዝነቕፍዎ ብምእሳርን'ዩ ዝፍለጥ።
እቲ ፕረዚደንት ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝሓገዞ ቀንዲ ረቋሒ'ውን እዚ ምዃኑ'ዩ ዝሕበር።
ብዘይካ'ዚ ፖል ቢያ ኣብታ ብባህሊ፡ ብቋንቋን ብዓሌታታን ዝተመቓቐለት ካሜሩን ኣብ ምሕባርን ደው ከምእትብል ኣብ ምግባርን ዓቢ ግደ ከምዝተጻወተ ብዙሓት ይምጕስዎ'ዮም።
ፖል ቢያ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ምክፍፋል ንምግእታእ'ውን ኣብ ቅርጻ መንግስቲ ንዅሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዝሓቘፈ ከምዝኸውን ብምግባሩ ብጽቡቕ'ዩ ዝልዓል።
ቢያ፡ እታ ሃገር ካብ ኣይኤምኤፍ ልቃሕ ኣብ ዝተኸለኣትሉ፣ ካብ ውሽጣዊ ፍርያታ ሸርፊ ወጻኢ ንኽትረከብ ዝሓንጸጾ ፖሊስ'ውን ብብዙሓት ተናኢድሉ'ዩ።
እቲ ዝዓበየ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ፖል ቢያ እንትርፎ ውሱናትን ቀንዲ ነገራትን እቲ ዝተረፈ ካልኦት ኣካላት መንግስቲ ውሳነ ክህብሉ ስለዝሓደጎም ቅዋማዉ መራሒ ኣቢልዎ'ዩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ካሜሮን [ሲፒዲኤም] ዓቢ ደገፍ'ዩ ዘለዎ። ንሱ ብህይወት እንከሎ፡ ክስቶ ይተክኣዮ ኢሎም ስም ክረቝሑ ድልየት ኣየርኣዩን፡ ወይ ኣይደፈሩን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ'ውን፡ ሰልፊ ሲፒዲኤም ብሓደስቲ ወለዶ ይተካእ ኣብ ዝብሃለሉ፡ ዋላ ድኣ ኣብ ፖለቲካ ውሑድ ግዳሰ ዘርኢ እንተዀነ ወዱ ፍራንክ ክትክኦ ከምዝኽእል'ውን ኣብ እዝኒ ኵሉ ዝበጽሕ ሕሜታ'ዩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብዚ እዋን ናይ ጸጥታ ስግኣት የብሉን።
እንተዀነ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ፖል ቢያ ዘለዎ ተጻዋርነት ዝጸንቀቐ ይመስል።
እቶም እንግሊዝ ዝዛረቡ ክፋል ሕብረተስብ እታ ሃገር፡ ኣድልዎ ከምዘሎን እቲ መራሒ ኣድህቦ ከምዘይህቦምን'ዮም ዝገልጽዎ። ዝያዳ ናብቶም ፈረንሳ ዝዛረቡ ክፋል ሕብረተሰብ'ዩ ቀዳምነታት ዝህብ' እዮም ዝብሉ።
ኣብ 2016 ኣብ ካሜሩን ናይ ስርዓት ምምሕያሽ ክግበር ህዝባዊ ናዕቢ ምስ ተላዓለ፡ ፖል ቢያ ቀልጢፉ ግብረ መልሲ ኣይሃበሉን።
ምኽንያቱ ንኸምዚ ዓይነታት ተቓውሞታት ብኸመይ የቕህሞን የበርዕኖን ነዊሕ ዝተሞከረሉ ተረኽቦ'ዩ።
ኣብ 2018 ንሻውዓይ ግዜ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ኣብ ዝሓበረሉ ከኣ ረስኒ እቲ ህዝቢ'ዩ ዝዕቕን ነይሩ።
ተወዳዲሩ፡ ነቲ ንሰልፊ ሲኣርኤም ዝወከለ ማውሪስ ካማቶ ብገፊሕ ስዒርዎ።
እቲ 14 ሚእታዊት ከምዝረኸበ ዝተገለጸ ማውሪስ ካምቶ፡ ነቲ ዝረኸቦ 14 ሚእታዊት ተዓሚጸ'የ ኢሉ ንወጽኢት እቲ መረጻ ስለዝነጸጎ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ተቐይዱ።
ኣብ 1992 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ፖል ቢያ 40 ሚእታዊት ክራክብ እንከሎ ኣብቲ እዋን ቀንዲ መቀናቕነቱ ዝነበረ ጆን ፍሩ ንዲ ከኣ 36 ሚእታዊት ረኺቡ ነይሩ።
ብድሕሪ እዚ ፖል ብገፊሕ ፍልልይ ክስዕር ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ቀንዲ መቀናቕንቱ ዒሳ ትቺሮማ ባከሪ 35.2 ሚእታዊት ዝረክብ ዘሎ።
ብዕድመ እንተመጺእና እቲ ቀንዲ ተነሓናሒ ኰይኑ ዝቐረበ ዒሳ ትቺሮማ ባከሪ ወዲ 79 ዓመት'ዩ።
ዒሳ ትቺሮማ ባከሪ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መረጻ ካብቶም ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዝርከቡ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዓቢ ደገፍ ከምዝረኸበ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብታ ሃገር ውጽኢት ብወግዒ ክንገር ኣብ ዝተመደበሉ፡ ነቲ ውጽኢት ዘይተቐበልዎ ደገፍቲ ዒሳ ትቺሮማን ካልኦት ተቃወምቲ ውድባትን ቍጠዐኦም ይገልጹ ኣለዉ።
ብፍሉይ ደገፍቲ ዒሳ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ከይኣስርዎ ኣብ መንበሪ ገዛኡ ብጻዕቂ ከቢቦም ይሕልውዎን ይከላኸሉሉን ኣለዉ።
ፕረዚደንት ፖል ቢያ እዛ ሻምነይቲ እብረኡ ከምተን ዝሓለፋ ከምዘይትዀነሉ እቲ ድሮ ኣብ መላእ እታ ሃገር ክጐሃሃር ጀሚሩ ዘሎ ተቓውሞታት ምልክታት ይህብ ኣሎ።
ኣብ 1982 ስልጣን ዝሓዘ ፖል፡ ነዛ ሕጂ ተዓዊቱላ ዘሎ ሻምነይቲ እብረ ዕድመ ሂብዎ እንተወዲእዋ ናብ 100 ዓመት'ዩ ክገማገም።