እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይጀርያ፡ ከምቲ ትራምፕ ዝብሎ ክርስትያናት ይቕተሉ ኣለዉ ድዮም?
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ናይጀሪያ "ክብረወሰን ዝሓዘ ቅትለት ክርስትያናት" ደው ንምባል ሰራዊት ኣመሪካ ምድላዋት ክገብር ከጠንቅቕ ተሰሚዑ'ዩ። እዚ ግን ስቕ ኢሉ ዝመጽአ ኣይኰነን።
ኣብ ዋሽንግተን ዝርከቡ ጐስጐስትን ፖለቲከኛታትን ንኣዋርሕ፡ እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ናይጀርያ ንዝርከቡ ክርስትያናት ብስርዓት ዒላማ ይገብሩ ነይሮም ክብሉ ጸኒሖም እዮም።
ቢቢሲ ግን ገለ ካብቲ ነዚ መበገሲ ዝዀኑ መረዳእታታት ኣብ ከምዚ ዓይነት መደምደምታ ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ምዃኑ ረኺቡ ኣሎ።
ኣብ መስከረም፡ ህቡብ ኣቕራቢ ተለቪዥንን ተዋዛይን ቢል ማሀር፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዝነበረ "ምጽናት ዓሌት" ኢሉ ብምግላጽ፡ ነቲ ቅድመ-ኵነት ኣዕብይዎ።
ንጕጅለ ቦኮ ሓራም ብምጥቃስ "ካብ 2009 ጀሚሮም ልዕሊ 100 ሽሕ ቀቲሎም፣ 18 ሽሕ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣቃጺሎም፡" ኢሉ። ተመሳሳሊ ኣሃዛት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን ብዙሕ ትዅረት ክረክብ ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ኣቡጃ፡ ነዚ ኣበሃህላታት ብምንጻግ እዞም ክስታት "ክውንነት -ናይጀሪያ- ብግጕይ ዝገልጹ'ዮም፡" ክብል ገሊጽዎም።
ኣብታ ሃገር ቅትለት ዘስዓቡ ዓመጻት ከም ዝነበሩ ኣይከሓደን። ሰበስልጣን ግን "ኣሸበርቲ ንዅሎም ነቶም ቀታሊ ስነ-ሓሳቦም ዝነጽጉ ኣስላም፡ ክርስትያንን ኢ-ኣማንያንን ብማዕረ'ዮም ዘጥቅዑ፡" ይብሉ።
ካልኦት ኣብ ናይጀርያ ንፖለቲካዊ ዓመጽ ዝከታተሉ ጕጅለታት፡ ቍጽሪ ናይቶም ዝተቐትሉ ክርስትያናት ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑ ብምግላጽ፡ መብዛሕትኦም ግዳያት ናይቶም ጅሃዳውያን ጒጅለታት፡ ኣስላም ምዃኖም ይገልጹ።
ናይጀርያዊ ተንታኒ ጸጥታ ክርስትያን ኣኒ፡ ከም ኣካል ናይቲ ሰፊሕ ስትራተጂ ምፍጣር ራዕዲ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን መጥቃዕቲ በጺሑ'ኳ እንተነበረ፡ ንክርስትያናት ኰነ ኢሎም ዒላማ ይገብሩ ኣለዉ ዝብል ግን ምኽኑይ ክኸውን ከም ዘይኽእል ገሊጹ።
ከምኡ'ውን ናይጀርያ ብጅሃዳውያን ጕጅለታት ዝፍጸም ዓመጽ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝተፈላለየ ጸጥታዊ ቅልውላዋት ኣጋጢምዋ እዩ ዘሎ። እዚኦም ድማ ዝተፈላለየ ጠንቂ ስለ ዘለዎም ክተሓዋወሱ የብሎምን።
220 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር፡ ብማእከላይ ገምጋም ብማዕረ ሰዓቢ ክልቲኦም ሃይማኖታት እዩ፤ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዝበዝሑ ኣስላም ኰይኖም፡ መብዛሕትኡ መጥቃዕቲታት ዝፍጸመሉ ዝርከቡ እዮም።
ፖለቲከኛታት ኣመሪካ እንታይ ይብሉ ኣለዉ?
