ስነጥበበኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ በሃር በረኸት መንግስትኣብ እንታይ ኢሎም?

በሃር ሃርሃሪ በረኸት መንግስትኣብ ኣብዚ ከየባተኸ ንልዕሊ 65 ዓመታት ኣብ ስነጥበብ ዝተጓዕዞ፡ ልዕሊ 300 ደርፍታት ኣፍርዩ። ሙዚቃዊ ስርሓቱ ዝተፈላለዩ ህርመታት፡ በበይኖም ቅኒታት፡ ዓሚቝን ሰፊሕን ትሕዝቶ ግጥምታት ወዘተ ዝሓዘ እዩ።

ስለዝዀነ፡ ኣብ ሰለስተ ወለዶታት ኣሰር ዝገደፈን ኲኖ ኤርትራ ዝሓልፍ ሰማዕቲ ዝረኸበን እዩ።

ዜና ዕረፍቱ ምስ ተሰምዐ፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውን፡ ሱዳናውያን. . . ብዝተፈላለየ መንገዲ 'ብሰላም ዕረፍ' ክብሉን ኣድናቖቶም ክገልጹን ይስምዑ ኣለዉ።

"ካብ በረኸት ዝቐድሕ እምበር፡ በረኸት ዝቐድሖ የሎን"

ካብ 1979 ኣብ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ሌላኦምን ዕርክነቶምን ከም ዝጅምር ዝገለጽ ገዲም ኤርትራዊ ስነጥበበኛ ዓንደ ብኢደ፡ "በረኸት ክብል ከለኹ፡ እግሪ ዘለዎ ታሪኽ ኤርትራ ማለት እዩ፤ ኣኽራናቱ፡ ጐበታቱ፡ እምባታቱ፡ ህዝቡ፡ ባህሉ፡ ብምልኡ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ንበረኸት ኢኻ ትውከስ፡" ይብል።

ብርግጽ በረኸት ቅርጺ ስነጥበብ ኤርትራ እዩ፤ ንቛንቋ፡ ባህሊ፡ ልምዲ፡ ጅኦግራፊ፡ ታሪኽ ወዘተ ብዝርዝር ደሪፍሉ እዩ።

"ይቀላዕ ይገንጸል፡ ታሪኽ ናይ ኤርትራ

ወደብ ናይ ኣዱሊስ፡ ቀደም ከመይ ነይራ

መጻኢ ትውልዲ፡ ይፍለጦ ምስጢራ

ምስ ደሴታት ዳህላክ ሃብታም ቀይሕ ባሕራ

ተዛረብ ሓወልቲ ናይ እምባ መጠራ። (. . .)"

በረኸት ኤርትራውያን ንሃገሮም ብዝተፈላለየ መንገዲ ክፈልጡዋ፡ ንዝጭበጥን ዘይጭበትን ውርሻታት ብስፍሓትን ብዕምቈትን ዘይምሉ እዩ።

"ንሕና መጽሓፍ፡ ንሕና ዛንታ

ንሕና ጆግራፍ፡ ንሕና ባይታ

ንሕና ባህሊ፡ ንሕና ያታ

ንሕና ድርዒ፡ ንሕና ዋልታ

ንሕና ነጕዲ፡ ንሕና ሰርቢ

ንሕና መዓር፡ ንሕና ንህቢ

ንሕና ሓፋሽ፡ ንሕና ህዝቢ

ተጋሂዱ ወዮ ሕልሚ

ናጽናትና /ልዑላውነትና/ መዛዘሚ። (. . .)

ኣብ ሕላይ ደርፍታት ትግርኛ ምስ ብዙሓት ስነጥበበኛታት ከም ዝሰርሐ ዝገልጽ ዓንደ፡ "በርኸት መበቈላውነት (originality) ኣለዎ፣ ምንም ቀዲሑ ዝደርፎ የብሉን። ካብ በረኸት ዝቐድሕ እምበሪ፡ በረኸት ዝቐድሓሉ ደራፋይ የለን፡" ይብል።

ብዙሓት ከም ዝምስክሩዎ፡ በረኸት ብሕልፊ ንጓይላ ትግርኛ ኣብ ሰረቱ ተመርኲሱ ብዓቢይ ከም ዘማዕበሎ እዩ። ኣብ ፍቘዶ ውራያት ብዝተፈላለዩ ደርፍቲ ዝጽወቱ ሓያሎ ደርፍታት በሃር ድምጻዊ በረኸት ዝደረሶም እዮም። ልዕሊ 300 ደርፍታት ዘፍረዮም ንሓድሕዶም ክትሰምዖም ከለኻ ክሳዕ ክንደይ መበቈላዊ ምዃኑ ንምርድኡ ኣየጸግምን።

