ስእነት ድቃስ፡ እንሆ ዘይትጽበይዎ ቀሊል መፍትሒ

ብተደጋጋሚ ምሉእ ለይቲ ክትገላበጡ ትሓድሩ’ዶ? ድቃስ ስለዝኣበየኩም ጥራይ ወጊሑ ካብ ዓራት ትትንስእሉ ሰዓት ዘጨንቐኩም እንተዀይኑ በይንኹም ኣይኰንኩምን።

ብሓይሊ ክድቅሱ ምስ ዝፍትኑ ዝያዳ ድቃስ ዝርሕቈም ሰባት ሒደት ኣይኰኑን። ግን እንታይ'ዩ እቲ ጸገም?

ገለ ሰባት ከም ምንባብ ዝኣመሰሉ ምድቃስ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ጻዕሪታት ምግባር ይመኽሩ። እዚ ግን ዝያዳ ንቑሓት ክገብረና ተኽእሎ ከምዘሎ ገለ ክኢላታት ይገልጹ።

ኣብ ክንድኡ ንዘይምድቃስ ምፍታን ቀሊል መፍትሒ ክኸውን ከምዝኽእል ድማ የመልክቱ።

ዘንበብኩምዎ ኣይትጠራጠሩ። ድቃስ ክኣብየና እንከሎ ንዘይ ምድቃስ ምፍታን ብሓቂ መፍትሒ ክኸውን ከምዝኽእል መን ይግምቶ?

እዚ ጸረ-ኣእምሮኣዊ ሜላ ስግንጢራዊ ውጥን ወይ ድማ ‘ፓራዶክሲካል ኢንተንሽንስ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ ብሳይንስ ዝድገፍን ዝተፈተነን ኣገባብ'ዩ።

“ስግንጢራዊ ውጥን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኣገባብ ሕክምና ኰይኑ፡ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳታት እውን ንዓሰርተታት ዓመታትን ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ እዩ” ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ኣብ ክፍሊ ክሊኒካዊ ኒውሮሳይንስ ናፊልድ ፕሮፌሰር ሕክምና ድቃስ ኮሊን ኤስፒ።

"ብሓቂ ንምዝራብ፡ ናይ መጀመርታ መጽናዕተይ ኣብ 1980ታት ‘ፓራዶክሲካል ኢንተንሽን ቴራፒ’ ተጠቒመ እየ ኣካይደ።"

ስግንጢራዊ ውጥን እንታይ እዩ?

ስግንጢራዊ ውጥን ኣብ ብዙሓት ፎብያን ጭንቀትን ክሕግዝ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ድማ እቲ መሰረታዊ ቅድመ-ኵነት፡ ኮነ ኢልካ ኣንጻር እቲ እትደልዮ ውጽኢት ንምርካብ ምጽዓር እዩ።

ንኣብነት፡ ሓደ ተሓካሚ ብዛዕባ ውድቀት ዘይርትዓዊ ፍርሒ እንተሃልይዎ፡ እቲ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ኣብ ክንዲ ምውጋድ እቲ ፍርሒ ምስኡ ክገጥም እንተገይርዎ ክሕግዞ ይኽእል።

እዚ ማለት እቲ ተሓካሚ ክሳዕ እቲ ፍርሑን ጭንቀቱን ዝገድፎ፡ ንውድቀት ከስዕቡ ዝኽእሉ ኵነታት ክቃላዕ ምግባር የጠቓልል።

"ኣብ ድቃስ ክመጽእ እንከሎ፡ እቲ መሰረታዊ መምርሒ፡ ንዓራት ድሉው ከምዝዀንኩም ኣብ ዝስምዓኩም፡ ድቃስ ኣብ ዝመጽኣኩም ወይ ድማ ለይቲ ተበራቢርኩም ድቃስ ምስ ዝኣብየኩም፡ ንቑሓት ንምዃን ምጽዓር ማለት'ዩ" ይብል ኤስፒ።

“ሓሳብኩም ናብ ንቑሕ ንምዃን ዝግበር ጻዕሪ ክትመልስዎ ይግባእ።”

እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ መጀመርታ ዘይስነ-መጐታዊ ዝመስል'ኳ እንተዀነ፡ መሰረታዊ መትከሉ ግን ንምድቃስ ኣመና ምጽዓር ድቃስ ከጥፍእ ይኽእል’ዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝምርኰስ'ዩ።

"ድቃስ ብቐንዱ ብዘይፍቓድ ዝፍጸም መስርሕ እዩ፤ ስለዚ ድማ፡ ነቲ መስርሕ ድቃስ ክትቈጻጸርዎ ክትፍትኑ እንከለኹም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጣልቃ ትኣትዉ ኣለኹም ማለት" ይብል ኤስፒ። “በዚ ድማ ብመሰረቱ ድቃስ ክትረኽቡ ኣይትኽእሉን።”

ከመይ ገይርና ‘ስግንጢራዊ ውጥን’ ብቕልጡፍ ንምድቃስ ንጥቀመሉ?

