ኣዲስ ኣበባ፡ ብሄር መሰረት ዝገበረ ሓድሽ ምደባ መሪሕነት እንታይ እዩ?

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ፡ ተመሳሳሊ ብሄር ዘለዎም ዳይረክተራትን መራሕቲ ጕጅለን፡ ብዝሖም ልዕሊ 40 ሚእታዊ ከይበጽሕ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብ ቀረባ እዋን ንዘተግብሮ ምደባ ሰራሕተኛታት ምኽንያት ብምግባር ልዕሊ 14 ሽሕ ሰራሕተኛታት ንዓርቢ 12 ታሕሳስ 2016 [ግእዝ] ፈተና ክወስዱ ከምዝገብር ቤት ፅሕፈት ፓብሊክ ሰርቪስን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ካብ ማእከል ክሳብ ወረዳ ኣብ ዝርከባ ትካላት ዘሎ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ዝዓለመ ዘተ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ምስ ሰራሕተኛታት ክካይድ ጸኒሑ’ሎ።

ኣስታት 163 ሽሕ ሰራሕተኛታት ዘለዉዎ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከፈጽሞ ኣብ ዝወጠኖ ለውጢ ካብ ዝተኻተቱ ጉዳያት እቲ ሓደ፡ ሰራሕተኛታት ብሓድሽ መንገዲ ምምዳብ (ምድልዳል) ዝብል እዩ።

ቢቢሲ ዝረኣዮ ንትግባረ እቲ ለውጢ ዝተዳለወ ሰነድ ስልጠና ከምዘመልክቶ፡ 16 ትካላት እታ ከተማ ምደባ ሰራሕተኛታት ክካየደለን ኣብ ቀዳማይ ዙር ተመሪጸን ኣለዋ።

እዘን ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣፈጻጽማ ዝተመረጻ ኣብያተ ጽሕፈት ድማ "ብዙሓት ዓማዊል ዘአንግዳ ከምኡ’ውን ሰፊሕ ብልሽው ኣሰራርሓን ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ስለዘለወን" ከምዝዀነ ሓላፊ ቢሮ ምምዕባል መንግስታዊ ኣገልግሎትን ዓቕሚ ሰብን ዶክተር ጣሰው ገብሬ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

እቲ ሓድሽ ምምዳብ ሰራሕተኛታት ግብራዊ ቅድሚ ምዃኑ፡ "ደረጃ ብቕዓት ንምርግጋጽ" ኵሎም ሰራሕተኛታት እዘን ኣብያተ ጽሕፈት ፈተና ክወስዱ ክግብር’ዩ። ዓርቢ ነቲ ፈተና ዝወስዱ ሰራሕተኛታት ልዕሊ 14 ሽሕ ከምዝዀኑ እቲ ሓላፊ ጠቒሱ።

"ነቲ ፈተና ንምሕላፍ ክዳለዉ ተነጊርዎም ኣሎ። እቲ ፈተና ንኽትሓልፎ ኣጸጋሚ ብዝዀነ መንገዲ፡ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ክልሰ-ሓሳባውን ክኸውን ዘይኰነስ ከም መርኣዪ [ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ንምዕቃን] ዝተዳለወ እዩ። ብዙሓት ክሓልፉ እዮም ዝብል ግምት እዩ ዘሎ" ይብል ዶክተር ጣሰው።

ቢቢሲ ዝረኣዮ ሰነድ ስልጠና ተሃድሶ ከምዘመልክቶ፡ ሰብ ሞያ ምምሕዳር እታ ከተማ ነቲ ፈተና ንምሕላፍ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ነጥቢ ከምጽኡ ይግደዱ። ካብዚ [መሕለፊ ነጥቢ] ንታሕቲ ዘምጽአ በዓል ሞያ ከኣ ናብ ታሕተዎት ደረጃታት ምሕደራ ከም ዝምደብ ተገሊጹ ኣሎ።

ንዳይረክተራትን መራሕቲ ጋንታታትን ዝተቐመጠ መሕለፊ ነጥቢ 60 ሚእታዊት እዩ። ነዚ ነጥቢ ዘየመዝገቡ መራሕቲ ንቦታ ዳይረክተር ወይ መራሒ ጋንታ ክወዳደሩ ከምዘይክእሉ እቲ ሰነድ ይሕብር።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንሰራሕተኛታቱ ብሓድሽ መንገዲ ክምድብ ከሎ ብዘይካ እቲ ፈተና ካልኦት መዐቀኒታት’ውን ከምዝጥቀም ዶክተር ጣሰው ንቢቢሲ ገሊጹ። እቲ ሰነድ ስልጠና ንምደባ ብዝምልከት "ኣቓልቦ ዝጠልቡ ሓደስቲ ጉዳያት" ኢሉ ካብ ዘለለዮም እቲ ሓደ ጉዳይ ብሄር እዩ።

እቲ ምደባ ግብራዊ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ “ተሳትፎ ብሄራትን ሓቛፍነትን” ብጥንቃቐ ክፍፀም ከምዘለዎ ኣብቲ ሰነድ ተጠቒሱ ኣሎ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ኣገልግሎትን ልምዓት ዓቕሚ ሰብን ዶክተር ጣሰው " እቲ ካብ 40 ሚኢታዊ ክሓልፍ የብሉን" ዝብል ረቛሒ ኣብ ምምዳብ መራሕቲ ጋንታታትን ዳይሬክተራትን ጥራሕ ከምዝትግበር ንቢቢሲ ኣብሪሁ።

“እታ ከተማ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር እያ። ብዙሓት ብሄራት፡ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ስለዘለውዋ ነቲ ስእሊ ዘርኢ ኰይኑ ክፍፀም ስለዘለዎ ዝተቐመጠ ረቋሒ እዩ" ክብል’ውን ኣረዲኡ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከፈጽሞ ዝወጠኖ ጽገና ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ምደባ ሰራሕተኛታትን ክሳብ 25 ታሕሳስ 2016 [ግ] ክዛዘም ከምዝተወጠነ ተገሊፁ’ሎ።