ኵሉ ሰብ ማዕረ ኣታዊዶ ክህሉዎ ይግባእ?

ሓደ ሰራሕተኛ ገንዘብ እናቘጸረ (ግብጺ)

ምንጪ ስእሊ, Khaled Desouki/AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ሰራሕተኛ ገንዘብ እናቘጸረ (ግብጺ)

ጻማ ዕዮኻ እትኽፈሎ መሃያ ከከም ስራሕካ፡ ዓቕምኻ፡ ኣበርክቶኻን ካልኦት ረቋሒታትን ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን። እንተዀነ፡ በቲ ዝፍጠር ሓላፍ ዘላፍ ቅሬታታትን ምጕዳል ኣፍራይነትን ክጐድል ይርአ እዩ።

ንኣብነት ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ስርዓተ ደሞዝ፡ መሰል ሰራሕተኛታትን ጥሮታን ካልእን ተኣሳሲሩ ብዙሕ ጉዳያት ይለዓል እዩ።

እታ ሃገር ምስ ዝሓለፈቶን ዘላቶን ኵነታት፡ ንደረጃ ትምህርቲ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ተጋደልቲ፡ ሓላፍነትን ሞያን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ኣብ ግምት ዘእተወ ምዕሩይ ስርዓተ ደሞዝ ንምትእትታው ዝተገብረ ጻዕሪ ክሳብ ሕጂ ኣዕጋቢ ውጽኢት ከም ዘይተረኽቦ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ይገልጹ።

ብቕዓት ኰነ ማሕበራዊ ደረጃ ብዘየገድስ፡ ኵሉ ሰብ ወርሓዊ ማዕረ መሃያ ክኽፈል'ሞ ሕስብ ኣብሉዎ።

እዚ ውሕስነት ዓለምለኻዊ ማዕረ ኣታዊ (Universal Basic Income Grant - or UBIG) ይበሃል። ብዙሓት መንግስታት ከኣ ብዘዕባ እዚ ኣምር'ዚ ንነዊሕ ዓመታት ክካትዑ ጸኒሖም'ዮም።

ኣብ ጀርመን ዝመደበሩ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ 'መይን ግራንደንኮመን' (መሰረታዊ ኣታውየይ) ን122 ሰባት ንሰለስተ ዓመታት ወርሓዊ 1,365 ዶላር እናኸፈለ ክከታተሎም ጸኒሑ።

እቲ ውጽኢት ከኣ ሰባት ሓደ መሰረታዊ ኣታዊ ስለ ዝረኸቡ ጥራሕ ዕዮ ካብ ምዕያይ ደው ከም ዘየብሉ፣ ዝበዝሑ ካብዞም ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ፡ ዋላ እቲ ውሑስ ኣብ ወርሒ 1,365 ዶላር እናተኸፈሎም'ውን ኣታዊታቶም ንምኽዕባት ኣብ መዓልቲ ሸሞንተ ሰዓታት ይሰርሑ ምንባሮም የርኢ።

እቶም ዝበዝሑ ሓደ ውሑስ ኣታዊ ስለ ዘለዎም፡ ዝሓሸ ኣታዊ ንምርካብ ስራሕ ከም ዝቐየሩን ብተወሳኺ ብስርሖም ዕጉባትን ዝያዳ ኣታዊ ንምርካብ ኣቕሚ ትምህርቶም ንምውሳኽ ዝበዝሐ ግዜኦም ኣብ ትምህርቲ የሕልፉዎ ከም ዝነበሩን'ውን እቲ መጽናዕቲ ክምስክር ክኢሉ።

ኬንያዊት ካድ በቲ ዝተውሃባ ሓገዝ ደርሁ ኣፋርያ ጽቡቕ ኣታዊ ክትረከብ ጀሚራ'ያ

ምንጪ ስእሊ, JustGiving

መግለጺ ስእሊ, ኬንያዊት ካድ በቲ ዝተዋህባ ሓገዝ፡ ደርሁ ኣፋርያ ጽቡቕ ኣታዊ ክትረከብ ጀሚራ'ያ

ካልእ ብ'ጊቭ ዳይረክትሊ' ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ'ውን ተመሳሳሊ ውጽኢት'ዩ ኣርእዩ።

ኣብ ክልተ ኣውራጃታት ኬንያ ዝርከቡ ኣብ ገጠር ዝነብሩ 295 ሰባት፡ ካብ 2 ክሳዕ12 ዓመታት ብሞባይል ሓደ መጠን ገንዘብ ይስደደሎም ነይሩ።

ካብኦም እቶም ዝበዝሑ፡ ነቲ ዝሰርሑዎ ዝነበሩ ብምሕዳግ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣታዊ ንምርካብ ናይ ውልቆም ትካላት ከፊቶም።

