እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ከቢድ ዓለማዊ ኵነኔ ዘስዓበላ ጉዳይ እንታይ እዩ?
ስዑዲ ዓረብ ብሞት ናይ ዝቐጽዓቶም ሰባት ቍጽሪ ንኻልኣይ ተኸታታሊ ዓመት ክብረወሰን ሓሊፋ።
ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ሪፕሪቭ ዝተባህለ ኣብ ስዑድያ ንዝፍጸም ቅትለታት ዝከታተልን ንሞት ካብ ዝተፈርዱ ሓበሬታ ዝረክብን ትካል ከም ዝሕብሮ፡ ኣብዚ ዓመት ብውሕዱ 347 ሰባት ተቐቲሎም ከምዘለዉ፣ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2024 ዝነበረ 345 ዝዛይድ ምዃኑ ይገልጽ።
እዚ፡ "ምክትታል ካብ ዝጅምር እታ ዝኸፍአ ናይ ቅትለት ዓመት" ምዃና ገሊጹ።
እቶም ዳሕረዎት ናይ ሞትፍርዲ ዝተበየነሎም እሱራት፡ ክልተ ፓኪስታናውያን ኰይኖም፡ ምስ ዕጸፋርስ ብዝተኣሳሰር ገበናት ዝተኸሰሱ እዮም።
ካልኦት ኣብዚ ዓመት ንሞት ዝተፈርዱ፡ሓደ ጋዜጠኛን ክልተ ድማ ብተቓውሞ ብዝተኣሳሰር ዝተፈርዱ ኰይኖም፡ ኣብ ዝተታሕዙሉ እዋን ቈልዑ ዝነበሩ መንእሰያት እዮም፤ ሓሙሽተ ኸኣ ደቀንስትዮ እየን።
ብመሰረት ሪፕሪቭ፡ መብዛሕትኦም - ኣስታት ክልተ ሲሶ - ምስ ዕጸፋርስ ብዝተኣሳሰሩ ገበናት ዝተፈርዱ እዮም።
እዚ ድማ "ምስ ኣህጉራዊ ሕግን ስርዓትን ዘይቃዶ" ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ንሞት ዝተፈርዱ፡ እታ ሃገር ብዝኣወጀቶ "ኲናት ኣንጻር ዕጸ-ፋርስ" ዝተታሕዙ ወጻእተኛታት እዮም።
ብዛዕባ'ዚ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ፍርዲ ሞት ኣመልኪቱ፡ ቢቢሲ ንሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዝሓተተ ኰይኑ፡ ዛጊት ዝዀነ ምላሽ ኣይረኸበን።
"ስዑዲ ዓረብ ሕጂ ብዘይምሉእ ተሓታትነት ትዓዪ ኣላ፡" ክትብል ሓላፊት ሪፕሪቭ ንማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ጂድ ባስዩኒ ብምጥቃስ፡ "እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ምልጋጽ እዩ" ክትብል ትገልጽ።
ንሳ፡ ኣብ ገበናዊ ስርዓት ስዑዲ ዓረብ፡ "ምስርጣይን ግዱድ ኑዛዜን" ከም "ለብዒ" ገሊጻቶ።
ወይዘሮ ባስዩኒ፡ "ኣረሜናውን ኢደዋኒናዊን ጭፍጨፋ" ንጹሃት ሰባትን ዕላማ ዝገብረ ምዃኑ እውን ትሕብር።
ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ግብጻዊ መንእሰይ ገፋፍ ዓሳ ኢሳም ኣል ሻዝሊ ተቐቲሉ።
ንሱ ኣብ 2021 ኣብ ማያዊ ግዝኣት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወን፣ ኣብ ምስግጋር ዕጸፋርስ ብግዲ ከምዝተሳተፈ ገሊጹ።
ሪፕራይቭ፡ ካብቶም ንሞት ዝተፈርዱ እቶም 96 ምስ ሓሺሽ ብዝተኣሳሰር ምዃኑ ይዛረብ።
"ዳርጋ ንመን ከም ዝቐትሉ ዘገድሶም ኣይመስልን፣ ኣብ ዝዀነ ዜሮ ተጻዋርነት ከም ዘለዎም ንሕብረተሰብ ዝሓበሩሉ ጉዳይ - ተቓውሞ ይዅን፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፡ ሓሽሽ - ዝኣመሰሉ፡" ትብል ወይዘሮ ባስዩኒ።
ስሞም ከይገለጹ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣዝማድ እቶም ብኽሲ ሓሽሽ ብሞት ዝተፈርዱ ደቂ ተባዕትዮ፡ ብዛዕባዚ ሕጂ ዝነብርዎ ዘለዉ ናብራ "ራዕዲ" ዝመለኦ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ሓደ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ሰሙን ዝድቅሰለን መዓልታት ዓርብን ቀዳምን ጥራይ እየን፤ ምኽንያቱ ኣብተን መዓልታት ቅትለት ስለዘየለ" ኢሉ።
ንዓመታት ናይ ቤት ማእሰርቲ ህይወት ዝሕለፉ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣዝዩ ኣሰቃቂ ሂወት ከምዝሎ እሱራት ናብ ናይ ሞት ፍርዶም እናተጎተቱ ክውሰዱን ክጭድሩን፡ ብዓይኖም ይርእዩ ምንባሮም ይሕብር።
ኣብ 2017 ስልጣን ዝሓዘ - ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ኣብ ዝሕለፉ ሒደት ዓመታት ነታ ሃገር ኣብ ብዙሕ መዳያት ቀይሩዋ እዩ።
ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ገደባት ከፍኵስ እንከሎ፡ ማዕረ ማዕረኡ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝቐርብ ነቕፌታት ጨፍሊቝ እዩ።
ካብ ነዳዲ ወጻኢ ቁጠባኣ ንምብዛሕ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ስዑዲ ዓረብ ንወጻእተኛታት ዝሓሸ ማዕጾኣ ኣርሕያ፣ ኣብ ጐደናታት ዝዋፈሩ ዝነበሩ ሃይማኖታዊ ፖሊስ ከም ዝእለዩ ገይሩ፣ ደቂ ኣንስትዮ መኪና ክዝውራ ፈቒዱ።
ይዅን እምበር ብመሰረት እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመደበሩ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቕ ጉጅለ ጉዳይ መሰላት "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ" ኰይኑ፡ እቲ ክብረወሰን ዝሰብረ ቍጽሪ መቕጻዕቲ ሞት ኣዝዩ ዝተሓሳስብ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ጕጅለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቻይናን ኢራንን ዝበዝሕ መቕጻዕቲ ሞት ዝተራእየለን ሃገራት ምዃነን ሓቢሩ።
