ኣርባዕተ ህጻናት ኣብ ጫካ ኮሎምብያ ን40 መዓልታት ብህይወት ዝጸንሕሉ 'ተኣምር'

ዓርቢ ከውታ ለይቲ፡ ካብ ማእከል እቲ ጸው ዝበለ በረኻ ኮሎምብያ ካብ ራድዮ ሰራዊት ዝተሰምዐ ደሃይ፡ እታ ሃገር ካብቲ ኣትያቶ ዝቐነየት ጭንቂ ንእሽቶ ሩፍታ ዝፈጥር ነይሩ።

‘ተኣምር! ተኣምር!’ ይብል እቲ ወተሃደራዊ መልእኽቲ።

እቶም ን40 መዓልታት ኣብ ጫካ ዝጠፍኡ ኣርባዕተ ህጻናት ኵሎም ብህይወት ከምዝተረኽቡ ኣበሲሩ።

እዞም ህጻናት ሓደ ስድራ፡ ተወለድቲ ደቀባት 'ሁይቶቶ' ኰይኖም፡ እታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ንእሽቶ ነፋሪት፡ 1 ግንቦት ኣጋ ምሸት ኣብ በረኻ ኣማዞን ካብ እትወድቕ ንደሓር ደሃዮም ጠፊኡ ቐንዩ።

እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ንኣደኦም ዝቐተለ ኰይኑ፡ ዕድመኦም 13፡ ትሽዓተ፡ ኣርባዕተን ሓደን ዝዀኑ ህጻናት - ኣብቲ ብተመን፡ ጃጓርን ሓሳኹን ዝመልአ ከባቢ ንበይኖም ህይወቶም ንምትራፍ ምስ ተፈጥሮ ክቃለሱ ቀንዮም።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ኣብ መጀመርታ እቲ ዝኸፍአ ከይከውን ፈሪሖም'ኳ እንተነበሩ፡ ኣሰር እግሪ፡ ብኸፊል ዝተበልዐ ፍረታት በረኻን ካልእ ፍንጭታትን ምስ ረአዩ ግን፡ እቶም ህጻናት ካብቲ ቦታ ሓደጋ ሓገዝ እናደለዩ ምስ ወጹ፡ ብህይወት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ተስፋ ሂብዎም።

እቶም ህጻናት፡ ንሽዱሽተ ሰሙናት ከምቲ ፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ ዝበሎ፡ "ኣብ ታሪኽ ንዘልኣለም ዘይርሳዕ ዛንታ ህላወ" ኰይኑ ክነብር እዩ።

'ደቂ ጫካ'

ከምዚ ዝኣመሰለ መከራ ንምግጣም ጽቡቕ ምድላዋት እናገበሩ ዝዓበዩ ቈልዑ እንተሃልዮም፡ ንሳቶም እዮም ነይሮም።

ህዝቢ ሁይቶቶ ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ሃድን፡ ምግፋፍ ዓሳን ምእካብን ይመሃሩ እዮም።

ኣባሓጐኦም ፊደንስዮ ቫለንሽያ ድማ፡ እቶም ዓበይቲ ደቆም ሌስሊን ሶሌኒን ምስቲ ጫካ ኣጸቢቘም ከም ዝፋለጡ ገሊጹ።

ሓትኖ እቶም ህጻናት፡ ዳማሪስ ሙኩቱይ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣባላት እታ ስድራቤት ብቐጻሊ ብሓባር "ናይ ምድሓን ጸወታ" እናተጻወቱ ከም ዝዓበዩ ትዛረብ።

"ክንጻወት ከለና፡ ንኣሽቱ መዓስከራት ኢና ንሰርሕ ነይርና" ክትብል ዘኪራ።

ንሳ፡ ብዛዕባ እታ ጓል 13 ዓመት ሌስሊ ክትዛረብ እንከላ ድማ፡ "ኣብቲ ጫካ ብዙሓት መርዛማት ፍረታት ስለዘለዉ እንታይ ዓይነት ፍረታት ይብላዕል ኣይብላዕን ትፈልጥ ነይራ። ንህጻን ድማ ከመይ ጌርካ ከም እትከናኸኖ ትፈልጥ እያ" ኢላ።

ድሕሪ እቲ ሓደጋ፡ ሌስሊ ብመእሰሪ ጸጕራ ካብ ጨናፍር ኣእዋም ግዝያዊ መዕቆቢ ሰሪሓ።

ካብ ስብርባር ናይታ ክጓዓዙላ ዝጸንሑ ነፋሪት ሴስና 206፡ ፈሪና ዝበሃል ዓይነት ሕሩጭ እውን ረኺባ።

እቶም ህጻናት እቲ ሓርጭ ክሳብ ዝውዳእ ብህይወት ከምዝጸንሑን ድሕሪኡ ፍረምረ ከምዝበልዑን ሓደ ካብቶም ኣብቲ ናይ ምድላይ ጻዕሪ ዝተሳተፉ መራሕቲ ደቀባት ኤድዊን ፓኪ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

