ጉባኤ ህወሓት ገለ ወረዳታት ትግራይ ነጺገንኦ

ምስ ኲናት ትግራይ ተኣሳሲሩ ሕጋዊ ህልውናኡ ስኢኑ ዝፀንሐ ውድብ ህወሓት፡ መበል 14 ጉባኤኡ ንምክያድ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን፡ ፍልልያት፡ ተቓውሞታትን ስክፍታታትን ይንፀባረቑ ኣለዉ።

ብፍላይ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ኣፈላላያት ተፈጢሮም ኣለዉ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ዛዕባ ‘ቲ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ይስምዑ ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን፡ ተሳተፍቲ ጉባኤ ንምሕራይ ተባሂሉ ዝተወደበ ኣኼባታት በብከባቢኡ ይካየድ ከምዘሎ ዝንገር ኰይኑ፡ ዞባ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ትግራይ ካብቶም ብብዝሒ እቲ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ጉባኤ ህወሓት ክካየድ የብሉን ዝብል ተሪር ድምጺ ዘስምዑ ከባቢታት እዮም።

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ካብ ዝርከባ 14 ወረዳታት እተን 12 ወረዳታት፡ እቲ ውድብ “ኣብዚ እዋን ጉባኤ ከካይድ ከም ዘይብሉ” ኣብ ውሳነ ዝበጽሑ ኰይኖም፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ድማ ዝተፈላለዩ ጣብያታት “ጉባኤ ክነካይድ የብልናን” ዝብል ውሳነ ሓሊፉ’ሎ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትርከብ ወረዳ እንደርታ ኣብዚ ጉዳይ ውሳነ ንምሕላፍ ተወከልቲ 24 ጣብያታት ዝተሳተፋሉ ኣኼባ ኣብ ዘካየደትሉ፡ ምሉእ ብምሉእ “ጉባኤ ኣብዚ እዋን ክካየድ የብሉን” ዝብል ውሳነ ከም ዘሕለፈት ምንጪታት ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣፈጉባኤ ወረዳ እንደርታ ወይዘሮ ስላስ ሃፍቱ ህዝቢ ኣብ ዝተሓላለኸ ጸገም እንከሎ ጉባኤ ምክያድ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ኣይኰነን ብምባል፡ ኣብ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዘሎ ምክፍፋል ኣሰካፊ ምዃኑ’ውን ካልእ ተወሳኺ ምኽንያት ከም ዝዀነ ንቢቢሲ ገሊጻ።

“ኣቦወንበር ውድብን ምክትሉን ኣብ ሓደ ኣብ ዘየለዉሉ፣ ኣቦወንበር ቍጽጽር ኮሚሽን ምስ ኣባላቱ ኣብ ዝወጽሉ ኵነታት ዝካየድ ጉባኤ ግቡእ ኣይኰነን” ብምባል ወሲኻ ነቲ ህሉው ኵነታት እቲ ውድብ መሰረት ገይራ ትገልጽ።

ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓብሊሉ ዝፀንሐ ህወሓት፡ ኣብ ታሪኽ 50 ዓመታቱ ርእይዎ ዘይፈልጥ፡ ናብ ኣፍደገ ምብትታን ዘብጽሐ ከቢድ ፈተና ከምዘጋጠሞ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣፈ ጉባኤ ወረዳ እንደርታ ወይዘሮ ስላስ፡ ኣኼበኛታት፡ እቲ ውድብ ነቲ ካብ ኣባላት ዝቐርብ ሓሳባት ሰሚዑ ከተግብር ከምዝተማሕጸኑ እውን ትገልጽ።

ውድብ ናብ ናይ ቅድም ቍመናኣ ክትምለስ ኣለዋ ትብል እታ ኣፈጉባኤ፡ “ቅድሚ ሕዚ ሓሳብን ርእይቶን ኣባላታ ዘይትሰምዕ ውድብ ኣይነበረትንናን፤ ካብኡ ወጻኢ ግን ዘይዲሞክራሲያዊ ኣካይዳ እዩ” ኢላ።

ኣብ ወረዳ ወጀራት ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ውድብ ድማ፡ ‘ጉባኤ ሕዚ ክካየድ የብሉን’ ዝብል ተቓውሞ ኣባላት መንቀሊኡ ማሕበረሰባውን ፖለቲካዊ ቅልውላው እቲ ክልል ምዃኑ’ውን ይገልጽ።

“ቅድሚ ጉባኤ ህዝቢ ትግራይ እዩ ክቕድም ዘለዎ፡ ኣብ መከራን ጸበባን እናሃለወ ጉባኤ ምክያድ እዋኑ ኣይኰነን ዝብል እዩ፤ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ዝኽእሉ ኣብ ዝግበር ኣኼባታት መሰረታዊ ውዳበ ክሳተፉ ዝግባኦም ኣባላትን ካድራትን ኣይተረኽቡን፤ እቲ [ዝካየድ ዘሎ] ኣኼባታት ንባዕሉ ዓፈና ዝተራእዮን፣ ምቕባል ሓሳባት ዘይነበሮን እዩ ነይሩ” ኢሉ።

