ገዲም በሃር ኤርትራዊ ስነጥበባዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, Social Media
ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ከምዝዓረፈ፡ ኣዝማዱን ፈተውቱን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ 1948 ኣብ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ ዑስማን፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ - ኣብ ፈለማ 60ታት ኣትሒዙ ኣብ ሙዚቃ ዓለም ዝኣተወን ካብቶም ኣብ 60ታት ዝተቐልቀሉ ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ኤርትራ ዓቢ ኣሰር ዝገደፉ ብሉጻት ስነጥበባውያን ምዃኑ ይንገረሉ።
ስነጥበባዊ ዑስማን፡ ኣብተን ዓቢይ ጽልዋን ኣበርክቶን ዝገበራ ማሕበራትን ባንድታትን፤ ማትኣ፡ ዘርኣይደረስ፡ ሮኬት ባንድ፡ ቬኑስ ባንድን ካልኦትን ተጸንቢሩ፡ደሓር’ውን ምስ ፍሉጣት ገዳይም ስነጥበባውያን “ዕምባባ ሃገር” ዝብል ማሕበር መስሪቶም፡ ብሓፈሻ ንከም “ኣብ ከተማ ምጽዋዕ”፡ “ስግር ቤትና”፡ “ወጋሕታ”፡ “ዓቕሊ ጽበት”፡ “ኣብ ገዛና ዘለኹም ተቐማጦ ሰብ ክራይ...”፡ “ኣደይ”፡ ትነብር ኔራ ቈጸራ ጠሊማ”፡ “ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ”፡ “ዝሕው ኢሉ መዓንጣይ”ን ካልኦትን ሃገራውን ማሕበራውን ትሕዝቶ ዘለወን ኣመና ብዙሓት ተዘከርቲ ደርፊታት ዘፍረየ በሃር ድምጻዊ ብምዃኑ ብፍሉይ ይዝከር።
ደርፍታት ዑስማን፡ ከምቲ ኣብ 60ታትን 70ታትን ዝውቱር ዝነበረ፡ ብጸቢብ መርመራ ሳንሱር ዝሓልፍ ዝነበረ ፍርያት ስነጥበብ፡ ብቍንቍኛ ዝግለጽ ዓይነት ኰይኑ፡ ነቲ ዝነበረ ሃገራዊ መንፈስ ዘንጸባርቕ ምንባሩ ዝያዳ ህያው ይገብሮ።
ዑስማን፡ በቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ንምንባር ይዅን ንናጽነት ስነጥበብ ዘይምችእ ኵነታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መፋርቕ 70ታት ናብ ተጋድሎ ሓርነት ተጸንቢሩ ብስነጥበቡ ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበረ ስነጥበበባ ምዃኑ ታሪኹ ይነግር።
ካብ 1980ታት ኣትሒዙ እውን ነዊሕ ዓመታት ኣብ ስደት ድሕሪ ምንባር፡ ኣብ 1991 ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ይነብር ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ደሓር’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያታት ናብ ስደት ኣምሪሑ ኣብ ሽወደን ክነብር ተገዲዱ እዩ።
ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ድምጻዊት ደሃብ ፋይቲንጋ ናብ ሽወደን ብምኻድ ዑስማን ዓብደደልረሒም ዋላ’ኳ ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጢሙዎ እንተሎ ኣብ ደሓን ኵነታት ከምዘሎ ብቪድዮ ዝተሰነየ ክሊፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘርጊሓ ነይራ።
ዑስማን ከኣ ኣብታ ቪድዮ ንድሕረ ባይታኡ ዝምልከት ሓጺር ዕላል ብምክያድ ንዅሎም ብኵነታት ጥዕናኡ ዝተሻቐሉ ኣድነቕቱን ፈተውቱን ምስጋናኡ ኣቕሪቡ ነይሩ።
እቲ ፍቱው፡ ብሓያል ብጣዕመ ዜማን ምልከት መድረኽን ዝፍለጥ ድምጻዊ ነዊሕ ኵነታት ጥዕናኡ ከንቈንቍልን ሕክምና ክከታተልን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሰንበት 8 መስከረም፡ ኣብታ ስደተኛ ኰይኑ ነዊሕ ዝነበረላ ሃገረ ሽወደን ዓሪፉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