ብዓል-ቤታ ዝሞታ ካዲ ሓንቲ ካብኣቶም ኰይና፡ "በተን ዝስደዳለይ ዝነበራ ገንዘብ ከይበላዕኩ ከም ዘይውዕል ምፍላጠይ ጥራሕ ኣእምሮኣዊ ሰላም'ዩ ዝህበኒ ነይሩ፡" ትብል።

ካዲ ናይ መዓልታዊ ስራሕተኛ ኰይና፡ በቲ 'ጊቭ ዳይረክት' ዝተባህል ትካል ወርሓዊ ናብ ሞባይላ 34 ዶላር ይላኣኸላ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ከኣ ኵሉ ነገራታ ኣብዘን 34 ዶላር'ዩ ዝምርኰስ ነይሩ።

"እቲ ዝወሃበኒ ዝነበረ ገንዘብ ርእሰ ተኣማንነት ክህልወንን ናተይ ዝብሎ ነገር ከጥርን ዕድል ፈጢሩለይ'ዩ። እዚ ብፍጹም ክበጽሖ'የ ኢለ ሓሲበዮ ዘይፈልጥ ነገር'ዩ። ናተይ ዝብሎም ንማሕረስ ዝዀኑኒ ኣብዑር ክገዝእ ከኣ መደብ ኣውጺአ፡" ትብል።

እቲ መጽናዕቲ፡ ሓደ ሰብ ውሑስ ዘየቋርጽ እታዊ ምስ ዝህሉዎ፡ ሕልሙ ንኽበጽሖ ክተዓጻጸፍ ከም ዝሕግዞ'ዩ ዘርኢ።

ናብ መንቀራቕሮ ምውዳቕ

ኣብ ምብራቓዊ ኬፕ ታውን [ደቡብ ኣፍሪቃ] ካብ መኽሰብ ዘይብለን ትካላት መግቢ ተቐቢላ ናብ ገዛእ እናተመለሰት እትረአ ስድራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ምብራቓዊ ኬፕ ታውን - ደቡብ ኣፍሪቃ - ካብ መኽሰብ ዘይብለን ትካላት መግቢ ተቐቢላ ናብ ገዛእ እናተመለሰት እትረአ ስድራ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ትካል 'ኢኮኖሚክ ጀስቲስ' ተመራማሪት ዝዀነት ዶክተር ካለ ሃውሰን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕተት፡ እቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ዘገርም ከም ዘይኰነ'ያ ትሕብር።

"ንሰባት ብዘለዎም ኣታዊታት ሚዛን ምሃብ ወትሩ ጌጋ ዝዀነ ቅማረ'ዩ ዝህበና። ሰባት ሓደ ውሑስ መሰረታዊ ኣታዊ ምስ ዝህሉዎም፡ ካብ ውልቆም ሓሊፎም ንቝጠባ ከባቢኦም ኣብ ምድንፋዕ ተራ ከም ዝህሉዎም ንምርኣይ ካልእ ተወሳኺ መጽናዕቲ ምድላይ ኣየድልይን'ዩ፣ እዚ ዝተገበረ እኹል ትሩፍ'ዩ፡" ትብል።

እንተዀነ፡ ንመጽናዕቲ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ምምራጽ ሓላፍ ዘላፍ ስለ ዘይጸንሐ፡ እቲ ውጽኢት ኣብ መንቀራቕሮ ክወድቕ ከም ዝጸነሐ ተረድእ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ወርሓዊ ሓገዝ ንምርካብ ግድን ኣፍልጦ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት ክህልወካ ኣለዎ። ኣብታ ሃገር ከኣ ኣስታት 20 ሚእታዊት ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣይረኽቡን'ዮም።

ብዘይካ እዚ፡ እቶም ኢንተርነት ዝረኽቡ'ውን ሓገዝ ንኽረኽቡ ግድን ጽሩይ ካሜራ ዘለዋን ኣሰር ኣጻብዕቲ እትወስድን ምዕብልቲ ተለፎን ክትህሉዎም ኣለዋ።

ከም ውጽኢቱ ኣዝዮም ብዙሓት ሓገዝ ክረኽቡ ዝግብኦም ሰባት ደገፍ ከም ዘይረኽቡ ዶክተር ካለ ሃውሰን ትገልጽ።

ኣብ ህንዲ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ትሕተ-ድኽነት ኣብ ዝበሃል ደረጃ ዝበጽሑ ሰባት ካብ መንግስቲ ንኽድጐሙ ካርድ ከም ዝሕዙ ይግበር'ዩ፣ እንተዀነ፡ ብዝተኻየደ መጽናዕቲ ፍርቂ ካብቶም ኣብ ደረጃ ትሕተ-ድኽነት ዝርከቡ ህንዳውያን ካብ መንግስቲ ሓገዝ ክረኽብሉ ዘኽእሎም ካርድ የብሎምን።