ሓላፊ ውዳበ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣቶ ደስታ ግርማይ መሰረታዊ ውዳበታት እቲ ዞባ ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ውሳነ ንምብጻሕ ዝተኻትዓሉን ዝተፈላለየ መርገጺ ዘርኣየሉን መድረኽ ከም ዝነበረ ንቢበሲ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዞባ “ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ካብ ቦርድ መረጻ መንግስቲ ፈደራል ኣፍልጦ እንከይረኸበት እተሳልጦ ጉባኤ ንህዝቢ ዘጥፍእን ዘይረብሕን’ዩ” ዝብል ንርእሱ ሓዊሱ መርገጺ ዝሓዙ ሰባት ከም ዝተርኣዩ ሓቢሩ።

“ቍጽጽር ኮምሽን ኣብ ዘየለወሉ፡ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ክልተ ሰባት ኣብ ዝተረፉሉ ሰዓት፣ ብኣጠቓላሊ’ውን ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ምትእምማን ኣብ ዘይተበጽሓሉ ኵነታት፡ ብዙሓት ሰባት እውን ካብቲ ውክልና ኣብ ዘግለልሉ ሰዓት፡ እዚ ዝካየድ ጉባኤ ሓደጋታት ሒዙ ክመጽእ ይኽእል እዩ ዝብል መረዳእታ ይመጽእ ስለዘሎ ኣነ ንባዕለይ ካብቶም ዘግለሉ ሓደ እየ” ይብል።

ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት ንኣካይዳ ናይቲ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ኣመልኪቱ፡ ‘ዕላማ ናይቲ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ጉባኤ ‘ብዝተጐጀሉ ላዕለዎት መራሕቲ ተጨውዩ’ ብምባል፡ ኣባላቱ ካብ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ከምዝሰሓበ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ኣቦ ወንበር ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት ኣቶ ተኽለብርሃን ኣርኣያ፡ “ብግጕይ መገዲ ክኸይድ ዝደሊ ሓይሊ ኣሎ። ዝጸንሐ ሕመቕ ኣሎ፤ እዚ ከኣ ስርዓታዊ ሕመቕ እዩ። ኣመራርሓ ካብ ዕላማ ክርሕቕ ከሎ ነቲ ውድብ ይጽይቘ። ኣመራርሓ ማእከሉ ጥቕምን ስልጣንን ገይሩ’ሎ። ኣብ ውሽጢ ውድብ ርኡይ ዝዀነ ክልተ ናይ ኔትወርክ ምትእስሳር ተፈጢሩ’ሎ። እዚ እዩ ንዅሉ ዘሪግዎ” ብምባል፡ ንቢቢሲ ገሊጹ’ዩ።

ሓላፊ ውዳበ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣቶ ደስታ፡ “ሓደ ውድብ ጉባኤታቱ ብስሩዕ ከካይድ ግቡእ እዩ። እንተዀነ ኣብቲ ዝግበር ቅድመ ምድላዋት ክውገኑ ዝግባኦም ነገራት ኣለዉ፤ ኣብ ሓደ ኣረኣእያ ምህላው፡ ናብ ሓድነት ዘምጽእ ምዃኑን ዝተፈናጨላ ጕጅለታት ዘይምህላወንን” ዝኣመሰሉ ነገራት ምርግጋጽ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ይገልጽ።

ኣብዚ እዋን ግን፡ “ክልተ ጕጅለታት ኣሎ፤ እቲ ሓደ ጕጅለ ኣብ ግዝያዊ መንግስቲ እቲ ካልኣይ ጕጅለ ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ዝዓረዱ ኰይኖም እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ናይ ምጥላፍ ኣረኣእያታት ኣሎ። ስለዚ እዚ ጉባኤ ነቲ ሓደ ቈሪጹ ነቲ ሓደ ኣሐይሉ ክኸይድ ዝደሊ ጉባኤ ስለዝዀነ ረብሓ የብሉን ዝብል እምነት ስለዘለና ኢና ንቃወም ዘለና” ኢሉ።

ካልእ ስግኣት ኲናት

ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዓቕምታቱ ኣዋዲዱ፡ ዝተዋህቦ ተልእኾ ንኸየፈጽም፡ መሪሕነት ህወሓት ዝተዋደደ ጸለመን መጥቃዕቲን ከውርደሉ ከም ዝጸንሐ ምግላጹ ይዝከር።

ቦርድ መረጻ እንተዘይመዝጊቡዎ ኣብ ሃገራዊ መረጻን ፖለቲካዊ መድረኻትን ክሳተፍ ከም ዘይክእልን፡ ሕጋውነቱ እንከይመለሰ ጉባኤ እንተካይዱ ድማ ዳግማይ ናብ ኲናት ከይኣትዉ ስግኣት ከምዘለዎን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ መጠንቀቕታ ኣስሚዑ እዩ።

ኣቶ ደስታ፡ ካብዚ ብዝብገስ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዝሓሰመ ሓደጋ ንከይመጽእ ኣብዚ ጉዳይ ተመሳሳሊ መርገጺ ከም ዝሓዘ ሓቢሩ።

