ኮኾብ ፊልም ቪን ዲዘል ተሓጋጋዚቱ ነበር ብ'ጾታዊ ምግዳድ' ከሲሳቶ

ኣመሪካዊ ተዋሳኣይ ኮኾብ ፊልም ‘ፋስት ኤንድ ፉርየስ’ ቪን ዲዘል

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ኣመሪካዊ ተዋሳኣይ ኮኾብ ፊልም ‘ፋስት ኤንድ ፉርየስ’ ቪን ዲዘል፡ ኣብ 2010 ኣብ እዋን ቀረጻ ፊልም ‘ፋስት ፋይቭ’ ኣብ ልዕለይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ክትብል ውልቃዊ ተሓጋጋዚቱ ነበር ከሲሳቶ።

ጠበቓ ናይቲ ሓቀኛ ስሙ ማርክ ሲንክለር ዝዀነ ተዋስኣይ ግን ዓሚሉ፡ "ነዚ ክሲ ብምሉኡ ይነጽጐ" ክብል ኣፍሊጡ’ሎ።

ተሓጋጋዚቱ ነበር ኣስታ ጆናሰን፡ እቲ ተዋሳኣይ ንዕኣ ሓፍ ኣቢሉ ናብ መንደቕ ኣጸጊዑ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሱ ጾታዊ ተግባር ከምዝፈጸመ ኣብቲ ክሲ ገሊጻ።

ንሳ ብተወሳኺ ብዘይምኽኑይ ምስጓግ ስራሕ ነቲ ተዋስኣይ ክትከሶ እንከላ፡ ትካሉ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸም ድሕሪ ሰዓታት ካብ ስርሓ ከምዘባረራ ሓቢራ።

ብሓሙስ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝቐረበ ክሲ ኣስታ ጆናሰን፡ እቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ኣትላንታ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሰይንት ረጂስ ኣብ እዋን ቀረጻ ፊልም ‘ፋስት ፋይቭ’ ከምዝተፈጸመ ይጠቅስ።

ወዲ 56 ዓመት ሲንክለር ኣብ ሆቴሉ ሓይሉ ተጠቂሙ ከምዝሓዛን፡ "ጆናሰን ፍቓደኛ ከምዘይኰነት እናገለጸትሉ እንከላ ሸለል ኢሉ" ኣካላታ ብጾታዊ ድልየት ከምዝተናኸፋን ኣብቲ ክሲ ሰፊሩ’ሎ።

እቲ ክሲ ወሲኹ፡ "ኣውያት እናስምዐት ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ሽቓቕ ገጻ ምስ ጐየየት" እቲ ኮኾብ ፊልም "ንዕኣ ሓፍ ኣቢሉ ኣብ መንደቕ ብምጽጋዕ ኣካላቱ ናብኣ ኣጸጊዑ” ኣብ ነብሱ ጾታዊ ተግባር ከም ዝፈጸመ የረድእ።

ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ "ሒደት ሰዓታት" ሓፍቲ እቲ ተዋሳኣይ ዝዀነት ሳማንታ ቪንሰንት [ዋን ሬስ ፊልምስ ብዝብል ንዝፍለጥ ኩባንያ እቲ ተዋስኣይ እተካይድ] ከምዝረኸበታን ካብ ስራሕ ከምዘባረረታን እቲ ክሲ የመልክት።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣስታ ጆናሰን ንሓፍቲ እቲ ተዋሳኣይን ንትካሉን እውን ከሲሳ’ላ። ሳማንታ ቪንሰንት ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ንኽትህብ ንዝቐረበላ ሕቶ መልሲ ኣይሃበትን።

"ድሕሪኡ ጠቓሚት ስለዘይነበረት ካብ ስራሕ ከምዝተባረረት ንጹር እዩ ነይሩ። ቪን ዲዘል ጾታዊ ድሌታቱ ንምምላእ እዩ ተጠቒሙላ" ይብል እቲ ክሲ።

ወሲኹ ድማ፡ "ጆናሰን ሓጋዚ ከምዘይብላ ኰይኑ ተሰሚዕዋ፣ ርእሰ-ምትእምማና ጠፊኡ፣ ጽቡቕ ስራሕ ንምርካብ ኣካላታ ኣሕሊፋ ክትህብ ይጠልብ ድዩ ክትብል ተገዲዳ” ይብል።

እታ ተሓጋጋዚት ነበር ካልእ ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኩባንያ’ውን ሒደት መዓልታት ቅድሚ እቲ ምስ ተዋስኣይ ሲንክለር ዘጋጠመ ፍጻመ ኣብ ተመሳሳሊ ሆቴል ንጾታዊ ድልየት ከም ዝሓተታ ትዛረብ።

ብዘይካ’ቲ ጾታዊ ምግዳድ ከም ጾታዊ ኣድልዎ፡ ዘይሕጋዊ ሕነ ምፍዳይ፡ ናብ ስምዒት ጭንቀት ምቅላዕን ዘይምኽኑይ ምቍራጽ ስራሕን ዝብሉ’ውን ኣብቲ ክሲ ሰፊሮም ኣለዉ።

ጠበቓ ሲንክለር ዝዀነ ብራያን ፍሪድማን ብሓሙስ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ "ቪን ዲዘል ነዚ ክሲ ብምሉኡ ፈጺሙ ይነጽጐ" ኢሉ’ሎ።

"ብዛዕባ እዚ ብሓንቲ ናይ 9 መዓልታት ሰራሕተኛ ዝቐረበ ልዕሊ 13 ዓመት ዘቝጸረ ጉዳይ ዝምልከት ክሲ ንፈለማ እዋን እዩ ሰሚዑ" ክብል እውን ሓቢሩ።

ጠበቓ ሚስ ጆናሰን ብወገና ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ዓሚላ "ንቪን ዲዘልን ነቶም ንዝፈጸሞ ጾታዊ መጥቃዕቱ ቅቡል ዝገበሩን ዝሸፈኑን በቲ ይቕረ ዘይበሃል ተግባራቶም ክሕተቱ ትደሊ" ኢላ።

ጠበቓ ክሌር-ሊዝ ኩትላይ፡ "እቲ ንቕድሚት ንምምጻእ ዝወሰደቶ ተባዕ ውሳነ ነባሪ ለውጢ ንምፍጣርን ንኻልኦት ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ሓይሊ ዝህብን ክኸውን ተስፋ ንገብር" ኢላ።

ቪን ዲዘል ብዘይካ እታ ብተኸታታሊ ዝተሰርሐት ፊልም ‘ፋስት ኤንድ ፉርየስ’ ብ ጋርድያንስ ኦፍ ዘ ጋላክሲ፣ ‘XXX’ ሪዲክን ዝኣመሰላ ብዙሓት ፊልምታት ይፍለጥ።

ኣፍራዪ ናይታ ፋስት ኤንድ ፉርየስ እትብል ተኸታታሊት ፊልም ኰይኑ እውን፡ ኣብ ሆሊዉድ ካብቶም ዝለዓለ ኣታዊ ዘለዎም ተዋሳእቲ ሓደ እዩ።