'ህይወት ወደይ ብሓደ ሚልዮን ብር ገዚአዮ' ወዶም ካብ ጭውያ ዘውጽኡ ኢትዮጵያዊ ኣቦ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መምህር ኣንለይ መኩርያ ንኣርብዓ ዓመታት መምህር ኰይኑ ኣብ ዘገልገለሉ ህይወቱ ሓደ ሚልዮን ብር ክኸፍል ዝተገደደሉ ፈተና ኣጋጢምዎ ኣይፈልጥን።
ብኣማኢት ብር ክኸፍል ካብ ዝጀመረሉ ናይ መምህርነት ሞያ ብሓፈሻ፡ ንዝሓለፉ ኣርብዓ ዓመታት ናብ ኢዱ ዝኣተወ መጠን ደሞዝ ተደሚሩ’ውን ሓደ ሚልዮን ክበጽሕ ይኽእል ድዩ ርግጸኛ ኣይኮነን።
ኣብ መጀመርታ ሰነ ናይዚ ዓመት ግን፡ ብዘይሓሰቦን ዘይተጸበዮን ኵነታት ህይወት ቦኽሪ ወዱ ንምድሓን ሓደ ሚልዮን ብር ክኸፍል ተሓቲቱ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ኣብ ትርከብ ከተማ ኣማኑኤል ዝነብር ጥሮተኛ መምህር ኣንለይ፡ "ህይወት ወደይ ካብቶም ጨወይቲ ብሓደ ሚልዮን ብር ገዚአዮ" ይብል።
እቲ ጭውያ . . .
ሰባት ብዕጡቓት ተጨውዮም ዝብል ዜና ኣብዚ እዋን እዚ ልሙድ እናዀነ ይመጽእ’ሎ። እቲ ፍጻመ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ስግኣት ኰይኑ ይርከብ።
ዕጡቓት ኣብ ዙርያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣማኢት ኪሎሜተራት ጭውያታት ብምክያድ (ንሰባት ጅሆ ብምሓዝ) ካብ ኣማኢት ኣሽሓት ክሳብ ሓደ ሚልዮን ብር መበጆ ክወሃቦም ይጠልቡ።
በዅሪ ወዲ መምህር ኣንለይ ዝዀነ ኣብርሃም፡ ሓደ ካብቶም እዚ ሕማቕ ዕድል ዘጋጠሞም ሰባት እዩ።
በዓል ሓዳርን መራሒ መኪናን ኰይኑ ናብራኡ ዝመርሕ ኣብርሃም፡ ካብዚ ስራሕ ብዝረኽቦ ኣታዊ እዩ ሓዳሩን ጥሮተኛታት ስድራኡን ዘመሓድር።
ካብ ጎጃም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መንገዲ ዝተፈላለዩ ጽዕነት ሒዙ ዝመላለሰሉ ቀንዲ መስመሩ እዩ። ኣብዚ መስመር ንልዕሊ 10 ዓመት ክሰርሕ ጸኒሑ’ሎ። 10 ሰነ 2015 [ግእዝ] ግን ከም ቀደሙ ኣይነበረን። ብዕጡቓት ስለዝተዓገተ ኣብ መንገዲ ተሪፉ።
ኣብርሃም፡ ቀዳም 10 ሰነ 2015፣ ካብቲ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ምብራቕ ጎጃም ከተማ ኣማኑኤል ምስተበገሰ፡ ኣብ ፍቼ ሓዲሩ፣ ወጋሕታ ከባቢ ሰዓት 12፡00 [ኣ.ኢትዮጵያ] ጕዕዞኡ ቀፀለ።
ንሱን ብጾቱን ኣብ ክልል ኦሮምያ ካብ እትርከብ ከተማ ፍቼ ዝተወሰነ ርሕቀት ምስ ተጓዕዙ፡ ኣሊዴሮ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዘይተጸበይዎ ነገር ኣጋጠሞም። ዕጡቓት ልዕሊ 30 መካይን ደው ኣቢሎም ይፍትሹ ነበሩ።
ኣብ ጁባኦም ዝነበረ ገንዘብን ሞባይልን ድማ መንጠልዎም። መብዛሕትኦም እቲ ኵነታት ብዘረፋ ዝፍጸም’ዩ መሲልዎም ነይሩ።
እቶም ዕጡቓት ግን በቲ ዝመንጠልዎም ነገር ኣይዓገቡን። ነቶም መራሕቲ መካይንን ተሓጋገዝቶምን ጨውዮም ናብ ጫካ ወሰድዎም።
ኣለሻ ገንዘብ
ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 160 ኪሎ ሜተር ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ንዝተፈፀመ ጭውያ ብዙሓት መራሕቲ መካይንን ተሓጋገዝቶምን ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ክሳብ ሎሚ ኣይተረኸበን።
ንስራሕ ካብ ገዛኡ ዝወጸአ ኣብርሃምን ካልኦትን ምስተጨወዩ መካይኖም ኣብ ወሰን ጽርግያ ገዲፎም ብጠበንጃ ተዓጂቦም ብሓይሊ ናብ ጫካ ክኣትዉ እዮም ተገዲዶም።
ኣብርሃም ኣብ ዝተጨውየሉ እዋን፡ ስልኪ ዝድውለሉ ዕድል ምስ ረኸበ ኣቐዲሙ ናብቲ ቈጺሩ ዘስርሖ ዝነበረ ዋና እታ መኪና እዩ ነይሩ።
ሽዑ ብዕጡቓት ከምዝተጨውየ፤ እቶም ዕጡቓት ንኽፈትሕዎ ሓደ ሚልዮን ብር ከምዝደልዩን መኪናኡ ደው ካብ ዝበለትሉ ከይዱ ክወስዳን ሓበሮ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስድራ ኣብርሃም ብፍላይ ድማ ኣቦኡ መምህር ኣንለይ፡ ብዛዕባ ጭውያ ወዱ ዝሰምዐ ካብ ሳልሳይ ኣካል ነበረ። እቲ በዅሪ ወዱ ዝተጨውዮ ኣቦ፡ ስልኪ ደዊሉ ንወዱ ክረኽቦ’ኳ እንተፈተነ ክሰምረሉ ግን ኣይከኣለን።
ወዱ ካብ ጭውያ ክፍኖ እንተዀይኑ 1 ሚልዮን ብር ክኸፍል ከምዘለዎ ምስተሰምዐ፡ ንዕኡን ንስድራኡን ናብ ደልሃመት ዘእተወ ኮነ።
ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዘገልገለሉ ሞያ መምህርነት ኣብዚ ዓመት’ዚ ብጥሮታ ዝተሰናበተ መምህር ኣንለይ፡ ይትረፍ ሓደ ሚልዮን ብር ክህልዎስ፡ ንናብራኡ ዝኸውን ተወሳኺ ድጎማ ‘ውን ካብቲ ዝተዓገተ ወዱ እዩ ዝቕበል ነይሩ።
እቲ ጭውያ ክልተ መዓልቲ ምስኮኖ፡ ሰኑይ 12 ሰነ 2015 ንመጀመርታ ግዜ ምስ ወዱ ብተሌፎን ከምዝተራኸቡ ይዛረብ።
"ዝገብሮ ነገር ስለዘይነበረኒ ክሳብ ሰሉስ ብጭንቀት ክሓስብን ከስተንትንን ቀንየ" ዝብል እቲ ጥሮተኛ መምህር፡ ሰሉስ ግን ጎረባብቱ ዝኸኣሉ ብገንዘብ ብምሕጋዝ ዘይከኣሉ ድማ ዘለቅሕ ሰብ ናብ ምእላሽ ከምዝወፈሩ ይገልፅ።
ህይወት ናይቲ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቈልዓን ዝኾነ ጠዋሪኡ ወዱ፡ ብሓደ ሚልዮን ብር ከምዘይግመት ዝዛረብ መምህር ኣንለይ፡ ንወዱ ካብቶም ጅሆ ዝሓዝዎ (ጨወይቲ) ንምድሓን ናብ ከቢድ ዕዳ ልቓሕ ክኣቱ ወሰነ።
ነበርቲ ከተማ ኣማኑኤል ዝዀኑን መበጆ ገንዘብ ዝተሓተቱን ወዲ መምህር ኣንለይ ዝርከቦም 7 ሰባት፡ ኣብ ኢድ እቶም ጨወይቲ ብምውዳቘም እታ ከተማ ኣብ ከቢድ ድባብ ሓዘን ክትቕኒ ተገደደት።
እቶም ጨወይቲ ንገሊኦም 500 ሽሕ ብር ንገሊኦም ድማ ሓደ ሚልዮን ብር ብምሕታቶም ኣባላት ቤተሰብ እቶም ግዳያት ኣብ ጽርግያታት ነጸላ ዘርጊሖም ገንዘብ ናብ ምትእኽኻብ ወፈሩ።
ኣካላት ሕጊ ናብቲ ጉዳይ ኢዶም ቅድሚ ምሕዋሶም፡ ነቲ ዕጡቓት ዝሓተትዎ ገንዘብ ብምኽፋል ዝተፈትሑ ሰባት ከምዘለዉ ምስምዑን መዓልታት ምስተቘጸሩን ንወዱ ከይስእኖ ዝሰግአ መምህር ኣንለይ፡ ንኣዝማዱን ፈተውቱን ምልማን ቀፀለ።
ካብቲ ዝተሓተተ ገንዘብ በጃ፡ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ብር ጥራይ ብምርካቡ፡ እቲ ዝተረፈ 900,000 ብር ህይወት ወዱ ንምድሓን ካብ ሰባት ብልቓሕ ዝኣተዎ ዕዳ እዩ።
"ጎረባብተይ ‘ካብ ውላድካ ዝዓቢ ነገር የለን፤ ገዛኻ ሸይጥካ’ውን እንተኾነ ክትከፍሎ ኢኻ' ብምባል ክሳብ ሓሙስ ኣብ ዝነበረ ግዜ ሓደ ሚልዮን ብር ኣኪቦም መሊኦምለይ” ይብል።
ቀጺሉ ንመምህር ኣንለይ ብድሆ ዝኾነ ጉዳይ፡ "እቲ ገንዘብ ከመይ ጌርካ እዩ ናብቶም ጨወይቲ ዝበጽሕ?" ዝብል ነይሩ። ነቲ ገንዘብ ብባንክ ኣቢሎም ክቕበልዎም ድማ ሓተቱ። ግን ከኣ እቶም ጨወይቲ ነዚ ክቕበሉ ኣይከኣሉን።
ነቲ ገንዘብ ብኣካል ክቕበልዎ ከም ዝደልዩ ብጽኑዕ ነገርዎ። ኣብ ጥቓ እቲ ኣብርሃም ዝተጨውየሉ ገርበ ጉራቻ ኣብ ዝበሃል ቦታ ከምዝቕበልዎ ድማ ሓበርዎ።
‘ሓደ ሚልዮን ብር ኣብ ዘምቢል’
ኣማራጺ ዘይነበሮ መምህር ኣንለይ፡ ብሰናይ ምትሕብባር ጎረባብቱን ካብ ልቓሕን ዝተኣከበ ሓደ ሚልዮን ብር ተሰኪሙ፡ በዅሪ ወዱ ካብ ጭውያ ሓራ ንምውጻእ ናብ ገርበ ጉራቻ ተጓዕዘ።
“ወደይ ካብ ዝጭወ ልክዕ ኣብ ሰሙኑ ቀዳም፡ ነቲ ሓደ ሚልዮን ብር ኣብ ዘንቢል ተሰኪመ ናብ ዘይፈልጦ ቦታ ከይደ” ይብል።
ኣብ ገርበ ጉራቻ ምስ በጽሐ ድማ ቋንቋ ዘተርጕምሉ ሰብ ቈጺሩ፡ ነቲ ገንዘብ ተሰኪሙ ካብታ ከተማ ኣስታት 7 ኪሎ ሜተር ርሒቝ ናብ ዝርከብ ቦታ ከደ።
ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሐ ሓደ ሰብኣይ ክጽበዮ ጸንሐ። ነቲ ጅሆ ዝሓዘ ሰብ ምስ ደወለሉ ነቲ ገንዘብ ዝቕበል ሰብ ንሱ ምዃኑ ሓበሮ።
እዚ ኵሉ ክሳብ ዝኸውን ግን ክሳብ ሕጂ ወዱ ኣበይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን ነይሩ። ነቲ ገንዘብ ምስ ኣረከበ ወዱ ቀልጢፉ ክፍታሕ ተስፋ ገይሩ ነይሩ። እቲ ሰብኣይ ዝሃቦ መልሲ ግን ዝያዳ ስግኣት ዝፈጥር ነይሩ።
“እቲ ገንዘብ ፈቲሕና ኣረከብናዮ። ድሕሪ ናይ ሸውዓተ ሰዓታት ጕዕዞ ከኣ እቲ ገንዘብ ናብቶም ቀንዲ ጨወይቲ ይበጽሕ። ብድሕሪኡ ‘እቲ ገንዘብ ተቘጺሩ ምሉእ ምዃኑ ምስተረጋገጸ ክንነግረካ ኢና’ ኢሎም ኣሰንዮምኒ" ይብል መምህር ኣንለይ።
ንሱ ይዅን ስድራ እቶም ካልኦት ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት፡ ምስቶም ጨወይቲ ብዛዕባ ዘለዎም ርክብ ይዅን ዝሕተትዎ ዝነበሩ ገንዘብ ናብ ኣካላት ጸጥታ ክሕብሩ ኣይመረፁን።
ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ፖሊስ ናብቲ ጉዳይ ኢዱ እንተሓዊሱ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት በቶም ዕጡቓት ክቕተሉ ስለዝኽእሉ እዩ።