“እቲ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ዝካየድ ጉባኤ፡ ናብ ክልተ ክስንጥቐናን ናብ ዝገደደ ኲናት’ውን ከእትወና እዩ ብዝብል ብምሉእ ህዝቢ ዝተነጽገ እዩ። እንደርታ ብዓብላሊ ድምጺ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ኣይንሳተፍን ዝበለት ወረዳ እያ፡” ኢሉ።

ህወሓት፡ ብሰንኪ እቲ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ናብ ኲናት ድሕሪ ምእታው፡ ቦርድ መረጻ ሕጋዊ ኣፍልጦኡ ከም ዝሰረዞ ይፍለጥ።

ውድብ ህወሓት እቲ ብፖለቲካዊ ውሳነ ዝሰኣኖ ሕጋዊ ሰብነት ንኽምለስ እምበር ከም ብሓድሽ ንኽምዝገብ ከም ዘይደሊ ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ግን፡ እቲ ኣብ ግጭት ኣትዩ ዝጸንሐ ውድብ ከም ብሓድሽ ክምዝገብ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ዘለዎ ዀይኑ፡ እቲ ነዚ ዝምልከት ሕጊ መረጻ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ቀሪቡ ምስ ተማሕየሸ’ውን እንተዀነ፡ ዛጊት መዕለቢ ኣይረኸበን።

ከንቲባ ከተማ ማይጨው ኣቶ የማነ ንጉሰ ህዝቢ ጽቡቕ ምሕደራ ንኽረክብ ኣቐዲሙ ጉባኤ እንተዝካየድ ዝብል ሓሳብ’ኳ እንተነበሮ፡ እቲ ውድብ ድሕሪ ዘካየዶ ነዋሕቲ ኣኼባታት ግን “ኣብ ኔትዎርክን ከባብያውነትን ከም ዝተሸመመ ንቢበሲ ገሊጹ።

“እቲ ሓደ ጕጅለ ነቲ ካልእ ጕጅለ ክወቅዕ ዝደልየሉ ኵነታት’ዩ ተፈጢሩ። ካልኣይ እዚ ኔትዎርክ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ እዩ”ብምባል፡ ሰለስተ ኣባላት ኣሰናዳኢት ኮሚተ ጉባኤ ካብ ቍጽጽር ኮሚሽን ኰይኖም፡ ነቲ ጉባኤ መን የካይዶ ኣሎ ዝብል ሕቶ’ውን ኣልዒሉ።

ኣኼበኛታት፡ እቲ ውድብ ‘ደው ዘብለና ሓይሊ የለን’ ዝብል ቅዋሙ ገዲፉ ኣብ ምምላስ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ነገራት ብምርድዳእ ክፍትሑ ኣለዎም ዝብል መርገጺ ከም ዝነበሮም ዝገልጽ ከንቲባ የማነ፡ ህወሓት ንካድረታት ዝሕብሮን ምስ መንግስቲ ፈደራል ዝበጽሖን ጉዳይ ፍልልይ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ኣብ ኣኼባ ካድራት፡ እቲ ምትፍናን ገዲፍካ ብምርድዳእ ነገራት ክፍትሑ፡ ነቲ ውዕል ንባዕሉ ከም ሓደ ንእሽቶ ሕገመንግስቲ ወሲድና ንሓልዎ ዝብል ርእይቶታት ነይሩ፤ ምርድዳእ ከምዝተገብረ እዩ ተገሊጹልና- ይብል።

“እንተዀነ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ድማ ከምቲ ዝተሰምዐ ብኸምቲ ሕጊ ዝእዝዞ መሰረት ክምዝገብ እንተዘይኰይኑ ናብ ካልእ ኵነታት ከነምርሕ ኢና ዝትሕዝቶኡ መግለጺ እዩ ሂቡ። ስለዚ እሞ ናብ ምርድዳእ ኣይተበጽሐን ማለት እዩ፡ ኢልና።

ስለዚ ነዚ ከየጽረኻ ናብ ጉባኤ ምእታው ሳዕቤናቱ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ዝገደደ ክመቓቕለና እዩ ዝብል ኣቕዋም ከም ዝሓዙ ድማ የረድእ።

ኣቶ ደስታ ብወገኑ፡ እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ፍልልይ ናይ ምጥልላፍን ንዝተወሰነ ጕጅለ ቈሪጽካ ምኻድን ዝዓለመ ምፍኽኻር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ከም ናይ ’93 እናበልካ ዝዝረብ ዘሎ ድማ፡ ናይ ’93 ነቲ ውድብ ኣድኪምዎ እምበር ሓይሊ ከምዘይሃቦ ይገልጽ፤ እናቘረጽካ ምኻድ ድማ ነቲ ውድብ ዓቕሙ መሊሱ ከማህምን ስለዝዀነ ብኸምዚ ዝግበር ጉባኤ ከምዘይድግፉ ገሊጹ።

ህወሓት ኣብ 1993 [ግ] ኣብ ክልተ ከም ዝተገምዐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን ሓያለ ገዳይም መራሕቲ ካብቲ ውድብ ከምዝተኣልዩ ይዝከር።