ዘካርያስ ገብረመድህን፡ 'ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ሰሜን'

ዘካርያስ ገብረመድህን

ምንጪ ስእሊ, Zekarias

ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ካብቲ ወጣጥን ደፋእን ናብራ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ወጻኢ ዝተዓቝቡ ብዙሓት'ዮም። ስደት መናብርቲ ኤርትራውያን ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ ኣሎ፤ ካብ ግዜ ሃይለስላሰ ጀሚሩ፡ ብግዝያት ደርግን ሰውራን ቀጺሉ ክሳዕ ሕጂ ዘሎ ተርእዮ'ዩ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብዝሒ ስደተኛታት ክንኪ ትጽቢት እናተገብረሉ ብምውሳኹ፡ ንብዙሓት ዘዛርብ ዛዕባ ኰይኑ'ዩ ተሪፉ። ተራ ዜጋታት ጥራይ ዘይኰኑ፡ ተጋደልቲ-ነበር ከይተረፉ ዝስደድሉ ዘመን ኣርኪቡ።

ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ መንገዲ ዘጓንፎም ሓሳርን ጸበባን ሓሓሊፉ ይቃላሕ'ዩ። ገሊኦም ኣብ መጠረስታ ጕዕዞኦም ኣብ መዓርፎኦም ብምብጻሕ ይዕወቱ፣ ገሊኦም ከኣ ብምሒር ከርተት ብኡ'ቢሎም ደሃዮም ዝጠፍኡ'ውን ኣለዉ።

ዘካርያስ ገብረመድህን ግንቦት ዝተባህለ ዜጋ ሓደ ካብቶም ዝተዓወቱ ስደተኛታት ኰይኑ፡ እንሆ ዛንታኡ ብመጽሓፍ መልክዕ ንኣንበብቲ ኣቕሪቡዎ ኣሎ።

ዘካርያስ ንትረኻኡ ብእርኑብን ኣብ ሓቂ ተመርኲሱን፡ ትኽ ብዝበለ ቀዳማይ ኣካል ተውላጠ-ስም ዝቐረበ (ኣነ እናበለ ዝንገር ዛንታ) ስለ ዝዀነ፡ ንምንባቡ ቀሊል፡ ፈትሊ ንባብ ምስ ሓዝካ ከኣ ከተንብሮ ዘይገብረካ ታሪኽ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ዘካርያስ ኣብዚ ኣቕሪቡዎ ዘሎ መሳጢ ታሪኽ'ዚ፡ ብዛዕባ ህይወቱ - ኣብ ወስበንስረዅ እትበሃል ኣብ ምድረ-ቢለን እትርከብ ገጠር ብኸመይ ከም ዝዓበየን፡ እቲ ኣተዓባብያ'ቲ ከኣ ብድኽነት ይጸሎ'ምበር ክሳብ ክንደይ ምዉቕ ከም ዝነበረ፡ ብተወሳኺ ናብራ ቀደም ከም ዕንቅፋት ዘይኰነስ፡ ብኣንጻሩ'ኳ ደኣ፡ ንመጻኢ ህይወቱን መንነቱን ገጥ ኣቢሉ ንኽሕዝ ከም ዘኽኣሎን ንቕድሚት ንኽውንጨፍ ከም ዝሓገዞን ይምስክር።

እቲ ዛንታ፡ ብተወሳኺ፡ ዘካርያስ ካብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ህልው ኵነታት ኤርትራ ከመይ ኢሉ ከም ዘምለጠን ነቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዘጋጠምዎ ሽግራት ከም ዝሰዓረን ብምዝንታው፡ እቲ ዝነበሮ ድሌት ትምህርቲ ካብቲ ዓዘቕቲ'ቲ ከመይ ኢሉ ፈንጢሱ ክወጽእ ከም ዝሓገዞን ምንባብ መስተንክር'ዩ።

ኰይኑ ድማ እቶም ገና ኣብ ሽግር ዘለዉን ኣብ መንገዲ ከርተት ዝብሉ ዘለዉን ኤርትራውያን ኣብነት ብምዃን ሓደ ትምህርቲ-ሓዘል ዛንታ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ሓጺር መግለጺ፡ 'ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ሰሜን'

