ሃገራት ጥርጡራት ዓለምለኻዊ ገበናት ኣሕሊፍካ ንምውህሃብ ተሰማሚዐን

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተፈጺሞም ካብ ዝብሃሉ ገበናት ምጽናት ዓሌት እቲ ሓደ ኣይኤስ ኣብ ዒራቕ ያዚዲ ኣብ ለእዕሊ ዝተባህሉ ኣባላት ማሕበረሰብ ዝፈጸሞ ገበን ይጥቀስ። እዚ ስእሊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ልዕሊ 100 ሰባት እንክፍጸም ዘርኢ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተፈጺሞም ካብ ዝበሃሉ ገበናት ምጽናት ዓሌት እቲ ሓደ፡ ኣይኤስ ኣብ ዒራቕ፡ ኣብ ልዕሊ ያዚዲ ዝተባህሉ ኣባላት ማሕበረሰብ ዝፈጸሞ ገበን ይጥቀስ። እዚ ስእሊ ስነስርዓት ቀብሪ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ዝተፈጸመሉ እዩ

ዓሌታዊ ጨፍጫፍ፡ ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፍጸሙ ገበናትን ገበናት ኲናትን ኣብ ዝኣመሰሉ ዓለምለኻዊ ገበናት ዝተሳተፉ ጥርጡራት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ዘኽእል ሓድሽ ስምምዕ ተፈሪሙ።

እዚ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበሩ ስምምዓት ብተወሳኺ ከበድቲ ዓለምለኻዊ ገበናት ንኸይፍጸሙን ንዝተፈጸሙ ድማ ተሓተትቲ ናብ ፍርዲ ንኽቐርቡን ፍርዲ ንክርከብን ተመሓላሊፎም ንኽወሃቡ ዘገድድ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ኣብዚ 70 ሃገራት ዝፈረማሉ ስምምዕ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ሕጊን ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ምሃብን (Mutual Legal Assistance and Extradition) ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይፈረመት ተገሊጹ።

ኣብቲ ንኽልተ ሰሙን ዝተኻየደን ወከልቲ ብዙሓት ሃገራት ከምኡ’ውን ሲቪል ትካላት ዝተረኸብሉ ኣብ ስሎቬንያ ዝተኻየደ ዝርርብ’ውን ኢትዮጵያ ኣይተሳተፈትን።

ኣብቲ ዘተ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ወኪሉ ዝተረኽበን ኣማኻሪ ሕጊን ፖሊሲን እቲ ትካል ፍስሃ ተክሌ ኣብቲ ስምምዕ ብዙሓት ወከልቲ ኣፍሪቃ፡ ኣውሮጳ፡ ኤስያ፡ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ከም ዝፈረሙ ሓቢሩ።

ካብ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሩዋንዳ፣ ማላዊ፣ ዙምባብወ፣ ዴሞክራቲክ ኮንጎ፣ ኣይቬሪኮስት፣ ቤኒንን ግብጽን ይርከባ።

እዚ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ብ18 ገንቦት 2015 [ግእዝ] ዝተፈረመን “ፍትሒ ገበንን ፍትሒ ስቪልን ዘስፍን’ዩ” ዝተባህለ ስምምዕ ኵለን ሃገራት ንኽሳተፋሉ ዕድል ተዋሂቡ’ኳ እንተነበረ፡ “ኢትዮጵያ ግን ወኪል ኣይልኣኸትን። ስለምንታይ ከም ዘይልኣኸት’ውን ኣይንፈልጥን” ክብል ኣቶ ፍስሃ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ይዅን’ምበር እቲ ስምምዕ ክሳብ 24 ለካቲት 2024 ንፊርማ ክፉት ኰይኑ ከም ዝጸንሕ ብምሕባር፡ ካልኦት ሃገራት’ውን ኣብቲ ስምምዕ ክፍርማ ከም ዝኽእላ፤ ክፍርማ ዘይደልያ ግን ድማ ድልየት ዘለወን ኣባል ክዀና ከም ዝኸእላ የብርህ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ብዝተሓሓዝ ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብተደጋጋሚ ብዝተፈጸሙ ጃምላዊ ጨፍጫፋት ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸሙ ዘመላኽቱ ጸብጻባት ከም ዝወጽኡ ይፍለጥ።

ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ተሳተፍቲ ዝዀኑ ኵሎም ሓይልታት ምስ ገበናት ኲናት ዝመዓራረዩ ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘቘሞ ኮሚሽንን ካልኦት ብዙሓት ትካላት ዘውጽኡዎም ጸብጻባትን የመልክት።

ኣብ ቀረባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቶ ደመቀ መኮንን፡ ኢትዮጵያ እቲ ኮሚሽን ንክብተን እትገብሮ ጻዕሪ ንኽድግፋ ንኣባላት እቲ ሕብረት ጻውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ሓድሽ ስምምዕ እንታይ ይብል?

