34 ዓመት ዝሓለፎ መጥቃዕቲ ቦምባ ሎከርቢን ብድሕረኡ ዘሎ ዛዕባን እንታይ ንፈልጥ?

ቅድሚ 34 ዓመት፡ ብ21 ታሕሳስ 1988 ኣብ ሎከርቢ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅድሚ 34 ዓመት፡ ብ21 ታሕሳስ 1988 ኣብ ሎከርቢ ኣብ ቦይንግ 747 ዝተሰምየት ንእሽቶ ነፋሪት ብዝተጻወደ ቦምባ 270 ሰባት ሞይቶም። እቲ ኣብ “ፓን ኣም ፍላይት ቍጸሪ 103” ቦምባ ብምጽዋድ ሰባት ብምህላቕ ዝተኸሰሰ ሊብያዊ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤትማሰርቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ ከም ዝርከብ ሰብ መዚ ስኮትላንድ ይገልጹ።

ኣሜሪካ ኣብቲ ብ21 ታሕሳስ 1988 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ዝለዓለ ኢድ ነይርዎ ብምባል ንዝጠርጠረቶ ኣቡ ኣጊላ መስዑድ ቅድሚ ክልተ ዓመት እያ ክሲ መስሪታትሉ።

ኣብታ ካብ ለንደን ተበጊሳ ናብ ኒውዮርክ እትጓዓዝ ዝነበረት 259 ገያሾን ሰራሕተኛታትን ዝጸዓነት ቦይንግ 747 ኣውሮፕላን፡ ብዝተባርዐ ቦምባ ብምሉኦም ተሳፈርታ ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 11 ሰባት ድማ ኣብ ሎከርቢ ስብርባር እታ ዝተባርዐት ነፋሪት ኣብ ኣባይቶም ምስ ወደቐ ሞይቶም። እቲ ፍጻመ ኣብ መሬት ብሪጣንያ ካብ ዘጋጠመ ግብረ-ሽበራውያን መጥቃዕቲ እቲ ዝኸፍአ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መስዑድ ኣብ ሊብያ ብዝርከብ ጕጅለ ሚሊሻ ተጨውዩ ኣብ ኣሜሪካ ንፍርዲ ክቐርብ ንሰበስልጣን ኣሜሪካ ከም ዝተዋህበ ዝገልጽ ወረታት ተናፊሱ ነይሩ።

ወሃብ ቃል ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ንማዕከናት መስዑድ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ንፈለማ እዋን ክቐርብ ምዃኑ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ ሊብያ ቦምብ ብምስርሑ ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐኑ ነይሩ።

ብ2001 ዓብደልባስጥ ኣል-ሙግራሒ፡ ንፓን ኣም 103 ነፋሪት ብምብርዑ ኣብ ኔዘርላንድ ብዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ ቤት ፍርዲ ስኮትላንድ ቀሪቡ ነይሩ።

በቲ መጥቃዕቲ ገበነኛ ተባሂሉ እተፈርደ ከኣ ንሱ ጥራይ እዩ ነይሩ።

ሙግራሒ ንሕልፈት ተኣሲሩ'ኳ እንተ ነበረ፡ ብ2009 መንሽሮ ከም ዘለዎ ምስ ተፈልጠ፡ መንግስቲ ስኮትላንድ ብርህራሀ ተደሪኹ ምስ ፈትሖ ኣብ 2012 ንሃገሩ ምስ ተመልሰ ኣብ ሊብያ ሞይቱ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ኒውስ ናይት እትዓዩ ዝነበረት ኪሪስተ ዎርክ ብ21 ታሕሳስ 1988 ምሸት ኣብ ሎከርቢ ከም ዝበጽሐት ትዝክር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ እዋን ኣብ ኒውስ ናይት እትዓዩ ዝነበረት ኪሪስተ ዎርክ ብ21 ታሕሳስ 1988 ምሸት ኣብ ሎከርቢ ከም ዝበጽሐት ትዝክር
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መስዑድ ኣብ ሊብያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብቲ ነፋሪት ንምብራዕ ምስ ሙግራሒ ዝተኣልመ ውዲት ከም እተሳተፈን ተኣሚኑ።