ዘካርያስን መጽሓፉን

ምንጪ ስእሊ, DM

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዛ ርእሰ-ታሪኽ'ዚኣ ብኣስተንትኖን ብጥንቃቐን ዝተጻሕፈትን ከምኡ'ውን ካብ ዓሚቝ ፍልጠት ዝፈልፈለ ጸብጻባትን ሒዛ ብግሩም ኣተኣሳስራ ሓሳባትን ኣወዳድቓ ጽሕፈትን ተሰንያ ብኣዝዩ ምዕቡል ዝዀነ ኣገባብ ስለ ዝተጻሕፈት፡ ነቲ እንግሊዘኛ ዘይመልኽ ኣንባቢ ንኽመሃረሉ ደራሲ ክሓሰበሉ ይግባእ ኢልና ኣቐዲምና ብሓውሲ ለበዋ ገምጋምና ንጅምር።

እዛ ማዕረ ክልተ-ሚእቲ ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ፡ ዕስራን-ሓደን ምዕራፋት ሒዛ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራን ግዳምን ዘሎ ኵነታት ብግቡእ እትገልጾ መጽሓፍ'ያ።

ብሕልፊ ድማ ኣነቓቓሒትን ተስፋ እትህብን መጽሓፍ'ያ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ፡ እቲ ጥጡሕ ናብራ ዝተሓረሞ ዜጋ ጨኪኑ ፈጽ ኢሉ ካብ ሃገሩ ክላቐቕን ኣብ ጕዕዞኡ ከኣ እንታይ ከም ዘጓነፎ ከይፈለጠን ክብገስን ቀሊል ውሳኔ ስለ ዘይኰነ፡ ደራሲ በቶም ዝሰገሮም ግድላትን ዘሕለፎም ሽግራትን ተዓቢጡ ንኸይተርፍ ህርድግ ኢሉ ዓወት ክጓናጸፍ ምኽኣሉ ምንባብ ንኣንባቢ ፍሉይ ስምዒት'ዩ ዝመልሰሉ። ከምኡ ኰይኑ ድማ ልክዕ ከምቲ ፎኒቅጽ (phoenix) ካብ ሓሙኽሸቲ በሎዅ ኢሉ ዝወጽአ፡ ዘካርያስ ድማ ንዅሉ ስዒሩ ክወጽእ ንሕልና ጠሰስታ ዝመልስ ተርእዮ'ዩ ኢልካ ክግለጽ ይከኣል።

ዘካርያን ብዛዕባ ኣተዓባብይኡ ክገልጽ ከሎ፡ ብባህልን መንነትን ታሪኽን ቢለን ተጸልዩ ክዓቢ፡ ምስ ኣባሓጎኡ ዝነበሮ ፍቕሪ፡ ኣዲኡ ብዝነበረን ናይ ጥዕና ጸገማት፡ ኣብ ኣብኡ ዝነበሮ ሓልዮት፡ ምስቲ ዝዓበየሉ ቍሸት ዝነበሮ ምትእስሳር፡ ኣብ ገዳም (ስታውያን) ዝቐሰሞ ትምህርቲ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዘጓነፎ ክብ-ለጠቕ፡ ብግዜ ውግእ ባድመ ዘሕለፎ ኣሉታዊ ጽልዋታት፡ ኣብ ታሽዓይ ዙር ሳዋ ዝረኣዮም ነገራት ወዘተ. ምንባብ ብሓቂ ልቢ ዝነክእን ኣብ ሓሳብ ዝሽምምን'ዩ።

ንሃገራዊ ኣገልግሎት ብቐረባ ስለ ዝረኣዮን ዝተመኰሮን ኣንባቢ ባዕሉ ነቲ ሓተታ ኣንቢቡ ትዕዝብትኡ ክህበሉ ዝሓሸ ኣማራጺ ኰይኑ ንረኽቦ - ዘሕስብን ዘተሓሳስብን ስለ ዝዀነ።

ዘካርያስ ምስ ወለዱ

ምንጪ ስእሊ, Zekarias

እቲ ብግዳም ዝስማዕ ዛንታ ሳዋ፡ ምስቲ ዘካርያስ ኣብ መጽሓፉ ዘስፈሮም ገጻት እናገናጸልካ ምንባቡ ዓቢይ ፍልልይ ኣለዎ ክበሃል ይከኣል።