ኣቶ ፍስሃ ከም ዝብሎ፡ እቲ ስምምዕ ሓገዝ ሕጊ ንኽህሉ ንምምችቻእን ጥርጡራት ገበን ኣሕሊፍካ ንምሃብን ዝሕግዝ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ እዩ።

በዚ መሰረት ብገበን ምጽናት ዓሌት፡ ጃምላዊ ጨፍጨፋ፡ ገበናት ሰብኣዊ መሰላት፡ ገበናት ኲናት፡ ምስርጣይ፡ ሰባት ምስዋርን ካልኦት ዓለምለኻዊ ገበናትን ዝጥርጠሩ ሰባት ተሓተትቲ ንምግባር ሃገራት ንሓድሕደን ክተሓባበራ እየን።

እተን ሃገራት፡ ሓበሬታ ብምልውዋጥ፡ ኣብ መስርሕ መርመራ ብምትሕብባር፡ ጥርጡራት ገበን ካብ ዝፈጸምሉ ሃገር ናብ ካልእ ተጓዒዞም እንተዀይኖም ናብ ፍርዲ ናብ ዝቐርብሉ ሃገር ኣሕሊፍካ ብምሃብ ወይ’ውን ኣብ ዘለውዎ ሃገር ናብ ፍርዲ ንኽቐርቡን ክሕተቱን ንምግባር የኽእል።

እቲ ስምምዕ፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዝሰርሖም ስራሕቲ ዝድግፍን ተወሳኺ ስርዓት ፍትሒ ዝፈጥርን’ዩ እውን ተባሂሉ ኣሎ።

ካብዚ ሓሊፉ ብዓለምለኻዊ ገበናት ዝድለዩ ጥርጡራት ሃዲሞም ኣብ ዝተረኸብሉ ሃገር ፍርዲ ዝወሃበሉ ኩነታት ዘመቻችእ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ዘይፈረማ ሃገራት ገበን ዝፈጸሙ ሰባት’ከ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ስምምዕ ኣብ ዘይፈረማ ሃገራት ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ካልእ ሃገር ክኸዱ እንከለው በዚ ስምምዕ ከም ዝዳነዩ ኣቶ ፍስሃ ተክሌ የረድእ።

በዞም ገበናት ዝጥርጠሩ ውልቀሰባት ካብታ ገበን ዝፈጸሙላ ሃገር ወጺኦም ኣብ ግዝኣት ኣባል እዚ ስምምዕ ኣብ ዝዀነት ሃገር እንተተረኺቦም ብመሰረት እቲ ስምምዕ ናብ ፍርዲ ይቐርቡ።

ምናልባት ኣባል'ዚ ስምምዕ ዘይኰነት ሃገር ኣይተሓባበርን እንተይላ’ውን እቲ መርመራን መስርሕ ፍርድን ካብ ምጕታት ሓሊፉ እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ዘይኰነሉ ምኽንያት ከም ዘየለ እዩ እቲ ኣማኻሪ ሕግን ፖሊስን ዝዛረብ።

ካብ ካልኦት ኣህጉራዊ ስምምዓት ዝፍለየሉ እንታይ እዩ?

ብገበን ኲናትን ካልኦት ኣህጉራዊ ገበናትን ዝተጠርጠሩ ሰባት ክሕተቱ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ኣብያተ ፍርዲ ቈይሞም’ዮም።

ኣብዚ መዳይ ንሓድሕደን ንኽተሓባበራ ዝተሰማምዓ ሃገራት'ውን ኣለዋ።

ካብዚኦም ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብገበን ኲናት ዝተጠርጠሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ንምኽሳስ ዝተመስረቱ ኣብያተ ፍርዲ ገበናት ኲናት ኑረምበርግን ቶክዮን ይርከብዎም።

ብተወሳኺ ኣብ ሩዋንዳን ዩጎዝላቭያን ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኸቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተጠርጠሩ ሰባት ንምጽራይ ዝቘመ ቤት ፍርዲ፡ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ንምቛም ዝዓለመ ውዕል ሮማ ምጥቃስ ይከኣል።

እዚኦም መብዛሕትኦም ክልተኣዊ ስምምዓት እዮም።

ኣብቲ ሓድሽ ስምምዕ ልዕሊ 70 ሃገራት ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ግዝኣተን እንተተረኺቦምን በቶም ዝተጠቕሱ ገበናት ተሓተትቲ ዝዀኑ ሰባት እንተዀይኖምን ክተሓባበራን ናብ ሕጊ ክቐርባን እየን።

እቲ ስምምዕ፡ ገበነኛታት ጥርጡራት ካብ ሃገር ወጺኦም ካብ ተሓታትነት ንኸይሃድሙ ክከላኸል እዩ ዝብል እምነት ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ስምምዕ'ዚ፡ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ካብ ዘለዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ [ኣመሓዳርቲ ግዝኣት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ . . .] ወጻእ ብገበን ዝተጠርጠሩ ሰባት ክሕተቱ እዮም።

ካብዚ ወጻኢ እቲ ስምምዕ ከምዚ ዓይነት ገበን ከይፍጸም ኣቐዲሙ የጠንቅቕ።

እዚ ስምምዕ'ዚ ብዓቢኡ ዓለምለኻዊ ኣብያተ ፍርዲ ከም ዝበዝሑ ገይርካ ምሕሳብ ይከኣል እዩ ይብል ኣቶ ፍሰሃ።

ወሲኹ፡ እቲ ስምምዕ ናይቶም ገበነኛታት መህደሚ መንገድታት ዘጽብብን ግዳያት ፍትሒ ናይ ምርካብ ዕድላት ዘስፍሕን ምዃኑ ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ስምምዕ እቶም ግዳያት ካሕሳ ዝረኽብሉ ቅድመ ኵነት እውን ኣቐሚጡ ኣሎ።