ጠበቓ ሙግራሒ ዓማር ኣንዋር፡ መስዑድ ኣብ ትሕቲ’ቲ "ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብሰፊሑ እተዀነነ" ጐይቶት ውግእ ዘመሓድርዎ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እተዋህበ ቃለ-እምነት ብቤት ፍርዲ ኣሜሪካን ስኮትላንድን ተቐባልነት የብሉን ክብል ብሰፊሑ ተቓዊሙ።

እቲ ወትሩ ንጹህ ምዃኑ ዝነግር ዝነበረ ሙግራሒ፡ ኣብቲ ናይ 27 ዓመት እተዋህቦ ፍርዲ ክልተ ሳዕ ይግባይ ኢሉ እዩ። እንተዀነ ኣብቲ ሓደ ኣይተዓወተን፡ ኣብቲ ካልኣይ ከኣ ኣይተፈቕደሉን።

ኣብቲ ቅድሚ 34 ዓመታት ኣብ ፓን ኣም 103 ዝወረደ መጥቃዕቲ ቦምባ ነንሓድሕዱ ዝጠላለፍ ዝተፈለላየ ትረኻን ለውጥን ተራእዩ እዩ።

ይትረፍ እቲ ቀዳማይ መስርሕ ፍርዲ እቲ ካልኣይ'ውን እንተዀነ ኔልሰን ማንዴላ ብዝገብሮ ሽምግልና እቶም ክልተ ጥርጡራት ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ስኮትላንድ ክሳብ ዝቐርቡ፡ እቲ ትረኻ ንሓድሕዱ ኣይመሳሰልን እዩ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ጥርጡራት ነታ ነፋሪት ኣዕንዩዋ ተባሂሉ'ኳ እንተ ተፈርደ፡ ዓብደልባስጥ ኣል-ሙግራሒ ምስ ካልኦት ብምትሕብባሩ እዩ ዝኽሰስ።

ብ2011 ስርዓት ኮሎኔል ጋዳፊ ምስ ፈረሰ፡ እታ ሃገር ኣብ ሓያል ፖለቲካዊ ቅልውላው ቅድሚ ምውዳቓ፡ ብዙሓት ጥርጡራት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ እዮም ዝብል ተስፋ ነይሩ።

ኣብ 2020፡ ጠቕላሊ ኣኽባር ሕጊ ኣሜሪካ ዊልያም ባር፡ ኣብ ልዕሊ ኣቡ ኣጊላ መስዑድ ካብ ፖሊስ ስኮትላንድን መሻርኽቲ ኣሜሪካን ብድሕሪ መጋረጃ ዝሰርሑ መርመርትን ንዝቐረቡ ክስታት ንምጽራይ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕጂ መስዑድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣሜሪካ ከም ዘሎ ዝገልጽ ምልክታ፡ ነቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ስኮትላንድ ዘይኰነስ ኣብ ትሕቲ ኣሜሪካ ካልኣይ ሳዕ ከም ዝፍረድ ዘመልክት እዩ።

ይዅን እምበር ነቲ መስዑድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሊብያ ተኣሲሩ እንከሎ ዝሃቦ ኑዛዜ፡ ብዙሕ ሕጋዊ ብድሆታት ይገጥሞ ኣሎ።

ወሃብቃል ክራውን ኦፊስ ኣኽባሪ ሕጊ ፊስካል ሰርቪስን፡ "ስድራ-ቤት ናይቶም ኣብ ሎከርቢ ብሓደጋ ቦምባ ነፋሪት ዝሞቱ ሰባት፡ ኣቡ ዓጊላ መሓመድ መስዑድ ኬይር ኣል-ማሪሚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሜሪካ ከም ዘሎ ተነጊርዎም’ዩ።

ክኢላታት ሕጊ ስኮትላንድን ፖሊስን፡ ምስ መንግስቲ እንግሊዝን ኣሜሪካውያን መሳርሕቶም ብምዃን ምስ ኣል-ሙግራሒ ሓቢሮም ዝተኣስሩ ሰባት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ይሰርሑ ኣለው።

ፖሊስ ስኮትላንድን ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ዕንወት ዝወረዶም ስድራ ቤታትን ማሕበረሰባትን ንምድጋፍ ብዝከኣሎም መርመራኦም ከምዝቕጽሉ ሓቢሮም ኣለው።

