ፈላማይ ኩሊት ሓሰማ ዝተተኽለሉ ሕሙም ካብ ሆስፒታል ናብ ቤቱ ተፋንዩ

ካብ ሓሰማ ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተመሓየሸ ኩሊት ዝተገብረሉ ፈላማይ ሰብ ካብ ሆስፒታል ተፋንዩ።

እዚ ወዲ 62 ዓመት ኣመሪካዊ፡ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማሳቹሰትስ ብመጥባሕቲ ኩሊት ሓሰማ ምስተተኸለሉ ትማሊ ረቡዕ ናብ ገዛኡ ከም ዝኸደ ተገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ ካብ ጀነቲካዊ ምትዕርራይ ዝተገብረሎም ሓሰማታት ዝግበር ተኸላ ኩሊት ፈሺሉ እዩ።

እዚ ኣገባብ ክሳብ ሕጂ ብዝተረኸቦ ዓወት ኣብ ዓውዲ ምትካል ኩሊት ሓሰማ ታሪኻዊ ምዕራፍ ምዃኑ ብሳይንቲስት ይንኣድ ኣሎ።

እቲ ዜና ብረቡዕ ንማዕከናት ዜና ዝተገለጸ ኰይኑ እቲ ሆስፒታል ኣብ ኣመሪካ ከተማ ቦስተን ዝዓበየ መምሃሪ ሆስፒታል ቤት ትምህርቲ ሕክምና ሃርቫርድ እዩ።

እቲ ሆስፒታል ኣብቲ ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ ሕሙም ሪቻርድ "ሪክ" ስላይማን ዝበሃል ኰይኑ ካብ ወይማውዝ፡ ማሳቹሰትስ፡ ብሕማም ኩሊት ክሳቐ ብምጽንሑ ተኸላ ኩሊት የድልዮ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።

ሓካይም ብ16 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ መጥባሕቲ፡ ብጀነቲካዊ ኣገባብ ኩሊት ሓሰማ ናብ ኣካላቱ ብዓወት ተኺሎም።

ንሳቶም፡ ኩሊት ሚስተር ስላይማን ሕጂ ብጽቡቕ ትሰርሕ ከምዘላን ድሕሪ ሕጂ ዳያሊሲስ ከምዘየድልዮን ሓቢሮም።

ሚስተር ስላይማን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ሆስፒታል ወጺኡ ናብ ገዛኡ ክኸይድ ምኽኣሉ፡ ኣብ ህይወቱ "ሓደ ካብቲ ዘሐጉስ ኣጋጣሚታት" ምዃኑ ገሊጹ።

"ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ንህይወተይ ዝጸለወ ጾር ‘ዳያሊሲስ’ ነጻ ኰይነ ምስ ስድራይ፡ ኣዕሩኽተይን ዝፈትዎም ሰባትን ዳግማይ ግዜ ከሕልፍ ምጅማረይ ተሓጒሰ" ኢሉ።

ኣብ 2018 ካብ ሓደ ዝሞተ ለጋሲ ኩሊት ሰብ ተተኺሉሉ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ክደክም ስለ ዝጀመረ ሓካይም ኩሊት ሓሰማ ክትከለሉ ዝብል ሓሳብ ኣልዒሎም።

"ንዓይ ጥራይ ዝሕግዘኒ መንገዲ ዘይኮነስ፡ ነቶም ብህይወት ንኽነብሩ ምትካል ኩሊት ዘድልዮም ኣሽሓት ሰባት ተስፋ ዝህብ መንገዲ ኰይኑ ርእየዮ" ይብል።

እቲ ዝረኸቦ ሓድሽ ኩሊት ሓሰማ፡ ኣብ ካምብሪጅ ዝመደበሩ ኩባንያ መድሃኒት ኢጀነሲስ፡ "ጐዳእቲ ዘርእታት ሓሰማ ንምእላይን ዝተወሰኑ ዘርኢ ደቂ ሰባት ብምውሳኽን ምስ ደቂ ሰባት ዘለዎ ምትእስሳር ንምምሕያሽ" ከምዝተቐየረ ይሕብር።

እዚ ኣብ ሰብ ዝተተኽለ ናይ መጀመርታ ኩሊት ሓሰማ ክኸውን ከሎ፡ ልቢ ሓሰማ ዝተተኽለሎም ሰባት ግን ነይሮም’ዮም።

ካልኦት ክልተ ሕሙማት ልቢ ሓሰማ ተተኺልሎም’ኳ እንተነበረ እቶም ሰባት ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ስለዝሞቱ እቲ ሕክምና እንከይተዓወተ ተሪፉ።