ፕሮፌሰር ፕራናብ ባርድሃን ካብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርንያ ኣብ 2016 መርበብ ሓበሬታ 'ዎርልድ ኢኮኖሚክ ፎረም' ኣብ ዘሕተሞ ጽሑፍ፡ "ዝበዝሐ ስራሕ ኣብቲ ዘይስሩዕ ጽላታት ኣብ ዝተተሓዘሉን ምዝጉብ ዝዀነ ኣታዊታት ዘርኢ ሰነድ ኣብ ዘይብሉን፡ መን'ዩ ድኻ ከተላሊ ብዙሕ ዋጋ ዝሓትት፡ ዝተሓላለኸ፡ ንብልሽውና ዘቃልዕን ኣካታዕን ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ ነይሩ።

ገንዘብ ንዅሉ

 ኣብ ጽርግያታት ሻንግሃይ ቻይና መግቢ ዝሸይጥ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Alex Plavevski/EPA-EFE/REX/Shutterstock

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጽርግያታት ሻንግሃይ ቻይና መግቢ ዝሸይጥ ሰብኣይ

እቲ ኣብ ጀርመን ዝተገበረ መጽናዕቲ ምስቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተገበረ መጽናዕቲ ተመሳሳሊ ውጽኢት ድዩ ዘለዎ? እዚ ሓሳብ እዚከ ብዓለም ደረጃ ንምትግባሩ እኹል ገንዘብ ኣሎ ድዩ?

ኣብ ዘሓለፈ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ተኻይዱ'ዩ - ኣብ ህንዲ ዞባ ማድህያ ፕራደሽ፡ ኣብ ናምብያን ኢራንን።

እንተዀነ፡ እዚ ክሳዕ ሕጂ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ደምዳሚ ውሳነ ንምሃብ እኹል ከም ዘይኰነ'ዮም ክኢላታት ዝሕብሩ።

እንተዀነ፡ ሰባት እቲ ዝዋሃቦም ሓገዝ ተዓጻጸፍቲ ንክዀኑ ከም ዝሓገዞም እዞም ተመራመርቲ ምስክርነቶም ሂቦም'ዮም።

ብኻልእ ኣዘራርባ ሓገዝ ምስ ተዋሃቦም፡ ነቲ ገንዘብ ኣብ ህይወቶም ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነ ነገር'ዮም ዘውዕሉዎ - ኣብ መግብን ኣብ ሕክምናን።

ዶክተር ካለ ሃውሰን እቲ ሓሳብ ካብ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ደገፍ ይረክብ ምህላዉ ትገልጽ።

እዞም ጸጋማውያን፡ ሰብ መሰረታዊ ኣታዊ ክህሉዎ መሰሉ ከም ዝዀነ ክገልጹ እንከለዉ፡ ሊበራላውያን ብወገኖም ክትግበር ኣለዎ'ዮም ዝብሉ።

ከም ቢልዮነር ኢሎን መስክ ዝኣመሰሉ እቲ 'ዓለምለኻዊ መሰረታዊ ኣታዊ' ዝብል ኣምር ቀደም ኣገዳሲ ከም ዝነበረዮም ዝገልጹ።

ዶክተር ካለ ሃውሰን ግን፡ "ሰብ መሰረታዊ ኣታዊ ክህሉዎ ኣብ ምምዕባል መሰረታዊ መሳርሒ እዩ። ኣብ ውሽጢ ፍልልይ ክህሉዎ ይኽእል'ዩ፣ እቲ ሓሳብ ግን ኣብ መላእ ዓለም ክስርሕ ዝኽእልን ሓደን'ዩ፡" ትብል።

ሓንቲ ስድራ ውሑስ ዝዀነ ኣታዊ እንተ'ልዩዋ፡ ደቃ ከተምህርን ከተሐክምን ስለ እትኽእል እቲ ድምር ውጽኢት ዘየማትእ ከም ዝዀነ'ያ ኣብ ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ተመርኵሳ ትማጐት።

እተን ኣብ ኬንያን ህንድን ድጐማ ክግበረለን ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ስለ ዘይምርኰሳ ካብ ሰብኡተን ክበጽሐን ዝኽእል ዓመጻት ሓራ ምዃነን እቲ ካልእ እቲ መጽናዕቲ ዘርኣዮ እወታዊ ውጽኢት'ዩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ዝርከብ ሱፐር ማርኬት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ዝርከብ ሱፐር ማርኬት

ገለ ሰባት በቲ ኣብ ጀርመን ዝተረኣየ ውጽኢት ተሞርኵስካ ዓምለኻዊ ስእሊ ከትህቦ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ'ዮም ዝሕብሩ።

ፕሮፌሰር ኢቫ ቪቮልት ካብ ዩኒቨርስቲ ቶሮንቶ ኣብ ቴክሳስን ኣብ ኢልዮንስን ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ዝመርሐት ክኢላ'ያ።

