ሕማም እነሓጎኡ ንኽመራመር ሕክምና ኣጽኒዑ ትካላት ጥዕና ዝወነነ ዶ/ር ዳዊት

ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ፡ ስድራ ቤቱ ኮነ መማህራኑ፡ ‘ምስዓበኻ እንታይ ክትከውን ኢኻ?’ ተባሂሉ ዝሕተት ዝነበረ ዶ/ር ዳዊት፡ ዶክተር ወይ መሃንዲስ ክኸውን ከምዝደሊ ይነግሮም ምንባሩ ይዝክር።

ይኹን እምበር፡ ሓደ መዓልቲ ነታ ሕጂ ሓኪም ኮይኑ ዝሰርሓላ ዘሎ ሞያ፡ ስኑ ነኺሱ ንኸጽንዕ ዝገበረቶ ተጓንፎ ሎሚ’ውን ልክዕ ከም ትማሊ እዩ ዝዝክራ።

ብቘልዕኡ ካብ ኣደኡ ንላዕሊ ምስ እኖሓጉኡ ዝያዳ ዝጠበቐ ርክብ ዝነበሮ ዳዊት ዓባይኡ ወቕዒ ‘ስትሮክ’ ስለዘጋጠማ ተታሓሒዞም ናብ ሕክምና ይኸዱ።

እነተዀነ ቅልጡፍ ረድኤት ስለዘይረኸበት ኣካላታ ስለዝለመሰት፡ “ሓኪም እንተዝኸውንስ እምበር ነታ ዝፈትዋ እኖሓጎይ መጥዓኹዋ ነይረ” ዝብል ኒሕ ከምዝሓዞ የዘንቱ።

ንሱ፡ ዋላ’ኳ ሓኪም ኮይኑ ንእኖሓጎኡ ከጥዕያ እንተዘይከኣለ ንኻልኦት ኣሽሓት ሰባት ግን ናይ ምጥዓይ ዕድል ረኺቡ’ዩ።

“ሓኪም ምዃን ናይ ዝሓመሙ ሰባት ጸገም እንዳሰማዕኻ ምንባር ማለት’ዩ” ዝብል ዶ/ር ዳዊት፡ ይኹን እምበር ሕብረተሰባዊ ኣጎልግሎት ሂብካ እትርኽቦ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዕግበት መለክዒ ዘይብሉ ከምዝኾነ’ዩ ዝገልጽ።

ሰባት “ትምህርቲ ሕክምና ግዜ ክበልዓልካ’ዩ” ይብልዎ ከምዝነበሩን ንሱ ግን ነቲ ሞያ ዘድሊ ኩለንትናዊ ዋጋ ከፊሉ ተወፍዩ፡ ንርእሱ ሓኪም ክኸውን ከምዘለዎ ኣእሚኑ’ዩ ላዕለዋይ ሓኪም ውሽጣዊ ሕማማት ክኸውን በቒዑ።

“እኖሓጎይ ‘ስትሮክ’ ወቒዕዋ ኣብ ርእሲኡ ጸቕጢ ደም ስለዝነበራ ሰኣን ግቡእ ሕክምና ፍርቂ ኣካላታ ለሚሱ ኣይትንቀሳቐስ ኣይትዛረብ ኮይና ምስ ረኣኹዋ ብስንባደ ኣብ ሕሱም ጭንቂ ኣትየ ነይረ’የ። ኣብ ከምኡ ናይ ጥዕና ጸገም ኮይና ድማ ዓሪፋ። ካብዚ ንድሓር ሸውዓተ ዓመት ይውሰድ ዓሰርተ ዓመት ናይ ግድን ሕክምና ከጽንዕ ከምዘለኒ ምስ ውሽጠይ ኣዋጊዔ” ይብል።

ኣብታ መበቆል ስልጣነ ዝኾነት ከተማ ኣኽሱም ተወሊዱ ዝዓበየ ዶ/ር ዳዊት ኣማረ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብኡ ተኸታቲሉ።

ኣብ 1991 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ድማ ናብ ዩኒቨርስቲ ጅማ ተመዲቡ ድሕሪ 6 ዓመት ብሕክምና ተመሪቑ።

