እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምልእቲ ወርሒ ናብ ቀያሕ ዝተቐየረትሉ ህሞት
እታ ምልእትን ሰማያዊቲን ዝኾነት ወርሒ ብሰንበት ምሸት ብቀይሕ ሕብሪ ተቐይራ እያ ሓዲራ። እቲ ዝበርህ ክቢ ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ተራእዩ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት’ውን ንምርኣይ ዕድል ኣሎ።
ሰማያዊት ወርሒ ተባሂላ ትጽዋዕ’ኳ እንተኾነት ብምልእታ ግን ናብ ሰማያዊ ሕብሪ ኣይትቕየርን።
እንተኾነ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ ሓዊ ዘስዓቦ ትኪ፡ ኣብ ከባቢ ኣየር ዓባይ ብሪጣንያ ስለዝዓረፈ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ምሸት ሕብሪ ናይታ ወርሒ ናብ ቀይሕ ተቐይሩ ሓዲሩ።
ንጥረ ነገራት ትኪ ማለት ብኣትሞስፈር ዝሓልፍ ብርሃን ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ኣራንሺን ቀይሕን ሕብሪ ናይቲ ስፔክትረም ብዝረአ መንገዲ ይበታተን ማለት እዩ።
እቲ ትኪ ብዝፈጠሮ ኩነት ሰማይ ድብዝዝ ዝበለን ኣራንሺ ሕብሪ ዝነበሮን ኮይኑ ብሰንበት ምሸት መደነቒ ዕራርቦ ጸሓይ ፈጢሩ።
ካብ ምዕራብ ደበናን ዝናብን ዝሓዘለ ኩነታት ይመጽእ ስለዘሎ እቲ ትኪ ምጽራይ ክጅምር እዩ።
ስለምንታይ ሰማያዊት ወርሒ ኮይና?
ዑደት ወርሒ 29.5 መዓልታት ስለዝኾነ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ምስቲ ንቡር ኣብ ወርሒ ሓንቲ ምልእቲ ወርሒ እትህልወሉ ካላንደርና ካብ ምትእስሳር ወጻኢ ይኸውን።
ሰማያዊ ወርሒ ዝያዳ ዝግለጽ ተወሳኺ፡ ኣብ ዓመት መበል 13 ምልእቲ ወርሒ ምስ እንረክብ እዩ።
ስለዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካልኣይቲ ምልእቲ ወርሒ ሰማያዊት ወርሒ ትኸውን።