ዘይሰጠመ ማዕጾታት ማክስ 9 ዝዓይተን ነፈርቲ ሻቕሎት ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንገዲ ኣየር ዩናይትድ ዘካየዶ መርመራ ጀት፡ ቦሎኒታታት ናይ ማክስ 9 ዝዓይነተን ቦይንግ 737 ነፈርቲ "ተወሳኺ ምስጣም" ከምዘድልዮም ኣመልኪቱ።
እቲ ዓይነት ነፋሪት ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምምላሳ፡ ምስ ማዕጾ ኣብ ዝተኣሳሰሩ መስርሓት ምትካል "ክእረም" ከምዘለዎም’ዩ እቲ መንገዲ ኣየር ዝገልጽ።
ብዓርቢ ሓንቲ ካብ መንገዲ ኣየር ኣላስካ ዝዀነት 737 ማክስ 9 ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ነፋሪት ኣብ ሰማይ እንከላ ሓደ ክፋል ካብ ማዕጾታታ ተነጺሉ ድሕሪ ምውዳቑ እዩ መርመራታት ተጀሚሩ።
እታ ቦይንግ 737 ናብ ካሊፎርንያ ተበጊሳ ኣስታት 35 ደቓይቕ ምስበረረት፡ መስኮት ሓዊሱ ደጋዊ ክፋላ ተገንጺሉ ድሕሪ ምውዳቑ ናብ ፖርትላንድ ከምዝተመልሰት ይዝከር።
መንገዲ ኣየር ኣላስካ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ገለ ማክስ 9 "ገለ ልሕሉሕ ኣቑሑ" ከምዝረኸበ ይገልጽ።
ኣብ ኣሜሪካ ንጉዕዞ ኣየር ዝቆጻጸር ፈደራላዊ ምምሕዳር ኣቬሽን (FAA)፡ 171 ተመሳሳሊ ዓይነት ነፈርቲ ከይበራ ኣጊዱ ኣሎ።
ዩናይትድ፡ "ሰንበት መባእታዊ መርመራታት ካብ እንጅምር፡ ኣብ መሸጎር ማዕጾ ምስ ዝነበረ ናይ ምትካል መስርሓት ዝተኣሳሰሩ ዝመስሉ ጉዳያት ረኺብና ኣለና - ንኣብነት ተወሳኺ ምስጣም ዘድልዮም ቦሎኒታት" ኢሉ።
እቲ ጉድኣት በጺሕዎ ዝተብሃለ ክፋል ዓንዲ ነፋሪት ብገለ ኦፕሬተራት ከም ተወሳኺ ኣብ ግዜ ሓደጋ መውጽኢ ማዕጾ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ይመስል።
እቲ ክፋል ዓንዲ ኣብ መወዳእታ ኣብ ድሕሪ ገዛ እንዳ ሓደ መምህር ከምዝዓለበ ተፈሊጡ።
መንገዲ ኣየር ኣላስካ እቲ ፍጻመ ምስተበገሰት ቁሩብ ጸኒሑ ከምዘጋጠመን፡ እታ ነፋሪት ናብ ፖርትላንድ ብሰላም ከምዝተመልሰትን ኣፍሊጡ።
እታ ነፋሪት ብህጹጽ ኵነታት’ኳ እንተዓለበት፡ ካብ ተሳፈርቲ ይኹን ሰራሕተኛታት ግን ብኸቢድ ዝተጎድአ የለን።
ዓንዲ ማዕጾ እታ ነፋሪት ኣብ ድሕሪት እቲ መረባ ክርከብ እንከሎ ኣርባዕተ ካብቶም ቦሎሊታት ከምዘይነበሩ ሃገራዊ ቦርድ ድሕነት መጓዓዝያ ትማሊ ገሊጹ።
ኣደ መንበር እቲ ትካል ጀኒፈር ሆመንዲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቶም ቦሎኒታት ድሮ ካብ መጀመርታ ጠፊኦም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ኢላ። እንተዀነ ግን ኣብ ዝወርደሉ ዝነበረ እዋን ወጺኦም ክዀኑ እውን ተኽእሎ ከምዘሎ ወሲኻ ሓቢራ።

ምንጪ ስእሊ, NTSB
ኣብ ኣሜሪካ መብዛሕትአን ቦይንግ 737 ማክስ 9 ብዩናይትድ መንገዲ ኣየርን ኣላስካን ዝውነና ክዀና እንከለዋ፡ መንገዲ ኣየር ቱርኪ፡ መንገዲ ኣየር ኮፓ ፓናማን ኤሮሜክሲኮን እውን ንመርመራ ተመሳሳሊ ሞዴል ዘለወን ነፈርቲ ከይበራ ኣጊዶም ኣለዉ።
መንገዲ ኣየር ዩናይትድ ክሳዕ ትማሊ ሰኑይ 200 በረራታት ከምዝሰረዘ ይገልጽ።
"ካልኦት ዓይነታት ነፈርቲ ብምቕያር ገለ ውጥን በረራታት ከነካይድ ክኢልና ኣለና" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
መንገዲ ኣየር ኣላስካ ብወገኑ "ዝዀነ ውጽኢት ንመዐቀኒታት ድሕነትና ብዘማልእን ሕግታት ፈደራላዊ ምምሕዳር ኣቬሽን ብዘኽብርን መንገዲ ዘዕግብ መኣረምታ ክግበረሉ እዩ። ኵሎም ስጉምትታት ምእራም ክሳዕ ዝግበሩ ዝዀነት ነፋሪት ናብ ኣገልግሎት ኣይትምለስን እያ" ኢሉ።
ኣቐዲሙ፡ ኤፍ.ኤ.ኤ፡ ኦፕሬተራት ኣብ እዋን መርመራ ክኽተልዎ ዝግባእ ዝርዝር መፈተሺ ከምዘቕረበ ገሊጹ።
ፈደራላዊ ምምሕዳር ኣቬሽን ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኩለን 737 ማክስ 9 ነፈርቲ ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምምላሰን፡ ካብቲ መርመራታት ዝረኸብዎ ውጽኢት መሰረት ብምግባር ናይ ምእራም ስጉምትታት ክውሰዱ ከምዘለዎም ይጠቅስ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰለስተ ሚኢትን 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ናብ ዓማዊል ተሸይጠን ኣብ ኣገልግሎት ከምዝርከባ ሓበሬታ ቦይንግ የመልክት።
ቦይንግ 737 ማክስ፡ ድሕሪ ተኸታታሊ ጉዳያት ድሕነትን መርመራታትን፡ "ኣብ ታሪኽ እታ ዝበዝሐ ምጽራይ ዝተገብረላ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት" ከምዝዀነት ይግለጽ።
ኣብ መወዳእታ 2018ን መጀመርታ 2019ን፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢንዶነዥያን ካብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ወዲቐን ኣብኣተን ተሳፊሮም ዝነበሩ ሰባት ድሕሪ ምሟቶም ንዓመትን ፈረቓን ዝኸውን ንኸይበራ ተወሲኑ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ክልቲኡ ሓደጋታት ብሰንኪ ጉድለት ዘለዎ ናይ በረራ ምቁጽጻር ሶፍትዌር ዝተፈጥረ ኰይኑ ብድምር 346 ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