"በረኸት ማለት ቅዲ እዩ። ምሉእ ወኑ፡ ሃሙን ቀልቡን እዩ ንሙዚቃ ዝህቦ። ንሙዚቃ ዝህቦ ክብርን ተወፋይነትን ክትገልጾ ይብርትዓካ እዩ።"

ስነጥበበኛ ዓንደ ብኢደ ቀጺሉ፡ "ንኣብነት፡ መጀመርታ ናብ ጅዳ ምስ መጽአ፡ ገዛ ተኻሪና፡ ቀዳማይ ዝደለዮ ኣቝሑ ገዛ ኣይነበረን፣ ኤለክትሪክ መሳርሒ ሙዚቃ እዩ፡" ክብል ይዝክር።

በረኸት ኣብ ትውፊት ዓሚቝ መጽናዕቲ ከም ዘካይድ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ባዕሉ ገሊጹዎ እዩ። ኣብ ትግርኛ ካብ ዘለዉ ህርመታት ኵዳ (ዝተፈላለዩ ቅኒታት)፡ ኣስታሊለ፡ ደበላ፡ ኣውርስ፡ ሁራን ካልኦትን ብዙሓት ተጠቒምሎም እዩ።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ቀደም ዘበን ኣብ ሕብረተሰብ ትግርኛ ዝጽወቱ ዝነበሩ በርቢሩ ብምምጻእ ኣብ ስርሓቱ ኣዘውቲሩን ተማጒቱን። ንኣብነት፡ ህርመት እስክስታ ኣብ ሕብረተሰብ ትግርኛ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ይጽወት ከም ዝነበረ ብኣብነት ኣሰንዩ ኣቕሪቡ።

"ዜማኡ ዘመን ተሻጋሪ እዩ"

ሶፍያ ኣጽብሃ ሓንቲ ካብ ነባራትን ፍትዋትን ድምጻውያን ትግራይ እያ። ሞት በረኸት ምስ ሰምዐት ኣዝያ ከም ዝሰንበደትን ክትኣምን ከም ዘይከኣለትን እያ ንሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ግርማይ ገብሩ ገሊጻ፣ "ናይ እማን ድዩ ኢለ ኣዝየ ሓዚነ - ዘድንቖ ሞያተኛ ስለ ዝዀነ በረኸት መንግስትኣብ።"

"ትግርኛ ዝሰምዕ ሰብ፡ ከድንቖ ግዴታ እዩ። ብዙሕ ደርፊ ዝሰርሐ - ግጥሙ፡ ዜማኡ ዘመን ተሻጋሪ እዩ፡" ብምባል፡ "ብሞያኡ ንበረኸት ምግላጽ ከቢድ እዩ። ዘይሙ፡ ጽሒፉስ ዘይደኸሞ፣ ንእዝንኻ ዝስሕብ ስራሕቲ ዝሰርሐ ዓቢዪ ሞያተኛ እዩ፡" ኢላ።

"ኣዝየ ዝፈትዋ ደርፊ፡" ብምባል ነታ 'ብስምኩም ደሪስና፡ ቃኒና፡ ደሪፍና'፡" እትብል ደርፉ ጠቒሳ፡ "ዋ! እቲ ሓሳቡ ኣዝዩ እዩ ዝገርመኒ፣ ነባርን ህያውን፡" ክትብል ብኣድናቖት ትገልጽ።

"ብስምኩም ደሪስና፡ ቃኒና፡ ደሪፍና

ቀዳሞት ሃገራት፡ ባዕላቶም ምሁራት

ብጥበብ ምሳሌ፡ ልኣኽቲ ምስጢራት

ኣብ ቅድሚ ሰለይቲ፡ ዘይፈርሑ ደፋራት

ሰራሕቲ ናይ ታሪኽ፡ ወናማት በሃራት

ብስምኩም ሃርሂሮም፡ ኦርጋናት ክራራት። (. . .)

