ቤተ መዘክር ሉቨር፡ ኣብቲ ሸውዓተ ደቓይቕ ዝወሰደ ስርቂ እንታይ ተዘሚቱ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ማእከላይ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ሉቨር ዝምታ ከም ዝተፈጸመ ሚኒስቴር ባህሊ ፈረንሳ ኣፍሊጡ።
ሉቨር፡ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ቤተ መዘክር ዓለም እዩ።
እቲ ሚኒስቴር፡ ፖሊስ ነቲ ክስተት ይምርምር ከም ዘሎ ገሊጹ።
ቤተ መዘክር ሉቨር፡ "ብፍሉይ ምኽንያት ሎሚ ዕጹው ክኸውን'ዩ፡" ክብል እውን ኣብ ኤክስ ጽሒፉ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ፈረንሳ ከም ዝሕብሮ፡ ብኣቆጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 09፡30 ናይ ንጕሆ ብርክት ዝበሉ ውልቀሰባት ብመስኮት ኣቢሎም ናብ ኣፖሎ ጋለሪ ኣትዮም፡ ነቲ መስኮት ድማ ሰይሮምዎ።
ሎረንት ኑነዝ፡ ኣብዚ ጒዳይ ዝተሳተፉ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሰረቕቲ፡ ካብቲ ህንጻ ወጻኢ ኣብ ዝነበረት ናይ ጽዕነት መኪና መቐመጢ ኣቑሑት ከም ዝተጠቕሙ ሓቢሩ።
ሰበስልጣን ፈረንሳ ኣየኖት ኣቑሑት ከም ዝተወሰዱ ብወግዒ ኣየረጋገጹን፤ ግን እቲ ዒላማ ዝዀነ ክንፊ እቲ ቤተ መዘክር ካብ ንጉሳዊ ሕሉፍ ታሪኽ ፈረንሳ ዝተረኽበ መጋየጺታትን ሃብትን ዝሓዘ እዩ ኢሎም።
ሓደ ኣቕሓ ካብቲ ቤተ መዘክር ወጻኢ ከም ዝተረኽበን፡ እቶም ሰረቕቲ ኣብ ዝሃድሙሉ እዋን ከም ዝተደርበየን ሓቢሮም።
ጋዜጣ ሊ ፓሪሰን ፡ እቲ ዝተወስደ ኣቕሓ ዘውዲ ናይታ በዓልቲ ቤት ናፖልዮን ሳልሳይ ዝነበረት ዩጂኒ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢራ።
እታ ጋዜጣ፡ ሪጀንት ዳይመንድ - 140 ካራት ዝምዘን ቀንዲ ሃብቲ እቲ ቤተ መዘክር - ከም ዘይተሰርቀ ገሊጻ።
እቶም ሰረቕቲ ናብ ውሽጢ ምስ ኣተዉ፡ ክቡራት መጋየጺታት ሰሪቘም ድሕሪኡ ብሞተር ብሽክለታ ሃዲሞም።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ኑነዝ፡ እቲ ስርሒት ዝምታ 7 ደቓይቕ ከም ዝወሰደ ይዛረብ።
ዝርዝር እቶም ዝተሰረቑ ንብረታት ንምፍላጥ ይስራሕ እዩ ዘሎ።
እቶም ዝሰርቍ ንብረታት፡ ካብ ንግዳዊ ዋጋኦም ብዝሰገረ፡ ማእለያ ዘይብሉ ታሪኻውን ባህላውን ዋጋ ከም ዘለዎም እቲ ሚኒስትሪ ይገልጽ።
ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ፓሪስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ "ገበን ንምፍጻም ዝተወደበ ስርቅን ገበናዊ ውዲትን" ዝበሎ መርመራ ከም ዝኸፈተ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ሉቨር "ስርቂ ወርቂ" ከም ዝተፈጸመን እቲ መርመራ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ባህላዊ ኣቑሑት ዝቃለስ መርማሪ ኣገልግሎት ከም ዝድገፍን ሓቢሩ።
"ኣብዚ እዋን እቲ ዝወረደ ጕድኣት ይግምገም ኣሎ፡" ይብል ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ ሕጂ ስርቂ ኣጋጢሙ ይፈልጥ'ዶ?
