ሜታ ተጠቀምቲ ወልፊ ብምትሓዝ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፤ ዙከርበርግ እንታይ ኢሉ?

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ሓላፊ ዋና መተግበሪታት ኢንስታግራም ሜታ ማርክ ዙከርበርግ፡ ብረቡዕ 18 ለካቲት 2026፡ ትካሉ ንመንእሰያት ተጠቀምቲ ዒላማ ገይሩ ብዝብል ንዝቐረበሉ ክሲ ንምክልኻል ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ንሱ፡ ጠበቓታት ነቲ ርክባት "ጌጋ ባህርያት" ይህብዎ ኣለው ክብል ተማጒቱ።

ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝተኻየደ ፍሉይ መስርሕ ፍርዲ፡ ከም ኢንስታግራም ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንህጻናት ወልፊ ዘትሕዙ ድዮም ኣይኰኑን ዝብል ክትዕ ሰሚዑ።

ዙከርበርግ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ዳያኑ ንፈለማ እዋን ዝቐረበ ኰይኑ፡ ንዓመታት ኣብ ልዕሊ ዋና ዋትስኣፕን ፌስቡክን እውን ዝዀነ ሜታ ክሲ ክቐርብ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብዚ ክሲ፡ ኣካል ዩቱብ ዝዀነ ጉግል፡ ቲክቶክን ስናፕቻትን'ውን ተጠቒሶም ኣለው።

ሜታ ብተደጋጋሚ፡ እቲ ኵባንያ ንመንእሰያት ተጠቀምቲ ንምክልኻልን ትሕቲ 13 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ተቓላዕቲ ካብ ዝገብሩዎም ትሕዝቶታት ንምክልኻልን ስጕምቲ ከም ዝወሰደ ይገልጽ።

ጠበቓ ናይታ ኣብቲ ጉዳይ መሪሕ ከሳሲት ዝነበረት ማርክ ላኒየር - ብቐዳሞት ፊደላታ K.G.M እትፍለጥ ማርክ ላኒየር ግን፡ ብተደጋጋሚ ውሽጣዊ ኢመይላት፡ መልእኽትታትን መጽናዕትታትን ኣብቲ መጋብኣያ ኣቕሪቡ።

እዚኦም፡ ዙከርበርግን ካልኦት ሰራሕተኛታት ሜታን ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ኢንስታግራምን ፌስቡክን መንእሰያትን ንኣሽቱ ቈልዑን ክዛተዩ ዘርእዩ'ዮም።

ኣብ 2019 ናብ ዙከርበርግን ሰለስተ ላዕለዎት ኣካየድቲ ሜታን ዝተላእኸ ሓደ ኢመይል፡ ብዛዕባ እቲ "ዘይተ ተግበረ" ናይ ዕድመ ገደብ እቲ ኩባንያ ይጠቅስ።

እዚ ድማ "ዝከኣለና ኵሉ ንገብር ኣለና ምባል ኣጸጋሚ" ይገብሮ ይብል ካብ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ነበርን ንሓያሎ ዓመታት ሓላፊ ዓለማዊ ጕዳያት ሜታ ኰይኑ ዝሰርሐን ኒክ ክለግ ዝተላእከ ኢመይል።

ላኒየር፡ ንዙከርበርግ ብዛዕባ ኣብ 2019 ሓደ ኩባንያ ብስም ኢንስታግራም ዝተገብረ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ዝምልከት ሓቲቱዎ።

እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ነቲ መተግበሪ ዝጥቀሙ መንእሰያት "ዝፈጥረሎም ስምዒት ብዘየገድስ፡ ካብኡ ክላቐቑ ከም ዘይክእሉ፡"ብምግላጽ መንእሰያት ተጠቀምቲ" ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ኢንስታግራም ወልፊ ከም ዘለዎም፡" ዘርኢ ዝንባለ ከም ዘርኣዩ ይገልጽ።

"ጽቡቕ ክስምዖም ክገብር ይኽእል'ዩ፡ ሕማቕ ክስምዖም ይኽእል'ዩ። ኣብኡ ዝወሓደ ግዜ ከሕልፉ ይብህጉ፡" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ዙከርበርግ ግን፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ውሽጢ ሜታ ከም ዘይተኻየደ ኣመልኪቱ።

ጠበቓ ሜታ ፖል ሽሚት ኣብ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ንዙከርበርግ ሕቶ ምስ ኣቕረበሉ፡ ኣብቲ መጽናዕቲ "እወታዊ" መዳያት ኣጠቓቕማ ኢንስታግራም'ውን ከም ዝጠቐሰ ገሊጹ።

ሽሚት ነቲ ጸብጻብ ከም ኣካል ናይቲ ሜታ ተጠቀምቲ ነቶም መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢ ብኸመይ ከም ዝጥቀሙሎምን ብቐጻሊ ንምምሕያሽን ዝገብሮ ዘሎ ቀጻሊ ጻዕሪ'ዩ ክብል ገሊጹዎ።

ካልእ ካብ 2018 ዝወጽአ መግለጺ፡ እቲ ኩባንያ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተጠቀምቲ ከም ዘየፍቀደሎም እኳ እንተገለጸ፡ "ካብ 8 ክሳብ 12 ዓመት፡" ዕድመኦም ቈልዑ ብዕውት መገዲ ክሕዝ ምኽኣሉ ክዘራረብ ከሎ ዘርኢ እዩ።