ዶክተር ዳዊት ድሕሪ መምረቕታኡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሆስፒታል ዓድግራት ካብ ሓኪም ክሳብ ሜዲካል ዳይረክተር ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ንተወሳኺ ትምህርቲ ናብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ተላኢኹ ብሕክምና ውሽጣዊ ሕማማት ምስተመረቐ ድማ ካብ መንግስታዊ ስራሕ ናብ ብውልቀ ሰብ ሃፍቲ ዝተጣየሸ ሆስፒታል ኣዲስ ህይወት ኣቕኒዑ።

ንሱ ኣብቲ ሆስፒታል ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወጻኢ ከይድካ ተሞክሮታት ናይ ምቕሳም ዕድል ረኺቡ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ናይ ባዕሉ ክሊኒክ ውሽጣዊ ሕማማት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፊቱ ክሰርሕ ጀሚሩ።

“እቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ወጽኤ ዝረኣኹዎ ናይ ሕክምና ደረጃ ኣብ ሃገረይ ከተግብሮ ባህጊ ሓዲሩኒ” ዝብል ዶ/ር ዳዊት፡ ሓደ ካብ ነበርቲ ኣንጎላ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኣቶ ኣዶናይ፡ ኣንጎላ ሃብታም ሃገር ክነሳ ኣብ ኣጎልግሎት ሕክምና ግን ድኽመት ከምዘሎ ሓቢሩኒ” ይብል።

እቲ ኣብ ትሕቲ ሰብ ተቖጺርካ ምስራሕ ዘይተዋሕጠሉ ዶ/ር ዳዊት ዝርካበን ገንዘብ ኣኪቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ሃያ ሁለት’ ተባሂሉ ኣብ ዝጸዋዕ ሰፈር ማእኸል ሕክምና ሜዲስታር ከፊቱ ክሰርሕ ካብ ዝጅምር ሓያሎ ዓመታት ኰይኑ ነይሩ’ዩ።

ኣብቲ ዝኸፈቶ ማእከል ሕክምና ልዕሊ 25 ሊቃዉንቲ ሕክምና ተቖጺሮም ይሰርሑ።

ማእከላት ሕክምና ክትከፍት ቅድሚ ምሕሳብካ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ክፍተት እንታይ ምዃኑ ምጽናዕ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ዝዛረብ ዶ/ር ዳዊት ኣብ ርእሰ ከተማ ኣንጎላ ኢትዮጵያውያን ኮነ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝነብሩላ ዓዲ ከምዝኾነት ይገልጽ።

“ኣብ ኣንጎላ ኣስታት 30 ሽሕ ሓበሻ ከምዘለዉ’ዩ ዘለና መረዳእታ። እዞም ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ሕማሞም ብቋንቁኦም ነጊሮም ግቡእ ሕክምና ክረኽቡ ኣለዎም ኢልና እና እንኣምን።

ብፍላይ ሓደ ሕሙም ናብ ሕክምና ክኸይድ እንከሎ ሕማሙ ንሓኪም ንምርዳእ ካልእ ሕማም ክሽምት የብሉን። ስለዝኾነ ኣብ ኣንጎላ ብልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ኣውፊርና ዝሰርሓናዮ 'ማእከል ሕክምና ግሬስ' እውን ናይ ቋንቋ ጸገም ዝወለዶ ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ዝፈትሕ’ዩ” ኢሉ።

እቲ ኣብ ኣንጎላ ኣብ ቀረባ እዋን ስራሑ ብወግዒ ዝጀመረ ግሬስ ሜዲካል ሰንተር ስራሕቲ ህንጸቱ ቅድሚ ክልተ ዓመት ከምዝተጀመረን ብሰለስተ ኢትዮጵያውን ሰብ ሃብቲ ከምዝተጣየሸን ዝሓበረ ዶ/ር ዳዊት፡ ንሱ ሓደ ካብቶም ሰብ ሃብቲ ክኸውን እንከሎ እቶም ክልተ ሰብ ብጽሒት እቲ ትካል ድማ ኣብ ንግዲ ዝነጥፉ ሰብ ሃብቲ’ዮም።

