'ኣብዚ ሰሙን ዘጋጠመ ጐንጺ ክፍጠር ኣይነበሮን'- ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ምስ ሓይልታት ፈደራል ዘጋጠመ ወተሃደራዊ ጐንጺ ምንባሩ ኣረጋጊጹ።

እቲ ምምሕዳር፡ ብሰንበት ኣማስዩ ብወግዓዊ ገጽ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ግጭት "መሰረታዊ ሕቶ ትግራይ ዘላቒ ፍታሕ ብዘይምርካቡ ዘጋጠመን ክፍጠር ዘይግብኦን እዩ፡" ነይሩ ኢሉ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ጐንጺታት ከም ዝተኻየዱ ካብ ዲፕላማትን ምንጪታት ድሕነትን ዝተረኽቡ ሓበሬታታት ክገልጹ ቀንዮም እዮም።

እዚ ብቐንዱ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ ጸለምቲ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ማይ-ዳጕሻ፡ ማንጫራን ካልኦትን ብኸበድቲ ኣጽዋር ዝተሰነየ ውግእ ከም ዝተራእየ ጸብጻባት የመልክቱ።

እቲ ረጽሚ ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጸለምቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታታት ከም ዘጋጠመ ዝገልጹ እቶም ጸብጻባት፡ ሓደ ምንጪ ድሕነት፡ "እቲ ኵነታት እናብኣሰ ይኸይድ ኣሎ፡" ከም ዝበለ ይጠቕሱ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ብቐዳም ንክልላዊ ተሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ 2016 ዓ.ም [ኣ.ግ] ዝወጽአ መደብ ምምላስ ተመዛበልቲን ምምሕዳርን እቲ ከባቢ ኣብ ግምት ብምእታው፡ "እቲ ፕላን ንምትግባር ዝነበረ ኵነታት ኣጀንዳ ኰይኑ ዝመዓራረየሉ ነገር ንምፍጣር፡" ዝዓለመ እዩ ነይሩ ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ዝተወሰነ ሓይሊ ክሰግር ተወሲኑ - ናብ ላዕላይ ጸለምቲ ገጽ፣ ንእሽቶ'ውን ናብ ታሕታይ ጸለምቲ ገጽ- 'Manoeuvre' ንምግባር። ስለዚ እቲ ኣጀንዳ ከም ብሓድሽ ንኽለዓል ናይ ምግባር እምበር ናይ ውግእ ምንቅስቓስ ኣይነበረን፡" ክብል ተዛሪቡ።

ምምሕዳሩ ነዚ ውሳነ ዝደረኹዎ ምኽንያታት ከብርህ እንከሎ ድማ፡ ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ደው ዝበለ ኲናት ትግራይ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ናብ መረበቶም ዘይምምላሶም፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዘለው ብቋንቋ ኣምሓርኛ ክምሃሩ ይግደዱ ብምህላዎምን ናብ ትምህርቲ ክምለሱ ዘይኽኣሉ ምህላዎምን፡ ከምኡ'ውን ግዝኣታዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ናብ ንቡር ዘይምምላሱን'ዩ ኢሉ።

ንዓመታት ዘይተፈትሐ ጕዳይ ተመዛበልቲ

ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ መንጐ መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ኣብ ርእሰ ከተማ- ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶሪያ ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እቲ ደማዊ ተጻብኦታት ደው ከም ዝበለ ይዝከር።

እቲ ሰፊሕ ምፍንቓል ዝተራእዮ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኰይኑ፡ ኣብቲ ኲናት ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣምሓራ ነቲ ቦታ ተቘጻጺሮምዎ፡ እቲ ሰፊሕን ልሙዕን ዞባ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣትዩ'ሎ።

ምዕራብ ትግራይ፡ ካብቶም መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ሕቶ ይግብኣኒ ዘልዕለሎም ከባቢታት ትግራይ ሓደ ኰይኑ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ብሕገ-መንግስታዊ መገዲ ፍታሕ ክረክብ ዝብል ኣስፊሩ ይርከብ።

ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ ንቡር ምምላስን፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን ሓደ ካብ ዓንቀጻቱ ዝገበረ ስምምዕ ፕሪቶሪያ'ውን ሰለስተ ዓመት እንተኣቝጸረ፡ እቲ ጉዳይ ከይተፈትሐ፡ ግዳያት ኣደዳ ቁርን ጸሓይን ኰይኖም፡ ንዝፈላለዩ ሕማማትን ቍጠባዊ ጸገማትን ተቓሊዖም ይርከቡ።