ፍሉጥ ሰናተር ቴክሳስ ቴድ ክሩዝ፡ ኣብዚ ጕዳይ ጐስጓስ ካብ ዝገብር ነዊሕ ገይሩ ኣሎ።
ከምቲ ማሀር ብ7 ጥቅምቲ ዝጠቐሶ ተመሳሳሊ ኣሃዛት ብምጕላሕ ድማ፡ "ካብ 2009 ጀሚሩ ኣብ ናይጀርያ ልዕሊ 50 ሽሕ ክርስትያናት ከም ዝተጨፍጨፉን፡ ልዕሊ 18 ሽሕ ኣብያተ ክርስትያናትን 2000 ኣብያተ ትምህርቲ ክርስትያንን ከም ዝዓነዉን፡" ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ቤት ጽሕፈቱ ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል፡ ዘይ ከም ማሀር፡ እቲ ሴናተር ነዚ "ምጽናት ዓሌት" ብምባል "ግፍዒ" ከም ዘሎ ገሊጹ።
ክሩዝ ግን ሰበስልጣን ናይጀርያ "ብእስላማውያን ጅሃዳውያን ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝፍጸም ጃምላዊ ቅትለት ሸለል ኢሎምን ዋላ'ውን ኣመቻቺኦምን፡" ክብል ከሲሱ።
ትራምፕ ነዚ ቃላት ብምድጋም፡ ናይጀርያ "ናይ ውርደት ሃገር" ኢሉዋ፤ መንግስቲ ድማ "ቅትለት ክርስትያናት ምፍቃዱ ይቕጽል ኣሎ፡" ኢሉ።
መንግስቲ ናይጀርያ ነዚ ነጺጕዎ።ነቶም ጅሃዳውያን ንምምካት ከኣ ዝከኣሎ ይገብር ከም ዘሎ ገሊጹ።
ገለ ሰበስልጣን እውን፡ ኣመሪካ -በይናዊ እንተዘይኰይኑ- ነቶም ዕጡቓት ንምምካት ክትሕግዝ ምዃና ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ።
እቶም ሰበስልጣን ብርግጽ ነቶም ዓመጽቲ ጅሃዳውያን ጕጅለታትን መርበባት ገበነኛታትን ንምቁጽጻር ተቓሊሶም እዮም። መብዛሕትኡ ሰሙናት ሓበሬታታት ሓድሽ መጥቃዕቲ ወይ ጭውያታት እዩ ዝስምዓሎም።
ቦኮ ሓራም - ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣዋልድ ቺቦክ ብምጭዋይ ዝፈተልጠ – ካብ 2009 ጀሚሩ ንጡፍ'ኳ እንተነበረ፡ እቶም ዝፍጽሞም መጥቃዕቲታት ግን ኣብቲ ዝበዝሑ ኣስላም ዝነብሩሉ ሰሜናዊ ምብራቕ ዝተደረተ'ዩ።
ካልኦት ጅሃዳውያን ጕጅለታት እውን ተቐልቂሎም ኣለው፤ እዚኦም እስላማዊ መንግስቲ ግዝኣት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እውን ዝንቀሳቐስ ጕጅለ ይርከቦም።
እቲ ሰብ መዚ ኣመሪካ ዝጠቐስዎ ኣሃዛት ሞት ክርስትያናት ዘሰክፍ ኰይኑ፡ ሓቅነቱ ምግምጋም ግን ከቢድ እዩ።
ምንጪ እዞም ኣሃዛት እንታይ እዩ?
ምንጪ ናይቲ መረዳእታ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብ መስከረም ክሩዝ ኣብ ሓደ ፖድካስት፡ ብቐጥታ ነቲ ኣብ 2023 ብዓለምለኻዊ ማሕበር ሲቪላዊ ሓርነትን ልዕልና ሕግን (Intersociety) - ኣብ መላእ ናይጀርያ ንዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝከታተልን ዘይመንግስታዊ ትካል - ዝወአጽ ጸብጻብ ጠቒሱ።
ቤት ጽሕፈቱ ብተወሳኺ መላግቦታት ናይቲ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣብ ኢንተርነት ዝቐርቡ ጽሑፋት ናብ ቢቢሲ ሰዲዱ - መብዛሕትኦም ከኣ ምንጮም ኢንተርሶሳይቲ ምዃኑ የመልክቱ።
ማሀር ምንጪ ኣሃዛቱ ዝምልከቱ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።
እንተዀነ፡ ምስቲ ክሩዝ ዝጠቕሶ ዝነበረ ዝቀራረብ ኣሃዛት ምህላው ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ ጸብጻብ ኢንተርሶሳይቲ ዝተወስደ ክኸውን ዝኽእል ይመስል።
እዚ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ናይጀሪያ ንዘለዋ ፖሊሲ ክጸሉ ዝኽእል መረዳእታ፡ ስራሕ ኢንተርሶሳይቲ ግሉጽ ኣይኰነን።
ኣብ ነሓሰ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ውህደት ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ መጽናዕትን ን2025 ዝተመሓየሸ ኣሃዛትን ኰይኑ፡ ኣብ ናይጀርያ ዝርከቡ ጅሃዳውያን ጕጅለታት ካብ 2009 ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ 16 ዓመታት ልዕሊ 100 ሽሕ ክርስትያናት ከም ዝቐተሉ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣብዚ እዋን 60 ሽሕ "ልዙብ ኣስላም" [moderate Muslims]- ከም ዝሞቱ ይሕብር።
ኢንተርሶሳይቲ ዝርዝር ምንጪታት እቲ ዘዳለዎ ጸብጻብ ኣይሓበረን፤ እዚ ድማ ጠቕላላ ኣሃዛት እቲ ዝሕብሮ ሞት ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ገይሩዎ።
እቲ ትካል፡ ነዚ ነቐፌታ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ካብ 2010 ጀሚሩ ኵሎም ጸብጻባትናን መወከሲታቶምን ምቕራብ ዘይከኣል እዩ። ቀሊል ኣገባብና ጽማቝ ስታቲስቲክስ ተጠቒምና ናብቲ ሓድሽ ርኽበታት ወሲኽና ኢና ሓድሽ ጸብጻባት ነዳሉ፡" ኢሉ።
ኢንተርሶሳይቲ ኣብ ጸብጻባቱ ዝጠቐሶ ምንጪ መረዳእታ ግን ነቲ ዝተሓትመ ኣሃዛት ዘንጸባርቕ ኣይኰነን።
እቶም ኣብ 2025 ዝተቐትሉኸ?
