ሰበስልጣን ቻይና ብዛዕባ ኮቪድ ግቡእ መረዳእታ ክህቡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ቻይና መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ብዛዕባኡ ሓቀኛ ሓበሬታ ከካፍሉ ከም ዘለዎም ኣፍሊጡ።

ቻይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ብዙሓት ጽኑዕ እገዳታት ክተልዕል ዝጸንሐት ኮይና፡ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ፡ ሓያሎ ሃገራት ካብ ቻይና ንዝመጹ ተጓዓዝቲ መርመራ የካይዳ ከም ዘለዋ ይፍለጥ።

ሰበስልጣን ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብዛዕባ ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ፡ ኣብ ጽዑቕ ክንክን ዝርከቡን ዝሞቱን ሰባት ከምኡ’ውን ብዛዕባ ክታበት ዝያዳ መረዳእታ ክረኽቡ ከም ዝደልዩ ይዛረቡ።

ኮሮናቫይረስ ዳግማይ ከይላባዕ ዝሰግኣ ከም ኣመሪካ፣ ስፔን፣ ፈረንሳ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ህንዲ፣ ጣልያን፣ ጃፓንን ታይዋንን ዝበላ ሃገራት ካብ ቻይና ንዝመጹ ተጓዓዝቲ መርመራ ኮቪድ የካይዳ ኣለዋ።

ብተወሳኺ፡ ካብ ቻይና ናብ እንግሊዝ ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ቅድሚ ናብ ነፋሪት ምድያቦም ኣሉታዊ ውጽኢት ዘርኢ ሰነድ መርመራ ከቕርቡ ክግደዱ እዮም።

እቲ ትካል ጥዕና ሕቡራት ሃገራት፡ ንሰበስልጣን ቻይና ድሕሪ ምዝርራቡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ውድብ ጥዕና ዓለም ደጊሙ ብዛዕባ ኩነታት እቲ ለበዳ ዝምልከት ፍሉይን እዋናዊን መረዳእታ... ከምኡ'ውን ብዛዕባ ቀረብ ክታበትን ኩነታት ክታበትን፡ ብፍላይ ንተቓላዕቲ ሰባትን ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም" ከም ዝሓተተ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብዞም መዳያትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክታበት ዘሎ ምጥርጣር ንምፍታሕ ሓገዝ ክህብ ድልው ምዃኑ ገሊጹ።

ቴክኒካዊ ኣማኻሪ ጉጅለ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ ፍልቀት ኮቪድ-19 ዝምልከት ኣብ ዝመጽእ ሰሉስ ኣኼባ ከካይድ እዩ።

እቲ ትካል፡ ቻይናውያን ሳይንቲስትታት ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ዝምልከት ዝርዝር መረዳእታ ከቕርቡ ከም ዝዓደመ ይገልጽ።

ወሲኹ’ውን ገለ ሃገራት ካብ ቻይና ንዝጓዓዙ ሰባት ሓድሽ እገዳታት ይገብራ ምህላወን "ርዱእ እዩ" ይብል።

ቻይና ኣብ ዓለም ተሪር ስርዓታት ጸረ ኮቪድ ዘለዋ ሃገር እያ ነይራ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣንጻር ምሕደራ እቲ ሕማም ተቓውሞታት ድሕሪ ምሕያሎም ግን ብዙሓት እገዳታት ክተልዕል ከም ዝጀመረት ይፍለጥ።

ሕጂ ዕጽዋ ተቛሪጹ፡ ሕጊ ምውሻብ እውን ተሰሪዙ’ዩ። ብተወሳኺ፡ ሰባት ዳግማይ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክጓዓዙ ተፈቒዱሎም ኣሎ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት እናወሰኹ መጺኡ፤ መንግስቲ ቻይና ኣብ መዓልቲ ኣስታት 5 ሽሕ ዝተለኸፉ ሰባት ከም ዝረክበ ይሕብር።

እንተኾነ ተንተንቲ፡ እቲ ቁጽሪ ኣዝዩ ትሑት ከም ዝኾነ ይገልጹ - መዓልታዊ መልከፍቲ ድማ ናብ ሓደ ሚልዮን ክጽጋእ ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

ብወግዒ ኣብ ምሉእ ወርሒ ታሕሳስ 13 ሰባት ብኮቪድ ጥራይ ከም ዝሞቱ እኳ እንተተገለጸ፡ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል መረዳእታ ጥዕና ኤርፊኒቲ ግን ኣብ ቻይና ኣስታት 9,000 ሰባት በብመዓልቱ በቲ ሕማም ይሞቱ ከም ዘለዉ ብሓሙስ ገሊጹ’ዩ።