እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጸሓፊ ፊልም ስትሮው ተይለር ፔሪ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ተባሂሉ ተኸሲሱ
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተዘርግሐት ፊልም ስትሮው፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታቶም ብምልጣፍ፡ ገለ ናእድኦም ገለ ድማ ስምዒታቶም ብምቕማጥ ርእይቶ ክህቡላን ዳርጋ 'ኵሉ ሰብ ክርእያ' ዘለዎ ፊልም ብምባል ከጋውሕዋ ቀንዮም ኣለዉ።
እቲ ንፊልም ስትሮው ሓዊስካ ኣብ ሓያሎ ፊልምታት ብዝሰርሖ ስራሕ ዝፍለጥ ውሩይ ጸሓፊ፡ ዳይረክተርን ተዋሳኣይን ተይለር ፔሪ፡ ብጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሱ'ሎ።
እቲ ዝኸሰሶ ተዋሳኣይ ኣብ እዋን መደብ ተለቪዥን እናሰርሐ እንከሎ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተፈጸሞ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ታይለር ፔሪ ናይ 260 ሚልዮን ዶላር ክሲ እዩ ኣቕሪቡ ዘሎ።
ተዋሳኣይ ደሪክ ዲክሰን፡ ታይለር ፔሪ ኣብ ኢንዱስትሪ መዘናግዒ ዘለዎ ዝና ተጠቒሙ፡ "ኣገዳዲን ጾታዊ ምዝመዛን" ብዝብል'ዩ ኣብ ልዕሊ ተይለር ፔሪ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ክሲ ኣቕሪቡ።
ደሪክ ፊልም 'The Oval and the Ruthless' ኣብ ዝተቐርጸትሉ እዋን እቲ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘጋጠመ እውን ሓቢሩ።
እቲ ተዋሳኣይ፡ ታይለር ፔሪ ዕዉት ተዋሳኣይ ክገብሮ ምዃኑ ቃል ኣትዩሉ'ኳ እንተ ነበረ፡ ንዘይተዋሕጠሉ ዛዕባ እምቢታ ኣብ ዘርኣየሉ፡ "ሞያዊ ሕነ ምፍዳይ፡ ጾታዊ ምድፍኣን ጸርፍን ኣውሪድለይ፡" ይብል።
ጠበቓ ታይለር ግን ፔሪ ነቲ ክስታት ብምንጻግ፡ ገንዘብ ንምእካብ ዝግበር "ምትላል'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።
ጠበቓኡ ማቲው ቦይድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ውልቀሰብ ምስ ታይለር ፔሪ ቅርበት ነይርዎ፡ ሕጂ ድማ ናይ ምትላል ክሲ ኣቕሪቡ'ሎ፡" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ፡ "ታይለር ፔሪ በዚ ኣይሰናኸልን'ዩ፡ ከምዚ ዓይነት ፈጠራዊ ጠቐ ከም ዘይዕወት ድማ ርግጸኛታት ኢና፡" ኢሉ።
ዲክሰን፡ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ታይለር ፔሪ ኣብ 2019 ኣብ ኣትላንታ ኣብ ዝርከብ ስቱድዮ ተይለር ፔሪ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ከም ዝተራኸበን ድሕር'ቲ ርክብ ንኣዋርሕ ብዛዕባ ሞያ ተዋስኦኡ ክዘራረቡ ምጽንሖም ይገልጽ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ተይለር ምስቲ ተዋሳኣይ ጾታዊ ዝምድና ክምስርት ከም ዝደለየ ዘእንፍት ሓያሎ ጾታዊ ርእይቶታት ከም ዝሃበን፡ እቲ ተዋሳኣይ ድማ ከም ዝኣበየን እቲ ክሲ ይሕብር።
ድሒሩ ግን ተይለር ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ናይ ተለቪዥን መደብ ንዲክሰን ሓደ ገጸ ባህሪ ተላቢሱ ክዋሳእ ስራሕ ሂብዎ።
ይዅን እምበር፡ እቲ ክሲ "ዲክሰን ንናይ ተይለር ጾታዊ ድሌትታት ሸለል ምስ ዝብል ወይ ምቕባል እንተ ኣብዩ፡ እቲ ገጸ ባህሪ ኣብታ እትቕጽል ክፋል ክመውት'ዩ፡" ይብል።
እቲ ክሲ፡ እቲ ተዋሳኣይ፡ "ዝተላበሶ ገጸ ባህሪ ንታይለር ፔሪ ከሐጕስ እንተ ክኢሉ ጥራይ ከም ዝቕጽል፡" ሓቢርኒ ብምባል፡ ታይለር ኣብ ልዕሊ እቲ ተዋሳኣይ ፈጺምዎ ዝበሃል ዝተፈላለየ ፍጻመታት ጾታዊ መጥቃዕቲ ይጠቅስ።
እቲ ተዋሳኣይ ነቲ ካብ ተይለር ፔሪ ዝመጽእ ግፍዒ ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ፡ ኣብታ ፊልም ምውሳእ ከቋርጽ ከም ዝተገደደን ነቲ ብተይለር ዝቐረበሉ ጸሓፊ ኴንካ ናይ ምስራሕ ዕዮ ከም ዝተሓሰሞን ዲክሰን ይገልጽ።