ኤርትራ ብሳዋ ተጸሚዳ ከም ዘላ'ውን ቀስ ኢሉ ንኣንባቢ ክርድኦ ይኽእል። ዘካርያስ ንዛንትኡ ብምረት፡ ጣዕሳን ኣንጸርጽሮትን ዓቕሊ-ጽበትን ኣይኰነን ጽሒፉዎ፣ እንታይ ደኣ ነቲ ሓቂ ረቢቡ ብምቕራብ ፍርድን ትዕዝብትን ንኣንባቢ ገዲፉዎ ክበሃል ይከኣል። ንኣብነት፡ ህላወ ሳዋ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ሓያልን ዓንቃፍን ምዃኑ ንዘይፈልጦ ሰብ ጽውጽዋይ፡ ነቲ ስርሐይ ኢሉ ዘንበቦ ሰብ ግን ርእሱ ከም ዝንቕንቕ ይገብር።

ዘካርያስ ሓደ ካብ'ቶም ንደቡብ ኣፍሪቃ ብማህደረ-ትምህርቲ ዝተላእኩ ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ኰይኑ፡ ዝሓሸ ዕድል ዝረኸበ ሰብ ነበረ። ይዅን'ምበር፡ ነቲ ኣብቲ መደብ'ቲ ዝነበረ መንግስታዊ ሽርሕታት፡ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ዝተነብሩ ጸቕጥታት፡ ዘሕለፍዎ ናብራ ክገልጾ ምንባብ ናይ ሕልና ሻቕሎት ዝፈጥር ንባብ'ዩ። ኣብ ኣገላልጽኡ ሰብኣዊ ርእሰ-ማል ሓንቲ ሃገር ከመይ ቢሉ ከም ዝፍጠርን ዝባኸንን ኣመት ኣንቢርሉ ኣሎ።

እቲ ናይ 'ደርበን ኣኼባ' እናበለ ዘቕረቦ ሓተታ - ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክበጽሕ ምስ ከደ ኣብ ደርበን ዝበሃል ከተማ ምስ ኤርትራውያን ተመሃሮ ዘካየዶ ኣኼባ ምዃኑ'ዩ - ምንባብ፡ መንግስቲ ዝነበሮ ሓዲግ ኣተሓሳስባ ብኸፊል ጽቡቕ ገይሩ'ዩ ዝገልጾ። እዚ'ውን ኣንባቢ ባዕሉ ኣንቢቡ ከስተውዕለሉ ዘለዎ ነጥቢ'ዩ።

ብዓል ተስፋ ዘካርያስ ትምህርቱ ምስ ወድአ፡ ኵነታት ኤርትራ ይልወጥ ይኸውን ካብ ዝብል ተስፋ ንኤርትራ ተመልሰ፣ ምምላሱ ግን ጸኒሑ ኣጠዓሶ። ምኽንያቱ፡ ትጽቢታት ብመስኮት እናዘለሉ ክወድቁ ስለ ዝረኣየ፣ ጸብጻብ ደራሲ ከም ዝሕብሮ ኣብ ኤርትራ ዓቕሊ-ጽበት ዝፈጥር ኵነታት ብምፍጣሩ ንጽቡቕ ዝሓስብ ሰብ'ውን ከይተረፈ ብጐሮርኡ ከም ዝተሓዝ ገይሩ ገሊጹዎ ኣሎ።

ጸኒሑ ዘካርያስ ከመይ ኢሉ ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ከም ዝበጽሐን ካብ ኤርትራ ንኸምልጥ ከም ዝወሰነን ንኣንባቢ ዝግደፍ ታሪኽ'ዩ። እቲ ታሪኽ'ቲ ምንባብ ኵነታት ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ዓጺቕ ምዃኑን መንግስቲ ከኣ ንዜጋታት ከመይ ኣቢሉ ከም ዝሃድሙ ዝድርኽን የነጽሮ ማለት'ዩ።

ፍርቂ'ቲ መጽሓፍ ዘካርያስ ካብ ኤርትራ ምስ ወጽአ ኣብ ጕዕዞኡ ብዘጓነፎ መከራ'ዩ መሊኡዎ። ሓደ ሰብሲ ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል መከራ ክስከምሲ ንምንታይ ዘብል እዩ። ጭከና፡ ስስዐን ስርቅን ኣሰጋገርቲ፡ ምስ ጥምየትን ፍርሕን ዘሎ ጥምጥም፡ ማዕረ-ማዕረ ድነ-ሞት ምጕዓዝ ከመይ ከም ዝመስል ገሊጹዎ'ዩ፣ እቲ ኢ-ሰብኣዊ ህሞት'ቲ ጽውጽዋይ'ምበር ሓቂ ኣይመስልን።

