ጽንብል ሓድሽ ዓመት 2024 ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ብስእሊ

ህዝቢ ዓለም ነታ ዓመት ምሉእ ዘሳለየቶ 2023 ምስ ብዙሕ ሕማቕን ጽቡቕን ክስተታታ ኣፋንዩ፡ ነዛ 365 መዓልታት ኣብ ቅድሚኣ ገይራ፡ ባሕቲ ኢላ ፈሊማ ዘላ ዓመተ 2024፡ ምስ ብዙሕ ተስፋታቱን ትጽቢታቱን ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐቢልዋ ኣሎ።

በብዘለዎ ጽቡቕ ለውጢ ብምምናይ ከኣ እዛ ዓመት ሰናይ ክትኰነሉ ክንዮ ሓድሕድ ጽቡቕ ምምንናይ፡ ብርችት፡ ብጽንብልን ብፍስሃን ተቐቢልዋ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላላየ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ከካብ ዘለውዎ ዝሰነድዎ ነቲ ጽንብል ዝርኢ ኣሳእል ሓሪና ንገሊኡ ከነቕርበልኩም።

ርሑስ ሓድሽ ዓመት!