እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሴራልዮን፡ 13 ወተሃደራት ዝርከብዎም ሓያለ ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ሰራልዮን ኣብ ዘጋጠመ ምህዳም እሱራት ወተሃደራት ዝርከብዎም ብውሕዱ 19 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰራዊት እታ ሃገር ሓቢሩ።
ኣብቲ ብሰንበት ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ኣብያተማእሰርትን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ 13 ወተሃደራት ተቐቲሎም።
ኣብቲ መንግስቲ “ዝተወሃሃደ” ዝበሎ መጥቃዕቲ ሰለስተ ካብቶም ኣጥቃዕቲ’ውን ተቐቲሎም ኣለዉ።
እታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዕጡቓት ቤት ማእሰርቲ ሰይሮም እሱራት ክሃድሙ ድሕሪ ምግባሮም ሃገራዊ ሰዓት እቶ እቶ ክትእውጅ ተገዲዳ ነይራ። እቲ ኣዋጅ ሕላፍ ሰዓት ጸኒሑ ከምዝተላዕለ ሰብመዚ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣብ ብዙሓት “ዓበይቲ” ቤት ማእሰርቲታት ዝነበሩ እሱራት ብሰንበት ንጉሆ ክሃድሙ ከምዝተገበረ ሚኒስትሪ ሓበሬታ እታ ሃገር ገሊጹ ነይሩ።
ፕረዚደንት እታ ሃገር ጁልየስ ማዳ ባዮ ድማ መብዛሕተኦም መራሕቲ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተትሓዙ ሓቢሩ።
ንሱ ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ተግባር “ጥሕሰት ድሕትነት” ከምኡ እውን "ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ" ክብል ኮኒንዎ።
እቲ ፕረዚደንት ነቲ መጥቃዕቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኢሉ ካብ ምግላጽ ተቖጢቡ።
ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ምርግጋዕ ከምዝዓሰለ ካብ ምግላጽ ወጻኢ ብዛዕባ መንነት እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኮነ እንታይ ከምዝደለዩ ኣይሓበረን።
ፕረዚደንት ባዮ፡ ኣብ መረጻ እታ ሃገር ንሕንጢጥ [ንስክላ] ካብ ዝተዓወተሉ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ፖለቲካዊ ኩነታት ሴራልዮን ኣብ ወጥሪ እዩ ዘሎ።
ዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲ መረጻ፡ እቲ ከይዲ ዘይምዕሩይ ምንባሩን ኣብ ቆጸራ ድምጺ ግልጽነት ከምዘይነበረን ዝሓበሩ ኮይኖም ጎንጽን ምፍርራሕን ነይሩ ክብሉ ኮኒኖምዎ።
ድሕሪ እቲ ብሰንበት ንጉሆ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሚኒስትሪ ሓበሬታ እታ ሃገር ሽዑ ንሽዑ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጁ።
ነበርቲ እታ ሃገር ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ “ብጥቡቕ” ዝተኣዘዙ ኮይኖም፡ ካብን ናብን ብሕታዊ መዕርፎ ነፈርቲ ሴራልዮን ዝግበሩ በረራታት ተሰሪዞም ኣለዉ።
ወኪላት ቢቢሲ ንጉሆ ኣብ ከተማ ፍሪታውን ከበድቲ ኣጽዋር ዝተዓጠቑ ወታሃደራት ኣብ ናይ ፖሊስ መካይን ዝረኣዩ ኮይኖም፡ ካልኦት ድማ “ንሴራልዮን ክነጽርያ ኢና” እናበሉ ክጭርሑ ተዓዚቦም።
ዛጊድ ክንደይ ዝኣኽሉ እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሃደሙ ዘይተገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ግን ብዙሓት ሰባት ፓዴምባ ሮድ ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ክሃድሙ የርእዩ።
ካልእ ቪድዮ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብስርቂ ተኸሲሱ ዝተኣሰረ ቦስ ላጅ ዝተባህለ ፍሉጥ ራፐር ክሃድም የርእይ።
ቢቢሲ ሓቅነት እቶም ቪድዮታት ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ልዕሊ መራሒ እታ ሃገር ዕልዋ ክፍጽሙ ፈቲኖም ዝተባህለ ብዙሓት ወታሃደራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
ጎረቤት ሴራልዮን ኣብ ዝኾነት ጊኒ ሓዊሱ ብዝተፈጸሙ ዕልዋታት ሸሞንተ ሃገራት ምዕራብን ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ ምምሕዳር ኣትየን ኣለዋ።
ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ዩኬን ዞባዊ ጉጅለ ኢኮዋስን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ነቲ ብሰንበት ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ጎንጺ ኮኒኖም።