እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ስርዓተ ተቐብኦ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ተፈጺሙ
ጽንብል ስርዓተ ሲመተ ወጸሎተ ተቀብኦ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ 6ይ ፓትሪያክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርትስያን ኤርትራ፡ ሰንበት 26 ጥሪ 2025 ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስትያን ኣስመራ ከም ዝተፈጸመ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
ሊቀ ጳጳስ ብጹእ ኣቡነ ባስልዮስ ብመሰረት ውሳነ ቅዱስ ሲኖዶስን ብ 9 ታሕሳስ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ 6ይ ፓትሪያርክ ኰይኖም ከም ዝተመርጹ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣቐዲሞም ዋና ኣመሓዳሪ መንበረ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም።
ኣብቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ሽብሸባን ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ ወግዒን ዘሰነዮ፡ ዓቢይ ጽንብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝርከቦም ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ዲፕሎማሰኛታትን መራሕቲ ሃይኖትን ምእመናንን ተረኺቦም ነይሮም።
ብዘይካኡ ኣባላት ጽባሓውያን ኣሓት ኣብያተ ክርስትያናት - ግብጺ፡ ሩስያ፡ ግሪኽ፡ ሶርያ: ኣርመንያን ህንዲን ከምኡ'ውን ዝተፈላለዩ ውድባት ኣብያተ ክርስትና ኣፍሪቃን ዓለምን ተረኺቦም ነይሮም።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ንኣገዳስነት እቲ ጽንብል ኣመልኪቶም ንተለቪዥን ኤርትራ ቃል ዝሃቡ ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ ሓላፊ ዝምድናታት ወጻኢን ፕሮቶኮላዊ ጉዳያትን ቀሺ በረኸት ኪዳነ፡ ነታ ቤት ክርስትያን ህዝበ ክርስትያንን፡ "ኣቦ ጓሳን መራሒን ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ እዩ" ብምባል፡ ንኣገዳስነት እቲ ጽንብል ኣረዲኦም።
ጉዳይ ፓትሪያርክ ኣብታ ቤተክርስትያን ንዓመታት ጠንቂ ውሽጣዊን ደጋዊን ምስሕሓብ ኰይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።
5ይ ፓትሪያርክ ወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን፡ ዝነበሩ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ብ 2 ታሕሳስ 2022 ኣብ መበል 96 ዓመት እዮም ብሕማም ዓሪፎም።
መበል 3ይ ፓትርያርክ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ካብ 2006 ጀሚሮም ንዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ድሕሪ ምእታዎም መንበረ ፓትሪያርክ ንዓመታት ብዘይሰብ ተሪፉ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ሓምለ 2019፡ ኣቡነ እንጦንዮስ ብወግዒ ካብ መዝነቶም ከም ዘወረዱን፡ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝተወገዙን ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።
ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ሰዓብቲ ናይቶም ኣብ ለካቲት 2022 ዝዓረፉ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ወጻኢ ናቶም ኣብያተ-ክርስትያናት ብምፍላይ ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ይፍለጥ።