ብመሰረት ሪፕሪቭ፡ ስድራቤት ናይቶም ዝተቐትሉ መብዛሕትኡ ግዜ ኣቐዲሞም ኣይሕበሩን፣ ሬሳ ኣይወሃቦምን ኣበይ ከምዝተቐብሩ እውን ኣይንገሮምን እዩ።
ኣገባብ ኣቀታትላ ብሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዘይግለጽ'ኳ እንተዀነ መብዛሕትኡ ግዜ ግን፡ ርእሲ ብምቝራጽ ወይ ብጥይት ምዃኑ ይእመን።
ፍሉይ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ቅትለት ዶክተር ሞሪስ ቲድቦል-ቢንዝ ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዝፍጸም ቅትለት ህጹጽ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ብተወሳኺ "ኣህጉራዊ መከላኸሊታት (ንወጻእተኛታት ዜጋታት ውጽኢታዊ ሕጋዊ ሓገዝን ቆንስላዊ ምብጻሕን) ምሉእ ብምሉእ ክኽበር፡ ስድራቤታት ብቕልጡፍ ክሕበሩ፡ ሬሳታት ብዘይ ወዓል ሕደር ክምለሱን ናጻ ምጽራይ ዘኽእል ኵለመዳያዊ ሕግታት ኣፈጻጽማኦምን ክሕተምን" ጸቕጢ ክግበረሉ ጸዊዑ።
ካብቶም ኣብዚ ዓመት ዝተቐትሉ ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ፡ ዓብደላ ኣልደራዚን ጀላል ኣል ላባድን ዝተባህሉ [ኣብ እዋን ማእሰርቶም ትሕቲ ዕድመ] ዝነበሩ ዝርከብዎም እዮም።
ኣብ 2011ን 2012ን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት እስላም ሺዓ ብዝገበሮ ኣተሓሕዛ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም፣ ኣብ ቀብሪ ናይቶም ብሓይልታት ጸጥታ ዝተቐትሉ ሰባት ተሳቲፎም ነይሮም።
ምስ ግብረ-ሽበራ ዝተኣሳሰር ክሲ ገበነኛታት ኰይኖም፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ስቓይ ዝመልኦ "ኑዛዜ" ዝተመርኮሰ ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ንሞት ተፈሪዶም።
ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ እዋኑ ክፍትሑ ጸዊዖም ነይሮም።
ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ሰነ 2018 ተኣሲሩ ብግብረ-ሽበራን ክሕደትን ተኸሲሱ ብሞት ዝተፈርደ ጋዜጠኛ ቱርኪ ኣል-ጃሰር ብምቕታሉ ኰኒንዎ።
ዋና ዳይረክተር ዩኔስኮ ኦድሪ ኣዞላይ፡ "ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝወሃብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓርነት ሓሳብካ ምግላጽን ፕረስን ዘስካሕክሕ መቕጻዕቲ ከምዝኾነ ገሊጹ ።
ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ መሓመድ ቢን ሳልማን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተቐትለ ናይ መጀመርታ ጋዜጠኛ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ካልእ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣብ 2018 ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ኣካላት መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ከምዝተቐንጸለ ይጠቅስ።
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ 'ቶም ብጉዳይ ሓሽሽ ተኸሲሶም ንሞት ዝተፈርዱ፡ 32 ግብጻውያንን ሓደ ዜጋ ዮርዳኖስን ብኽሲ ሓሽሽ ንሞት ዝተፈርዱ ኣመልኪቶም ንሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ደብዳበ ብምልኣኽ፡ "ሕጋዊ ርእሰ ምክልኻል" ክገብሩ ከምዘይከኣሉ ገሊጾም ነይሩ፤ መብዛሕትኦም እዞም ክሱታት ግን ተቐቲሎም እዮም።
ቢቢሲ ነዚ ኣብ ዝምልከት ርእይቶ ንምርካብ ናብ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ሓቲቱ ምላሽ ኣይረኸበን።
ይዅን እምበር ኣብ ጥሪ 2025 ብፍሉያት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ንዝለዓሉ ስክፍታታት ምላሽ ንምሃብ - ስዑዲ ዓረብ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ግን "ሕግታታ ሰብእዊ መሰላት" "ከም ዘኽብር" ከምኡ'ውን ስቓይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ከም ዝኽልክልን የመልክት።
"እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ነቶም ኣዝዮም ከበድቲ ገበናትን ኣብ ኣዝዩ ውሱን ኵነታትን ጥራይ እዩ ዝወሃብ" ይብል እቲ ደብዳበ።
"ኣብ ኩሉ ደረጃታት ኣብያተ ፍርዲ ዝካየድ ፍርዳዊ መስርሕ ክሳብ ዝዛዘም እቲ መቕጻዕቲ ኣይመሓላለፍን ወይ ኣይፍጸምን" ድማ ዝብል።