እቶም ንመጽናዕቲ ዝተሓረዩ ሰባት ንሰሙን ሓደ ሰዓትን ፈረቓን እናሰርሑ ንሰለስተ ዓመታት ዓመታዊ 12 ሽሕ ዶላር ይውሃቦም ነይሩ።

ምስቲ ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ብምንጽጻር ከኣ ዓመታዊ ኣታዊኦም ብ1500 ዶላር ክጎድል ክኢሉ።

ፕሮፌሰር ኢቫ ቪቮልት "እዚ ከምዚ ዓይነት ሓገዛት ኣብተን ትሑት ኣታዊታት ዘለወን ሃገራት'ዩ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኮይኑ፡ ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት ግን እቲ ሓገዝ ነቶም ተሓገዝቲ ከደስክሎም ኢና ርኢና" ትብል።

ብምስዓብ "ኣብዚ ንሕና ዝገበርናዮ መጽናዕቲ ሓገዝ ምስ ተወሃቦም ስራሕ ደው ከብሉን ወይ ሰዓታት ስርሖም ከጉድሉን ኢና ተዓዚብና፡ ኣብተን ትሑት ኣታዊታት ዘለወን ሃገራት ግን ጸገማቶም ብገንዘብ ዝፍታሕ ስለዝኾነ በቲ ገንዘብ ክፈትሕዎ'ዮም ዝጎየዩ፡ ኣብተን ምዕቡላት ሃገራት ድማ ብገንዘብ ዘይፍታሕ ጸገማት'ውን ክህልዎም ይኽእል'ዩ" ትብል።

እቶም ከፈልቲ ግብሪኸ?

ዶክተር ካለ ሃውሰን፡ እቲ ንሰብ ውሕስነት ዝህቦ ኣታዊ ክግበረሉ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ "ናይ ምምርኳስ" ስምዒት ከስዕብ'ዩ ዝብል ምዕዝምዛማትን ነዚ ንምትግባር ኣብ ልዕሊ ከፈልቲ ግብሪ ሰፍ ዘይብል ጸቕጢ ክግበር'ዩ ዝብል ስክፍታን ከም ዘሎ ትሕብር።

ፕሮፌሰር ፍሎራ ጊል ካብ ዩኒቨርስቲ ሲድኒ ኣብዚ ሓሳብ ዝተፈለየ ኣረኣእያ'ዩ ዘለዋ፡ "ሰባት ክሰርሑ እንተ ደልዮም ክሰርሑ ኣለዎም። ቅድሚ ኵሉ፡ ሰብ እቲ መሰረታዊ ዝበሃል ኣታዊ ክህሉዎ ኣለዎ ምባልና፡ ነቲ ክሰርሕ ዝደለየ ሰብ ስራሕ ክንፈጥረሉ ኣለና፡ እቲ መሰል ካብዚ'ዩ ዝጅምር፡" ትብል።

ፕሮፌሰር ፍሎራ፡ "ንዅሉ ሰብ (ነቲ ዘይብሉ) መሰረታዊ ኣታዊ ከም ዝህሉዎ ክግበር እንተዀይኑ ግድን ካብዚ ኣብ ቍጠባ ዓለም ዘለዎ ገንዘብ ወጻኢ ካልእ ክውሰኾ ኣለዎ። እዚ ከኣ ኣብ ዝባን እቶም ከፈልቲ ግብሪ'ዩ ክኸውን፡" ትብል።

እንተዀነ ዶክተር ካለ ሃውሰን፡ በቲ ኢሉ በዚ ሰብ መሰረታዊ ኣታዊ ክህሉዎ ኣለዎ ዝብል ኣምር ውጽኢቱ ዘተሓታታት ከም ዘይኰነ ትማጐት።

ካልእ ስክፍታ

ኵሉ ሰብ መሰረታዊ ዝዀነ ኣታዊ ክህሉዎ ጽቡቕ'ኳ እንተዀነ፡ ካልእ ጸገማት ከስዕብ ከም ዝኽእል ዝሕበሩ ክኢላታት ኣለዉ። ንኣብነት፡ እቲ ድጐማ ንዓቕሚ ዓያዪ ሓይሊ ከጕድሎ ከም ዝኽእል ይሕብሩ።

ዝቕባበ ከስዕብ ከም ዝኽእል ዝማጐቱ እውን ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኣብ ኢራን ኣብ 2011 ዝተገበረ ፈተነ ኣብታ ሃገር ዝቕባበ ምስ ኣጋጠመ እቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ድጐማ'ውን ማዕረ እቲ ዝቕባበ ስለ ዘይተሰተኻኸለ ንኣደዳ ቍጠባዊ ቅልውላው ከም ዘቃለዖም ይሕብሩ።