ቱርኪ ስለምንታይ እያ ናብ ደንበ ቻይናን ሩስያን ትጽጋዕ ዘላ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወሃቢ ቃል ገዛኢ ሰልፊ ቱርኪ ኦመር ቸሊክ፡ “ፕረዚደንትና፡ ቱርኪ ኣብ ብሪክስ ይዅን፡ ኣብ ኵሉ ኣገደስቲ መድረኻት ክትሳተፍ ከም እትደሊ ብንጹር ገሊጹ’ሎ፡” ኢሉ።
እታ ሃገር፡ ንኣባልነት ብሪክስ ብወግዒ ኣመልኪታ ድያ ወይስ ኣይሓተተትን ዝብል ካብ ምዝራብ'ኳ እንተተቘጠበ፡"ቀጻሊ መስርሕ" ከምዘሎ ግን ገሊጹ።
ብሪክስ፡ ካብ 22-24 ጥቅምቲ ኣብ ምዕራባዊ ሩስያ ከተማ ካዛን ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሓደስቲ ኣባላት ምጽንባር ብዝምልከት ክዘራረብ ትጽቢት ይግበር።
ቱርኪ ናብ ብሪክስ እንተተጸንቢራኸ?
ቱርኪ ናብ ብሪክስ ብሓቂ ክትጽንበር እንተተዓዲማ፡ ኣባል ናይቲ ብሩስያን ቻይናን ዝምራሕ ‘ዘይምዕራባዊ’ ቍጠባዊ ምሕዝነት ዝዀነት ፈላመይቲ ኣባል ሃገር ኔቶ ክትከውን እያ።
“እቲ ስጕምቲ፡ ንቱርኪን ብሪክስን ጥራይ ዘይኰነስ ንኔቶን ንደንበ-ምዕራባውያን እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ” ይብል ክኢላ ዝምድና ቱርኪን ሩስያን ከሪም ሃስ።
ንሱ፡ ቱርኪ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ከምዘድልያን፡ እታ ሃገር ከጋጥማ ዝጸንሐ ዓሚቝ ቍጠባዊ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው ዝምድናታታ ክተስፍሕ ትግደድ ከምዘላ ኣስሚሩሉ።
"ቍጠባ ቱርኪ እንተፈሪሱ ንባንክታት ኣውሮጳ ወሳኒ ክኸውን'ዩ፡ ምኽንያቱ ቍጠባ ቱርኪ መብዛሕትኡ ኣብኣቶም ዝተመርኮሰ'ዩ" ይብል።
ዳርጋ ፍርቂ ንግዲ ቱርኪ ምስ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብመሰረት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣውሮጳ ላዕለዋይ መሻርኽቲ ንግዲ ቱርኪ ኰይና፡ ዓመታዊ መጠን ንግዳዊ ርክባት፡ 31.8 ሚእታዊት እዩ።
ኣብ 2022 ጠቕላላ መጠን ንግዳዊ ልውውጥ ሕብረት ኣውሮጳን ቱርኪን ዳርጋ 200 ቢልዮን ዩሮ በጺሑ።
ነዚ እዩ ዝኸውን፡ ድሕሪ ኲናት ዩክረይን፡ ሃገራት ኣውሮጳ፣ ቱርኪ ኣብቲ ጸረ-ሩስያ ዝጸንሐ እገዳ ዘይምኽባራ ዘይግደሳሉ ዘለዋ።
"ምዕራባውያን ሃገራት፡ ቱርኪ ምስ ሩስያ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ሃገራት ብሪክስ ቍጠባዊ ዝምድናታት ክተማዕብል ይደልዋ እዮም" ይብል ሃስ።
“ከምኡ’ውን ከም መሓዛ ኔቶ ቱርኪ ኣባል ብሪክስ እንተዀይና፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ'ቲ ደንበ ዝምዕብል ዘሎ ጸረ-ምዕራባውያን ቃና ንምንካይ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።
“ብፍላይ ብዓይኒ ኣመሪካን ብሪጣንያን፡ ምእታው ቱርኪ ናብ ብሪክስ፡ ነቲ ምዕራባዊ ዘይኰነ ደንብ መሊኡ ናብ ኣንጻር-ምዕራባዊ ከይሰጋገር ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ።”
ብሪክስ እንታይ እዩ?
ፈለማ ብሪክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ቀጽሪ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ቍጠባ፡ ኣብ 2006 ብብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንዲን ቻይናን ዝተመስረተ እዩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ 2010 ምስ ተጸንበረት፡ እቲ ደንበ ስሙ ናብ ብሪክስ ቀይሩ።
ብሪክስ፡ ገለ ካብ ኣገደስቲ ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም ኣብ ሓደ ብምምጻእ፡ ንፖለቲካውን ቍጠባውን ሓይሊ ሃብታማት ሃገራት ሰሜን ኣመሪካን ምዕራብ ኣውሮጳን ንምድኻም ዝዓለመ እዩ።
እቲ ኪዳን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እናሰፍሐ ዝመጽአ ኰይኑ፡ ሕጂ ድማ ኢራን፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘጠቓለለ እዩ።
ስዑዲ ዓረብ እወን ክትጽንበር ትሓስብ ከምዘላ ገሊጻ፤ ኣዘርባጃን ድማ ብወግዒ ኣመልኪታ ኣላ።
ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ማዕከን ዜና ብሉምበርግ ዝወጹ ጸብጻብ፡ ቱርኪ’ውን ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ናብ ብሪክስ ክትጽንበር ብወግዒ ከምዘመልከተት ይሕብሩ።
ፕረዚደንት ኤርዶጋን፡ ኣብ 2018 ኣብ ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ መበል 10ይ ዋዕላ ብሪክስ ተገዳስነት ኣርእዩ ነይሩ።
ቱርኪ ንምንታይ እያ ገጻ ናብ ብሪክስ ተዝውር ዘላ?
ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ፡ ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ምጽባር ዝምልከት ምዕባለ ብዘይምርካቡ ዝተበሳጨወ ፕረዚደንት ኤርዶጋን፡ ቱርኪ ምስ ክልቲኡ ጸግዕታትን ደንበን “ብሓንሳብ” ምምሕያሽ ዝምድና ከምዘድሊ ክዛረብ ጸኒሑ’ዩ።
ኤርዶጋን ነቲ ብቻይናን ሩስያን ዝምራሕ ትካል ዞባዊ ምትሕግጋዝ ብምጥቃስ፡ “ኣብ መንጐ ሕብረት ኣውሮጳን ትካል ምትሕብባር ሻንጋይን (SCO) ክንመርጽ ኣየድልየናን’ዩ” ኢሉ።
"ብኣንጻሩ ምስ ክልቲኦም እዞም ደንበታት ዘለና ዝምድናታት ክነማዕብል ኣለና።"
ኣብ 2022 ቱርኪ ምስ ሩስያ ዝገበረቶ ልወውጥ ንግዲ ሓፈሻዊ 11 ሚእታዊት ክኸውን ከሎ፡ ምስ ቻይና ዝነበራ ንግዲ ድማ 7.2 ሚእታዊት እዩ።
ከሪም ሃስ ኣባልነት ቱርኪ ኣብ ብሪክስ ብሩስያ ብትሪ ከምዝድለ ይኣምን።
“ሩስያ ቍጽሪ ሓደ ቀዳምነታ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምቕጻል ቍጠባኣ ርጉእ ምግባር’ዩ፤ ቍጠባ ሩስያ ብሰንኪ እገዳ ምዕራባውያን ከይፈርስ ስግኣት ኣለዎ” ይብል።
“ስለዚ፡ ሩስያ ወትሩ ምስ ቱርኪ ክትመሓዞ እያ ትደሊ። ካብ ጸዓት ክሳብ ንግድን ቱሪዝምን ዝበጽሕ ብዙሕ ምትእስሳር ኣለዎም። ከምኡ’ውን ምስ ሓንቲ ሃገር ኔቶ ገለ ንኽልቲኡ ዝጠቅም ጥቡቕ ዝምድናታት ከተማዕብል ከም እትኽእል ኣገዳሲ መርአያ እዩ።”
ቱርኪ ኣብ ብሪክስን ኣብ ካልኦት ሽርክነታትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ባህጊ፡ ከም ናይ ደንበ ለውጢ ክረአ የብሉን ይብል ዩሱፍ ካን፡ ካብ ዊልሰን ሴንተር ዝተባህለ ኣመሪካዊ ትካል።
"ኔቶ ኣብዞም ዓንኬላት እዚኣቶም ዝሳተፍ መሓዛ ምህላዉ ክጥቀም ይኽእል እዩ" ክብል ይምጕት።
ዘንቆልቆለ ቍጠባ
ቱርኪ እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ቍጠባዊ ቅልውላውን ጸቕጢ ዕዳታት ወጻኢን፡ ኣንካራ ብጂኦፖለቲካዊ መዳይ ሚዛናዊ ዝምድናታት ክተስፍሕ ባህጊታት ኣለዋ።
ቱርኪ ብመሰረት ስታቲስቲክስ ኣይኤምኤፍ፡ [IMF] 2023 ኣብ ዓለም መበል 17 ዝዓበየ ቍጠባ ዓለም’ያ።
እንተዀነ፡ ዋጋታት ሃለኽቲ ቱርኪ 71.6 ሚእታዊት ኰይኑ፡ ልክዕ ድሕሪ ዚምባብወ፡ ኣርጀንቲና፡ ሱዳንን ቬንዙዌላን ኣብ ቅልውላው ዝጠሓለ ቍጠባ ኰይና ትመጽእ ከምዘላ ኣሃዛት ናይቲ ኣህጉራዊ ኣካል የመልክት።
ኵሎም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃገር ዝተገብሩ ዳህሳሳት፡ ዋጋ መነባብሮ ንቱርካውያን ቀንዲ ጾር ምዃኑ ይሕብሩ።
ቱርኪ፡ ካብ ምዕራባውያን ወጻኢ ኣብ ዝዀነ ቍጠባዊ ምሕዝነት [ብሪክስ] ዘቕረበቶ ሕቶ ተቐባልነት እንተረኺቡ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ቍጠባ ዘረጋግእ ጽልዋ ክህልዋ ይኽእል’ዩ።
ግን እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ሓድሽ ምትእስሳር፡ ዝያዳ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ክኸውንን ኣካል ናይቲ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ዝኽተሎ 360 ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ስትራተጂ ክኸውንን’ውን ተኽእሎ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