ኣብዚ ዓመት ጥራይ ዘጋጠመ ሞት እንተርኢናዮ፡ ኢንተርሶሳይቲ ካብ ጥሪ ክሳብ ነሓሰ ጥራይ፡ ብውሑድ ልዕሊ 7 ሽሕ ክርስትያናት ከም ዝተቐትሉ ደምዲሙ።
እዚ ካልእ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ ኣሃዝ ኰይኑ፡ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብዚ ጕዳይ መሪሕ ድምጺ ዝዀነ ኣባል ኮንግረስ ሪሊ ኤም ሙር ሓዊሱ ነዚ ሓበሬታ ኣጋዊሖም።
ኢንተርሶሳይቲ ኣብ 2025 ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝምልከት ገለ ካብቲ ምንጪ ዝረኸቦ ርኽበታት 70 ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን ኣስፊሩ ኣሎ።
ኣብ ኣስታት ፍርቂ ካብዞም ጕዳያት ግን እቶም መበቈላውያን ዜናታት ሃይማኖታዊ መንነት ናይቶም ግዳያት ኣይጠቐሱን።
ንኣብነት፡ ኢንተርሶሳይቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣልጀዚራ ብምጥቃስ፡ ብመሰረት እቲ ማዕከን ዜና "ኣብ ግዝኣት ቦርኖ፡ ኣስታት 40 ሓረስቶት ብቐንዱ ክርስትያን ዝዀኑ ብቦኮ ሓራም ተጨውዮም፡" ኢሉ።
ጸብጻብ ኣልጀዚራ ግን ከምቲ ኢንተርሶሳይቲ ዝጠቐሶ እቶም ግዳያት "ብቐንዱ ክርስትያናት" ምዃኖም ኣይጠቐሰን።
ኢንተርሶሳይቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ድሕረ ባይታኦም ንምልላይ ተወሳኺ ምጽራይ ከም ዝገብር ጠቒሱ። እዚ ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝፍጽሞ ብልክዕ ከይገለጸ፡ ብዛዕባ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዘለዎም ኣፍልጦን ኣጠቓቕማ "ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን ክርስትያንን" ጥራይ ኣልዒሉ።
እቶም ኢንተርሶሳይቲ ዝጠቐሶም ጸብጻባት'ዉን ቁጽሪ ሞት እቲ ዝተገልጸ ማለት 7,000 ከም ዝበጽሕ ኣይሕብሩን።
ቢቢሲ ካብቶም 70 ጸብጻባት ዝሞቱ ሰባት ደሚሩ፤ እዚ ብድምር ኣስታት 3 ሽሕ ከም ዝዀነ ረኺቡ። ገለ ካብቲ መጥቃዕቲ እውን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ዝቐረበ ጸብጻብ ዘለዎ ይመስል።
ነዚ ክፍተት ኢንተርሶሳይቲ፡ ብዝሒ ኣብ ምርኮ ዝሞቱ ሰባት ከም ዝህልው ከም ዝግምትን ወግዓዊ ክገብሮም ዘይክእል ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዘጠቓልልን ይገልጽ።
ብድሕሪ እቲ ቅትለት መን ኣሎ?
