እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰብኡት ስም ስድራቤት ኣንስቶም ክወስዱ - ሕጊ እንታይ ይብል?
ኣብ ኤርትራ ይዅን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኡት ይዅን ኣንስቲ፡ ድሕሪ ቃልኪዳኖም ስም ስድራቤት - [ኣቦሓጐ] መጻምዶም ክወስዱ ዘገድድ ሕጊ ይዅን ልምዲ የለን።
ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ ብፍላይ ኣብ ምዕራባውያንን ነቲ ምዕራባዊ ልምድታት ዝኽተላ ካልኦት ሃገራትን፡ ምርዑዋት ደቀንስትዮ፡ ስም ኣቦሓጐ ሰብኡተን ከም ስም ስድራቤት ክወስዳ ይግደዳ። ሰብኡት ግን ናይ ኣንስቶም ክወስዱ ኣይክሉን፣ ብሕጊ'ውን ክልኩላት እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተዋህበ ፍርዲ ግን፡ ነቲ ሰብኡት ስም ኣቦሓጐ ኣንስቶም ክወስዱ ዘይፈቅድ ዝነበረ ሕጊ ሰሪዙዎ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ ሰብኡት ናይ ኣንስቶም [ኣቦሓጐ] ስያመ ክወስዱ ከምዝኽእሉ ኣፍቂዱ።
እቲ ቤት ፍርዲ ንኽልተ ነቲ ጉዳይ ዘቕረቡ መጻምድቲ፡ እቲ ሕጊ ምስ ጾታ መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ዝመዓረረ- "መግዛእታዊ ምትእትታው " ዝወለዶ ሓድጊ ምዃኑ ወሲኑ።
በዚ መሰረት ሄንሪ ቫን ደር መርወ ዝተባህለ ሰብኣይ፡ ብኣቦሓጐ በዓልቲ ቤቱ ጃና 'ጆርዳን' ከምኡ'ውን ኣንድርያስ ኒኮላስ ቦርንማን፡ ካብ ናይ በዓልቲ ቤቱ ጀስ 'ዶነሊ'-ቦርንማን፡ ኣስማት ክወስዱ ከም ዝኽእሉ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ሂቡ።
ባይቶ እታ ሃገር ድማ ንመምርሒታት ምዝገባ ሞትን ልደትን ብመሰረት እዚ ውሳነ ከመሓይሾ እዩ።
እዚ ሕጊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኣታተወ ኣብ እዋን ምሕደራ ስርዓት 'ኣፓርታይድ' እዩ።
እቶም ክልተ መጻምድቲ፡ እቲ ሕጊ 'መዓልቱ ዝሓለፎን ኣባታውን' ምዃኑን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ምብቃዕ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብ 1994 ኣብ ዘፅደቐቶ ቅዋም ዝሰፈሩ መሰላት ማዕርነት ዝጥሕስ ምዃኑን ጠቒሶም ተማጒቶም።
እቶም መጻምዲ ነቲ ጽኑሕ ሕጋጋት ኣብ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ብምብዳህ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ኣምሪሑ።
እቲ ላዕለዋይ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ድማ፡ "ኣብ ብዙሓት ባህልታት ኣፍሪቃ፡ ደቀንስትዮ ድሕሪ መርዓ ናይ ልደተን ኣስማት ይዕቅባ ነይረን፤ ቈልዑ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ስም ዓሌት ኣደኦም ይወስዱ" ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሩ።
እዚ ግን ድሕሪ "ምትእትታው ባዕዳዊ መገዛእቲ ኤውሮጳውያንን ክርስትያን ሚስዮናውያንን" ከምዝተቐየረ ኣመልኪቱ።
ወሲኹ፡ እዚ ስጕምትታት ምትእትታው ምዕራባዊ ክብርታት ከምዘስዐበ ጠቒሱ።
"ሰበይቲ ናይ ሰብኣያ ስያመ ትወስድ ዝብል ልምዲ ኣብ ሕጊ ሮማውያንን-ሆላንዳውያንን ልሙድ እዩ፡ በዚ መንገዲ ድማ ናብ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም 'ሓፈሻ ሕጊ' ተኣታትዩ።"
"እዚ ልምዲ'ዚ፡ ካብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተኣታተውኦ ሕጊ እዩ" ይብል እቲ ቤት ፍርዲ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ጾታዊ ማዕርነት "ዓቢ ዝላ" ከምዘርኣየት፡ እንተዀነ ገለ ከምዚኦም ዝዓይነቶም፡ "ጎዳኢ ጽልዋታት" ዘቐጽሉ ሕጊታትን ኣሰራርሓታትን፡ ገና ኣብ ቦታኦም ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ምኒስተር ፍትሕን ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሻትን፡ ንብይን ጉዳይ እዞም ክልተ መጻምድቲ ኣይተቓወሙን፤ ኣብ ክንድኡ እቲ ሕጊ ግዜኡ ዝሓለፎ ምዃኑ ተሰማሚዖም።
ኣባላት- ማሕበር ተጣበቕቲ 'ፍሪ ስቴት' ዝተባህለ ሕጋዊ ትካል፡ ነዞም ክልተ መጻምድቲ ብምድጋፍ ኣብቲ መገባእያ ተረኺቦም።
እቲ ሕጊ፡ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ስም ስድራቤት በዓልቲ ቤቱ ናይ ምውሳድ መሰሉ ብምድራት፡ ንደቂ ሰባት ምርጫ ስለ ዝኸልእ፡ ጎዳኢ ጽልዋታት ከም ዘቐጽለ ዝብል ምጕት ኣቕሪቦም።