ኣብ ፈረንሳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካላሽንኮቭ ሰባት ተቐቲሎም

ፖሊስ ማርሴ ኣብ መንጎ ጕጅለታት ዕጸፋርስ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንምግታእ ይቃለሱ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ ማርሴ ኣብ መንጐ ጕጅለታት ዕጸፋርስ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንምግታእ ይቃለሱ ኣለዉ

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ብሰንኪ ዕጸፋርስ ዝፍጸም ግጭት እትርእይ ዘላ ደቡባዊት ፈረንሳዊት ከተማ ማርሴ፡ ሰለስተ ሰባት ኣብ መኪና እንከለዉ ብጥይት ተቐቲሎም።

ኣብታ መኪና ካብ ለይታዊ ትልሂት ዝወጹ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝነበሩን ብካላሽኒኮቭ ከም ዝተቐተሉን ፖሊስ እቲ ከባቢ ይሕብር።

ካብቶም ዒላማ ዝተገብሩ፡ እቶም ክልተ ካብቲ ቦታ ክሃድሙ ከም ዝኸኣሉ'ውን ተገሊጹ።

እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት’ውን ብኡ ንብኡ ካብቲ ከባቢ ብምርሓቖም መንነቶም ኣይተፈልጠን።

ፖሊስ፡ እቲ ፍጻመ ምስ ንግዲ ዕጸፋርስ ከም ዘተኣሳስሮ ገሊጹ።

ኣብዚ ዓመት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ማርሴ ምስ ዕጸፋርስ ዝተኣሳሰር ቅትለት ናብ 21 ከም ዝበጽሐ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

እዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ፡ ኣብታ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ እዩ ተፈጺሙ።

እቶም ኵሎም ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከቡ ሓሙሽተ ሰባት፡ ካብ ለይታዊ ክለብ ምስ ወጹ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ኣብ መኪናኦም እንከለዉ ተተኲስዎም።

መርመርቲ ንማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ እቶም ሓሙሽተ ብፖሊስ ዝፍለጡን ገበን ዕጸፋርስ ኣብ ዝበዝሓሉ መንበሪ ኣባይቲ ዝነብሩን ምዃኖም ኣመልኪቶም።

ኣብ ጥቓ እቲ ቦታ ተቓጺላ ዝተረኽበት ካልእ መኪና'ውን፡ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ዕጸፋርስ ከም ዝተኣሳሰር እተመልክት ምዃና ሓቢሮም፤ ናይዚ ምኽንያት ድማ ገበነኛታት መብዛሕትኡ ግዜ መርትዖታት ንምጥፋእ መካይኖም ስለ ዘቃጽሉ’ዩ።

ዞባዊ ሓላፊት ፍረደሪክ ካሚለሪ ኣብቲ ቦታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ምሉእ ሓይሊ ፖሊስ ንቶም ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ገበነኛታት ኣብ ቀይዲ ከእቱን መርበባት ናይቶም ብድሕሪ እዚ ዓመጽ ዘለዉ ኣሰጋገርቲ ንምብጣስን ተዋዲዶም” ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢራ።

ወሲኻ’ውን፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን መኮንናት ሰለስተ ካላሽኒኮቭ ዝርከብዎም ኣጽዋር ከም ዝሓዙን፡ ምስ ንግዲ ዕጸፋርስ ብዝተኣሳሰር ብክሲ ኣጽዋር ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝቐየዱን ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካሚለሪን ዓቃቢ ሕጊ እቲ ከባቢ ዶሚኒክ ሎረንስን፡ ኣብቲ ኣብ ማርሴ ልዑል ዓታዊ ዘለዎ ንግዲ ዕጸፋርስ ዝካየደሉ ቦታታት ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ናብ "ሕነ ምፍዳይ" ይቕየር ከም ዘሎ ገሊጾም ነይሮም።