እቲ ማእከል ጥዕና፡ ኣጎልግሎታት መጥባሕቲ፣ መወልዳን፣ ናይ ዓበይትን ቆልዑትን ሕክምና ዘጠቓለለ 60 ሰራሕተኛታት ኣለውዎ።

መንግስቲ ኣንጎላ 2ይ ደረጃ ፍቓድ ዝተዋህቦ ዘበናዊ መሳለጥያታት ሕክምና ዘካተተ 40 መደቀሲ ዓራውቲ ከምዘለዎ ዶ/ር ዳዊት ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዋሕዲ መሃያ ሓካይም ተዛሚዱ ብዙሓት ዶክተራት ካብተን ብመንግስቲ ዝመሓደራ ስፒታላት ወጺኦም ኣብ ናይ ውልቀ ትካላት ሕክምና ክሰርሑ ምርኣይ ልሙድ እዩ።

በዚ ምኽንያት ድማ ገንዘብ ዘለዎ ዝያዳ ኣጎልግሎት ዝረኽበሉ እቲ ድኻ ድማ ዝተማልአ ኣጎልግሎት ሕክምና ዘይረኽበሉ ኩነታት ከምዘሎ ርዱእ እዩ።

ንገዛእ ርእሱ ብዙሕ ሰብ ክሕክም እንዳኸኣለ ሰኣን እኹል መሃያ ናይ ባዕሉ ትካል ሕክምና ኣጣይሹ ክሰርሕ ከምዝተገደደ ዝገልጽ ዶ/ር ዳዊት “ንኣብነት ኣነ ካብቲ ክሕክሞ ዝግብኣኒ ቁጽሪ ህዝቢ ንኽልተ ምኢታዊ ሕብረተሰብ ጥራይ እየ ዘገልግል ዘለኹ። በዚ ድማ ሕጉስ ኣይኮንኩን’የ።

ይኹን እምበር እቲ ናይ መንግስቲ መሃያ ኣይኮነን ከዕግበካ ንኽትነበረሉ’ውን ፈታኒ ስለዝኾነ ጸግዕኻ ሒዝካ ህይወትካ ክትመርሕ’ዩ ዝደፍኣካ” ኢሉ።

ከም መፍትሒ ግን ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ናብቲ ኣብ ኣንጎላ ዝተልኣኹ ሰብ ሞያ ሕክምና ወጻኢ ኣብ ኢትዮጵያን ኣንጎላን ተመላሊሶም ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ሕክምና ክቖጽሩ መደብ ከምዘለዎም ዶ/ር ዳዊት ይጠቅስ።

ይኹን እምበር ፍልሰት ሓካይም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ግን መንግስቲ ህይወት ሓካይም ኣብ ዘመሓይሹ መተባብዒ ፖሊሲታት ትኹረት ክገብር’ዩ ይመክር።

ብስራሕ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ተንቀሳቒሱ፡ ናብራ ሰብ ሞያ ሕክምና ክርኢ ዕድል ዘጋጠሞ ዶር ዳዊት፡ እቶም ሓካይም፡ ጐኒ ጎኒ ሞየኦም ኣብ ሕርሻ ከምዝነጥፉ የረድእ።

“ኣብ ኢትዮጵያ ግን ካልእ ይትረፍ መንበሪ ገዛን ጉያ ኢሉ ከይዱ ኣጎልግሎት ሕክምና ዝህበላን መኪና ንኽረክብ ዝጽገም ሓኪም እዩ ዘሎ” ክብል ሓደ በዓል ሞያ መጥባሕቲ ተመላሊሱ ዝሰርሓላ መኪና ክትህልዎ ብዓይኒ ሕክምና መሰረታዊ ጠለብ ምዃኑ ይገልጽ።

ዶ/ር ዳዊት፡ መንግስቲ፡ ንሓካይም መንበሪ ገዛ ብምቕራብን ኣብ ዕድጊ መኪና ናይ ቀረጽ ሕድገታት ብምግባር ኣገልግሎት ሕክምና ንኽመሓየሽ ከተባብዕ ከምዝኽእል የዘኻኽር።

ማእከል ሕክምና ግሬስ፡ ኣብ ቀጻሊ ምዕራፍ ሕሙማን ደቂሶም ዝሕከምሉ ልዕሊ 150 ዓራዉቲ ክህልዎን ሓፈሻዊ ቁጽሪ ሰራሕተኛታቱ ድማ ናብ 150 ኣዕቢኻ ኣብ ኣንጎላ ሓደ ካብ ቀዳሞት ማእከላት ሕክምና ናይ ምግባር ራእይ ሒዙ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊጹ።