ከረን፡ ፍሉይ ዝኽሪ መበል 55 ዓመት ጃምላዊ ህልቂት ዖናን በሲክዲራን

መበል 55 ዝኽሪ ግፍዕታት ዖናን በሲክዲራን ካብ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ረቡዕ 4 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ከረን ተፈጺሙ።

ኣብ 1970 ሓይልታት ኢትዮጵያ ናብተን ካብ ከተማ ከረን ውጽእ ኢለን ዝርከባ ዓድታት ብምእታው ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጃምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ይግለጽ።

እቲ እዋን፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን ኰይኑ፡ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ንናጽነት እናሓየለ ዝኸደሉ ዝነበረ እዩ።

ብ21 ሕዳር 1970 ሓይልታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ኣብ መስመር ኣስመራ-ከረን ኣብ ዝርከብ ባልዋ ዝተባህለ ቦታ ኣድብዮም ብምጽናሕ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ቀቲሎም።

ብወተሃደራዊ ቃፍላይ ተሰንዩ ናብ ከረን ዘምርሕ ዝነበረ ሜ/ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብተጋደልቲ ኤርትራ ዝተቐትለ ላዕለዋይ ኣዛዚ'ዩ ነይሩ።

ሞት ናይቲ ኣዛዚ ካልኣይ ክፍለ-ጦር ዝተባህለ ኣሃዱ ኢትዮጵያ፡ ቃልሲ ኤርትራ ኣቓልቦ ዓለም ክረክብ ዝገበረ ምንባሩ ይንገር።

ጀነራል ተሾመ፡ ነቲ ኣስጋኢ እናዀነ ዝኸይድ ዝነበረ ሓርነታዊ ቃልሲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ደው ንኸብል ዝተመዘዘ'ዩ ነይሩ።

ብሞቱ ዝነደሩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ 'ዓንጽ-ዓንጾ ንማዕጾ' ከምዝብሃል ቍጠዐኦም ኣብ ልዕሊ'ቲ ምስቶም ተጋደልቲ ይደናገጽ'ዩ ዝበልዎ ሰላማዊ ህዝቢ ከውጽእዎ ጀሚሮም።

ፈለማ ብ30 ሕዳር ናይቲ ዓመት፡ ናብ በሲክዲራ ብምኻድ፡ 16 ነፍሰ-ጾራት ዝርከብኦም ኣስታት 220 ሰባት ከምዝቐተሉ ጸብጻባት መንግስቲ ኤርትራ ይጠቅስ።

ቀጺሎም፡ ብ1 ታሕሳስ ናብታ ሰሜን ካብ ከረን ትርከብ ዖና ዝተባህለት ቁሸት ብምእታው ኣብ ዝፈጸምዎ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣስታት 800 ሰባት ቀቲሎም።

እቲ ፍጻመ ስድራቤታት ዝጸነታሉ ወይ ብዙሓት ኣባላተን ዝሰኣናሉ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ግፍዕታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ክዝከር ዝጸንሐ'ኳ እንተኾነ፡ እዚ ብረቡዕ ኣብ ከተማ ከረን ዝተራእየ ግን ብኣወዳድብኡን ብዝሒ ተሳተፍቲን ፍልይ ዝበለ ይመስል።

ኣብቲ ካብ ፈለማ 60ታት ኣትሒዙ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ሓርነታዊ ኲናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ይፍለጥ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ምትፍናን ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብወገን ኤርትራ ነቶም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ብሰላማዊ ሰልፍታት ዝተሰነየ ዝኽርታት ክግበር ይርአ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት፡ መበል 50 ዝኽሪ ናይቲ ኣብ 1975 ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለታትን ግፍዕታትን ተኻይዱ ነይሩ።

እቲ ናይ ዝኽሪ ስነስርዓት ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ዝተሳተፈሉን ተምሃሮ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገበሩሉን'ዩ ነይሩ።

ሰበስልጣን መንግስቲ ከምዝበልዎ፡ ኣብቲ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ግፍዕታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣስታት 11,000 ሲቪላውያን ተቐቲሎም። ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ዓድታት ብሓዊ ከምዝተቓጸላ'ውን እቲ ጸብጻባት ይጠቅስ።

ኢትዮጵያ ካብ 2023 ጀሚራ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክትውንን መሰል ከምዘለዋ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጻ፡ እቲ ኣብ 2018 ናብ ንቡር ዝተመልሰ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣንቆልቊሉ ዳግማይ ናብ ኲናት ከይምለሳ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

ምስቲ ቅድሚ ናጽነት ዝተፈጸመ ቅትለትን ግፍዕታትን ብዝተኣሳሰር፡ ብዘይካ ብሓፈሻ ንመግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምኽሳስ፡ ብውልቂ ተሓታትነትን ፍትሕን ንምርግጋጽ ዝተወስደን ብወግዒ ዝተገልጸን ዕቱብ ስጕምቲ ዛጊት ከምዘየለ ይግለጽ።