እዛ ደርፊ ነቶም ንሕብረሰብን ሃገርን ዝተቓለሱ ስነጥበበኛታት ዝደረፋ እያ። ነተን ኣብ 1950-60ታት ዝነበራ ጕጅለታት ማምሃል (ማሕበር ምምዕባል ሃገራዊ ልምዲ)፡ ማተደ (ማሕበር ተዋስኦ ደቀባት)፡ ማትኣ (ማሕበር ትያትር ኣስመራ) ብምጥቃስ፡ ንኣርካናት ስነጥበበኛታት ከም ኣቦ ዜማ ሃገር ኣተወብርሃን ሰጊድ፡ ኮምድያን ኣለማዮ ካሕሳይ፡ ድምጻውያን ኢብራሂም ማሕሙድን ዓሊ ስዒድን ይዝርዝር።

"ትበርህ፡ ኣምለሰት፡ ጸሃይቱ / ክዝከር ይነብር ወናም እንተ ሞይቱ፡" ብምባል ከኣ ነተን ፍቱዋት በሃራት ደቀንስትዮ ድምጻውያን ይገልጸን።

ብ'ጉማየ ለለ ጉማየ'፡ 'ቈሪሩኒ'፡ 'መተዓቢተይ'፡ 'ዓጋመ'ን ካልኦት ዝብላ ደርፍታታ እትፍለጥ ሶፍያ ኣጽብሃ፡ ነዛ ደርፊ ብፍሉይ ቃና-ኣድናቖት እያ ገሊጻታ።

በረኸትን ኪሮስ ኣለማዮን

በሃር ትግራዋይ ድምጻዊ ኪሮስ ኣለማዮ (1948–1994) ኣብ ባህሊ፡ ታሪኽ፡ ትውፊት፡ መንነትን ቋንቋን ምስ በረኸት ኣብ ተመሳሳሊ ዝንባለ ዝዓየየ እዩ። ኪሮስ ኣብ ባህልን ቋንቋን ትግርኛ ዘይበርስ ቅርሲ ካብ ዝሓደጉ ኣርካናት እዩ።

"ስገመይ፡ ስገመይ ለምለም ሸዊት

ንስኺ እንተ'ለኺ ጥሕሎይ ኣይትሙት

ኣነ እሃርፈኪ ካብ ብቘልዓይ

ወዲ-ሰብ ይብለኪ ንዓይ ንዓይ

ድልኽ ኣቃሚመን ወሓለታት

ጨና ጸብሐን ይፍውስ ሕሙማት

ጸብሒ ቋንጣ'ውን ኣበይ ኣሎ

ናፊቐዮ ሎምስ ኣበይ ኣሎ? (ስዋ ጽራይ ካብ እትብል ደርፊ ኪሮስ ኣለማዮ)

ብዛዕባ በረኸት መንግስትኣብን ኪሮስ ኣለማዮን ድምጻዊ ካሕሰይ በርሀ ኣብ 1993 ዘጓነፈ ፍጻመ ኣብ ተለቪዥን ትግራይ ኣዘንትዩ ነይሩ።

በረኸት ካብ ስደት ናብ ዓዱ ድሕሪ ምእታዉ ብዙሕ ከይጸንሐ ኣዱሊስ ባንድ ኣሰንየሞ ናብታ ከም ደራፋይ ዘድመቐቶ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከዱ።

እቲ ምርኢት ኣብ ሆቴል ገነት እዩ ነይሩ፣ ክሳዕ 2፡30 ናይ ለይቲ ምስ'ቶም ተዓዘብቲ ኪሮስ ምንባሩ ኣይፈለጡን። ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ናብ ድሕሪ መድረኽ መጺኡ ረኸቦም፤ "ሰላም ተበሃሂልና፡ ምስ በረኸት ተሓቛቚፎም ተሰዓዒሞም፡" ይዝክር።

ቀጺሉ ኪሮስ፡ ከመስግን ኢሉ ማይክሮፎን ሒዙ፡ "ኣነ ክራር ክጅምር እንከለኹ፡ ብናይ በረኸት መንግስትኣብ ደርፊ እየ ክራር ጀሚረ - ተመሃራይ ከለኹ። እታ ዝተላመድኩላ ደርፊ ከኣ ኣብቲ ትግራይና ተረሲዓትሉ ዝነበረት ግዜ ሓደ ሰብ ዘኪሩና - ንሱ ከኣ በረኸት እዩ፡" ክብል ከም ዝገለጸ ካሕሳይ የዘንቱ።

"ኣውዓሎ እንደርታ፡ መረብ ዓቢ ሩባ

ኣኽሱም ሽረ ዓድዋ፡ ዓጋመ መደባ

ትግራይ ከመይ ኣለኺ ዓዲ ባዜን ሳባ (. . .)" ዝብል ትሕዝቶ ዝርከባ እያ ዝነበረት እታ ደርፊ በረኸት ዝደረሳ።

ቀጺሉ ኪሮስ፡ "ክራር በዛ ደርፊ'ዚኣ መሊኸያ። እዛ ደርፊ፡ በረኸት ከይደርፋ ተሰኪፈ እየ ኣምስየ። ሕጂ ከኣ መምህር እንተ ኣፍቂዱለይሲ ባዕለይ ክደርፋ፡" ኢሉ ሓተተ፣ ደረፋ'ውን።

በሃር ድምጻዊ ኪሮስ ኣለማዮ ኣብ ገዛኡ ዓዲሙ ኣተኣናጊዱዎም ከይኣክል፡ ንዝቕጽል ምርኢቶም ኵሉ መሳርሒታት ብናጻ ሂቡዎም።

ብድሕሪኡ ኪሮስ ሒደት ኣዋርሕ ጥራሕ ጸኒሑ ቅርስታት ደርፍታቱ ሓዲጉ ሓለፈ።

ብዓልቲ ቤት ኪሮስ ኣለማዮ ወ/ሮ ኣበበች ታደሰ ኣብ ዩቱብ ቻነል ሙዛ ቲቪ ኣብ ዘካየደቶ ቃለመሕትት፡ ምስ በረኸት ጥቡቕ ቅርበት ከም ዝነበሮም ጠቒሳ፡ ኪሮስ ምስ ዓረፈ በረኸት ሰንቢዱ ኣብ ሳልስቱ ካብ ዱባይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሓዘን ክበጽሕ ከም ዝመጸ ገሊጻ።

"ካልኣይ ግዜ ድማ ክድብሰና መጺኡ ነይሩ፡" ብምባል ትዝክር።

በረኸት፡ "ተመንየያ ነይረ ተመንየያ፡ ትግራይ ዓባይ ብዓይነይ እኳ ርእየያ፡" እትብል ደርፊ'ውን ዘይሙ እዩ።

"ናይ ቍልዕነት ዝኽረይ"

ዳይረክተር ሰርከስ ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ክሳዕ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዝመርሐ ድምጻዊ ተስፋይ ገብረዮሃንስ (ሊፋይ)፡ ንበረኸት ኣብታ ዝዓበየላ ኣስመራ ካብ ቍልዕነቱ ብኣካል ከም ዝፈልጦ ድሕሪ ምጥቃስ፡ "በረኸት መሰረት ናይ [ሙዚቃ] ትግርኛ እዩ፣ ኣነ መጀመርታ ዝፈልጥ ንዓኡ እየ፡" ኢሉ።

"እዚ ሕጂ ኵላትና እንጥቀመሉ፡ ብዙሕ ሰብ ዝደርፎ ደርፍታት [ጓይላ] ናይ በረኸት መሰረት ዘለዎ እዩ። ናይ ቀደም ኰይኑ ጥራሕ ዘይኰነስ ክሳዕ ሎሚ ዘይወድቕ እዩ ደርፍታቱ።"

"ጓል ሃገረሰብ፡" ብእትብል ደርፉ ዝፍለጥ ተስፋይ፡ በረኸት፡ "ደርፍታቱ ምስጢር እዩ። ብሕልፊ ኣብ ናይ ሃገሩ ናጽነት ኤርትራ ዝሰርሖ ስራሕቲ - ከም ብዓል መለይ፣ ዝነበሮ ትምኒት። ድምጹ'ውን ፍሉይ እዩ። ናይ ጓይላ ኣያ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ፡" ብምባል ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስሙይ ዝዀነ በረኸት ብምሕላፉ ሓዘን ከም ዝተሰምዖ ገሊጹ።

ፍሉጥ ተዋስኣይ፡ ኮሜድያን ናይ ሜድያ ሰብን ታማኝ በየነ'ውን ኣብ ናይ ፈይስቡክ መዝገቡ፡ "ናይ ቍልዕነት ዝኽረይ ዓቢይ ድምጻዊ በረኸት መንግስትኣብ ኣምላኽ ንነብስኻ ብሰላም የዕርፋ፡" ክብል ብኣምሓርኛ ድሕሪ ምጽሓፍ፡ "መንግስተ ሰማያት የዋርስካ ክቡር ስነጥበበኛ ኣቦና በረኸት መንግስትኣብ፡" ዝብል ብትግርኛ ቀጺሉ።

ዕዉት ባላገሩ ኣይዶል 2015 ድምጻዊ ዳዊት ጽገ ባንዴራ ኤርትራ ኣሰንዩ ብእንግሊዝኛ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ "ብሰላም ዕረፍ በረኸት መንግስትኣብ። ልባዊ ምጽንናዕ ንስድራቤትን ኵላትኩም ብሕልፈት እዚ ዓቢይ በሃር ዝሓዘንኩምን፡" ኢሉ።

ንዜና ዕረፍቲ በሃር ሃርሃሪ በረኸት መንግስት ስዒቡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝኽርን ቃላት ምስጋናን ነቲ ቅርሲ ባህሊ ትግርኛ ይጽምብልዎ ኣለዉ። ከምቲ ዝበሃል "ኣርካን (legend) ሙዚቃ ዝፈጥር ጥራሕ ኣይኰነን፣ ዝኽርታት፡ ህሞታትን ስምዒታትን ዝፈጥር እዩ።"

ገጣማይ ግርማይ ኣስፋሃ (ዓንቂ) "ዶክተር ትውፊት" ብምባል ንበሃር ድምጻዊ በረኸት ወየ ወይ ኣውሎ ዝበለሉ ገይርና ጽሑፋና ክንዓጹ፤

ኣርማ ሃገር ነቒልካዶ ኣርማ

ቅሻረት ባህሊ፡ ነቒልካዶ ኣርማ

ትእምርተ-ጥበብ፡ ነቒልካዶ ኣርማ

ኣርካን ገድሊ፡ ነቕልካዶ ኣርማ

ኣንታ ቡቕሊ ሃዘጋ፡ ውሉድ ናይ ፈለማ

ወዲ ሚናበ-ዘርኣይ፡ ውሉድ ናይ ፈለማ!

ወዲ መንግስተኣብ፡ ነቒልካዶ ኣርማ

ኣንታ ወዲ ባይሩ፡ ከመዓልካ ኣርማ

ወዲ ገደ፡ ከመዓልካ ኣርማ

ወዲ መንደር፡ ከመዓልካ ኣርማ

ኣንታ ውሉድ ኣበባ፡ ከመዓልካ ኣርማ

ውሉድ'ዛ ጓል ደባስ፡ ከመዓልካ ኣርማ

ከመዓልካ በረኸት፡ በረኸተይ ኣርማ

እንዳ ሑማኻ ዓዲ ሽማግለ፡ ዓዲ ሔማ-ኣስኬማ

ምስ ወይዘሮ ጽገ፡ ዝኣሰርካ ጋማ

ምስ ጓል ገብረሃንስ ዝኣሰርካ ጋማ!

ናብ ሃዘጋ ዝኣተወት፡ ወርቂ ተሰሊማ

ናብ እንዳ ገደ ዝኣተወት፡ ልቢ ተገዚማ

ናብ እንዳ መንደር ዝኣተወት፡ ክብረት ተገዚማ

ኪዳን ዝማህለቱ፡ ዘይፈቱ ድግማ።

ኣንታ ኣቦ ሮማን፡ ከመዓልካ ኣርማ

ኣቦ ዲና፡ ኣቦ ሚለና ከመዓልካ ኣርማ

ኣቦ ሳምሶን፡ ኣቦ ማርስ፡ ከመዓልካ ኣርማ

ኣቦ ክብረ-ወሰን፡ ኣቦ ሙሴ፡ ከመዓልካ ኣርማ

ኣቦ ኤደን፡ ኣቦ ኤርሚያስ፡ ከመዓልካ ኣርማ

እምነት ዝድባቡ፡ ዘይፈቱ ድግማ

ኪዳን ዝማህሌቱ፡ ዘይፈቱ ድግማ!

ግርማ ሃገር ነቂልካዶ ግርማ

ጽሩራ ባህሊ፡ ነቒልካዶ ግርማ

መዓርግ ጥበብ፡ ነቒልካዶ ግርማ!

ብበሊሑ ዝተፈጥረ ከም ላማ!

ዶክተር ትውፊት፡ ዶክተረ ዕላማ

ሓወልቲ ያታ፡ ሓወልቲ ዕላማ

ኣንታ ኣርካን ጥበብ፡ ኣርካነ ዕላማ

ኣንታ ኣርካን ገድሊ፡ ኣርካነ ዕላማ

ቅድሚ ሰቡ፡ ሰውራ ዝኾተማ

ንስኻ ሻዕብያ፡ ባዕልኻ'ውን ዓማ

ኣንታ ንጉስ ባህሊ፡ ኣርካነ ዕላማ

ዋነአን ገዲፍካየን፡ ካብ ዘኽተማ

ዕድመ ሰብ ተነውሐ፡ ነይክወን ከም ዱማ

"ጎይታይ ጎይታ" ትበለልካ ዜማ!

ንስኻ እንዲኻ ነይርካ፡ ናይ ጋህዳ ናይ ሕልማ

ጎይታይ ጎይታይ፡ ትበል'ዛ ሕደማ!

ንስኻ እንዲኻ፡ ሓይላ ምስ ቅልጽማ

ንብዓት ጥበብ ይዅን ከም ዲሜማ!

ሞንጕዳኣ'ምበር ኢኻ ነይርካ፡ ቀንዲ ዓቕማ

ንስኻ እንዲኻ ነይርካ፡ ልባ ይዅን ደማ

ዜማን ሕደማን፡ ርእሰን ይደርመማ!

ጸጕራ'ኳ ነጽያቶ፡ ባህሊ ተጓዕሚማ!

ሞራላ ምስ ገደፍካያ፡ ቀንዲ ቅስማ!

ማዕከን ያታ፡ ኣብዚሓ ቊዘማ

ሞዛይካ'ምበር ኢኻ ነይርካ ቅሔ-ጽልማ!

ቀውዒ ጥበብ፡ ከመዓልካ ጻማ

ደኺሙ ዘፍረየ፡ ከመዓልካ ጻማ

ጽዒቱ ዘፍረየ፡ ከመዓልካ ጻማ

ወዲ መንግስታኣብ፡ ከመዓልካ ጻማ

ከመዓልካ ማዕተብ፡ ከመዓልካ ፊርማ

ከመዓልካ እምነት፡ ከመዓልካ ፊርማ

ንጥበብ ፈሊሙ ዘይጠለማ

ኪዳን ባህሊ ኣትዩ ዘይጠለማ።

ንቕንየትን ክራርን ንስኻ ማሕተማ

ንደርፍን መድረኽን ቀዳማይ ማሕተማ

ንወንን ትልሂትን ቀዳማይ ማሕተማ

ዝፈረሰት ግጥሚ፡ ንስኻ ሓኪማ

ዝፈረሰት ዜማ፡ ንስኻ ሓኪማ

ዶክተር ትውፊት፡ ዶክተረ-ዕላማ

ጠበቓ ባህሎም፡ ንፉዓት ዛሌማ

ጓሶት ጥበብ፡ ንፉዓት ዛሌማ

ኣውሪስካ ኢኻ'ሞ፡ ንበዓል ሶንሶሎማ

ይሕዘና'ምበር፡ ኣፈን ኣይጥመማ!

ወዲ መንግስተኣብ፡ በረኸተይ ኣርማ

ወዲ መንግስታኣብ፡ ሸንገብ ሶንሶሎማ

እሞ'ታ መዓልቲ፡ እዝጊ ካብ ዛዘማ

እንታይከ ክትነብረሉ፡ ንዘመን ቅያማ

ኣየናይ ዘመን ኰይኑ'ዩ፡ ዘመን ብዳማ-ኣብደምደማ

ነቲ ዝነብርዎ፡ ዝብልዎ ድራማ

ነቲ ዝነብርኦ...ዝብልኦ ድራማ

ቤት ዘለኣለምካ፡ ብሰላም ኣዒማ

ንቤተሰብ ጽንዓት ይሃቦም በልማማ

ንማሕበረሰብ ጥበብ፡ ጽንዓት ይሃቦም በልማማ

ግብኣትካ ያኢ ክትከውን፡ ሰንበት ተዓዲማ

በል እስከ ኣደይ ማርያም፡ ትምጻእካ ኣቐዲማ

ንነፍስኻ ከኣ፡ ኣምላኽ ኣብ ገነት የቚማ!