ነቲ ገንዘብ ተቐቢሎም “ፈቒድና ምስ ኣረጋግጽና ጽባሕ ደዊልና ክነፍልጠካ ኢና” ኢሎም ምስ ሰነይዎ እታ ለይቲ ኣዝያ ከባድ ኮይና ሓለፈት። ኣብ ጽባሕ እቲ ክፍሊት ዝፈጸመሉ ዕለት ዝነበረት መዓልቲ ከኣ ንመምህር ኣንለይ ዝያዳ ውጥረት ዝመልአ ነይራ።
"ክሳብ ደዊሎም ዝነግሩኒ ኣብቲ ዓራት ዝሓዝኩሉ ቦታ ኮፍ ኢለ እናበኸኹ መግቢ ከይበላዕኩ ክሳብ ሰዓት 8 ለይቲ ጸኒሐ" ክብል ብዛዕባ እታ ኣዝያ ዘጨነቐቶ ለይቲ ይዝክር።
ንጽባሒቱ ወዱ ዝፍታሓላ መዓልቲ እያ። ንግሆ ከምዝፍታሕ እዩ ተነጊርዎ። እንተዀነ ናብቲ ጅሆ ዝተታሕዙሉ ቦታ ንምብጻሕ ሸውዓተ ሰዓታት ብእግሪ ክትጓዓዝ ግድን’ዩ። ስለዚ እንተወሓደ ክሳብ ሰዓት 7 ድሕሪ ቀትሪ [ኣ.ኢትዮጵያ] ክጽበ ነበሮ። ዋላ እኳ እታ መዓልቲ እንተነውሐት ኣብ መወዳእታ ግን ወዱ ተፈቲሑ ብኣካል ክረኽቦ በቕዐ።
"ህይወቱ ብሓደ ሚልዮን ብር ዝገዛእክዎ ወደይ ናይቲ ነዊሕ ርሕቀት ዝተጓዕዞ ጫማኡ ተበታቲኹ እግሩ ሓቢጡ ምስረኣኽዎ ዳግማይ ንብዓተይ ክቈጻጸሮ ኣይከኣልኩን። ደቂ ዓዲ ክሳብ ዝግረሙ ኣምሪረ በኸኹ፡” ይብል።
መጻኢ ስግኣት !

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ኣብ እትርከብ ከተማ ኣማኑኤል ጥራሕ 7 ሰባት ምስ ወዲ መምህር ኣንለይ ተጨውዮም ነይሮም። እቲ መምህር ከምዝበሎ እቶም ጨወይቲ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት እዮም።
ስለዝዀነ፡ እቶም ጕጅለታት ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ሓራ ንምውጻእ ዝሓትዎ መጠን ገንዘብ ይፈላለ እዩ። ንኣብነት እቶም ብኻልኦት ዝተጨውዩ ካልኦት ሽዱሽተ ነበርቲ እታ ከተማ 500 ሽሕ ብር እዮም ተሓቲቶም።
እቶም ንወዱን ካልኦት 21 ሰባትን ዝጨወዩ ዕጡቓት ግን፡ ካብ ነፍሲ ወከፎም ሓደ ሚልዮን ብር ሓቲቶም።
መምህር ኣንለይ መንበሪ ገዛኡ ሸይጡ ክኸፍል ብምውሳን ናብቲ ብሓገዝ ዝረኸቦ 100 ሽሕ ብር ናይ ልቓሕ 900 ሽሕ ብር ወሲኹ ንወዱ ብ1 ሚልዮን ብር ኣፍቲሕዎ ኣሎ። ዘይተመለሰ ሕቶታት ግን ኣለዎ።
መንግስትን ሕግን ኣብ ዘለዎ ሃገር ኴንና "ነቲ ዘጋጠመና ብኸምዚ ኣገባብ ፈቲሕናዮ ኣለና። ቀጺሉኸ? ውላደይ ዳግማይ ከምዘይጭወ እንታይ ውሕስነት ኣሎኒ? ስራሕ ደው ኣብል ከይብሎ ዓቕሚ የብለይን። እቲ ዝዓበየ ስክፍታይ ብዛዕባ መጻኢ እዩ” ይብል።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ወዲ መምህር ኣንለይ ዝርከቦም መራሕቲ መካይንን ተሓጋገዝትን ዝተፈፀመ ጭውያ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ብዙሓት ዝተሓተትዎ ገንዘብ መበጆ ከፊሎም ዝተፈትሑሉ ተደጋጋሚ ጭውያታት ብወገን መንግስቲ ዛጊት ዝተባህለ ነገር የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