ሓደ ወሃብ ቃል ብወገኑ፡ "ኣብ ስኮትላንድ ምስ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስን ምስ ኣብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ መሻርኽትናን ምስ ሰበ-ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ብምትሕብባር፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓላፍነት ክስከሙ ዝግባኦም ሰባት ፍትሒ ንምንጋስ ብዝለዓለ ተወፋይነት ክንሰርሕ ኢና” ኢሉ።

ሰሌዳ ግዜ መጥቃዕቲ ቦምባ ሎከርቢ

መጥቃዕቲ ቦምባ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

  • 21 ታሕሳስ 1988 - ብፓን ኣም ጕዕዞ በረራ 103 እትፍለጥ ነፋሪት ኣብ ደቡባዊ ስኮትላንድ ኣብ እትርከብ ከተማ ሎከርቢ ብመጥቃዕቲ ቦምባ ኣሸበርቲ ወዲቓ ተሓምሺሻ።
  • መርመርቲ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ንሙግራሒ ብ1991 ከሲሶምዎ፡ እንተዀነ ክሳዕ ሚያዝያ 1999 ሊብያ ኣሕሊፋ ኣይሃበቶን።
  • ግንቦት 2000 - ኣብ ትሕቲ ሕጊ ስኮትላንድ ዝሰርሕ ኣብ ካምፕ ዘስት ኣብ ዝርከብ ዘይሻራዊ ቤት ፍርዲ ፍሉይ መርመራ ተኻይዱ።
  • 31 ጥሪ 2001 - ናይ ቀደም ሊብያዊ ሓላፊ ጸጥታ ዝነበረ ሙግራሒ ብጃምላዊ ቅትለት ገበነኛ ኰይኑ ንሕልፈት ተፈሪዱ፤ ብውሕዱ ን27 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሑ።
  • ኣብ መጋቢት 2002 - ሙግራሒ ዘቕረቦ ሕቶ ይግባይ ተነጺጉ።
  • መስከረም 2003 - ኮሚሽን መርመራ ገበን ስኮትላንድ ንሙግራሒ ንዝሃቦ ቃለ-እምነት ዳግማይ ክምርምሮ ተሓቲቱ።
  • ኣብ ሰነ 2007 - እቲ ኮሚሽን፡ ሙግራሒ ካልኣይ ናይ ይግባይ ዕድል ሂብዎ።
  • 18 ነሓሰ 2009 - ሙግራሒ ነቲ ካልኣይ ይግባይ ዝበሎ ሕቶ ንኽሓድጐ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣብ ኤዲንበርግ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተቐቢልዎ።
  • 20 ነሓሰ 2009 - ዘይምሕር መንሽሮ ጽኪ ፕሮስቴት ስለዝሓዞ ብርህራሀ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ።
  • ግንቦት 2012 - ሙግራሒ ኣብ መበል 60 ዓመቱ ኣብ ትሪፖሊ ኣብ ዝርከብ ቤቱ ዓሪፉ።
  • ኣብ ሓምለ 2015፡ ስኮትላንዳውያን ደያኑ፡ ኣዝማድ ግዳያት መጥቃዕቲ ሎከርቢ ኣንጻር ሙግራሒ ይግባይ ክብሉ ክፍቀደሎም ኣይግባእን ክብሉ ወሲኖም። ኣቐዲሙ እውን ኣብያተ-ፍርዲ፡ ቀንዲ ተጸዋዒ እቲ ስድራ ጥራይ እዩ ነቲ ናይ ፖስትሙዝ ቅጥዒ ሰሪዞሞ ነይሮም እዮም።
  • ሓምለ 2017 - ስድራ ቤት ሙግራሒ፡ ብዝተዋህቦ ፍርዲ ይግባይ ኢሎም ነይሮም።
  • መጋቢት 2020 - ኪሚሽን ምርመራ ግይዳያት ገበን ስኮትላንድ፡ ሓዲሽ መርትዖ እንተሃልዩዎ ሙግራሒ ይግባይ ክብል ከምዝኽአል ፈቒዱ።
  • ኣብ ሕዳር 2020 - ሓሙሽተ ስኮትላንዳውያን ደያኑ፡ ንሳልሳይ ምሕጽንታ ሙግራሒ ብምኽንያት ምጕታት ፍትሒ ንዝቐረበ ይግባይ ርእይዎ።