"ምስ ፓሽን ፍሩት ዝመሳሰል ፍረ ኣሎ፡ ኣቪቸር ዝበሃል። ካብቲ ሓደጋ ነፋሪት ዘጋጠመሉ ቦታ ኣስታት ሓደ ኪሎሜተርን ፈረቓን ርሒቝ ካብ ዝርከብ ገረብ ኣቪቸር ዝበልዕዎ ዘርኢ ይደልዩ ነይሮም።"

ሓላፊት ኢንስቲትዩት ድሕነት ስድራቤት ኮሎምብያ ኣስትሪድ ካሴረስ፡ እቲ ግዜ መከራ፡ ከም ዕድል ኰይኑ፡ እቲ ጫካ ፍረ ዝፈርየሉ እዋን ከምዝነበረን፡ ፍረታት ክበልዑ ከምዝኽእሉን ገሊጻ።

ኣብቲ ኵነታት ብህይወት ምጽናሕ ግን ርኡይ ብድሆታት ኣጋጢምዎም እዩ።

ክኢላ ደቀባት ኣሌክስ ሩፊኖ ትማሊ ሰንበት ንቢቢሲ ሙንዶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ህጻናት "ኣብ ኣዝዩ ጸልማትን ኣዝዩ ጽዑቕን ጫካ ከምዝነበሩን፡ ኣብቲ ከባቢ ዓበይቲ ኣግራብ ከምዘለዉን" ገሊጹ።

ከምኡ'ውን እቶም ህጻናት ማይ ከጽርዩሉ ዝኽእሉ ቆጽሊ'ኳ እንተሃለወ፡ "ካልኦት መርዛማት" ምዃኖም ገሊጹ።

"ዘይተዳህሰሰ ከባቢ እዩ። እተን ከተማታት ንኣሽቱ እየን፡ ኣብ ጫካ ዘይኮነስ ኣብ ጐድኒ ሩባ እየን ዘለዋ" ክብል ወሲኹ።

እቶም ህጻናት ካብ በላዕቲ እንስሳታት ኣብ ርእሲ ምክልኻሎም፡ ብርቱዕ ህቦብላን ዝናብን እውን ይጻወሩ ከም ዝነበሩ፡ ከምኡ ድማ ካብቶም ኣብቲ ጫካ ይንቀሳቐሱ እዮም ዝበሃሉ ዕጡቓት ጕጅለታት ክሃድሙ ተገዲዶም ክዀኑ ይኽእሉ።

ኣብ ሓደ እዋን፡ እቶም ህጻናት ካብ ከልቢ በረኻ ክከላኸሉ ከምዝተቓለሱ ፕረዚደንት ፔትሮ ገሊጹ።

ሚስተር ሩፊኖ ግን ኣብ ሓደ ደቀባት ማሕበረሰብ ዝዓበየ ወዲ 13 ዓመት ቈልዓ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃዋህው ንኽድሕን ዘድሊ ብዙሕ ክእለት ዝውንን ምዃኑ ኣመልኪቱ።

እቶም ቈልዑ ዝዓበዩሉ ደቡባዊ ምብራቕ ክፋል ኮሎምብያ ዝርከብ ጕጅለ 'ጓናኖ' መራሒ ጆን ሞሬኖ፡ "ብዓባዮም" ከምዝዓበዩን፡ እዚ ድማ ብሰፊሑ ዝኽበር ዓሌት ደቀባት ከምዝዀነን ገሊጹ።

"ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝተማህርዎ ይጥቀሙ ነይሮም፡ ንኽድሕኑ ብፍልጠት ኣቦታቶም ተደሪኾም" ይብል።

ድራማዊ ንጥፈት ምድሓን ህይወት

እቲ ኣለሻ እናቐጸለ ምስ ከደ፡ ሰበስልጣን ቦጎታ ብሰንኪ ምዝሕሓል እቲ ህይወት ኣድሕን ጸቕጢ ኣጋጢምዎም። ፕረዚደንት ፔትሮ፡ እቶም ህጻናት ተረኺቦም ዝብል ትዊተር ብሓሶት ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ነቐፌታ ኣጋጢምዎ።

ሰብመዚ ብስጳኛን ብቋንቋ ደቀባት ሁይቶቶን ዝተጻሕፈ ናይ ምድሓን ምኽርታት ዝሓዘ 10 ሽሕ ወረቓቕቲ በቲኖም፤ ሄሊኮፕተራት ድማ ነቶም ዝድለዩ ዝነበሩ ህጻናት ንምርግጋእ ካብ ዓባዮም ዝተዘርበ መልእኽቲ ኣቃሊሐን።

መራኸቢ ብዙሓን ከይፈለጣ ግን፡ ሰራዊት ነታ ስድራቤት ንምርካብ እናቐረበ ይኸይድ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ጕጅለታት ህይወት ኣድሕን ካብቲ እቶም ህጻናት ዝተረኽበሉ ቦታ ኣብ ውሽጢ 20 ክሳብ 50 ሜትሮ ከም ዝሓልፉ ኣዛዚ ኣለሻ ጀነራል ፔድሮ ሳንቸዝ ገሊጹ።