ኣብ ዝርዝር ገበነኛታት ከም ቦኮ ሓራም ዝኣመሰሉ እስላማውያን ዕጡቓት ጕጅለታት ግን ከኣ ጓሶት ፉላኒ እውን ይርከቡ።
ፉላኒ ብቐንዱ ኣስላም ዝዀኑ ዓሌት ኰይኖም ኣብ መላእ ምዕራብ ኣፍሪቃ ይነብሩ፤ ብባህሊ ከብትን ኣባጊዕን ብምርባሕ መነባብሮኦም ይመርሑ።
ኢንተርሶሳይቲ ኣብ ኵሉ ጸብጻባቱ "ጅሃዳውያን" ኢሉ ዝገልጾም ጓሶት ፉላኒ ምእታዎም ግን፡ ምንጪ እዞም ቅትለታት ክትዓት ኣልዒሉ።
እቶም ጓሶት ኣስላም እኳ እንተዀኑ፡ ብዙሓት ተመራመርቲ ኣብቲ ከባቢ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ማይንን መሬትን ዝለዓል ጐንጺ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ እዚ ከም ሃይማኖታዊ ግጭት መልክዕ ምትሓዝ ይነጽግዎ።
ጓሶት ፉላኒ ኣብ መላእ ናይጀርያ ምስ ክልቲኡ ማሕበረሰባት ኣስላምን ክርስትያንን ተጋጭዮም ኣለዉ።
ተንታኒ ጸጥታ ኣኒ "ጅሃዳውያን እዮም ምባል - ምግናን'ዩ። ምስኡ ዝዀነ ርክብ የብሉን፡" ብምባል ዝያዳ ብእከይ ተግባራትን ገለ ገበናዊ ባእታታትን እዩ ዝግለጽ ክብል ይምጕት።
ኣብ ኣፍሪቃ ዘተኰረ ኣማኻሪ ትካል 'SBM Intelligence' ላዕለዋይ ተንታኒ ጸጥታ ዝዀነ ኮንፊደንስ ማክሃሪ፡ እቲ ግጭት መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ዓሌታዊ ወጥሪን ኣብ ልዕሊ ጸጋታት ዝግበር ንሕንሕን ከም ዝፍጠር ይዛረብ።
"ብባህሪኡ ዓሌታዊ ክኸውን ይኽእል'ዩ - መሬት ክሕዙ ይደልዩ ኣለዉ፡ መሬት ከስፍሑ ይደልዩ ኣለዉ። እንተዀነ ማሕበረሰባት ክመዛበሉን ኣብ ልዕሊ ማእከላት ኣምልኾ መጥቃዕቲ ከውርዱ እንከለዉ፡ እዞም ነገራት ብኸምኡ መገዲ ክረኣዩ ይኽእሉ።"
ኢንተርሶሳይቲ ኣብ ናይጀርያ ባንዳታት ተባሂሎም ዝፍለጡ ሰባት እውን ይጠቅስ።
መብዛሕትኦም ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዝርከቡ ብዓሌት ፉላኒ ዝዀኑን ኣብ ጭውያ ዝነጥፉን ንክርስትያንን ኣስላምን ኣብ ምቕታል ዝሳተፉ ምዃኖም ይገልጽ።
ኣብዚ ጕዳይ መን ጐስጓስ ክገብር ጸኒሑ?
ናይጀርያውያን ክርስትያናት ብዛዕባ ዘጋጥሞም ስግኣታት ዝምልከት ስክፍታታት፡ ብፖለቲከኛታት ኣመሪካን ብኣህጉራውያን ጕጅለታት ክርስትያንን ካብ ዝዝረበሉ ነዊሕ እዋን ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ብደቀባት ቢያፍራ (Ipob) - ኣብ ናይጀርያ ኣብቲ ብቐንዱ ክርስትያን ዝበዝሕዎ ደቡባዊ ምብራቕ ዝተፈለየት ሃገር ክትምስረት ዝቃለስ ጕጅለ እዩ ተላዒሉ።
ኢንተርሶሳይቲ ምስ ኢፖብ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ናይጀርያ ክኽሰስ እኳ እንተጸንሐ፡ እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ግን ዝዀነ ምትእስሳር ከም ዘይብሉ ይገልጽ።
ካልእ ጕጅለ ተገንጸልቲ ቢያፍራ'ውን፡ ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ "ክርስትያናዊ ምጽናት ዓሌት" ዝብል ተረኽ ኣብ ምስራጽ ወሳኒ ተራ ከም ዝተጻወተ ገሊጹ።
መንግስቲ ሪፓብሊክ ቢያፍራ ኣብ ስደት -BRGIE- ትካላት ጐስጓስ ከም ዝቘጸረን ንክሩዝ ሓዊሱ ምስ ሰበስልጣን ኣመሪካ ከም ዝተራኸበን ብምግላጽ፡ "ኣዝዩ ዝተወደበ ጻዕሪ" ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ሴናተር ግን ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።