ነቲ ነዊሕን ንምንባቡ ሻቕሎት ዝመልስን ትረኻ ንኸነሕጽሮ፡ ዘካርያስ ድሕሪ ብዙሕ ሓሳረ-መከራ ጕዕዞኡ ካብ ሱዳን ንደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘቕንዐ፡ ኣብኡ ብኽንደይ ጻዕሪ ንሰበይቱን ደቁን ከምጽእ ከም ዝኸኣለ፡ ወዲ-ሰብ መሸም ተስፋ ምስ ዘይቈርጽ ዘይስገር ሽግር ከም ዘየሎ ዘርኢ እዩ።

ምስቲ ኵሉ ህይወት ዘጋልጾ ጋዕ-ገልጠም፡ ምስቲ ኵሉ ወጻኢ ዝሓትት ቢሮክራሲ፡ ምስቲ ኵሉ ቅሳነት ዝኸልእ ናብራ ዘካርያስ ንትምህርቱ ከነው ቢሉ ብምሓዙ ጩራ ተስፋ ክርኢ ከኣለ፣ ዕድል ገይሩ ከኣ ኣብ ዝባን ሽግር ተወጢሑ ኣብ ምውዳእን ዓወት ምጕንጻፍን በጽሐ። ሕልሙ ተጋህደሉ።

ድሕሪ'ቲ ኵሉ ጸበባ፡ ዘካርያስ ንሃገረ ኖርወይ ስራሕ ረኺቡ ምስ ሰበይቱን ደቁን ክግዕዝ መደቡ ተሰኻዓሉ።

ሕጂ ከም ሞለኪዩላውን ዋህዮኣውን ስነህይወት መሃንዲስ ወይ ተመራማሪ ወይ ክኢላ ኰይኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ (ሳይንስን ተክኖሎጅን) ይሰርሕ ኣሎ።

ብ2024 ኣብ ላቲና (ኢጣልያ) ዝተላዕለ፡ ዘካርያስ ምስ ለተ (ኣብ ማእከል)፡ ምስኦም ከኣ ካብ ጸጋም - ኣባ ፍስሃየ፡ ኣባ ብርሃነ፡ ኣባ ኣሮን (ካብ ገዳም ስታውያን)

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ብ2024 ኣብ ላቲና (ኢጣልያ) ዝተላዕለ፡ ዘካርያስ ምስ ለተ (ኣብ ማእከል)፡ ምስኦም ከኣ ካብ ጸጋም - ኣባ ፍስሃየ፡ ኣባ ብርሃነ፡ ኣባ ኣሮን (ካብ ገዳም ስታውያን)

ንዶ/ር ዘካርያስ ገብረመድህን፡ "ንምንታይ ታሪኽ ህይወትካ ጽሒፍካ?" ኢልና ምስ ሓተትናዮ፡ "ታሪኸይ ንኻልኦት ንምንጋር ወይ ንምጽሓፍ ዝድርኸኒ ድርኺት ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ኰይኑ፡ እቲ ቀንዲ ግን ንዓይ ከም ፈውሲ ስለ ዝሓገዘኒ'ዩ፡" ክብል መሊሱልና።

"ኣነን ናተይ ወለዶን ኣብ ኤርትራ ጽቡቕ ኣይረኸብናን፣ እዚ ብውሽጠይ የሕርቐንን የሕምመንን ነይሩ። እቲ ኵሉ ሽግርን መስዋእትን ንምንታይ ድዩ ነይሩ? ሓንቲ ብልጽግትን ብሰላም እንነብረላን ኤርትራዶ ኣይኰነን ነይሩ? ንሕናን ወለድናን ክንድዚ ዝኣክል መስዋእቲ ዝኸፈልናላ ሃገርዶ ኣይኰነትን?" ክብል የስተንትን።

ዶ/ር ዘካርያስ ከም መሰልቱ መንእሰያት ኤርትራ ንዅሉ ተጻዊሩ ንዝሓሸ ምሕደራን ብልጽግናን ክብል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝጠለቦ ብዘይገደብ ከም ዝተሳተፈ ይገለጽ። ይዅን'ምበር ከምቲ ዝሓሰቦ ኰይኑ ኣይረኸቦን።