እቶም ህጻናት ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን፡ ኣስታት 150 ወተሃደራትን 200 ወለንተኛታትን ካብ ጕጅለታት ደቀባት እቲ ከባቢ ተሳቲፎም ነይሮም፤ እዚ ስርሒት ልዕሊ 300 ኪሎ ሜተር ትርብዒት ስፍሓት ዝሽፍን ዝነበረ ስርሒት እዩ።

ጀነራል ሳንቸዝ፡ ኣብ እዋን ኣለሻ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ኣብ ኩምራ ሓሰር መርፍእ ምድላይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሰፊሕ ምንጻፍ ዝርከብ ንእሽቶ ቁንጪ ምእላሽ ማለት'ዩ፣ ምኽንያቱ ምንቅስቓስ ይቕጽሉ ነይሮም" ኢሉ።

ብዓርቢ ግን ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ኣለሻ፡ ፍሉያት ኣኽላባት ምድሓን ህይወት ነቶም ህጻናት ረኺቦምዎም።

ካብታ ነቲ ህጻን ሓቚፋቶ ዝነበረት በዅሪ ጓል ሌስሊ፡ ዝወጸት ቀዳመይቲ ቃል "ጠምየ" ዝብል ከምዝነበር፡ ካብቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ንኮሎምብያ ኣር.ቲ.ቪ.ሲ ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ኣወዳት ድማ፡ ካብ ዝደቀሶ ተንሲኡ "ኣደይ ሞይታ እያ" ኢሉ።

ድሒሩ ከም ዝተረጋገጸ፡ ኣደ እቶም ቈልዑ ድሕሪ ሓደጋ ነፋሪት ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብቲ ጫካ ብህይወት ጸኒሓ እያ። "ቅድሚ ምሟታ፡ ኣደኦም 'ዞም ደቀየይ ካብዚ ረሓቝ' ኢላቶም" ኢሉ፡ ኣቦ እቶም ቆልዑ ማኑኤል ራኖክ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኮሎምብያ ዘቃለሖ ቪድዮ፡ እቶም ህጻናት ኣብ ልዕሊ እቶም ነዋሕቲ ኣግራብ ኣብ ጸልማት ናብ ሄሊኮፕተር ክድይቡ ከለዉ ዘርኢ እዩ።

ብነፋሪት ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ቦጎታ ተጓዒዞም፡ ካብኡ ድማ ኣምቡላንሳት ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።

ስድራ እቶም ህጻናት፡ ዋላ'ኳ ናይ ምድሓን ዕድል ትሑት እንተነበረ፡ እቲ ሰራዊት ምድላይ ምቕጻሉ ኣመስጊኖም፤ መንግስቲ ነቶም ህጻናት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ገዛኦም ከምጽኦም ድማ ተላብዮም።

"ተስፋ ኣይቀበጽኩን ነይረ፡ ኵሉ ግዜ ነቲ ምእላሽ እድግፎ ነይረ። ኣዝየ ሕጕስቲ እየ፡ ንፕረዚደንት ፔትሮን ነቶም ብዙሕ ጸገማት ዝሓለፉ 'ደቂ ዓደይን' ድማ የመስግኖም" ክትብል እነሓጐኦም፡ ንመንግስታዊ ሚድያታት ገሊጻ።

ፕረዚደንት ፔትሮ ብወገኑ፡ ንጻዕርታት ሰራዊትን ወለንተኛታትን ብምንኣድ “ውሁድ ፍልጠት ደቀባትን ወተሃደራውን" ብምንኣድ "እዚ ሓቀኛ መንገዲ ሰላም እዩ" ኢሉ።

ነቶም ቈልዑ ምስ ከባቢ ዘለዎም ርክብን ግን ፍሉይ ናእዳኡ ገሊጹ።

"ደቂ ጫካ እዮም፡ ሕጂ ድማ ደቂ ኮሎምብያ'ውን እዮም" ኢሉ።

ብዙሓት እቶም ኣመንቲ ካቶሊክ ኮሎምብያ፡ ምድሓን እቶም ህጻናት "ተኣምር" ክብሉ እንከለዉ፡ እቲ ክኢላ ወደ’ባት ሚስተር ሩፊኖ ድማ፡ እቲ ሓቀኛ ዛንታ "ምስ ተፈጥሮ ዘለዎም መንፈሳዊ ምትእስሳር" ከምዝዀነ ገሊጹ።

"እቲ ጫካ ሓምለዋይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቶም ህዝብታት ዝዛመዱሉ፡ ዝመሃሩሉን ዝተሓጋገዙሉን ጥንታዊ ሓይሊ ኣለዎ" ይብል።

"እዚ ንምርዳእ ኣጸጋሚ'ዩ፡ እፈልጥ'የ። እዚ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብተን ግዝኣታት ዘሎ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዓለም ንኽመሃረሉ ጽቡቕ ዕድል ዝፈጥር'ዩ።

"ድሕሪ እቲ ሓደጋ እታ ኣደ ብመንፈስ ትከላኸለሎም ነይራ፤ ሕጂ ጥራይ እያ ክትዓርፍ ክትጅምር።"