ዙከርበርግ፡ ትሕቲ 13 ዓመት ዝዕድመኦም ተጠቀምቲ ንምልላይ ዝቐልጠፈ ምዕባለ ዘይምምጽኡ "ኵሉ ግዜ" ከም ዘጣዕሶ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ኩባንያ ግን "ምስ ግዜ ኣብ ቅኑዕ ቦታ" ከም ዝበጽሐ ይኣምን።

ንሱ፡ ተጠቀምቲ መንእሰያት "ትሕቲ 1%" ካብ ኣታዊታት መወዓውዒ ናይቲ ኩባንያ ከም ዝውክሉ ኣመልኪቱ፤ ላኒየር ድማ ጸብጻብ ካብ ዓውዲ ወጻኢ ወሲዱዎ ክብል ከሲስዎ።

ንሱ፡ ንሓደ ካብ ዘተኣታተዎም ለውጢታት ክገልጽ እንከሎ ን'መሰንጀር ኪድስ' ጠቒሱ።

እዚ፡ "ብዙሕ ተፈታዊ ኣይኰነን" ግን ከኣ "ምስ ናይ ገዛእ ርእሰይ ደቀይ" ይጥቀመሉ እየ ኢሉ።፥

ዙከርበርግን በዓልቲ ቤቱ ፕሪሲላ ቻንን ሰለስተ ቈልዑ ኣለውዎም።

ቈልዓ ትሸዓተ ዓመት ኰይና ኢንስታግራም ምጥቃም ዝጀመረት 'K.G.M.'ን ካልኦት ብዙሓት ስድራቤታትን ኣብቲ መጋብኣያ ተረኺቦም እዮም።

ሎሪ ስኮት፡ ጓላ ቈልዓ 8 መዓት ኰይና እያ ኢንስታግራም ክትቀጥም ጀሚራ፤ እንተዀነ ኣብ መበል 18 ዓመታ ዓርሳ ኣጥፊኣ።

ኣብ ደገ እቲ ቤት ፍርዲ ዝነበረት ሎሪ፡ "እዞም መተግበሪታት ክቕየሩ ይኽእሉ'ዮም፤ ቈልዑ ንነብሶም ከይቀትሉ ነቲ ኣልጎሪዝም ምቕያር ግዜ ኣይምወሰደን። ከምኡ ምግባር ከቢድ ድዩ - ዙከርበርግ?" ኢላ።

እቲ መስርሕ ፍርዲ ንሓያሎ ሰሙናት ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።

ሓላፊ ዩቱብ ኒል ሞሃን እውን ክቐርብ ትጽቢት ተገይሩሉ እኳ እንተነበረ፤ ምስክርነት ንኽህብ ከም ዘይተጸውዐ ቢቢሲ ክርዳእ ክኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓላፊ ኢንስታግራም ኣዳም ሞሰሪ፡ ኣብ መዓልቲ ን16 ሰዓታት ኢንስታግራም ምጥቃም ወልፊ ከም ዘየርኢ ተማጒቱ።

ዙከርበርግ ብወገኑ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ምስክርነት፡ "ሰባት ዝያዳ ክጥቀሙሉ ይፍትኑ" እዮም ኢሉ።

ላኒየር፡ ንዝዀነ ነገር ዝተወለፉ ሰባት ኣጠቓቕማኦም ክውስኹ ከም ዝኽእሉ ኣመልኪቱ።

ዙከርበርግ ግን፡ "ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዝብል ኣይፈልጥን እየ፤ ሓቂ ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ግን ነዚ ይምልከት ድዩ ኣይምልከትን ኣይፈልጥን፡" ኢሉ።

ሜታ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ቅድሚ ምውድኡ መሰረታዊ ለውጢታት ክገብር ሕቶ ይቐርብ እዩ ዘሎ።

29 ዓቀብቲ ሕጊ ግዝኣት ካሊፎርንያ፡ እቶም መድረኻት ብቕልጡፍ ብርክት ዝበሉ ለውጥታት ክገብሩ ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ።

እዚ ድማ ሜታ ንዅሎም ናይ ትሕቲ 13 ዓመት ዝዕድመኦም ተጠቀምቲ ምዃኖም ዝፍለጡ ኣካውንታት ክዓጹ ምግዳድ ዝሓወሰ እዩ።

ሓያሎ ሃገራት፡ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት መንእሰያት ንምድራት ይንቀሳቐሳ እየን ዘለዋ።

ኣውስትራልያ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ንትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣደዳ እያ።

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዴንማርክ፡ ፈረንሳን ስጳኛን ተመሳሳሊ ስጕምትታት ከተኣታትዋ ይሓስባ ኣለዋ።

  • ነብሰ ቅትለት ወይ ስምዒት ተስፋ ምቝራጽ እንተ ተንኪፍኩም፡ ዝርዝር ናይተን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝርከቡ ሰባት ምኽርን ደገፍን ዝህባ ትካላት ካብ BBC Action Line ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ካብ ዓዲ እንግሊዝ ወጻኢ ዝግበር ሓገዝን ደገፍን ኣብ Befrienders Worldwideክትረኽብዎ ትኽእሉ።