ባይቶ ጀርመን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክካየድ ኣድሚጹ፡ ተቓውሞ መንእሰያትከ ደው የብሎዶ?

ባይቶ ጀርመን፡ ዓቕሚ ምክልኻል እታ ሃገር ንምዕባይ ወለንታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምትእትታው ድምጺ ሂቡ። እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ምሉእ ወራር ዝደረኾ እዩ።

ጀርመን ኣብ ወተሃደራዊ ኣጠማምታኣ ለውጢ ከም ዝገበረት ዘርኢ ኰይኑ፡ ቻንስለር ፍሪድሪክ መርዝ ኣብ ኤውሮጳ ዝሓየለ ሰራዊት ንኽህሉዎም ድፍኢት ይፈጥር ኣሎ።

ኵሎም ደቂ 18 ዓመት ጀርመናውያን፡ ካብ ጥሪ 2026 ኣትሒዞም ናብ ሓይልታት እታ ሃገር ክጽንበሩ ድላይ እንተ'ለዎም ዝመልኡዎ ሰነድ ክስደደሎም እዩ። ደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ከኣ ነቲ ሕቶ ክምልሱ ክግደዱ እዮም።

ኣብ መላእ ጀርመን ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለዉ ተምሃሮ፡ ነዚ ስጕምቲ'ዚ ንምቅዋም ኣብ 90 ከተማታት ንዓርቢ ኣብ ዝካየድ ኣድማ ክሳተፉ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብዝሓ መንእሰያት ጀርመን ነዚ ሓድሽ ሕጊ ይቃወሙዎ፣ ወይ ድማ ብዓይኒ ጥርጣረ ይምልከቱዎ ኣለዉ።

ኣዳለውቲ ናይቲ ተቓውሞ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ "ፍርቂ ዓመት ካብ ህይወትና፡ ኣብ ድፋዓት ተዓጺና፡ ክንዕለም፣ ከምኡ'ውን ምእዙዝነትን ምቕታልን ክንመሃር ኣይንደልን ኢና፡" ክብሉ ጽሒፎም።

"ኲናት ንመጻኢ ዝህቦ ተስፋ የሎን፣ ህይወትና እዩ ዘዕኑ፡" ኢሎም።

ኣብ ሃምቡርግ ጥራሕ ኣስታት 1,500 ሰባት ኣብቲ ተቓውሞ ክጽንበሩ ትጽቢት ይግበር። ርእሰ-መምህራን ኣብያ ትምህርቲ ድማ፡ ወለዲ ኣብቲ ዕለት ንደቆም ንትምህርቲ ካብ ምስዳድ ከይቍጠቡ ኣጠንቖቖም ኣለዉ።

ኣባላት ባይቶ ጀርመን፡ ነቲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምድጋፍ 323 ኣንጻር 272 ድምጺ ሂቦም። በዚ ድማ ጀርመን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዳግማይ ዝጀመረት ዳሕረወይቲ ኤውሮጳዊት ሃገር ኰይና ኣላ።

ፈረንሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ደቂ 18ን 19ን ዜጋታታ፡ ን10 ኣዋርሕ ዝኸይድ ወለንታዊ ወተሃደራዊ ስልጠና ከተተኣታቱ ምዃና ገሊጻ ነይራ።

መንግስቲ፡ እቲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንነዊሕ እዋን ብወለንታ ክካየድ ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ፡ ካብ ሓምለ 2027 ጀሚሩ ግን ኵሎም ደቂ 18 ዓመት ደቂ-ተባዕትዮ ንወተሃደራዊ ተዓሊም ብቝዓት እንተዀይኖም ሕክምናዊ መርመራ ክገብሩ ከገድድ እዩ።