ኣብቲ ቤተ መዘክር ስርቂ ሳሕቲ ዘጋጥም እኳ እንተዀነ፡ ቅድሚ ሕጂ እታ ብሉጽ ስራሕ ሊዮናርዶ ደ ቪንቺ ዝዀነት ሞናሊዛ ካብቲ ቤተ መዘክር ተወሲዳ ነይራ።
ኣብ 1911 ሓደ ኢጣልያዊ ሰራሕተኛ ቤተ መዘክር፡ ነቲ ሽዑ ብህዝቢ ብዙሕ ዘይፍለጥ ዝነበረ ስእሊ ሞናሊዛ ትኽ ኢሉ ካብ መንደቕ ሓደ ጽምው ዝበለ ጋለሪ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ኣብ ትሕቲ ካቦቱ ሒዙ ከይዱ።
ስእሊ ሞናሊዛ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመትኣብ ፍሎረንስ ተረኺባ ናብ ፓሪስ ተመልሰት።
እቲ ገበነኛ ድሒሩ፡ እቲ ብሉጽ ስራሕ ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ንጣልያን እዩ ዝግባእ ብዝብል እምነት ከም ዝተደፋፍአ ገሊጹ።
ኣብቲ እዋን እቲ ስእሊ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ፍሉጥ ኣይነበረን።
ኣብ 1983 ድማ፡ ገለ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ዕጥቂ ጠፊኦም ኣብ 2011 ዳግማይ ተረኺቦም።
ኣብ 1998 ብናይ መበል 19 ክፍለ ዘመን ስነ-ጥበባዊት ካሚል ኮሮት ዝተሳእለ ስእሊ ለ ቸሚን ደ ሰቭረስ (The Sevres Road) ዝዀነ ሰብ ከይረኣየ ካብቲ ዝተሰቕለሉ መንደቕ ብቐሊሉ ተኣልዩ።
እቲ ስርቂ ድማ፡ ኣብቲ ቤተ መዘክር ኣገዳሲ ምሉእ ጽገና ጸጥታ ክግበር ምኽንያት ኰይኑ ይፈልጥ። እቲ ስእሊ ግን ኣይተረኽበን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሰረቕቲ ኣብ ሊሞጅስ ዝርከብ ቤተ መዘክር ኣድሪን ዱቡሽ ሰይሮም ብምእታው 9.5 ሚልዮን ዩሮ (11 ሚልዮን ዶላር) ዝግመት ሴራሚክ ስራሕቲ ካይላ ሰሪቖም።
ኣብ ሕዳር 2024፡ "ዓቢ ታሪኻውን ቅርሳውን ዋጋ" ዘለዎም ሸውዓተ ኣቑሑት ካብ ቤተ መዘክር ኮኛክ-ጄይ ተሰሪቖም።
ካብዚኦም እቶም ሓሙሽተ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ከም ዝተረኽቡ ተገሊጹ።
ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ፡ ዕጡቓት ሰረቕቲ ኣብ በርገንዲ ዝርከብ ቤተ መዘክር ሂሮን ዘሚቶም።
ብሚልዮናት ፓውንድ ዝግመት ናይ መበል 20 ክፍለ ዘመን ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ሒዞም ቅድሚ ምህዳሞም ድማ ተኹሲ ተኲሶም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ቤተ መዘክር ሉቨር፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቤተ መዘክር ኰይኑ፡ ኣስታት 73 ሽሕ ትርብዒት ሜትሮ ዝስፍሓቱ ናይ ምርኢት ቦታ ኣለዎ።
እዚ ክንዲ ልዕሊ ዓሰርተ ሜዳታት ኵዕሶ እግሪ እዩ።
ፈለማ ብ1546 ብንጉሳዊ ስድራቤት ፈረንሳ ቤተ መንግስቲ ኰይኑ ዝተሃንጸ እዩ።
ንጉስ ፍራንሲስ ቀዳማይ፡ ናይ መጀመርታ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ዝተቐመጠ ንጕስ ኰይኑ፡ ኣፍቃሪ ስነ-ጥበብ ስለ ዝነበረ፡ ሉቨር ንእኩብ ስነ-ጥበባቱ ንምርኣይ ይቀጥመሉ ነይሩ።
ድሕሪኡ ዝመጽኡ ነገስታት እውን ነዚ ኣስፊሖምዎ።
እቲ ቤተ መዘክር ዝሓዞም ስነ-ጥበባዊ ስርሓት፡ ኣብ 1789 ሰውራ ፈረንሳ ክሳብ ዝጅምር ናይ ብሕቲ ኰይኑ ጸኒሑ።
ብ1793 ድማ ሉቨር ከም ህዝባዊ ቤተ መዘክር ስእሊ ብወግዒ ተኸፊቱ።
ኣብዚ እዋን፡ ሉቨር ፍሉጥ ስእሊ ሞናሊዛ ሓዊሱ ዝርከብዎም ልዕሊ 35 ሽሕ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ዘርኢ ኰይኑ፡ መዓልታዊ ኣስታት 30 ሽሕ በጻሕቲ ይስሕብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







