ጆ ባይደን፡ ጉዳይ ቕትለት ጋዜጠኛ ካሾጊ ንልኡል ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ኣልዒልሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ልኡል ወራሲ ዙፋን ዓረብ ስዑዲ ዓረብ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ብዛዕባ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ከምዘልዓለ ገሊጹ።
ጆ ባይደን፡ ቅድሚ ሕዚ ነታ ሃገር ኣብ ልዕሊ መዝገብ ሰብኣዊ መሰላት ‘ዘየኽብራ’ ከስፍራ ቃል ኣትዩ ዝነበረ ዀይኑ፡ ሕዚ ዝምድናኦም ንምሕዳስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ'ዩ ዘሎ።
እቲ ኣብ 2018 ዝተፈጸመ ቅትለት'ቲ ጋዜጠኛ፡ "ንዓይን ንኣመሪካን ኣዝዩ ኣገዳሲ" እዩ ኢሉ ብግልጺ ከምዝገለጸሉ ተዛሪቡ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ካልኦት ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሓ እውን ሓቢሩ።
ዑደት ፕረዚደንት ባይደን፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ኣብ ኢስታንቡል ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ዝተቐትለ ኣብ ኣመሪካ ጋዜጠኛ ካሾጊ፡ ንመንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ‘ኣጆኻ’ ምባል እዩ ብዘብል- ሓያል ነቐፌታ ክወሃብ ተራእዩ’ዩ።
ልኡል ወራሲ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ‘ነቲ ቅትለት ባዕሉ'ዩ ኣጽዲቑዎ’ ክብል ብትካላት ስለያ ኣመሪካ ይኽሰስ።
ንሱ ግን፡ ወትሩ ነቲ ክስታት ይነጽጎ'ዩ፤ ኣኽበርቲ ሕጊ ስዑዲ ዓረብ ድማ "ዕሱባት" ብዝብሎም ከምዝተፈጸመ እዮም ዝወቅሱ።
ባይደን፡ ድሕሪ ናይ ዓርቢ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ምስ ኣኽብሮት፡ ንጉዳይ ቅትለት ካሾጊ፡ ኣብ ቀንዲ ዛዕባ’ቲ ኣኼባ እየ ኣልዒለዮ፡ ኣብቲ እዋን ብዛዕባኡ እንታይ ከም ዝሓሰብኩን ሕጂ እንታይ ከም ዝሓስብን ኣነጺረ እየ" ኢሉ።
“ከም ሓደ ኣሜሪካዊ ፕረዚደንት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ስቕ ምባል፡ ኣነ መን ምዃነይ ዘይቃዶ'ዩ። ወትሩ ንክብርታትና ደው ክብል'የ" ድማ ኢሉ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ እቲ ልኡል፡ ነቲ ቅትለት "ብውልቀይ ተሓታቲ ኣይኮነን" ኢሉ ከምዝገለጸሉ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። "ኣነ ግን ከምኡ እየ ዝግምት " ክብል እቲ ፕረዚደንት መልሲ ሂቡ።
ኣብ’ቲ ናይ መጀመርታ ርክቦም፡ ሚስተር ባይደን ነቲ ልኡል ዘውዲ ዘርአዮ ምውቕ ዝበለ ሰላምታ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ምውዓይ ዘመልክት እዩ።
ሕጽይቲ ካሾጊ ዝኾነት ሃቲስ ቸንጊዝ እቲ ፕረዚደንት በዝወሰዶ ስጉምቲ ነቒፋቶ።
እቲ ሕጹያ ስእሊ ናይ ክልቲኦም ምስረአየ፡ ክብሎ ይዀን ነይሩ ኢላ ዝገመተቶ ቃላት፡ "እዚ ድዩ እቲ ንቕትለተይ ቃል ዝኣተኻዮ ተሓታትነት? ደም ናይቲ ዝቕጽል ግዳይ ኤምቢኤስ ኣብ ኢድካ ኣሎ" ኢላ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ኣሕታምን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ዋሽንግተን ፖስት ፍረድ ራያን፡ "ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ባይደንን መሓመድ ቢን ሳልማንን ዝነበረ ሰላምታ ካብ ኢድ ምጭብባጥ ዝሓለፈ እዩ ነይሩ - ዘሕፍር'ዩ" ክብል ነቒፉ።
ካሾጊኣብ ጋዜጣ ዋሽንግተንፖስት ጸሓፊ ርእይቶ እዩ ነይሩ።
ፕረዚደንትባይደን፡ ንሱን መዘንኡን ኣብ ጉዳይ ጸዓት ከምዝተዘራረቡን፡እታ ዓባይ ኣፍራዪት ነዳዲ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ዕዳጋ ንምርግጋእ "ተወሳኺ ስጉምትታት" ክትወስድ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጾም።
ኣባልኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሸርማን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንተግባራት ጆ ባይደን ብምክልኻል፡ ስዑዲ ዓረብ ቀረብ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ምውሳኻ፡ ህይወት ሰባት ከም ዘድሕን ሓቢሩ።
"ዋጋ ነዳዲ ንሂሩ ማለት፡ ኣብ ድኻታት ሃገራት ሰባት ይሞቱ ማለት'ዩ። ዋጋ መግብን ድኹዒን ይውስኽ'ሞ ብኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ይሞቱ ማለት'ዩ፡ ብጥሜት ጥራይ ዘይኮነስ እቶም ሕጽረት መግቢ ዘለዎም ሰባት ሕማም ኣጥሪዮም ንሞት ይቃልዑ" ይብል።
"ስለዚ ንወ/ሮ ካሾጊ [ሃቲስ ቸንጊዝ] 'ብዛዕባ እቶም ኣማኢት ኣሽሓት ዝሞቱ ሰባት ኣይትጨነቑ፡ ሕነ ሕጹየይ ጥራይ ፍደዩ' ክትብል ንዓኣ ኣዝዩ ቀሊል'ዩ። ኣብዚ ግን ለባማት ክትኮኑ ኣለኩም።"
ብተወሳኺ፡ ሚስተር ባይደን፡ ቅድሚ ሕዚ ተዓጽዩ ዝጸንሐ፡ ክሊ ኣየራ ስዑዲ ዓረብ ካብን ናብን እስራኤል ክኽፈት ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