ምኒስተር ምክልኻል ቦሪስ ፒስቶርየስ ሕክምናዊ መርመራታት ኣድላዪ ምዃኑ፣ መጥቃዕቲ እንተ ኣጋጢሙ፡ ጀርመን "መን እዩ ንወላዲት ሃገሩ ብብቕዓት ክከላኸል ዝኽእልን ዘይክእልን፡" ንምፍላጥ ግዜ ካብ ምጥፋእ ከም ዝሕግዛ ገሊጹ።

ዕጡቕ ሓይሊ ጀርመን፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣስታት 182,000 ኣባላት ኣለዉዎ። ምኒስተር ፒስቶርያስ ድማ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ነዚ ቍጽሪ ብ20,000 ክውስኾ ይደሊ።

እቲ ናይ ርሑቕ ዕላማ፡ ሓደስቲ ሸቶታት ኔቶ ንምውቃዕን ምክልኻል ጀርመን ንምሕያልን ኰይኑ፡ ኣብ 2030ታት እዚ ቍጽሪ ናብ 260,000 ክብ ንምባል እዩ።

እዚ ሕጂ ተወጢኑ ዘሎ ብወለንታ ዝካየድ እኳ እንተዀነ፡ ኵነታት ጸጥታ እንተ ብኢሱ ወይ ድማ እቶም ፍቓደኛታት እንተ ውሒዶም፡ ብግዴታ ዝካየደሉ መንገዲ ክሕሰብ ይኽእል እዩ።

ኲናት እንተ ተላዒሉ፡ ካብቶም ሕክምናዊ መርመራታት ዘካየዱ ብምውሳድ ናብ ተዓሊም ከእትዉ ይኽእል እዮም።

ጀርመን፡ ኣብ 1990ታት - ከም ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ - ዝነበረ ዕጡቕ ሓያላ ኣጕዲላቶ። ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ሰራዊት ከም ዝነበራ ይፍለጥ።

ኣብ ጀርመን ዝነበረ ግዴታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ቻንስለር ነበር ኣንጀላ መርከል ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረትሉ ብ2011 ተቛሪጹ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ግና፡ ካብ ሩስያ ተደቂኑዎም ብዘሎ ስግኣታትን መሓዝኣ ዝዀነት ኣመሪካ ብእትገብሮ ዘላ ጸቕጥን፡ ፍሪድሪክ መርዝ ንምዱብ ሰራዊቱ ዳግማይ ክሃንጾን ዝሓየለ ሰራዊት ኤውሮጳ ክገብሮን ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገራት ኔቶ ኣብ ምክልኻል ዝገብርኦ ወጻኢታት ክውስኻ ጸቕጢ ክገብረለን ጸኒሑ እዩ።

መንእሰያት ብፍቓዶም ናብቲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክጽንበሩ ልዑል ምትብባዕ ይግበረሎም ኣሎ፣ ኣብ ወርሒ ኣስታት 2,600 ዩሮ መሃያ ክወሃቦም ቃል ተኣትይሎም ይርከብ። ፈረንሳ ብውሕዱ 800 ዩሮ ንወርሒ ክትከፍሎም እያ።

እዚ እማመ፡ ቀንዲ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ሶሻል ደሞክራስያውያንን ብመርዝ ዝምራሕ ዓቃባዊ ሰልፍን ዝተገብረ ናይ ጥምረት ስምምዕ ኰይኑ፡ እቲ ገዛኢ ሰልፊ 12 ድምጺ ጸብለልታ ጥራሕ እዩ ዘለዎ።

ይዅን'ምበር፡ ኣባላት ዓቃባዊ ሰልፊ ዝዀኑ መንእሰያት ኣንጻር እቲ እማመ ክለዓሉ ምዃኖም ኣብ ዘፈራርሕሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ ናይ ባይቶ ድምጺ ክሓልፍ ድዩ ኣይሓልፍን ጥርጣረታት ፈጢሩ ኣሎ። እቲ እማመ ብገንዘብ ቀጻልነት ከም ዘይብሉን እቲ ጾር ኣብ እንግድዓ መንእሰያት ክግደፍ ምዃኑን ይዛረቡ።