እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቱርኪ፡ ናብ ሶርያ መጥቃዕቲ ኣጋር ክትፍኑ ምዃና ኣፍሊጣ
ቱርኪ፡ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ንኣርባዕተ መዓልቲ ድሕሪ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሶርያውያን ኩርዲ መጥቃዕቲ ኣጋር ክትከፍት ከምዝመደበት ገሊጻ።
ፕረዚደንት ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋን፡ ምክልኻል ሃገሩ ድሮ ን 254 ኣሸበርቲ ካብ ስራሕ ወጸኢ ከምዝገበረ ብምሕባር እዚ ስርሒት ገና "መጀመሪ ጥራይ እዩ" ክብል ኣጠንቂቝ።
ቱርኪ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኢስታንቡል ንዘጋጠመ መጥቃዕቲ ቦምባ ንኩርዳውያን ጕጅለታት እያ ትወቅስ።
እቲ ዩ.ፒ.ጂ. ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸሞ ብምግላጽ፡ ብንጻሩ እቲ ብቱርኪ ዝተተኮሰ ሚሳይል ኣብ ሰሜን ምብራቕ ሶርያ 30 ሰላማውያን ሰባትን 11 ተቓወምትን ከም ዝቐተለ ሓቢሩ።
ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ፡ መጥቃዕቲ ቱርኪ ንድሕነት ናይቶም ኣብ ሶርያ ንዳዕሽ፡ እስላማዊ መንግስቲ (ISIS) ንምስዓር ዝሰርሑ ዘለዉ ኣባላት ስለያ ኣሜሪካ ኣብ ሓደጋ ከምዘእተወ ሓቢሩ።
ቱርኪ ነቲ ብኣሜሪካ ዝድገፍ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር YPG ዝዓስከረ ሰራዊት ሶርያ (SDF)፡ ዝርከብ ሓይሊ ነቲ ኣብ ኢስታንቡል ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ቦምባ ከም ምኽንያት ተጠቒማ ንነዊሕ እዋን ከተካይዶ ወጢናቶ ዝነበረት ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደት ከሲሱ ኣሎ።
ሰራዊት ቱርኪ፡ ምስቶም ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ምስ ዝርከቡ ኣንጻር መንግስቲ ሶርያ ዝቃለሱ ተቓወምቲ ጕጅለታት፡ ካብ 2016 ኣትሒዙ ሰለስተ ዓበይቲ ስርሒታት ከም ዘካየደን ካብ ዶባቱ ልዕሊ 325 ኪ.ሜ. ንውሽጢ ሶርያ ኣትዩ መሬት ከምዝተቘጻጻረን ይፍለጥ።
ኣብ 2019፡ ሩስያ ኣብ መንጎ ኣትያ ነቲ ውግእ ብስምምዕ ደው ክሳብ እተብሎ፡ ቱርኪ ነቲ ኣብ መንጐ ከተማታት ታል ኣቢያድን ራስ ኣልዓይንን ዝነበረ ቦታ ተቘጻጺራቶ ነይራ።
ቱርኪ፡ “ንዋይፒጂ” ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቱርኪ ንዓሰርተታት ዓመታት ንርእሰ-ምምሕዳር ኩርዲስታን ዝቃለስ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርዲስታን (PKK) ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ከም ግብረ-ሽበራዊ እያ እትቘጽሮ።
ፒከይከይ እውን ብወገኑ ኣብቲ ብ13 ሕዳር ኣብ ማእከል ኢስታንቡል ሽዱሽተ ሰባት ዝቐተለ ነትጒ ኢድ ከምዘይነበሮ እዩ ዝገልጽ።
ፕረዚደንት ኤርዶጋን፡ ቱርኪ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝሓየለ፡ ነቲ ምስ ሶርያ ዘራኽባ ዶብ ኣጽኒዓ "ጸጥታዊ ኮሪደር" ከምእትምስርት ብሓሙስ ንኣባላት ባይቶ ኤይ.ከይ ገሊጹ።
"መጥቃዕቲ ኣየር ንቕጽል ኣለና። ነቶም ኣሸበርቲ ድማ ኣብቲ ንዓና ዝጥዕመና ግዜ ኣበርቲዕና ከነጥቅዖ ኢና" ክብል ኣጠንቂቝ።
ኣዛዚ ኤስ.ዲ.ኤፍ. ማዝሉም ዓብዲ ንኣልሞኒተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ዝዓበየላ ከተማ ኮባነ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን መሬት እተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ "ናይ ሓቂ ዕላማ" ከም ዝዀነ ከም ዝኣምን ብምግላጽ፡ እቲ ኣብ ኢስታንቡል ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ቱርኪ ብዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ሶርያውያን ዕጡቓት ከም ዝተፈጸመ ሓቢሩ።
ሚስተር ዓብዲ ብተወሳኺ፡ ሩስያን አሜሪካን ንቱርኪ ንምዕጋት እኹል ምድላው ኣይገበራን ኢሉ።
እታ ንመንግስቲ ሶርያ እትድግፍ ሩስያ፡ ቱርኪ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ኣጋር ዕግርግር ዝፈጥር እዩ ክትብል ኣጠንቂቓ ኣላ።
ኣሌክሳንደር ላቭረንየቭ ብረቡዕ ኣብ ካዛኽስታን ዝርርብ ድሕሪ ምክያዱ፡ "ኣብ ኣንካራ እንገብሮ መጐተና፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝሕግዝ ካልእ መገድታት ክርከቦ ተስፋ ንገብር" ኢሉ።
ኣሜሪካ፡ ነታ ኣባል ኔቶ ዝዀነት ቱርኪ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጠር ዝዀነ ምስሕሓብ ንዳዕሽ ንምቅላስ ዝግበር ቃልሲ ክዕንቅፎ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ። ኣሜሪካ ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ንዝርከብ ኣይሲስ ንምስዓር፡ ምስ ዩ.ፒ.ጂ.ን ካልኦት ሚሊሻታት ኤስ.ፒ.ጂን እያ ትሰርሕ።
ኤስ.ኤስ. ብረቡዕ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ፡ ሓሙሽተ መጥቃዕቲ ኣየር ቱርኪ ነቶም ኣብቲ ኣል-ሖል ዝበሃል መዳጐኒ ማእከል ዝሕልዉ ሓይልታት ጸጥታ ኩርድ ዒላማ ዝገበረ ከም ዝነበረ፡ ኣዝማድ እቶም ወተሃደራት ከም ዝዀኑ እተጠርጠሩ ድማ ኣብኡ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ብሰሉስ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ሃሳቀ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ማዝሉም ዓብዲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ዘውረደ ቱርካዊ ሰርኲይት፡ ንሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተወ ገሊጹ።