ጀርመን፡ ፖሊስ 'ቀታሊ ዮሴፍ' ኢሉ ንዝጠርጠሮ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Police NRW
ፖሊስ ካብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ኣትሒዙ ንቐታሊ ወዲ 14 ዓመት ኤርትራዊ ዮሴፍ ንምርካብ ሰፊሕ ጻዕሪ ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓደ ስሙ ዘይተገልጸ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ በቲ ገበን ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓለ ገሊጹ።
ዮሴፍ ንመወዳእታ ብህይወት ዝተራእየሉ ብ28 ጥሪ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ኰይኑ፡ ሓደ ብእግሩ ዝጓዓዝ ዝነበረ ሰብ ከባቢ ሰዓት 5:00 ድሕሪ-ቐትሪ ንሬሳኡ ረኺቡዎ።
ኣብ ከባቢ ሓደ ቃላይ ሬሳኡ ዝተረኽበ ዮሴፍ፡ ፖሊስ ኣብ ኣካላቱ ምልክታት ማህረምቲ ከም ዝጸንሖ ብምጥቃስ፡ ብጭካነ ተቐቲሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምእማን መርመራ ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ቤትጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊን ፖሊስን፡ ጥርጡር ትሕቲ ዕድመ ብሰንኪ ምዃኑ ዛጊት ኣብቲ ጉዳይ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን ኣለዉ።
ማዕከናት ዜና ጀርመን፡ እቲ በቲ መቕተልቲ ዝተጠርጠረ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ ዜግነት ጀርመን ዘለዎ ምዃኑ ግን ገሊጸን ኣለዋ።
ዮሴፍ ሞይቱ ኣብ ቃላይ ካብ ዝርከብ ንደሓር፡ ፖሊስ ቀታሊ ንምርካብ ንመዓልታት ኣብ መርመራ እዮም ቀንዮም።
ምስቲ ቅትለት ዝተኣሳሰር ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ 10,000 ዩሮ ግንዖ ክህቡ ምዃኖም'ውን ቃል ኣትዮም ነይሮም።
ነቲ መርመራ ዘካይዱ ዘለዉ ኣባላት ፖሊስ፡ እቲ ገበን ብኣጋጣሚ ዘይኰነ ተሓሲብሉ ከም ዝተፈጸመ ከም ዝኣምኑን ኣብ ሞባይል ዮሴፍ ብዝረኸብዎ መረዳእታ ተመሪሖም ንጥርጡር ከም ዝሓዙዎን ማዕከን ዜና ቢልድ ሓቢራ።
ዮሴፍ ዝዀነ ምስ ገበን ዝተኣሳሰር ድሕረ-ባይታ ከም ዘይነበሮን ኣብ ዝተፈላለዩ ክለባት ስፖርት ይሳተፍ ምንባሩን እዮም ኣኽበርቲ ሕጊ ዝገልጹ።
ነቲ ኣብ ንኡስ ዕደመኡ ዝተቘጽየ ዮሴፍ ንምዝካር፡ ከንቲባ ናይታ ከተማ ዝርከቦም ነበርቲ ናይ ዝኽሪ ጕዕዞ ኣካይዶም ነይሮም።
እቲ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ብምትሕብባር ዮሴፍ ዝመሃረላ ዝነበረ ቤት ትምህርትን ዝነጥፈለን ዝነበረ ክለባት ስፖርትን ከም ዝተኻየደ ከንቲባ ኤሪክ ሌረንፈልድ የረድእ።
"ዮሴፍ፡ ጥዑም ወዲ" ከም ዝነበረ ካብ ዝተፈላለዩ ዝፈልጥዎ ሰባት ክርዳእ ከም ዝኸኣለ ድማ ይውስኽ።
"ንኸተማና ክሳብ ክንደይን ከቢድ ቍስሊ ዝሓድግ ምዃኑ እፈልጥ እየ፡" ብምባል'ውን ሓዘኑ ገሊጹ።
እቲ ክሳዕ 3,000 ዝዀኑ ዝተሳተፍዎ ጕዕዞ፡ ካብቲ ሬሳኡ ዝተረኽበሉ ከባቢ ቀላይ ኣትሒዙ ክሳብ መንበሪ ገዛኡ 3.2 ኪሎሜትር ዝሸፈነ'ዩ ነይሩ።
"ክርድኣኒ ኣይክእልን'ዩ፣ ጨካን ኰይኑ'የ ረኺበዮ። ስለምንታይ ዝዀነ ሰብ ኣብ ልዕሊ ወዲ 14 ዓመት ቈልዓ ከምዚ ይፍጽም፡" ክትብል ሓንቲ ብርሑቕ ትፈልጦ ሰብ ነቲ ማዕከን ዜና ስምዒታ ኣካፊላ።
ኣብ ትምህርቲ ዝፈልጦ ኣሲል ዝተባህለ መንእሰይ ብወገኑ "ጥዑም፡ ተዋዛዪ፡ ስፖርተኛን ደጋፊ ሰብን" ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ "ካብቶም ብዙሓት መሓዙት ዝነበርዎም እዩ፡" ይብል።
ወላዲቱ፡ ቀተልቱ ተታሒዞም ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ዘለዋ ጽኑዕ እምነት ገሊጻ ከም ዝነበረት'ውን ከንቲባ እታ ከተማ ኣረዲኡ።
ዮሴፍ ኣብ 2018 ምስ ስድራቤቱ ናብ ጀርመን ድሕሪ ምእታዉ፡ ምስ ወላዲቱን ምንኣስ ሓፍቱን ኣብ ከተማ ዶርማኸን ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መጽለሊ ስደተኛታት ክነብር ጸኒሑ።
ኣብ ከም ናይ ኩዕሶ እግሪ ዝበላ ዝተፈላለያ ስፖርታዊ ክለባት ኣባል ዝነበረን ኣብ ቤት ትምህርቱ ወኪል ክፍሉን ምንባሩ ይግለጽ።
"ዘንጸባርቕ ፍሽኽታኡን ዝነበሮ ፍሉይ መንፈስ ጋንታን ክቡር ኣባል ክለብና ክኸውን ኣብቂዕዎ'ዩ፡" ዝበለ መግለጺ ክለብ ደልሆቨን ኤፍሲ፡ ብሞቱ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።
ብዘይካ'ዚ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሓንቲ ጓል 32 ዓመት ኤርትራዊት ነባሪት ከተማ ቦን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ተቐቲላ ምርካባ ይዝከር።
ኣካላት እታ ግዳይ ተቘራሪጹ ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታታትን ብሓለፍቲ መንገድን ነበርድን ዝተረኽበ ኰይኑ፡
ርእሳ ግን ዛጊት ከም ዘይተረኸበ'ዮም ማዕከናት ዜና ዝሕብሩ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብዙሓት ኤርትራውያንን ጀርመናውያንን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ፍራንክፈርት ናይ ስንብታ ስነስርዓት ዝኽሪ ከም ዝተኻየደላ ዳብሊው-ዲ-ኣር ዝተባህለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።
ብቕትለት ናይታ ኣደ ዝጥርጠር ወዲ 41 ዓመት መጻምድታ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ናብ ጀርመን ንምስግጋሩ ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ንኣኽበርቲ ሕጊ ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