ሌ/ጀነራል ታደሰ፡ ኣብቲ ብ2016 [ኣ.ግ] ምኽትል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረሉ ግዜ፡ ንመስርሕ ትግበራን ኣፈጻጽማን ውዕል ፕሪቶሪያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዛረቦ፡ ኣብ ከባቢታት ጸለምቲ ተተኺሉ ዝጸንሐ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ክሳብ 30 ግንቦት 2016 ዓ.ም [ኣ.ግ] ክፈርስ ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣብቲ ግዜ፡ "ጕዳይ ደቡብ ትግራይን ጸለምትን ክሳብ መወዳእታ ግንቦት ክውዳእ፣ ምዕራብ ትግራይ ድማ ክሳብ መወዳእታ ሰነ [ግእዝ] ክፍጸም ምዃኑ፡" ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ' ናብ ወረዳታት ጸለምቲ ንምእታው ዝገበሩዎ ምንቅስቓስ ስዒቡ'ዉን ወጥሪ ዓሲሉ ከም ዝነበረ ይዝከር።

እዚ፡ ኣብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ዝተጣየሹ ምምሕዳራት ኣምሓራ ንምፍራስን ተመዛበልቲ ንምምላስን ዝሓለነ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ምክልኻል ዝተሰለፉ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራ ንሰፋሕቲ ዞባታት ምዕራብ ትግራይ፡ ወረዳ ጸለምትን ከባቢታት ራያ-ኣላማጣን ተቘጻጺሮም ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል "ዘላቕን ነባርን ሰላም ክረጋገጽ ዝኽእል ተመዛበልቲ ወገናት ውሕስነኦም ተሓልዩ ናብ መረበቶም እንትምለሱን ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ እንትረጋገጽን እዩ ኢሉ፡" ከም ዝኣምን ብምግላጽ፡ እቲ ጠለባት ድማ፡ ብሰላማዊን ፖለቲካውን መገዲ ክፍታሕ ይግባእ ኢሉ ከም ዝኣምን ሓቢሩ።

እቲ ምምሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብዚ ሰሙን ዘጋጠመ ግጭት እቲ መሰረታዊ ሕቶ ትግራይ ዘላቒ ፍታሕ ብዘይምርካቡ ዘጋጠመን ክፍጠር ዘይግብኦን እዩ፡" ብምባል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሕዚ'ውን ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘላቒን ዘተኣማምን ሰላም ክረጋገጽን ዘላቒ ፍታሕ ክመጽእን ኣለዎ ኢሉ።

በዚ ዝምዕብል ዘሎ ሓድሽ ወጥሪ ከም ዝተሻቐሉ ዝገለጹ ሕብረት ኣፍሪቃን ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራትን፡ ነቲ ኣብ ገለ ክፋላት ክልል ትግራይ ዝግንፍል ዘሎ ኵነታት ብቐረባ ይከታተሉዎ ከም ዘለው ሓቢሮም ኣለው።

ክልቲኦም ኣካላት፡ ኵሎም ወገናት ልዑል ነብሰ-ምግታእ ክገብሩ ብምጽዋዕ፡ እቲ ኲናት ደው ንምባል ዝተበጽሐ ውዕል ፕሪቶርያ ብምልኣትን ኣድማዕን መገዲ ንምትግባር ክሰርሑ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ 2026 ናብቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ምዕራብ ትግራይ ምብጻሕ ዝገበረ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣርቪን ማሲንጋ፡ "ካብ ፖለቲካ ንላዕሊ ንህዝቢ ቀዳምነት ክወሃብ፡" ምሕጽንታ ኣቕሪቡ እዩ።

"ንናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ግጭታት ነባሪ ፍታሕ ተግባራዊ ብምግባር፡ ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ብምምላስ ንህዝቢ ቀዳምነት ምሃብ ግዚኡ'ዩ፡" ክብል እቲ ኣመሪካዊ ኣምባሳደር ጸዊዑ።

ንሱ፡ "ብ"ብስም ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝግብር ሕጊ-ኣልቦነት ክቋረጽ፡" ከም ዝበለ'ውን ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘውጽኦ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ኣብዚ እዋን፡ ካብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ናብቲ ክልል ዝተቋረጹ በረራታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምትእጕጓል ኣገልግሎት ባንክን ካልኦትን ንክፍትሑ ናብ መንግስቲ ፌደራል ከም ዝሓተተ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ሰብ መዚ ማእከላይ መንግስቲ፡ ብዛዕባ እቶም ዘጋጠሙ ጐንጺታት ኰነ ምስራዝ በረራታት እቲ መገዲ ኣየር ብወግዒ ዝሃቡዎ ርእይቶ የለን።

ሰብ መዚ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ግን፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ብዘይ ምትግባር ንሓድሕዶም ክካሰሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።