ትዊተር ኣብ ልዕሊ ኢሎን መስክ ክሲ መስሪቱ

ትዊተር፡ ቢልየነር ኢሎን መስክ ነቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ንክዕድጐ ዘገድድ ክሲ መስሪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ መስክ፡ ኣብ ውዕሊ ዕድጊ ትዊተር ዝተጠቐሱ ብዙሓት ነገራት ስለ ዘይተኸበሩ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ንምግዛእ ኣትይዎ ካብ ዝነበረ ስምምዕ ንገዛእ ርእሱ ከም ዘንሳሕበ ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ፡ ትዊተር ቑጽሪ ስኑዓት ገጻት ትዊተር ዝምልከት ሓበሬታ ኣይሃበንን ይብል።

ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ፡ ቦርድ ትዊተር ነቲ ማሕበራዊ ሚድያ ንኤሎን መስክ ብ44 ቢልዮን ዶላር ንምሻጥ ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ሕጂ ትዊተር፡ መስክ ነቲ ቅድም ኢሉ ንሓደ ብርኪ ትዊተር ብ54.20 ዶላር ንምዕዳግ ዝኣተዎ ውዕሊ ከፈጽም ቤት ፍርዲ ክእዝዞ ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ትዊተር ኣብ ቤት ፍረዲ ዘቕረቦ ክሲ ድማ፡ “ . . . መስክ፡ ሓሳብ ድሕሪ ምቕራብን ውዕሊ ድሕሪ ምፍጻምን፡ ካብቲ ካልእ ኣካል ብዝተፈለየ ከም ዝደለዮ ሓሳቡ ክቕይር፣ ነቲ ኩባኒያ ከናሹ፣ ስራሕቱ ከሰናኽልን ዋጋ ብርኪ ኣዕንዩ ክወጽእን እየ ኢሉ ይኣምን” ይብል።

ብተወሳኺ፡ ትዊተር መስክ ብርክት ዝበሉ ጥሕሰታት እቲ ስምምዕ ፈጺሙ’ዩ ብምባል ይኸሶ።

ኣቦ መንበር ትዊተር በርት ቴይለር፡ እቲ ኩባኒያ “ኢሎን መስክ ንዝኣተዎም ግቡኣት ውዕሊ ተሓታቲ ክኸውን” ከም ዝደሊ ብትዊተር ሓቢሩ።

መስክ ብወገኑ፡ “እኒአኻ ግርምቢጥ [ሰሓቕ]” ብምባል ትማሊ ኣብ ትዊተር መልሲ ሂቡሉ።

ትዊተር፡ መስክ እቲ ስምምዕ “ንውልቃዊ ድልየታቱ” ስለ ዘየገልገሎ ካብቲ ስምምዕ ኣድሐርሒሩ ክብል ይኸስስ።

ኢሎን መስክ፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኩባኒያ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ቴስላ እዩ።

ትዊተር፡ መስክ ምስቲ ኩባኒያ ውዕል ምስ ፈጸመ፡ ኣብ ቴስላ ዝነበረ ብርክታት ከም ዝጐደለ ብምግላጽ፡ “መስክ ኣብ ቴስላ ዘለዎ ብጽሒት ብልዕሊ 100 ቢሊዮን ዶላር ነክዩ። ስለዚ መስክ ክወጽእ ደልዩ። ኣብ ትዊተር ዝነበሮ ብጽሒት ድማ ናብ ካልእ ከዝሮ ደልዩ” ይብል።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ዋጋ ብጽሒት ትዊተር ብሸሞንተ ሚኢታዊት ጐዲሉ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ መስክ ኣብ ትዊተር ዘለው ስኑዓትን ‘ስፓም’ ገጻት ዝምልከት መረዳእታ ክሳብ ዝረክብ እቲ ውዕል ዕድጊ “ንግዝኡ ጠጠው” ከም ዝበለ ምስ ገለጸ ዋጋ ሓደ ብርኪ ብልዕሊ 50 ዶላር ወሲኹ።

እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ እዋን ምፍልላይ ዝኽፈል ሓደ ቢሊዮን ዶላር ዘካተተ እዩ።

ስፓም ዝኾኑ ገጻት ትዊተር ሓደ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ብዘይ ናይቲ ተቐባሊ ፍቓድን ኣፍልጦን ንብዙሓት ሰባት ዝልእኹ ክኾኑ እንከለዉ ስኑዓት ገጻት ድማ ልክዕ ብዘይኮነ መንነት ዝኽፈቱ ገጻት እዮም።

ትዊተር መዓልታዊ ከምኡታት ዝመሰሉ ሓደ ሚልዮን ገጻት ክኣሊ’የ ኢሉ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።

መስክ ንትዊተር ድሕሪ ምዕዳጉ፡ እቲ ትካል ንዝልጠፉ ጽሑፋት ዝቆጻጸረሉ መገዲ ከላሕልሖ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።

ኤሎን መስክ ምስ ትዊተር ውዕሊ ኣብ ዝኣሰረሉ ግዜ “ናጻ ሓሳብ መሰረት ዴሞክራሲ’ዩ፣ ትዊተር ድማ ኣብ መጻኢ ህይወት ደቂ ሰባት ኣገደስቲ ዝኾኑ ዛዕባታት ክትዓት ዝግበረሉ ድጅታላዊ ኣደባባይ’ዩ” ኢሉ።