ደቡብ ኣፍሪቃ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይልእኹ ወለዲ ክትኣስር’ያ

ፓርላማ ደቡብ ኣፍሪቃ ወለዲ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ እንተዘይልኢኾም ብማእሰርቲ ክቕጽዑ ዘኽእል ናይ ትምህርቲ እማመ ኣጽዲቑ።

ብመሰረት ምምሕያሽ ሕግታት መሰረታዊ ትምህርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ደቆም ካብ ትምህርቲ እንተቦኺሮም ወይ ድማ ዕድመ ትምህርቲ ምስ በጽሑ እንተዘይተመዝጊቦም ክሳብ 12 ኣዋርሕ ክእሰሩ ይኽእሉ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ዝእግድ መስርሕ ኣተኣታትያ ኣላ።

ድሕሪ ምዝዛም ስርዓት ኣፓርታይድ እቲ ዝዓበየ ናይ ትምህርቲ ጽገና እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ንደቡብ ኣፍሪቃ ዘመሓድር ዘሎ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ኤኤንሲ)፡ እቲ እማመ "ስርዓት ትምህርትና ክቕይር'ዩ፡ ታሪኻውን ህሉውን ብድሆታት ንምፍታሕ’ዩ" ይብል።

እንተኾነ እቲ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ዲኤ)፡ እቲ እማመ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ልዕሊ ዓቐን ቁጽጽር ክህልዎ ዘኽእልን ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ እታ ሃገር ውድቀት ከስዕብ ተኽእሎ ዘለዎን’ዩ ብምባል ኮኒንዎ ኣሎ።

ዲኤ፡ እቲ እማመ "ቤት ትምህርትታት፡ ወለድን ማሕበረሰብን ዓቕሚ ክስእኑ ዘግብር ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ንጽሬት ትምህርቲ ዝዕንቅፉ ስርዓታዊ ብድሆታት ክምልስ ከምዘይከኣለን" ይገልጽ።

ኣብ ከይዲ ድምጺ ምውሃብ ተቓውሞኡ ዘስምዐ እቲ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ፡ ሕጊ ኮይኑ እንተጸዲቑ ግን ንመንግስቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ክኸስስ ምዃኑ ኣፈራሪሑ ኣሎ።

‘ኤኤንሲ’ ኣብ ባይቶ ዓብይ ድምጺ ዘለዎ ኰይኑ፡ እቲ እማመ 223 ድጋፍ ኣባላት ባይቶ ክረክብ እንከሎ 83 ኣባላት ድማ ተቓዊሞሞ።

ክኢላ ትምህርቲ ሜሪ ሜትካልፍ ንመራኸቢ ሓፋሽ ‘ሳባክ ኒውስ’ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ‘ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይሰዱ ወለዲ ክቕጽዑ ኣለዎም’ ምስ ዝብል እማመ ከምዝተሰማምዐት ገሊጻ።

ካልእ ኣብቲ እማመ ዘካትዐ ነጥቢ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ፖሊሲ ቋንቋአን ናብ መንግስቲ ከቕርባ ክግደዳ እየን።

ድሌታት ሰፊሕ ሕብረተሰብ ከምዘማልእ ከረጋግጹ ኣለዎም። እንተዘይኮይኑ ግን ክቕይርዎ ክግደዱ እዮም።

ብዙሓት እዚ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባት ኣፍሪቃ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኮይኑ ይስምዖም።

ኤኤንሲ ግን ፖሊሲታት ቋንቋ ኣብያተ ትምህርቲ “ንዓሌታዊ ምግላል" ከምዝተጠቐምሉ ብምግላጽ፡ እዚ ድማ እቲ ሰልፊ ክቕይሮ ከምዝደልን ይሕብር።

ስርዓተ ትምህርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅልውላው ከምዘሎ ክኢላታት ይገልጹ።

ኣብ 2021፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ 400 ሽሕ ተምሃሮ ናይ ምንባብ ክእለቶም ዝፈተነ ሓደ ዓለም ለኻዊ ትካል ካብ ኣብቲ ፈተና ዝተገምገማ 57 ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ ደረጃ ተሰሪዓ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ 10 ደቡብ ኣፍሪቃውያን ህጻናት እቶም ሸሞንተ ኣብ 10 ዓመት ዕድመኦም ንኸንብቡ ይቃለሱ ነይሮም።