ኣተገባብራ ስግንጢራዊ ውጥን ዘደናግር ኣገባብ ኣይኰነን። ነዚ ኣገባብ ቅድሚ ምፍታንኩም ግን ኣብ ግምት ከተእትውዎም ዝግብኡ ሒደት ነገራት ኣለዉ።

1. ድቃስ ምስ መጸ'ምበር ቅድሚኡ ናብ ዓራት ኣይትኺዱ

እዚ ፈጺሙ ርኡይ ክመስል ይኽእል’ዩ። ይዅን’ምበር ድኻም እንተዘይተሰሚዑኩም ድቃስ ኣይወስደኩምን።

ስግንጢራዊ ውጥን ድማ ንቑሓት ኴንኩም ንምጽናሕ ምዕላም ማለት’ዩ፤ እዚ ድማ ኣብ ቀትሪ ክትፍትንዎ እንተሓሲብኩም፡ ብዙሕ በዳሂ ኣይክኸውንን’ዩ።

“ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ክድቅሱ ኣዝዮም ስለ ዝደልዩ፡ ገና ብኣጋኡ ናብ ዓራቶም ይኸዱ፤ እንተዀነ ብንግሆኡ ዝለዓሉ ሰባት እንተዘይኰይኖም ክድቅሱ ኣይክእሉን’ዮም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣዝዩ ብኣጋኡ ይድቅሱ” ይብል ኤስፒ።

2. ከምቲ ንቡር ንድቃስ ተዳለዉ

ዋላ’ኳ ስሙ ሳይንሳዊ እንተመሰለ፡ ስግንጢራዊ ውጥን ብዙሕ ዘደናግር ነገር ኣይኰነን።

ንነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ክተሓላለኹ ስለዘይብሎም፡ ልዑል ቴክኖሎጂ ዘለዎም ሰዓታት ወይ ናይ ድቃስ ኣስተንትኖ መተግበሪታት ኣየድልዩን።

በቃ ናብ ዓራትኩም ደይብኩም፡ መብራህቲ ምጥፋእን ምድቃስን ጥራይ ከምዘድሊ ኢስፒ ይምዕድ።

3. ኣዒንትኹም ኣይትዓምቱ

ኤስፒ ከምዝብሎ፡ ስግንጢራዊ ውጥን ንምትግባር ሓያሎ መንገድታት ኣለዉ፤ እቲ ዝቐለለ ኣገባብ ግን እዚ ዝስዕብ እዩ።

“ኣዒንትኹም ከይዓመትኩም ደቅሱ እሞ ድሕሪኡ ‘ኣይድቅስን፡ ኣይድቅስን፡ ኣይድቅስን’ ኢልኩም ሕሰቡ።

“ድሕሪኡ፡ ‘ቅሩብ ንዝተወሰነ ግዜ ንቝሕ ኰይነ ክጸንሕ’የ’ ወይ ‘ንተወሳኺ 10 ካልኢት ኣዒንተይ ኣይዕምትን’ እናበልኩም ንነብስኹም ኣተባብዑ። ኣዒንትኹም ክዕመታ ክብላ እንከለዋ ከይተረፈ ኣይፋልን በሉ” ክብል ይገልጽ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣዒንትኹም ከይተዓመታ ክጸንሓ ምግባር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸበደ ይኸይድ’ሞ፡ ኣብ ክንዲ ንምድቃስ ትቃለሱ፡ ሃንደበት ኣዒንትኹም ከይዕመታ ትቃለሱ ኣለኹም ማለት’ዩ።

ድቃስ ዝመጸኩም ኰይኑ ምስ ዝስምዓኩም፡ ከይተነቓነቑ ወይ ከይትቃለስዎ ወይ እውን ብዙሕ ከይትኣምኑሉ ፈትኑ። ብቑሊሉ ንኽመጽእ ፍቓዱ።

ኣዒንትኹም ቅሩብ ንብዓት ክቛጽራ እንተጀሚረን፡ ኣብ ትሕቲ መተርኣስኩም መንዲል ነገር ክተቐምጡ ወሲኹ ይመክር።

4. ቃል ብቓሉ ኣይትውሰድዎ

ሰባት ስግንጢራዊ ውጥን ኣብ ምትግባር ዝገብርዎ ቀንዲ ጌጋ ቃል ብቓሉ ስለዝወሰድዎ እዩ።

“ኣካላትኩም ብምቕንጣው ንዘይ ምድቃስ ምፍታን ማለት ኣይኰነን፤ ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ንቝሕ ብምዃን ድቃስ ምምካት ኣይኰነን።

“ዝያዳ ብምፍታን፡ ንነብስኹም ከይትድቅስ ክትገብርዋ ትኽእሉ ኢኹም፤ ምኽንያቱ ከምኡ ንቝሕ ኴንኩም ንምጽናሕ ዝያዳ ክትሓስቡ ኢኹም። እቲ ሓቀኛ ዕላማ ድቃስ ስርሑ ክሰርሕ ምፍቃድ እዩ” ይብል ኤስፒ።

5. ብዕላማኹም ጽንዑ

ልምዲ ድቃስ ብሓደ ለይቲ ዝቕየር ኣይኰነን፤ ዝተወሰነ ግዜ ክወስድ እዩ።

"ካብዞም ሕክምናታት እዚኣቶም ዝበለጸ ረብሓ ንምርካብ ንእተወሰነ እዋን ምክትታል የድልዩ እዩ" ይብል ኤስፒ።

“ሓደ ካብቲ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍታሕ ዝተኣሳሰር ብድሆታት፡ ሰባት ንእዋኑ እምበር ንነዊሕ እዋን ዘይሰርሕ ኰይኑ እንተረኺቦምዎ ኣዝዮም ተስፋ ክቘርጹን ክሓዝኑን ይኽእሉ።

"መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ንናይ ገዛእ ርእሶም ጸገም ድቃስ ኣቃሊሎም ስለዝረኣይዎን፡ ንዅሉ ነገር ካብ መጠን ንላዕሊ ናይ ምሕሳብ ልምዲ ስለዝነበሮምን እዩ።"

ኣብ መወዳእታ እቲ ጸገም እንተቐጺሉ፡ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ሰብ ሞያ ሓገዝ ምሕታት ኣገዳሲ ይኸውን።

"እዚ ጉዳይ ቅዲ ኣነባብራ ጥራይ ኣይኰነን፤ ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ሓገዝ የድልዮም እዩ" ይብል ኤስፒ።