እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተባዕትዮ ጣንጡ ኣጽሚምካ ጾታዊ ርክብ ከም ዝሕረሙ ዝግበር ዘሎ ንምንታይ እዩ?
ተመራመርቲ ነቶም ከም ሕማም ዴንጋ፡ ወይቦን ዚካን ዘመሓላልፉ ጣንጡ፡ ነቶም ደቂ ተባዕትዮ ብፍሉይ ሜላ ብምጽማም ስጋዊ ርክብ ከምዘይፍጽሙን ብምግባር ምጽናቶም ከምዝክኣል ብምርምር ዝተደገፈ ሓሳብ ኣቕሪቦም።
ጣንጡ እናነፈሩ እንከለዉ’ዮም ኣብ ውሑዳት ካልኢታት ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ።
ደቂ ተባዕትዮ ጣንጡ ከኣ ብምስማዕ’ዮም መጻምድቶም ዝሓርዩ፡ ካብዚ ብምብጋስ’ዮም እቶም ተመራመርቲ ብኣልማማ ንዅሎም ደቂ ተባዕትዮ ጣንጡ ብሜላ ከምዝጸሙን ወለዶኦም ከምዘቋርጽን ክግበር ከምዝክኣል’ዮም ዝሕብሩ ዘለዉ።
እቶም ተመራመርቲ ጣንጡ መጻምድቲ ንምርካብ ካብ ምስማዕ ወጻኢ ካልእ ዝጥቀምሉ ሜላ ብዛዕባ ምህላዉ ምሉእ ብምሉእ ኣየረጋገጹን፤ እንተዀነ ንብዙሓት ተባዕትዮ ጣንጡ ኣጽሚሞም ምስ ካልኦት ብዙሓት ኣንስትዮ ጣንጡ ኣብ ሓደ ጸቢብ ጋብያ’ኳ እንተዓሸግዎም ንሰለስተ መዓልታት ዝዀነ ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ከምዘይተረኣዩ ኣረጋጊጾም።
ንኸም ሕማም ዴንጋ፡ ወይቦን ዚካን ዘመሓላልፋ እተን ኣንስትዮ ጣንጡ’የን።
ስለዚ እዘን ኣንስትዮ ጣንጡ ከምዘይወልዳ ብምግባር ነቲ ሕማም ደው ምባል ከምዝክኣል’ዮም እቶም ተመራመርቲ ዘገልጹ ዘለዉ።
እቶም ካብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርንያ ዝዀኑ ተመራመርቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣደስ ኣጂፕቲ ዝበሃላ ዓይነት ጣንጡ’ዮም ነዚ ምርምር ኣካይዶምዎ።
እዘን ዓሌት ጣንጡ ኣብ ዓመት ናብ ኣስታት 400 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ሕማም ከምዘመሓላልፋ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቶም ተመራመርቲ ነቲ ንጣንጡ ኣብ ምስማዕ ዝሕግዞም ቲኣርቪኤ ዝበሃል ዓይነት ፕሮቲን መሰረት ብምግባር’ዮም ነቶም ጣንጡ ከጽምምዎም ክኢሎም።
እዞም ተመራመርቲ ነቶም ዘጽመምዎም ተባዕትዮ ጣንጡ ካብቲ ጋብያ ኣውጺኦም ካልኦት ክሰምዑ ዝኽእሉ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ኣእተውዎም፡ ብተደጋጋሚ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም ንዅለን ከምዘፋረይወን ከረጋግጹ ክኢሎም።
እቲ ኣብ ጆርናል ፒኤንኤኤስ ዝተሓተመ ምርምራዊ ጽሑፍ ነዞም ሕማማት ካብ ዓለም ንምውጋድ ነቶም ተባዕትዮ ምጽማም ኣዝዩ ውጽኢታዊ ሜላ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ጀርመን ዩኒቨርስቲ ኦልደቡርግ ተመራማሪ ዝዀነ ዶክተር ጆርግ ኣልበርት ኣብ ምፍራይ ጣንጡ ብዙሕ ምርምራት ዘካየደ ምሁር’ዩ፡ ነቲ ኣብ ጆርናል ፒኤንኤኤስ ዝተሓተመ ምርምራዊ ጽሑፍ ምስ ኣንበበ ርእይቶኡ ክህብ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ንቀጻልነት ህይወት ጣንጡ ምስማዕ ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ብምግላጽ እንተኾነ እቲ መጽናዕቲ ዓሚቝ ምርምርን ምሕደራን ከምዘድልዩ ሓቢሩ።
ዶክተር ጆርግ ኣልበርት ጣንጡ ከም መግቢ ንቀጻልነት ህይወት ኣዕዋፍ፡ መንካዕ፡ እንቅርዖብን ካልኦት እንስሳታትን ወሳኒ ተራ ከምዘለዎም ብምግላጽ፡ ንጣንጡ ንምጥፋእ ብዝብል ሓሳብ ንኻልእ ህይወታዊ ብዙሕነት ብኣሉታ ከይጸልዎ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።