"ወለዶና ዋጋ ከፊሉ እኮ'ዩ። ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ (ኣብ ዳሕረዋይ መድረኻቱ) ተሳቲፍና፡ ኣብ ኲናት ባድመ ምሉእ ብምሉእ ተሳቲፍና። ንሕና ግን ዝሓሸ ኵነታትን ኣሳታፊ ምሕደራን ኣብ ዝጠለብናሉ እዋን ደለይቲ ምቾት ተባሂልና ኢና።

ታሪኽ ወለዶይ ብግቡእ ኣይተነግረን። ስለዚ፡ ምጽሓፉ ፋይዳ ይርከቦ ይኸውን ካብ ዝብል እምነት'ዩ ዝብገስ። ዛንታይ ብባዕለ-ታሪኽ መልክዕ ክጽሕፎ ንናተይ ወለዶ ዝውክል ዛንታ'ዩ ኢለ እኣምን። ክስነድ ዝግብኦ ዛንታ'ዩ፡" ይብል ዘካርያስ።

ብዘካርያስ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ብዘካርያስ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ

እዚ ኣብ ከባቢ ሩባ ዓንሰባ ፍሩታታት ዘይቱን እና'ስተማቐረ ኣብ ገጠር ዝዓበየ ዘካርያስ፡ ኵሉ መንእሰይ ኵነታት ኣተዓባብይኡ ብዘይገድስ ክቓለስ ከም ዘለዎ ይላቦ።

"ኣነ ካብ ገጠር'የ መጺአ፣ ጽዒረ ግን ኣብ ዝብጻሕ በጺሐ። እቶም ከምዚ ናተይ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም መሳቶይ ብህወቶም ተስፋ ከይቀበጹ ህርድግ ክብሉ ብመጽሓፈይ መልእኽቲ ከመሓላልፈሎም እደሊ።

"ኣነ ኣብ ጽቡቕ ሓዳርን ብሩኻት ደቅን በጺሐ፣ እንሆ ሰለስቲኦም ደቀይ ኣሰረይ ተኸቲሎም ኣብ ክብ ዝበለ ዓውደ-ትምህርቲ ኣትዮም ድሮ ዓብዮምለይ። ካልኦት ከኣ ከምዚ ናተይ በረኸት ክዕደሉ ከም ዝኽእሉ ዝእምት ዘለኹ ኰይኑ ይስምዓኒ፡" ኢሉ ብርእሰ-ምትእምማን መለሰልና።

ንዶ/ር ዘካርያስ ምዕዶ ስድራኻ ዝተጠቐምካሉ ስለ ዝመስለና ትዝክሮ ምዕዶኦም እንተ ኣሎካዶ መካፈልካና? ኢልና ተወኪስናዮ።

"እወ፡'ዓቅልሲ ድርጝድግ፡ ሳዳ ከበግ፡ ኒውክ ደኲሮ ግን፡ ደኰጋዂ እላ" ኢሉ ብቋንቋኡ (ቋንቋ ብሊና) ጠቐሰልና። ብትግርኛ ድማ፡"ኣይትጨነቕ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ፡ ኵሉ ሓላፋይ እዩ፣ ግዜኡ ወሲዱ ዘይሓልፍ ነገር የሎን፡" ማለት ምዃኑ ሓበረና።

ብዛዕባ መጻኢ መደባቱ ምስ ሓተትናዮ ድማ፡ "ኣነ እቲ ዝከኣል ጽዒረ ኣብዚ ደረጃ'ዚ ከኣ በጺሐ። አመስግኖ! ሕጂ ሃዲአ ነቲ ዝተዋህበኒ ጸጋ እናኣስተማቐርኩ፡ ንደቀይ ብጽቡቕ እናኣዕበኹ፡ ኣውራ ንብዓልቲ-ቤተይ ድማ - ብኣይ ብዙሕ ስለ ዝሃለኸት - እናተኸናኸንኩ፡ ንስድራይ እናሓገዝኩ ግቡአይ ክፍጽም'ዩ መደበይ። ንዓይ ዝሃቡኒ ህያብ ብቐሊል ከቶ ኣይርእዮን፡" ኢሉ መለሰልና።