እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ 83 ዓመቱ ንራብዓይ እብረ ክወዳደር ዝሕልን ዘሎ ፕረዚደንት
ኣብዚ እዋን 83 ዓመት ሽማግለ ኰይኑ ዘሎ ፕረዚደንት ኣይቮሪ ኮስት ኣላሳን ኦታራ፡ ኣብ ጥቕምቲ ኣብ ዝካየድ መረጻ ንራብዓይ እብረ ከም ዝወዳደር ኣፍሊጡ።
ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምሉእ ጥዕና ከም ዘለዎን፡ "ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸጥታውን ቍጠባውን ብድሆታት ንምህዳእ ክወዳደር ከም ዝደለየን" ኣፍሊጡ።
ኦታራ፡ እቲ ኣብ 2016 ዝጸደቐ ሓድሽ ሕገ መንግስቲ፡ ኣቐዲሙ ንፕረዚደንትነት ዝተወዳደረሎም ዓመታት ብዘየገድስ፡ ከም ብሓድሽ ክወዳደር ከም ዘፍቅደሉ ይምጕት።
ድሮ ብዙሓት ተነሓናሕቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ኣብቲ መረጻ ከይወዳደሩ ብምኽልካሎም ድማ፡ ንሱ ብቐሊሉ ተዓዋቲ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
ፕረዚደንት ነበር ሎረን ባግቦ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ጊሉጉሜ ሶሮን ምኒስተር ነበር ቲጃነ ቲሃምን ካብቶም ኣብ ጥቅምቲ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ከይወዳደሩ ዝተኸልከሉ እዮም።
ቲሃምን ካልኦት መራሕቲ ውድብ ተቓውሞን፡ ኦታራ ንፕረዚደንት ክወዳደር ምውሳኑ ብኡ ንብኡ ኰኒኖሞ ኣለዉ።
ቲያም ንወግዓዊ ውሳነ እቲ ፕረዚደንት ስዒቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ወግዓዊ ዝዀነ ውሳነ ኦታራ ንሕገ መንግስትና ዝጠሓሰን፡ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲን እዩ" ኢሉ።
"ኣይቮሪያውያን ድምጾም ከስምዑ እዮም፡ ብዛዕባ እዚ ኵነታት እንታይ ከም ዝሓስቡ ድማ ንዓለም ከርእዩ እዮም።"
እቲ ወዲ 83 ዓመት ኦታራ ዳግማይ ንፕረዚደንትነት ከም ዝወዳደር ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ሰብመዚ ን 7 ነሓሰ ዝተመደበ ሰላማዊ ሰልፊ ከይካየድ ኣጊዶም።
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ፕረዚደንት ብዝቃወሙ ጕጅለታት ዝተወደበ ኰይኑ፡ ኣብቲ መረጻ ከይወዳደሩ ዝተኸልከሉ ሕጹያት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱን ዝርዝር ኣድመጽቲ ብዘይሻራውያን መርመርቲ ምቍጽጻር ክግበረሉን ዝዓለመ'ዩ።
እቲ ቅድም ሰራሕተኛ ባንክ ዝነበረ ኣላሳን ኦታራ፡ ድሕረ ባይታኡ ኣብቲ ኣብ ጥቅምቲ ዝካየድ መረጻ ክዕወት ይትስፎ። ቍጠባ ኣይቮሪ ኮስት ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ ዓመታት ብልዕሊ 6 ሚእታዊት ዓብዩ'ዩ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዙሓት ኣብ መንግስትን ፖለቲከኛታትን እምነት ይስእኑ ኣለዉ።
ተቓወምቲ ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ውድድር ከይሳተፉ ብምኽልካሎም ከኣ ኣብታ ሃገር ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ። እዚ ድማ ነቲ ካብ 2010 ክሳብ 2011 ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ዝሞትሉ ግጭትን፡ ኣብ 2020 ኦታራ ንሳልሳይ እብረ ድሕሪ ምውድዳሩ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋእን ሓዊሱ ንዝሓለፈ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ዕግርግርን እታ ሃገር ዘዘኻኽር ኰይኑ ኣሎ።
ልዕሊ 8 ነጥቢ 7 ሚልዮን ኣይቮሪያውያን ኣብቲ ኣብ ጥቅምቲ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ድምጾም ንምሃብ ተመዝጊቦም ኣለዉ።
ጉባኤ ጳጳሳት ካቶሊክ ሓዊሱ፡ ሲቪል ማሕበራትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብታ ሃገር እናዓበየ ይመጽእ ዘሎ ፖለቲካዊ ምግምማዕ ከም ዘሻቐሎም ገሊጾም።